ምምፃእ ልዑል ነጥቢ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ውፅኢት ፃዕሪ መምህራንን ተምሃሮን ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ምምፃእ ልዑል ነጥቢ ቤት ትምህርቲ ቃላሚኖ ውፅኢት ፃዕሪ መምህራንን ተምሃሮን ከም ዝኾነ ተገሊፁ።

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ነባራት ተምሃሮ እቲ ቤት ትምህርቲ መምህር ታጋይ ዘበነ ንትካል ፕሬ ስ ኢትዮጵያ ከም ዝበልዎ፤እቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ 1990 ዓ.ም ዝተመስረተ እንትኸውን፤ዛጊድ ልዕሊ ኽልተ ሽሕን ሓሙሽተ ምኢትን ኣምሂሩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ከእትው ኽኢሉ ‘ዩ። እቲ ሎሚ ዘበን ዝተርኣየ ልዑል ውፅኢት ድማ መርኣያ ፀፃዕሪ መምህራንን ተምሃሮን ‘ዩ።

ኣፍቲ ክልል ካብ ዘለዉ ቤት ትምህርቲ ልዑል ውፅኢት ሻምናይ ክፍሊ ዘምፅኡ ተምሃሮ ናፍቲ ቤት ትምህርቲ ብምእታው ንኣርባዕተ ዓማውቲ ናፃ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ከም ዝግበር ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፤ እቲ ዝነበሮም ፍልጠት ብምድባር ዝንኣድ ውፅኢት መእተዊ ዩኒቨርሲቲ ከም ዘምፅኡ ሓቢሮም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ብማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝተመስረተ እንትኸውን፤ ቀንዲ ዕላምኡ ድማ ዝተምሃረ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ንምፍታሕን ሃገር ብፍልጠት ክብ ንኽትብል ከም ዝኾነ ኣረዲኦም። ፀገማት እቲ ክልል ንምፍታሕ ዝያዳ ኣብ ፍልጠትን ምርምርን ብምድሃብን፤እቲ ቤት ትምህርቲ ንኻልኦት መርኣያ ክኸውንን ተባሂሉ ከም ዝተመስረተ ተዛሪቦም።

ተምሃሮ ብምኽንያት ኵናት ኸቢድ ፀገም እንተሕልፉ ‘ውን፤ ኸይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ መወዳእታ 2015 ዓ/ም ከም ዝተጀመረ ብምጥቃስ፤ ናይ ሰለስተ ዓመት ምድላው ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብፃዕሪ ብምምሃር ልዑል ውፅኢት ከምዘመዝገቡ ኣብራህሪሆም።

ሎሚ ‘ውን እንተኾነ ድሕሪ በቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ትምህርቲ 284 ተምሃሩ ከም ዝተፈተኑ ብምጥቃስ፤ልዑል ነጥቢ 675 ብደቂ ተባዕትዮ፤ ብደቂ አንስትዮ ድማ 662 እንትኸውን፤92 ተምሃሮ 600 ከም ዘምፅኡ ተዛሪቦም። እቲ ቤት ትምህርቲ 567 ማእኸላይ ውፅኢት ብምምዝጋብ እቲ ዝፀንሐ ብሉፅ ታሪኹ ከም ዝደጋገሞ ገሊፆም።

ካፍቲ ቤት ትምህርቲ ተማሂሮም ዝወፁ ተምሃሮ ብብርኪ ዓለምለኸ ምስ ዝፍለጡ ኩባንያታት ጎግል ማይክሮሶፍት፣ ናሳ፣ኣብ ውሽጢ ዓዲ ድማ ኣብ ኢንሳ፣ቴሌኮምኒኬሽን ከምኡ ‘ውን ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እናሰርሑ ይርከቡ ኢሎም።

ውፅኢት ተምሃሮ ቓላሚኖ እንትርኣይ ኣብ ኣፀጋሚ ኹነታት ‘ውን ዕላማን ፃዕርን ብምስናቕ፤ እዚ ዘኹርዕ ውፅኢት ምምፀኦም ዘሐጉስ ‘ዩ ኢሎም። እቶም ናይ ቀደም ተምሃሮ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለየ ዘፈር ስራሕ ዝርከቡ ውፅኢታውያን ምሁራት ካብ ዘለውዎ ዝተኣኻኸቡሉ መድረኽ ብምድላው ንሃገሮም ኣስተዋፅኦ ከበርክቱ ፃዕርታት እናተገበረ ከም ዝርከብ ሓቢሮም።

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You