ኢትዮጵያ ናብ ምሉእ ምትግባር ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርም ምእታዋ ተኸቲሉ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓዊሱ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፣ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ከምኡ ‘ውን ከም ሚኒስቴር ገንዘብ ዘብሉን ዝተፍላለዩ ዝምለከቶም ትካላትን ሙሁራትን መብርህን ገለፃን እናተወሃበሉን እዚ ድማ እዋናዊ ዛዕባ ዝኾነሉ ‘ዩ ዘሎ።
እዚ እዋናዊ ዛዕባ እዚ ኣብዚ ሰሙን ‘ውን ተጠናኺሩ ዝቀፀለሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ፤ በዚ መሰረት ናይ ሎሚ እዋናዊ ዛዕባና ‘ውን ኣብዚ ኮይኑ መብርህታትን ገለፃታትን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፣ ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ፣ ሚኒስትር ሚኒስቴርፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣልና፤ ሰናይ ንባብ:-
ምምሕያሽ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝምልከት ዝሓልፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፤ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ዕፅው ገይራ ብምፅንሓ ንዘበናት ኣብ ፈተና ውሽጢ ንክትወድቅ ምግባሩ ብምግላፅ፤ ንኣብነት ናይ ወፃኢ ንግዲ ክንዲ ዝኣኽሎ ወፃኢ ሸርፊ ምእታው ተሳኢንዎ ምፅንሑን ፣ፍርያታት ኢትዮጵያ ብኮንትሮባንድ ንክወፅኡ ምግባሩ፣ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ዓቅሚ ልክዕ ካብ ወፃኢ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ተረባሒት ምዃን ከምዘይኽኣለት፣ ብኻሊእ ወገን ስርዓት ፀሊም ዕዳጋ ንክስፍሕፋሕ ብምግባር ናህሪ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ልዑል ፅዕንቶ ንክፍጠር ምግባሩን ብምግላፅ፤ በዚ መንፅር እቲ መመሓየሺ ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ዝተፀዓኑ ስብራታት ብምልዓል ዝሐሸ ምንቕቓሓት ከምዝፈጥር ኣምላኺቶም ‘ዮም፡፡
ብፍላይ ህልውና ሴክተር ፋይናንስ ኣብ ምቕፃል ዝህልዎ ግደ ንፁር ‘ዩ ብምባል፤ ንኣብነት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብዕድጊት ቦንዲ ዝኣከቦ ገንዘብ ልቅሖም ምምላስ ንዘይኸኣሉ ብዙሓት ፕሮጀክታት ልምዓት ተበፃሒ እናተገበረ ምፅንሑ ብምልዓል እዚ ነቲ ባንኪ በዓል ዕዳ ከምዝገብሮን ናይ ሃገር ውሸጢ ባንክታት ኣብቲ ዕዳጋ ናይ ምቕፃል ዕድሎም ፈታኒ ከምዝገብሮን ዕድኡ ክምልስ እንተዘይኽኢሉ ድማ ምፍራሱ ከምዘይተርፍ ብምሕባር፤ እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ንህልውና ባንክታት ኢትዮጵያ ዘቐፀለ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ካብ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ (አይ ኤም ኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዝገብሮ ድርድራት ካብ ዘልዓሎም ጉዳያት ሓደ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝምልከት ምዃኑ ወሲኾም ብምሕባር፤ ኣብቲ ድርድር ነቲ ባንኪ 700 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ተወሳኺ ገንዘብ ካብቶም ትካላት ምርካቡን እዚ ድማ ናይቲ ባንኪ ህልውና ዘቐፀለ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ዘልዎ ተሳትፎ ብዝበለፀ ከምዘቕፅል ገሊፆም ‘ዮም፡፡
ብተመሳሳሊ ገዛኢ ብሔራዊ ባንኪ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ኣብ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣመልኺቶም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝብልዎ፤ ኣብ ስርዓት ምምሕዳር ወፃኢ ሸርፊ ዝተገበረ ለውጢ ጥዕና ዘለዎን ኣብ ፅኑዕ መሰረት ደው ዝበለን ዕብየት ኢኮኖሚ ንምቅፃል ዘኽእል ታሪኻዊ ውሳነ ‘ዩ፡፡
ቅድሚ ሃገራዊ ለውጢ ዝነበረ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዝገብረ፣ ውልቀ ሴክተራት ካብ ልቃሕ ዘየገላገለን ልዑል ፅዕንቶ ልቃሕ ዝነበሮ ከምዝነብረ ብምዝኽኻር፤ እቲ ዝነብረ ዕብየት ኢኮኖሚያዊ ኢንቨስትመንት ‘ውን መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ብምዃኑ ፋይናንስ ዝግበረሉ ዝነብረ መንገዲ ጥዕና ከምዘይነብሮን በዚ ናይ ለውጢ መንግስቲ ግና ሃገር ቦቀል ሪፎርም ኢኮኖሚ ብምቅራፅ ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ንምፅጋን ዘኽእሉ ስጉምትታት ምውሳዱ ተዛሪቦም።
በዚ ናይ መጀመሪያ ትግበራ ሃገር ቦቀል ሪፎርም ኢኮኖሚ ውሽጣውን ደጋውን ተፅዕኖታት ተፃዊሩ ዓብይ ውፅኢት ምምዝጋቡ ገሊፆም ‘ዮም። ንኣብነት ኢትዮጵያ ዝነበራ ናይ ልቃሕ ፅዕንቶ ካብ 40 ሚእታዊ ናብ 17 ነጥቢ 4 ሚእታዊ ንክቕንስ ምግባሩ ብምሕባር ፤ ትካላት ፋይናንስ ካብ ዝህብዎ ልቃሕ 88 ሚእታዊ ንውልቀ ሴክተር ተበፃሒ ምግባሮም ኣልዒሎም፡፡
ብተመሳሳሊ ሓደሽቲ ዘፈራት ኢንቨስትመንት ንክኽፈቱ፤ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብስርዓት ንክምርሑ ከምኡ ‘ውን ምፅጋን ስብራት ኢኮኖሚ መሰረት ዝገብረ ሓደሽቲ ትካላት ክደራጀዩ ከምዝገበረ ብምግላፅ፤ እዚ ዓዉት ስራሕ ብምቅፃል ተረባሕነት ህዝቢ ብምትግባር ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታውን እዚ ሪፎርሙ ማክሮ ኢኮኖሚ ምስ ትልምታት ፖሊሲታት መንግስትን ዝተጠዓዓመ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ዕብየትን ብልፅግናን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ደው ዝበለን ንህዝቢ ተረባሒ ዝገብር ከምዝኾነን ንኣብነት ሪፎርም ምእካብን ምምሕዳርን ኣታዊ፣ ናይ ገንዘብን ከምኡ ‘ውን ምምሕዳር ውፃኢ ሽርፊ ሓዊሱ ኩሎም ዘርፍታት ብምትእስሳር ዝትገብር ምዃኑ ብምልዓል፤ ወፃኢ ሸርፊ ብዘላቂነት ዝፈትሕ ወሳኒ ቁልፊ ምዃኑ ኣብሪሆም ‘ዮም።
ስብራት ማክሮ ኢኮኖሚ ዝፅግንን ዕብየት ኢኮኖሚ ዝቅፅልን እቲ ሪፎርም ናብ ዝተማልአ ትግበራ ክኣትው ከሎ ጥራሕ ምዃኑን፤ ትግበራ ሪፎርም ቐፃላይነትን ጥዕና ዘለዎን ዕብየት ኢኮኖሚ ንክህልው ዝግብር ብምዃኑ፤ ብዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (አይኤምኤፍ) ትንበያ ጥራሕ ኣብ ቐፃሊ ኣርባዕተ ዓመታት ማእኸላይ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ 8 ሚእታዊ ክዓቢ ‘ዩ። በዚ ሪፎርም ኣብ ተኣካቢ ኣታዊ ዓቅሚ ዝፈጥር፣ ዕቋር ወፃኢ ሸርፊ ዝውስኽ፣ ትርጉም ብዘለዎ መልክዕ ኤክስፖርትን ኢንቨስትመንትን ዝልውጥ ከምኡ ‘ውን ፍትሓዊነትን ኢኮኖሚ ዘስፍን ከምዝኾነ ኣመላኺቶም።
ሃገራዊ ባንኪ ካብ ዝገብሮም ሪፎርምታት ስርዓት ምቅያር ሸርፊ ወፃኢ ሓደ ከምዝኾነን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ብዝተግበረ ማዕቀፍ ምምሕዳር ሕጊ ሸርፊ ወፃኢ ብዙሓት ለውጥታት እናምፅኡ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ንኣብነት ‘ውን ሃገራዊ ባንኪ ጥራሕ ይትምኖ ዝነብረ ስርዓት ብስሩዕን ብኣንፃሩ ካብ ዕዳጋ ዝተረሓሓቀ ዝነብረ ምስፋሕ ኣፈላልይ ሓዊሱ ብዙሓት ፀገማት ዝነብሩ ከምዝኾኑን፤ በዚ መንፅር ተመን ምንዛረ ሽርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክውሰን ምግባሩ ሓቢሮም ‘ዮም፡፡
ተመን ምንዛሬ ብዕድጋ ምውሳኑ ሕጊ ኣልቦን ብልሹው ኣሰራርሓን ብምቅራፍ ኤክስፖርትን ኢንቨስትመንትን ንምብርትታዕ ልዑል ግደ ከምዝፃወትን። እዚ ድማ ስርዓት ምንዛረ ሸርፊ ወፃኢ ዝተረጋግዐን ጥዕና ዘለዎን ንክኸውን ይገብር። በዚ ኸይዲ ድማ ፀገም ስርዓት ዕዳጋ ምስ ዘጋጠም ሃገራዊ ባንኪ ኣብ ሞንጎ ኣትዩ ከምዘስተኻኽሎ ኣይተ ማሞ ምህረቱ ገሊፆም ‘ዮም።
እዚ ለውጢ ፖሊሲ ናይ10 ዓመት መሪሕ ትልሚ ልምዓት መሰረት ተገይሩ ተግባራዊ ምግባሩ ዘልዐሉ እቶም ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ፤ እዚ ድማ ሐዚ ዝተጀምረ ዘይኮነስ ቅድሚ 5 ዓመታት ጀሚሩ ምኽክር ክግበሮ ዝፀንሐ ኣጃንዳ ምዃኑን እቲ ሪፎርም ናይ ዝኾነ ኣካል ኢድ ኣእታዊነት ፅዕንቶ ዝመፅአ ዘይኮነስ ረብሓ ኢትዮጵያ መሰረት ገይሩ ዝተተግበረ ምዃኑ ብምልዓል፤ ካብ አይኤምኤፍን ዓለም ባንክን ዝተረኸበ ሓገዝን ልቃሕን ንትግበራ እቲ ሪፎርም ዝውዕል ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ኣለቃሕቲ ትካላት ትሕዝቶ ፅርይርት እቲ ሪፎርምን ዓቅሚ መፍረይነት ኢትዮጵያን ብምርኣይ ኣብ ኣፍሪካ ልዑል ዝተብሃለ ሓገዝን ልቃሕን ምሃቦም ብምግላፅ፤ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ኸይዲ ካብ ዓለምለኸ ትካላት ገንዘብን ባንኪ ዓለምን 2 ነጥቢ 5 ቢሊዮን ዶላር ናብ ሃገራዊ ባንኪ ኣታዊ ምግባሩን ካብ ክልቲኡ ኣለቃሕቲ ትካላት ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ናይ ርዕዮተ ኣለም ኣፈላልይ ከይገደቦም ነቲ ሪፎርም ንምቅፃል ዘኽእል ሃፍቲ ምርካቦም ኣብራህሪሆም።
ካብ ሃገር ወፃኢ ካብ ዝኣትው ሃለቅቲ ኣቅሑት 18 ሚእታዊ ጥራሕ ብናይ ወፃኢ ምንዛረ ከምዝመፅኡ ብምግላፅ፤ ካልኦት ኣብዝሓ ግና ብዘይስሩዕ ናብ ውሽጢ ዓዲ ይኣትው ከምዝነብሩን ሐዚ ግና ተመን ምንዛረ ናብ ዕዳጋ ዝመርሖ ተመን ምቅያሩ ኣብ ዋጋ ሸቀጣት ተወሳኺ ክፍጠር ከምዘይግባእ ብምግላፅ፤ እቲ ሪፎርም ተኸቲሉ ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ጉዳያት እንተተፈጢሮም ሕጋዊ መልሲ ንምሃብ እቲ ባንኪ ግቡእ ምድላው ከምተገበረ ሓቢሮም፡፡ ብኻሊእ ወገን ኣብ ትካላት ፋይናንስ ንዝግበር ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ንምቑፅታር ጥብቂ ናይ ፊሲካልን ናይ ገንዘብን ፖሊሲ ተግባራዊ ከምዝገብርን ኣብዚ ድማ ቴክኖሎጂ መሰረት ዝገብረ ምድላው ምግባሩ ገሊፆም፡፡
ኢትዮጵያ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታዋ ኣመልኪተን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ ከምዝበልኦ ‘ውን፤ መንግስቲ ቐፃላይነት ዘለዎ ዕብየት ንምምዝጋብን ናይ ዜጋታት ኹለንተናዊ ተረባሕነት ንምርግጋፅ ዕላማ ብምግባር ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝጀመሮ ኣብ ፅንዓት መሰረት ዝገብረን እኹል ምድላው ዝተገበረሉ ምዃኑን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጭቡጥ ኩነታት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ዝሓሰበቶ ዕብየት ንምስኻዕ ዘየኽእል ብምዃኑ ናይ ለውጢ መንግስቲ እዚ ንምቅያር ዝጀመሮ ሃገር በቆል ተግባራዊ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ምግባሩ ብምዝኽኻር፤ ኣብቲ እዋን ናይ ሃገር ውሽጢ ኣታዊን ካብ ወፃኢ ዝኣትው ፋይናንስ ውሑድ ምዃን፣ ትሑት ዓቅሚ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት፣ ማሕነቆታት ፖሊሲ ሓዊሱ መዋቅራዊ ፀገማት፣ ናይ ውልቂ ዘፈር ኣብቲ ኢኮኖሚ መሪሕ ዘይምዃኑ፣ ምንኣስ ምህርታማነትን ምዝሕሓል ዕድል ስራሕን ናይቲ ኢኮኖሚው ዋና ዋና መግለፂታት ከምዝነብሩ ገሊፀን።
እዚ ንምቅራፍን ንምቅላልን ሃገር ቦቀል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ምእታዉ ብምሕባር፤ ብፍላይ ኣብ መጀመርያ ምዕራፍ ኣብ ሰለስተ ዓምድታት ትኹረት ዝገብረ ተጨባጢ ለውጢ ኣምፂኡ ‘ዩ። ብዋናነት ኣብ ማክሮ ፋይናንስ ዘርፍ ፖሊሲ ፊስኪል (ኣታውን ውፃእን መንግስት) ኣብ ዝምልከት ኣታውን ምምሕዳርን መንግስቲ ብምዝማን ለውጢ ምምፃእ ምኽኣሉ ሓቢረን ‘የን። ትካላት ልምዓት መንግስቲ ዝነብሮም ሱር ዝሰደደ መሓውራዊ ፀገም ብምፍታሕ ኣትረፍቲ ክኾኑ ምኽኣሎምን፤ ልቃሕ ንግዲ ሙሉእ ብሙሉእ ብምትራፍ ፅዕቶ ዕዳ ኣብ ምቕናስ ዓብይ ስራሕ ምስራሑ ተዛሪበን።
ኣብ መጀመሪያ ሃገር በቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃል ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ናብ ዝተማልአ ትግበራ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታው ብምግላፅ፤ እቲ ውሳነ እዋናውን ኢትዮጵያ ንዝትሓልሞ ብልፅግና ምችው መሰረት ዝፈጥር ምዃኑ ተዛሪበን። ኣብዚ ትግበራ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ተፅዕኖታት ንምቅናስ ክውሰዱ ዝግባእ ስጉምትታት ብፅንዓት ተመላኺቱ ‘ዩ ኢለን።
ትግበራ ዝተማልአ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኣርባዕተ ጉዳያት ዘነፃፃርን ሐዚ ‘ውን ነዛ ሃገር እናፈተኑ ዘለው ፀገማት ኢኮኖሚ ብምፍታሕ ኣብ ኸይዲ ተገማቲን ዝተረጋግዐ ኩነታት ማክሮ ኢኮኖሚ ንክህልዋ ዘኽእልን ኣብ ሓፂር፣ ኣብ ማእኸላይን ነዊሕን እዋን ምዝባዓት ዋጋ ብምስትኽኻል፣ ኣፍራይነት ብምውሳኽ፣ ናይ ወፃኢ ቐጥታ ኢንቨስትመንት ምጥንኻር፣ ናይ ወፃኢ ሓዋላ ብምዕባይ፣ ዘይሕጋዊ ምንቅስቃስ ኮንትሮባንድ ደው ብምባል ተጨባጢ ለውጢ ከምፅእ ‘ዩ ኢለን።
ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ብወግኖም ክንከባለሉ ዝመፅኡ ሙስናን ፀገማት ሰናይ ምምሕዳርን ንትግበራ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ዕንቅፋት ከይኮኑ ብፍላይ ናይ ትካላት ሪፎርም ከምዝጀመሩ ብምሕባር፤ ትካላት ብብቁዕ ሰብሞያታት ንክደራጀው ናይ ምግባር ስራሕ ተጀሚሩ ‘ዩ።
ግልጋሎታት መንግስቲ ብስርዓት ዲጂታል ንክድገፍ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅሉን ፤ ናይቲ ፖሊሲ መመሓየሺ ዘላቂን ዘተኣማምንን ኢኮኖሚ ንምህናፅ መሰረት እምኒ ኹርናዕ ምዃኑ ፤ ነዚ መመሓየሺ ፖሊሲ ተግባራዊ ምግባሩ ተኸቲሉ ዝተፈላለዩ ፍልፍላት ፋይናንስ ሓገዛት እናገብሩ ብምዃኖምን ነዚ ተኸቲሉ ‘ውን ሚኒስቴር ገንዘብ ን2017 በጀት ዕላዊ ካብ ዝገብሮ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ብተወሳኺ በጀት ከምዘፅድቅ አመላኺቶም፡፡
ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ንምፅዳቅ ዝተዳለወ ልዕሊ 550 ቢሊየን ብር ኾይኑ፤ ካብዚ ድማ እቲ 240 ቢሊየን ብር ንማሕበራዊ ልምዓት ከምዝውዕልን መንግስቲ ነቲ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዝተማልአ መልክዕ ተግባራዊ እንትገብር ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ተሓሳቢ ዝገብር ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
እዚ ድማ ቀዋሚ ኣታዊ ዘለዎምን ብልምዓታዊ ሴፍቲኔት ንዝሕገዙ ዜጋታት እኹል ድጎማ ንምግባር ተወሳኺ በጀት ወሳኒ ግደ ከምዘልዎን እቲ ተወሳኺ በጀት ንዘይቲ፣ ንነዳዲን መድሓኒትን ድጎማ ንክውዕል ብምግባር ኣብ እዋን ትግበራ ፖሊሲ ክበፅሕ ዝኽእል ስግኣታት ኣቀዲሙ ምክልኻል ከምዝኽእልን ካብዚ ብዝሓለፈ ‘ውን ሃገራዊ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ኣታዊ ንምሽፋን ዝግበር ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቅፅልን ንትግበራ እቲ ፖሊሲ ናይ ኣታዊ ዓቅሚ ብምዕባይ’ውን ወሳኒ ግደ ከምዘልዎ ሓቢሮም ‘ዮም፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ተግባራዊ ኣብ ዝገበሮ መመሓየሺ ሪፎርም ማክሮ ኢኮኖሚ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲን ኣመራርሓ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝዘተያሉ ኣመልኪተን፤ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፀን ብዘሕልፍኦ መልእኽቲ እቲ ሪፎርም ንሃገርና ብዙሕ ረብሓ ዘርክብ ምዃኑ ኣመላኺተን ‘የን።
በዋናነት ዘላቂ ልምዓትን ኣካታቲነትን ንምርግጋፅ፣ ኩሉ ክፋል የማሕበረሰብ ተረባሒ ዝገብር ስርዓት ኢኮኖሚ ንምህናፅ፣ ፅዕንቶ ዕዳ መንግስቲ ንምቕናስ፣ ዝተረጋግዐ ተወዳዳሪን ናህሪ ዕዳጋ ንምቕናስ ዘኽእሉ ኩነታት ዕዳጋ ንምፍጣር፣ ተካኢ ምህርትታት ናብ ወፃኢ ዕዳጋ እንልእኾ ፍርያት ብምዕባይ ከምኡ’ውን ምችው ኩነታት ኢንቨስትመንት ብምፍጣር ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ ዕድል ዝፈጥር ምዃኑ ገሊፀን።
እዋናዊ ብድሆታት ንምቁፅፃር ንድኻን ታሕታዋይ ኣታዊ ዘለዎ ማሕበረሰብ ከይጉዳእ ወሰኽ መሃያ ሰራሕተኛ መንግስቲ ምውሳኽ፣ ነቲ ድኻ ምዱጓም፣ ብፍላይ ብሴፍቲኔት ዝተሓቆፉ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረዳኢነት ብዝቕንስ መንገዲ ምሕጋዝን ከምኡ ‘ውን ዕድል ስራሕ ብስፍሓት ንምፍጣር ተሓሳቢ ብዝገብረ መልክዕ ዝትግበር ምዃኑ ሓቢረን ‘የን።
ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ምስ መፍረይትን መምፃእትን ብቕርበት ብምስራሕ ነቲ ዕዳጋ ዘዛብዑ፣ ብፍላይ ዝኾነ ምስ ሸርፊ ወፃኢ ርክብ ኣብ ዘይብሎም ፍርያት ግቡእ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩን ፍርያት ኣብ ዝሓብኡን ኣካላት ጥንክር ዝበለ ቑፅፅርን ስራሕቲ ምኽባር ሕግን ዝስራሕ ክኸውን ‘ዩ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም