ዝኾነ ይኹን ፀገም እንትፍጠር ኣብ ህዝቢ ሒዝዎ ዝመፅእ ሁከትን መከራን ቐሊል ኣይኸውንን። እዚ ፀገም ፈቲሒኻ ናብ ንቡር ንምምላስ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ሓደ ዓቕምን ትኹረትን ዘድልዮ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ብኹናት ዝተልዓለ ቕልውላው ገዲፍዎ ዝኸይድ ፀልማት ንምቕንጣጥ ፃዕሪ ብዙሓት እንተዘይኾይኑ ንምምላስ ባዕሉ ዝኻኣለ ዓቐብ ‘ዩ ።
እዚ ንምፍታሕ ድማ ፖለቲከኛታት ዓብይ ሓላፍነት ኣለዎም። ኣብ ዝርከብ ፍታሕ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንክኸውን ክሰርሑ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ንብዙሕ ዓመታት ንኢትዮጵያ ክብል ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ‘ዩ ፤ ተቓላሳይ ከምኡ ‘ውን ፖለቲከኛ ‘ዩ። ኾይኑ ግና እዞም ውዳበ ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲ ንትግራይ ክሳብ ኸዚ ኣዕጋቢ ዝኾነ ምሕደራ ፖለቲካ ከምፅኡን ዕድል ክፈጥሩን ኣይተርኣየን ።
ቀንዲ ውራይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ብምጥንኻር ድሕንነት ህዝቢ ምሕላው እንትኾን ክሳዕ ሐዚ ብዝተገብረ ምርድዳእ ‘ውን ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተመዛበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕቲ ብዝሓሸ መንገዲ እናተፈፀሙ ‘ዮም። እዚ ዓብይ ለውጢን ኣብ ምርግጋዕ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ተስፋ ዝህብን ‘ዩ፡፡
ቁልፊ ዕማም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ዝተረኸቡ ዕድላት ብዝግባእ ብምጥቃም ውሑስ ሰላም ንምርግጋፅን ድሕንነት ህዝቢ ንምውሓስን ምርብራብ ‘ዩ ክኸውን ዝግባእ። ብኩናትን ምምዝባልን ኣብ ፀገም ዝፀንሐ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ሰላማዊ ህይወቱ ንክምለስ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘተ እናካየደ ዝተማልአ ምንቅስቓስ ምግባር ቀንዲ ተልእኾ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምዃኑ ርዱእ ‘ዩ።
እዚ ድማ ብሓደ ወገን ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ብምዕቃብ ናብ ሙሉእ ሰላም ንምስጋር በቲ ካልእ መዳይ ከዓ ናብ ጎንፂ ከእትውና ዝኽእሉ ዕንቅፋታትን ፈተናታትን ንምእላይ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ምግባር ግድን ኣብ ዝብል ወሳኒ መድረኽ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ክህልው ይኽእል ‘ዩ። ናይ ባዕሎም እምነትን ቀይሕ መስመር ዝብልዎ ሓሳብ ክህልዎም ይኽእል።
ኮይኑ ግና ኣፈላላዮም ኣኽቢሮም ሓደ ኣብ ዝገብሮም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅን እቲ ህዝቢ ሐዚ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቕልውላው ብሓድነት ኣብ መፍታሕ ናይ ሓባር መድረኽ ፈጢሮም ብሓድነት ክጓዓዙ ኣለዎም። ዝደለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ይሃልዎ ንህዝቢ ኢልካ ዝግበር ቓልሲ ሓድነት ክህልዎ ይግባእ። ካብዚ ወፃኢ ምጉጅጃል ፣ ሽም ምጥፋእ ኣድላይ ኣይኾነን።
ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ ረብሓኡ ዝፈልጥ ህዝቢ’ዩ ፤ ስለዚ ዝኾነ ፖለቲካ ኣባል ነቲ ህዝቢ ዝሐሸ ነገር ከምፀኣሉ ከምዝኽእል ከርእይ ኣለዎ። እዚ ዘይገብር ፖለቲከኛ ናብ ፖለቲካ ‘ውን ክኣቱ የብሉን። ሓድነት ትግራይ ብዘይምህላውን ፓርትታት ነኒበይነን ብናተን መገዲ ስለዘኸዳን ክሳብ ሓዚ ጥብ ዝብል ውፅኢት ከምፅኣ ኣይከኣላን።
ምፍልላይን ውልቃዊ ምዃንን ክተርፍ ኣለዎም። ዝሓሸት ትግራይ ንምፍጣር ዝሓሸ ሓሳብ ፣ ዝሓሸ ስራሕን ዝሓሸ ተግባራዊ ውፅኢትን ሒዝካ ምቕራብ ይግባእ ። ህዝብ ትግራይ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዘተ፣ ስምምዕነትን ሰላምን ‘ዩ ዝደሊ። ዘይምዑሩይ ፖለቲካ ንህዝቢ ትግራይ ጉድኣት ‘ምበር ረብሓ ኣየምፀአሉን፡፡
ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕም ፖለቲካዊ ኣካይዳ ጥራሕ ትኹረት ክገብሩ ኣለዎም፡፡ ናብ ተግባር ዝቕየሩ ሓሳባት ተቐይሮም ህዝቢ ትግራይ ዝጥቐመሉ ባይታ ክሳብ ዝረጋገፅ ምስ ህዝቦም ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ። እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንደሓር ከይምለስ ብጥንቓቐ ክተሓዝ ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ኸዚ ስርዓት ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ብዘይ ምርካቡ ከቢድ ስቓይን መከራን ክበፅሖ ክኢሉ ‘ዩ፡፡
እዚ ከይድገም ፖለቲካ ምዝማን ኣድላይ ‘ዩ፡፡ ፖለቲከኛታት ንውልቆም እንተይኾነስ ንህዝቢ ዝረብሕ መንገዲ ጥራሕ ክኽተሉ ይግባእ፡፡ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን ጥራሕ እንተይኮነስ ንነዊሕ እዋን ሰላምን ፍትሕን ኣስኢኑዎ ዝነበረ መንገዲ ፖለቲካ ዝምልስ ‘ዩ፡፡ ኸዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃዋህው ንህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝገጠሞ ፀገም ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሳጋግሮ ብምዃኑ ብጥንቓቐ ብምሓዝ ምጥቓም የድሊ፡፡
ናይ ሰላም ኣየር ኣብ ትግራይ ምንፋስ ምስጀመረ ህዝቢ ዝተረጋገዐ ናብራ ጀሚሩ ኣሎ። መንግስቲ’ውን ድሕሪ ሰላም ምስፋን ናይቲ ከባቢ መሰረተ ልምዓት መሊስካ ንምህናፅ፣ ጥዕና ትካላት ስራሕ ንክጅምሩ ምግባር፣ ትምህርቲ ናብ ስራሕ ክምለሱ ምግባርን ሕብረተሰብ ናብ ዝነበሮ ናብራ ምምላስ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።
ሃገርና ካብ ድኽነትን ኹናትን ክትወፅእ እትኽእል ብሰላም ምዝታይን ምድርዳር ክንኽእል ከለና ‘ዩ ። እዚ ድማ ዓዲ ናይ ምምራሕ ብቅዓት ኣለና ዝብሉ ዉድባት ዝኾነ ይኹን ፀገማት እንትፍጠር ብዘተን ኢህን ሚህን ብምባል ንክፍታሕ ከምህሩን ባዕሎም’ውን ንዘተ ቁሩብ ክገብሩን ይግባእ። ብሓፈሻ ንመስርሕ ሰላም ብምጥንኻር ድሕንነት ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ምግባር እንትኾን ኣብዚ እዋን ናይ ትግራይ ሰላም ዝህውኽ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ክህሉ ኣይግባእን፡፡
ኣብ ትግራይ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ኩሎም ሕጋውን ሰላማውን ብዝኾነ ኣገባብ ጥራሕ ክፍፀሙ ከምዘለዎም ካብ ዝሓለፈ እዋን ትምህርቲ ብምውሳድን ኹሉ ነገር ክኸውን ዘለዎ ረብሓ ህዝቢ ብምቕዳም ‘ዩ፡፡ እዚ ዝጅምር ድማ ፖለቲከኛታት ዓርሶም ብምግምጋምን ንህዝቦም ኣብ ዝክሕስሉ መንገዲ ክዛታዩ ይግባእ፡፡
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም