ብትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝተዳለወት “ብላቴናት” መፅሔት ህፃናት ተመሪቓ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብትካል ፕረስ ኢትዮጵያ እትሕተም ኣብ ህፃናት ዘተኮረት መፅሔት “ብላቴናት” ተመሪቓ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ መደረ ዘስምዑ ኣፈፃሚ ስራሕ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣይተ መስፋንት ተፈራ ከምዝበልዎ፤ እቲ ትካል ን83 ዓመታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ሕትመታት ከፍሪ ዝፀንሐ ‘ዩ። ሕዚ ድማ ኣብ ህፃናት ዘተኮረት “ብላቴናት” እትብል መፅሄት ናብ ዕዳጋ ኣምፂኡ ኣሎ።

ኣብታ መፅሄት ንህፃናት ብትሕዝቶ ኢ-ልበ ወለድን ልበ ወለድን እናዛናግዑ ስነ ምግባር ህፃናት ዝሃንፁ፣ ክእለት ምንባብ ዘማዕብሉ፣ ንህፃናት ምስ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዘላልዩ ኣርቲክላትን ሓፀርቲ ሓበሬታትን ተጠቓልል ምዃና ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ምስ ኣካለጎደሎ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ብትሕዝቶን ምስልን ውክልና ከም እትድህስስ ገሊፆም። ነታ መፅሄት ንምድላው ልዕሊ 7 ኣዋርሕ ከምዝወሰደ ብምጥቃስ፤ ተመኩሮ ካልኦት ሃገራት እንታይ ከምዝመስል ንምርኣይ ዳህሳስ ሰነዳትን ኣንበብትን ከምዝተኻየደ ኣመልኪቶም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንዝነጥፉ ክኢላታት ፀጋታት ንምእካብ ዝሕግዙ ተኸታታሊ ናይ ዘተ መድረኻት ከምዝተኻየዱ ‘ውን ኣዘኻኺሮም።

እታ መፅሔት በዓል ሙሉእ ሕብራዊት እንትትኸውን፣ ህፃናት ብዛዕባ ሃገሮም ንፁር ርድኢት ክህልዎምን ኣንባቢ ወለዶ ክፍጠርን ዓቢዪ ዓቕሚ ከም ዝፈጥር ብምጥቓስ፤ እቶም ዓምድታት እንትቕረፁን ስያመ እንትዋሃቦምን ስነ-ልቦና ህፃናት፣ ስነ-ምግባር፣ ኢትዮጵያውነት፣ ምትሕግጋዝ፣ ተሳትፎን ካልኦት ጉዳያትን ዘጠቓልል ምዃኑ ተዛሪቦም።

ናይቲ ምድላው ትሕዝቶ ጋዜጠኛታት ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ፣ክኢላታት ስነ-ፅሑፍን ሰኣልትን ከምዝሳተፉ ንቐፃሊ ቋንቋ ኣምሓርኛ ከምዘለዎ ኮይኑ ብኻልኦት ቋንቋታት ተበፃሒት ንምግባር ከምዝስራሕ እቶም ኣፈፃሚ ስራሕ ገሊፆም።

ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተወካሊ ኣካቢ ቦርድ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያን ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት ብወገኖም፤ ህፃናት ኣብ ወረቐት፣ ብራና፣ እምኒን ካልኦት መሳርሒታት ፅሕፈትን ዝተፅሓፉ ጉዳያት ክድህስሱ ክግበር ይግባእ ኢሎም።

ህፃናት ዲጂታላዊ ዓለም ከምዘለዎ ኮይኑ ምስ ብወረቐት፣ ብራና፣ እምኒን ካልኦት መሳርሒታት ፅሕፈትን ዝተፅሓፉ ነገራት ርክብ ክህልዎም ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቓስ፤ ኣብ ህፃናት ዝሰርሑን ትካላትን ክኢላታት ፅሑፍን ብምትብባዕ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ከተፍሪ ከምዝግባእ ብምጥቃስ፤ ህፃናት ኣብዝውዕልሉ ከባቢ ፅሑፋት ክቕመጡ ብምግባር ናይ ንባብ ባህሎም ምዕባይ ከምዘድሊ ኣረዲኦም።

ነዚ ድማ ካብ ወለዲ ጀሚርካ ኩሉ ሰብ እጃሙ ክገብር ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ ባህሊ ንባብ ንምዕባይ መፃሕፍቲ መሓዛ ቖልዑ ምግባር እንትከኣል ‘ዩ፡፡ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዘዳለዎ “ብላቴናት” ኣብ ህፃናት ዘተኮረ መፅሔት ክዳሎ እንተሎ መዳርግቲ ኣካላት ናይና ‘ዩ ብምባል ክሕግዙ ይግባእ ኢሎም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም

Recommended For You