ዝተፈላለዩ ሃገራት ቅልውላው ወይም ዘይምርድዳእ ገጢምዎም ንብዙሓት ፀገማት እንትቃልዑ ፀገማቶም ንምፍታሕ ከም ሃገር ኮፍ ኢሎም ይመኽሩ:: ንኣብነት ቅድሚ ኸዚ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ብከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዝሓለፉ ቱኒዚያን ደቡብ ኣፍሪካን ልምዲ ምጥቃስ ኣድላይ ‘ዩ::
ቱኒዝያ ዓረብ ናይ ፀደይ ኣብዮት ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ፀገም ካብ ዝኣተዉ ሃገራት እታ ሓንቲ እንትትኾን፣ ፀገማት ብምኽክር ንምፍታሕ ዝገበረቶ ፃዕሪ ተሳኺዑላ ‘ዩ:: ከምኡ ድማ ንነዊሕ እዋናት ኣብ ስርዓት ኣፓርታይድ ዝነበሩ ደቡብ ኣፍሪካውያን ብዝመሰርትዎን ሓቅን ዕርቅን ኮምሽን ፀገማቶም ብምፍታሕ ሕዚ ኣብ ዘለዉዎ ብርኪ በፂሖም ‘ዮም::
ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ብምስፋን ኩለመዳያዊ ብልፅግና ንምርግጋፅ ሃገራዊ መኽክር ኮምሽን ብምጥያሽ ኣጀንዳ ብምስብሳብ ተግባር እናሰርሐት ከምዝኾነት ዝፍለጥ ‘ዩ:: ነዚ ዕውትነት ሃገራዊ ምኽክር መራኸቢ ሓፋሽ ሃናፂ ተሳትፎ ወሳኒ ከምዝኾነ ይዝረብ::
ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር መራኸቢ ሓፋሽ ብኣግባቡ ብምጥቃም ናብ ህዝቢ ካብ ምብፃሕ ኣንፃር ብዙሕ ፃዕሪ እናገበረ እንተኾነ ‘ውን ካብቲ ጉዳይ ዕብየትን ካብ ዘለዎ ረብሓ ብዝበለፀ ክስረሐሉ ከምዝግባእ ናይቲ ዘፈር ባዓል ሞያታት ይገልፁ::
ናይ ኣሃዱ ቴሊቪዥን ዋና ስራሕ ኣካይድን ምክትል ኣካቢ ሃገራዊ ኮምሽን ምክክር ፎሮም መራኸቢ ሓፋሽ ጥበቡ በለጠ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ኮምሽን ዝሓዞም ፅቡቕ ሓሳባት ንሕብረተሰቡ ምሕላፍ ዝካኣል መራኸቢ ሓፋሽ ብምጥቃም ብምዃኑ ንዕውትነት ሃገራዊ ምኽክር መራኸቢ ሓፋሽ ግደኦም ልዑል ‘ዩ::
እቲ ኮምሽን ብዝፀንሑ ፀጋማት ዙርያ ብምምኽኻር ናብ ድርድር ዝኸዳሉ ዝተፀረገ መንገዲ ንምምችቻው ፃዕሪ እናገበረ ኣብ ዘለዎ ኣብዚ እዋን ብብፍላይ ኣብ ህዝቢ ንምብፃሕን ኣጀንዳ ንኮምሽንን ንመንግስትን ንምብፃሕ መራኸቢ ሓፋሽ ዘለዎም ግደ ዓብይ ከምዝኾነ ኣልዒሎም::
መራኸቢ ሓፋሽ ጉዳይ እቲ ምኽክር ብኤዲቶሪያል ፖሊሲኦም ውሽጢ ብምእታው፤ ንዝፅብፅቡን ሽፋን ንዝህብዎ መገዲ ደንቢ ስነምግባር ኣዳልዮም ብምትግባር ጉዳይ እቲ ምኽክር ቀዳሚ ኣጀንዳ ብምግባር ትፅቢት ይግረሎም ዝበሉ ኣይተ ጥበቡ፤ ንፀብፀብቲ ናይ ስራሕ ልምምድ ብምሃብ እቲ ኮምሽን ምኽክር ዕላማ ብዝግባእ ተረዲኦም ስለምኽክሩ ዘለዎም ፍልጠት ምዕባይ ኣለዎም ኢሎም::
እቲ ፀብፃብ ምኽክር ከም ካልኦት ፀብፃባት ዓይኒዕሙተይ ብዝኾነ መልክዑ ወቐሳ ዝዋሃብ ኣይኮነን:: ከምኡ ‘ውን ሓሳቡ ካብ ፖለቲካ እና ኣድልዎ ዝፀረየ ብምዃኑ መራኸቢ ሓፋሽ ኣብቲ ጉዳይ ዙርያ ሰፊሕ ሽፋን ንክህቡ ምኽኣል ከምዝግባእ እቶም ምክትል ኣካቢ ገሊፆም ‘ዮም::
ከም ገለፃ ኣይተ ጥበቡ፤ እቲ ኮምሽን ምስ መራኸቢ ሓፋሽ ተቐራራቢ ንምስራሕ ንክሕግዞ ማሕበራዊ ሚድያ፤ ናይ ውልቀን መንግስትን መራኸቢ ሓፋሽ ዝሓቖፈ ፎረም ሚድያ ምጥያሹ ዝድግፍ ‘ዩ:: እቲ ፎረም ብኹሉ መራኸቢ ሓፋሽ ዘፈር ውሽጢ ዘለዉ ኣመራርሓ ብምእካብ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብስፍሓት ንክሰርሑ ብስረሖም ንዝርከቡ ባዓል ሞያታት ርድኢት ንክፍጠር ገይሩ ‘ዩ::
መራኸቢ ሓፋሽ ምኽክር ሓሳብ እንተይኾነስ ኣካይድኡ ኣወንታዊ ብዝኾነ መልክዑ ብባዓል ሞያ ወቐሳ ንክወሃቦ ምግባር ትፅቢት ከምዝግረሎም ዝገልፁ ኣይተ ጥበቡ፤ ክሳብ ኸዚ ዘሎ ከይዲ ናይቲ ምኽክር ኮምሽን ጉዳይ ቀዳሚ ኣጀንዳ ብምግባር ሽፋን እናሃብዎ ከምዝኾነ ዓብይ ዓወት ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሆም::
መራኸቢ ሓፋሽ ኣብ ክልላት ጋምቤላን ቤኒሻንጉልጉምዝን ዝተሰርሐ ኣጀንዳ ናይ ምእካብ ከይዲ ሽፋን እንትህቡ ናይ ዕለት ኩነታት እንበር ንድሕሪት ብምርኣይ ሓበሬታ ብኣግባቡ ብምዝርዛር ከይዲ እቲ ምኽክር ዘለዎ ብርኪ ንህዝቢ እናረደኡ ኣይኮነን ዝበሉ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽን መምህር ተሻገር ሽፈራው (ዶ/ር) ‘ዮም::
ናይ ሚድያ ተመልካቲ ቀፃልነት ብዘይብሉን ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ሚድያ ዝከታተል ከምዝኾነ ዝልዓሉ ተሻገር(ዶ/ር)፤ መራኸቢ ሓፋሽ ስለ ሃገራዊ ምኽክር ኮምሽን ፀብፃብ ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን እቲ ኮምሽን መዓዝን ንምንታይ ዕላማ ከምዝተጣየሸ፤ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላት እንመን ከምዝኾኑ፤ ዜጋታት ብምንታይ ዓይነት መልክዑ ኣብቲ ከይዲ ከምዝውከሉን ካልኦት ኣድለይቲ ሓበሬታታት ብሓፂር ምቕራብ ከምዘለዎም ገሊፆም::
ከም ገለፃ ተሻገር (ዶ/ር)፤ ዋና መዳርግቲ ኣካላት ክባሃሉ ዝኽእሉን ናይ ባዕሎም ኣጀንዳ ዘለዎም ከም ኦነግ ዝበሉ ጉጅለ ፖለቲካ ካብ ሃገራዊ ኮምሽን ባዕሎም ኣልዒሎም ‘ዮም:: መራኸቢ ሓፋሽ ባዕሎም ዘግለሉ ኣካላት ብምምጓት ኣብቲ ጉዳይ ዙርያ ዘለዉ ፀገማት ምርኣይ ኣድላይ ‘ዩ::
ፀብፃብ ምኽክር ምስ ሰላምን ጎንፅን ሓቢሩ ዝኸይድ ዘፈር ጋዜጠኝነት ‘ዩ :: እዚ ‘ውን ናይ ሚድያ ገለልተኛነት ኣብ ዙርያ እቲ ጉዳይ ናይቲ ጋዜጠኛ ዝተማለአ ፍልጠት ዝሓትት ‘ዩ ዝበሉ እቶም መምህር፤ እቲ ኮምሸን ምኽክር ኣገልጋሊ መንግስቲ ‘ዩ ዝበሉ ጥርጣረታት ዘለዉ ብምዃኑ እዚኦም ጉዳያት ምፅራይ ከምዝኾነ ይገልፁ::
መራኸቢ ሓፋሽ ዜና ካብ ምፅብፃብ ብተወሳኺ ሓፈሻዊ ከይዲ ከምዘረድኡ እዋናዊ ትሕዝቶ ኣዳሊዮም ዜጋታት ምዝታይ ኣለዎም:: ከምኡ ‘ውን ብምኽክር ኮምሽኑ ሓሳብ ዙርያ ዜጋታት ብምምሃር ናይቲ ጉዳይ ባዓል ዋና ንክኾኑ ብምግባር ሓሳቦም ካብ ምሕታት ብተወሳኺ ብፂሒቶም ፈሊጦም ንክሳተፉ ምግባር ይግበኦም ይብሉ::
መራኸቢ ሓፋሽ እዚኦም ተግባራት ክሰርሑ ዝኽእሉ ሙያዊ ነፃነት ክህልዎም ከሎ እዩ ዝበሉ ተሸገር(ዶ/ር፤ ባዓል ሞያ ስለ ሃገራዊ ምኽክር ካብ ፀቢብነት ዝወፀን ሰፊሕ ምርዳእ ሃልይዎም ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ብምውሳድ ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር እናኸደሉ ዘሎ ኣካይዳ ብምግምጋም ዕሙቕ ዝበሉ ፀብፃባት ምስራሕ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም::
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ጋዜጠኝነትን ኮሙኒኬሽንን ረዳት ፕሮፌሰር ሳምሶን መኮነን (ዶ/ር) ‹‹መራኸቢ ሓፋሽ ንዕውትነት ሃገራዊ ምኽክር ንኢትዮጵያ ወይ ውድቀት ›› ብዝብል ርእሲ ኣብ ዘሐትምዎ መፅሓፍ ከምዝገለፅዎ ፤ ሚድያ ንሃገራዊ ምኽክር ውፅኢታውነትን ተኣማኒነት ዘለዎ ሓበሬታ ንህዝቢ ብመንፅር ምብፃሕ ወሳኒ ግደ ዝሕዝ ‘ዩ:: በዚ ድማ ኽልተ ዝተፈላለዩ ተሞክሮ ምልዓል ከምዝካኣል ይጠቕሱ::
ኣብ መንጎ ፓላንድን ኢራቅን ዝተገበሩ ከይዲ ምኽክር ሚድያ ብሓፈሻ ከይዲ እቲ ዘተ ብምድጋፍ ነቲ ምኽክር ዕውትነት ዓብይ ግደ ከምዝገበረ ሳምሶን መኮነን (ዶ/ር) ኣብ ፅሕፎም ይገልፁ::
ብተፃራሪ ኣብ ኢራቅ ኣብ ዝነበረ ከይዲ ምኽክር ግደ መራኸቢ ሓፋሽ ብኣግባቡ ኣይሰርሑን:: ብተመሳሳሊ የመን ዝዓበየ ስትራቴጂ ሚድያ ዘለዋ ሃገር እንተኾነት ‘ውን ሃገራዊ ምኽክር ድልየት እቲ ህዝቢ ምስሓብ ኣይኻኣለን:: በቲ ውፅኢት ድማ እቲ ምኽክር ትፅቢት ብዝግበረሉ ውፅኢት ኣየምፅአን:: ስለዚ ሚድያ ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ እንተዉዒሉ ብኹሉ ብርኪ ንሃገራዊ ምኽክር ግንዛበ ማሕበረሰብ ብምዕባይ ሓገዝ ምፍጣር ከምዝካኣል እቶም ረዳት ፕሮፌሰር ኣብ ፅሕፎም ኣስፊሮም ‘ዮም::
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም