ኣዲስ ኣበባ፡- ሕበረተሰብ ከም ኮሌራ ዝበሉ ምስ እዋን ክረምቲ ተተሓሒዞም ዝመፁ ሕማማት እናጋጠሙ ምዃኖም ብምግንዛብ ጥንቓቐ ክገብር ጥዕና ቢሮ ክልል ትግራይ ኣታሓሳሲቡ፡፡
ኣብ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ክኢላ ርክብ ህዝቢ ኣይተ ገብረሰላማ ገብረትንሳኤ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ክሳብ ዕለት 29 ሓምለ ዒስራን ሓደን ወገናት ብሕማም ሸሮኽ (ኮሌራ) ተታሒዞም ኣለዉ፤ እዚ ቀሊል ዝበሃል ስለዘይኮነ ጥንቓቐ ምግባር የድሊ፡፡
ከም ገለፃ ኣይተ ገብረሰላማ፤ ሕብረተሰብ ሕማም ኮሌራ ብኸመይ ከምዝመፅእ ተረዲኡ ብጋንኡ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ፡፡ ሕማም ኮሌራ ብቐሊሉ ከንከላኸሎ ንኽእል ሕማም ‘ዩ፤ እዚ ሕማም እዚ ውልቀን ከባብያውን ፅሬትናን ፅሬት ንጥቀመሉ ማይን ምግብን ብምሕላው ከንከላኸሎ ንኽእል ኢና፡፡ ክሳብ ሞት ዘብፅሕ ሕማም ስለዝኾነ ኣቅሊልካ ዝረአ ሕማም ኣይኮነን፡፡
ሕማም ኮሌራ ብቐሊሉ ከንከላኸሎ ንኽእል ኢና ከንብል እንተለና፣ ቐዳማይ ሕብረተሰብ ናይ ውልቑን ከባቢኡን ፅሬት ክሕሉ ኣለዎ፡፡ ካልኣይ ሕማም ከጋጥም እንተሎ ክዳናገፅ እንተይኮነስ ናብ ሕክምና ‘ዩ ቐልጢፉ ክኸይድ ዘለዎ፤ እንተተደናጊፁ ምንኽኻእ ከጋጥም ስለዝኽእል ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ፡፡
ኮሌራ ፈሳሲ ናይ ሰውነትካ ብምውዳእ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ክቐጥል ዝኽእል ሕማም ስለዝኾነ ከንገብሮ ዝግባእ ከንገብር ኣለና፤ ሕድሕድ ሕብረተሰብ እንተተረኺቡ ‹‹ኦ ኣር ኤስ›› ዝበሃል ውሁድ ሰብ ሞያ ብምጥያቕ ክጥቐም ኣለዎ፤ ወይ ደሞ ንሱ እንተዘይተረኺቡ 6ማንካ ሽኮርን ክልተ ማንካ ጨውን ገይርካ ሓደ ሊትሮ ማይ ብምብፅባፅ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ብጥንቓቐ ክወሃብ ክኽእል ኣለዎ፡፡
ካሊእ ማይ ኣፍሊሕኻ ምጥቓም ወይ ከዓ ዝተሓከመ ማይ ምስታይ፡፡ ማለት ኣውዒኻ ምስታይ ‘ውን ተመራፂ ‘ዩ፤ ኣብዚ ግና ዝምለከቶም ኣካላት በርቲዖም ክሰርሑ ኣለዎም:: ብፍላይ ሰብ ሞያ ንሕበረተሰብ ከምህሩ ኣለዎም ክብሉ መኺሮም:: ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብ ምሕላው ውልቐን ከባቢን ፅሬት ቖላሕታ ክገብር ኣለዎ:: ካሊእ ኣብ ከባቢኡ ዝሓመመ ሰብ እንተሪኡ ኣብ ከባቢኡ ናብዝርከብ ትካል ጥዕና ክወስዶ ኣለዎ::
ክሳብ ሕዚ መብዛሕትኡ እቲ ሓደጋ ተራእዩ ዘሎ ብዋናነት ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ወረዳ ኣስገደን ፅምብላን ‘ዩ፤ እቲ ዝበዝሐ ዝተረኣየ ኣብ ወረዳ ኣስገደ ጣብያታት ደደቢት፣ ሰላም፣ ዕዳጋ ሕብረት፣ ማይ ሓንሰን ዝበሉ ከባቢታት ኮይኑ ኣብ ወረዳ ፅምብላ ኣብ ደብረማርያም ዝበሃል ቦታ ‘ውን ኣጋጢሙ ከምዘሎ ብምሕባር፤ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዝተበከለ ማይ ብምስታይ ከምዝኾነ ሓቢሮም::
ዝኾነ ሰብ ምልክት ሕማም ኮሌራ ክርኢ እንተሎ እንተስ ኣብ ከባቢኡ ንዝርከብ በዓል ሞያ ጥዕና፣ ወይ ትካላት ጥዕና ሓበሬታ ክህብ ኣለዎ ክብሉ ኣይተ ገብረሰላማ መልእኽቶም አሕሊፎም::
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 2 ነሓሰ 2016 ዓ.ም