ኣብ ፓሪስ ክደምቁ ትፅቢት ዝግበረሎም ከዋኽብቲ ኢትዮጵያ

ኦሎምፒክ ንመበል ሳልሳይ ዕድል ምድላው ዝረኸበት ፓሪስ ውድድራት ምክያድ ካብ ዝጅመር መዓልትታት ተቖፂሮም ‘ዮም፡፡ ክሳብ ኸዚ ሃገራት ብዝተፈላለየ ስፖርት ሜዳልያ ብምምዝጋብ ኣብ ብርኪ ሰንጠረዥ እናተፎኻኸሩ ይርከቡ፡፡ ግብፅን ደቡብ ኣፍሪካን ዝኣመሰሉ ሃገራት ሜዳልያ ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ ናይ መጀመርያ ክኾና ክኢለን እየን፡፡

ሎሚ ማዓልቲ ሓሙስ ብዝጅምሩ ውድድራት ኣትሌቲክስ ድማ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካልኦት ኣህጉር ሃገራት ጠንካራ ተፎኻኸርቲ ሜዳልያ ንምርካብ ከምዝወዳደሩ ትፅቢት ይግበር፡፡ ኢትዮጵያ ሎሚ መበል 15 ኦሎምፒክ ተሳትፎኣ እትገበር እንትትኾን፤ ኦሎምፒክ ፓሪስ ውድድር ብናይ ደቂ ተባዕትዮ 20ኪሎሜትሮ ውድደር ስጉምቲ ክትጅምር ‘ያ፡፡

ብሓመሳን ብኣትሌቲክስ ስፖርት ተሳትፎኣ እትገብር ኢትዮጵያ ብ43 ብዝኾኑ ኣትሌታት ክትውክል ‘ያ፡፡ እዚኦም ርሕቐት ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፣ 20ኪሎ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ስጉምቲ ከምኡ ‘ውን ብኽልቲኡ ፆታ ብ1ሽሕ500 ሜትሮ ፣3ሽሕ መሰናኽል፣ 5ሽሕ ሜትሮ ፣10ሽሕ ሜትሮ ከምኡ ‘ውን ማራቶን ‘ዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ተሳትፎኣ 23 ናይ ወርቂ፣12 ናይ ብሩር፣ 23ናይ ንሓስ ብሓፈሻ 58 ሜዳልያታት ክተመዝግብ ዝኻኣለት ኢትዮጵያ፣ በዚ ኦሎምፒክ ብእትፍለጠሎም ማእኸላይ ፣ነዊሕ ርሕቐት ውድድር ተወሳኺ ክብሪ ተመዝግብ ‘ያ ተባሂሉ ትፅቢት ይግባር፡፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቶኪዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ብደቂ ተባዕትዮ 10ሽሕ ሜትሮ ብኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ብዝተረኸበ ብሕታዊ ወርቂ ሜዳልያ 1ብሩርን 2ነሓስን ብሓፈሻ 4ሜዳልያታት ከምዝረኸበት ዝዝከር ‘ዩ፡፡

ኦሎምፒክ ፓሪስ ተኸቲሉ ድማ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ኣቐዲሙ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ እቲ ጉጅለ ከመዝግብ ዝተለሞ ሜዳልያ ብቁፅሪ ዕላዊ ገይሩ ከምዘይገለፀ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ኾይኑ ግና እቲ ጉጅለ ከምዝተለመደ ብዝሳተፈሎም ዝተፋላለየ ርሕቐት ሜዳልያታት ከመዝግብ ‘ዩ ተባሂሉ ተስፋ ይግበረሉ፡፡ ኢትዮጵያ ናይ ኦሎምፒክን ናይ ዓለም ቻምፒዮናታት ከምኡ ‘ውነ ክብረወሰን ዓለም ባዓል ዋና ዝኾኑ ኣትሌታት ብምሓዛ እዚ ተስፋ ንክመፅእ ምኽንያት ኾይኑ ‘ዩ፡፡

ካብ ኣትሌት ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ካብ ሮም ኦሎምፒክ ወርቂ ሜዳልያ ጀሚሩ ክሳብ ኸዚ ስም ኢትዮጵያ ዝላዓል ብጠንካራ ኣትሌታት ‘ዩ፡፡ ካብ ሃገር ሓሊፉ ብኣህጉርን ብብርኪ ዓለም ለኸ ሓደሽቲ ታሪኽ ከምዘመዝገቡ ኸዚ ‘ውን ኣትሌቲክስ ዓለም ቤተሰብ ብቅዓት መናእሰይ ኣትሌታት ንምርኣይ ትፅቢት እናገበረ ይርከብ፡፡

ኣብ ቶክዮ ኣትሌታት ዩጋንዳ ኣስዒቡ ናይ ወርቂ ሜዳልያ ዝወሰደ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ኣብ ፓሪስ ‘ውን ትፅቢት ዝግበረሉ ኣትሌት ‘ዩ፡፡ ናይ 10ሽሕ ርሕቐት ዝመርሖ እዚ መንእሰይ ኣትሌት ኣብ ዝሓለፉ ቻምፒዮና ዓለም ትፅቢት ከምዝተገበረሉ እንተዘይተረኸበ ‘ውን ኣብዚ ዓመት ካብ ዘለዎ ቅዋም ኣንፃር ንሜዳልያ ዝፎኻኸር ‘ዩ ዝኸውን፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ በዚ ርሕቐት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቡዳፔስት ቻምፒዮና ዓለም ዝኾነት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ እቲ ጉጅለ ካብ ዝመረፆም ተፎኻኸርቲ ኣትሌታት እታ ሓንቲ ‘ያ፡፡ እታ ኣትሌት ብ5ሽሕ ሜትሮ ቶክዮ ኦሎምፒክ ተሸላሚት ናሓስ ከምዝኾነት ዝዝከር ኾይኑ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ናይቲ ርሕቐት ተዓዋቲት ኾይና ‘ያ፡፡

እታ ኣትሌት ብ1ሽሕ 500 ሜትር ‘ውን ናይ ገዛ ውሽጢ ክብረወሰን ባዓልቲ ዋና እንትኾን ብኽልተ ርሕቐት ሃገራት ወኪላ ኣብ ኦሊምፒክ ክትጎይ ‘ያ፡፡ ርግፅ ብኬንያን ኔዘርላንድን ጠንካራ ተፎኻኻሪ ከምዝገጥማ ትፅቢት እንተተገበረ ‘ውን ልዕሊ ኽልተ ሜዳልያ ንኢትዮጵያ ክምተዝገብ ትፅቢት ኣሎ፡፡

ካልእ ባዓል ዋና ክብረወሰን ዓለምን በዚ ርሕቐት ተስፋ ዝወሃበሎም እቲ ሓደ ዝኾነ ናይ 3ሽሕ ሜትሮ መሰናኽል ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ‘ዩ፡፡ ኣብ ቶኪዮ ሜዳልያ ብሩር ዝረኸበ እንትኸውን ድሕሪ ተሳተፎ ሰለስተ ቻምፒዮና ዓለም ኣብዚ መድረኽ ናይ መጀመርያ ሜዳልያ ወርቂ ንባዕሉን ንሃገሩን ከምዘመዝግብ ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣብዚ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ትፅቢት ትግበረሉ ድማ ማራቶን ‘ዩ፡፡ ብኽሊቲኦም ፆታታት ዝህሉ ፍኹክር ብሃንቀውታ እናተፀበየ ‘ዩ፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ ዓለም ክብረወሰን ባዓልቲ ዋና ዝኾነት ትእግስት ኣሰፋ ከምኡ ‘ውን ቻምፒዮና ዓለም ዝኾነት ኣማኔ በሪሶ ዘላቶ እዚ ጉጅለ ብጠንካራነቱ ምናልባት ‘ውን ናይ መጀመርያ ተሳተፍቲ ክገብሮ ይኽእል፡፡

ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ ነባር ኮኮብ ኦሊምፒክ ቀነኒሳ በቀለ ናብዚ ውድድር ምምላስን ኬንያዊ ኣትሌት ኢሉድ ኪፕቾጌ አብ ሓደ ውድድር ምርኻቦም ብኣትሌቲክ ስፖርት ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ተባሂሉ ክምዝገብ ዝኽእል ‘ዩ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 25 ሓምለ 2016 ዓ.ም

Recommended For You