ባህላዊ ቁኖ መግለፂ ፅባቐ ጎርዞ ትግራይ

ሓደ ሕብረተሰብ መግለፂ መነባብሮኡን መንነቱን ዝኾኑ ባህልታት ኣለውዎ። ንስነ-ቃሉ፣ በዓላቱ፣ ባህላዊ ኣልባሳቱን መጋየፅታቱን ዓብይ ክብሪ ሂቡ ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ የስግሮም። ቁኖ ድማ ሓደ ካብኦም ሓደ ‘ዩ። ሕብረተሰብ ዓቂቡዎም ዝመፅአ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ቁኖ ኣለውዎ።

እቶም ቁኖታት ብክሊ ዕድመ ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ፤ በብኸባቢኡ ድማ ዝተፈላለየ ስያመን ትርጉምን ክህልዎም ይኽእል። ካብቶም ብዙሓት መግለፂ ፅባቐ ቁኖ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝኾኑ ከምኡ ድማ ኣብዝሓ ጎርዞታት ዓድና ዝጥቀማሉ ዝፍለጡ ዓይነታት ቁኖ እስኪ ንርአ፡፡

ጭንጉዕቲ [ልፃይ]፤ ጭንጉዕቲ ኣብ ማእኸል ዝተላፀየን ብዝተወሰነ መልክዑ ድማ ኣብ ማእኸል ዘይተላፀየ ፀጉሪ ዘለዎን ‘ዩ። እዚ ሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ካብ ሰለስተ ክሳብ ሽድሽተ ዓመት ዝመልኣ እትቑነኖ ቁኖ ‘ዩ። ጭንጉዕቲ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ልሙድን ትርጉም ዘለዎን ኣለዎ።

ጋመ ፤ ጋመ [ጋመ ዓረብ] ብብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ይዝውተር። ኣብ ቅድሚት ኣርባዕተ ወይ ድማ ሓሙሽተ ተለላ ንጎኒ ዝቑነን እንትኸውን እቲ ዝተረፈ ድማ ንድሕሪት ይቑነን። ጋመ ካብ 14 ክሳብ 20ታት ዘለዋ ዝተሓፀያ ኣዋልድ ዝቑነነኦ ‘ዩ። እዚ ቁኖ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ልሙድ ‘ዩ። ቁኖ ጋመ ሰለስተ ብርክታት ኣለውዎ፤ ጋመ ዓረብ፣ ጋመ ጭንጉዕትን ጋመ ዕማሞን።

ሳድላ፤ ኣብ ማእኸላይ ዕድመ ትርከብ ጓልኣንስተይቲ ሳድላ ትቁነን ። ሳድላ ከም ጋመ ሰለስተ ንጎኒ ዝቑነን ኮይኑ፡ ኣብ ማእከል ድማ ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ንድሕሪት ብፍሩይ ይቑነን። ነዘን ኣብ ሞንጎ ፍርይ ኢለን ዝቑነና ቁኖታት ኣብ ገለ ከባብታት ስንቅር ተብሂለን ይፅውዓ።

ግልብጭ፤ ኩሉ ንድሕሪት ዝቑነን ቀጢን ቁኖ ኮይኑ ኣብ ጫፉ ግና ዘይተደርመመ ‘ዩ። ግልብጭ ከምቶም ካልኦት ቁኖታት ካብ 30 ክሳብ 45 ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ትቑነኖ። ኣብ ከባቢ ራያ “ቀዳመ ሰናብቲ እንታይ እነሀኪ ዕዮ፡ ግልብጭ ተቖኒንኺ ጥስም ደይትብልዮ” ከምዝበሃል’ውን ይዝረብ፡፡

ኣልባሶ፤ ቁኖ ኣልባሶ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ትሽዓተ ተለላ ዝሓዘ ፍሩይ ቁኖ ‘ዩ ። እዚ ቁኖ ካብ ርሑቕ ዝልለ፣ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ዓይነት ቁኖ ምዃኑ ይግለፅ። ኣብ ሞንጎ ኣልባሶ ከከም ድሌት እተን ደቂኣንስትዮ ሓደ ወይ ክልተ ስንቅር ምሕዋስ ወይ ድማ ሳርጌታ (ብዓምዲ ዝተተሓሓዘ) ምግባር ይከኣል። እዚ ቁኖ ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ብዘይ ኣፈላላይ ዕድመ ንክቁነና ዝመርፀኦ ‘ዩ።

ዓሳ፤ ዓሳ ካብቶም ኣዝዮም ፍቱዋት ዝኾኑ ቁኖታት እቲ ሓደ ‘ዩ። ዓሳ ኣብ ማእኸል ሓንቲ ኣልባሶ ብምግባር እቲ ዝተረፈ ንጎኒ ‘ዩ ዝቑነን። ብጎኒ ተወሳኺ ኣልባሶ ብምውሳኽ በዓል ሰለስተ ኣልባሶ ዓሳ ምቑናን’ውን ይከኣል። ዓሳ ኣብ ኩለን ከባብታት ትግራይ ልሙድ ክኸውን ከሎ፤ ኣብ ንእስነትን ማእኸላይ ዕድመን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ እየን ዝቑነንኦ።

ድርማሞ፤ ድርማሞ ንድሕሪት ተቖኒኑ ጫፉ ድማ ብማዕረ ዝኽምበት ወይ ድማ ዝድርመም ዓይነት ቁኖ ‘ዩ። እዚ ኣብ ብዙሓት ከባብታት ዝተለመደ ዓይነት ቁኖ ክኸውን ከሎ፤ ልዕሊ 30 ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ክትቁነኖ እትኽእል ዓይነት ቁኖ’ዩ።

ሰለላ ፤ እዚ ዓይነት ቁኖ ድማ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብተመሳሳሊ መጠን ኣፈላላይ ዝውዳእ ‘ዩ። ኣብ ሰለላ ኣብ ቅድሚት ዝግበር ጋመ የለን። እዚ ዓይነት ቁኖ ሰፊሕ ዕድመ ጓልኣንስተይቲ ዝሽፍን እንትኸውን፤ ካብ 20 ክሳብ 45 ዝዕድሚአን ይቑነንኦ ። ቁኖ ሰለላ ኣብ ከባብታት ጡሙጋ፣ ኣላማጣን ዋጃን ኣዝዩ ልሙድ ‘ዩ።

ሰርጌቶ (ሰርጌታ)፤ ጨጉሪ ርስኢ ሙሉእ ንሙሉእ ንድሕሪት ምስ ተቖነነ ኣብ ግምባር ብሓንቲ ዘለላ ኣብ ማእኸል መራኸቢ ብዘይብሉ ዝእሰር ‘ዩ። ሰርጌታ ልዕሊ 20ን ትሕቲ 60ን ዝኾና ደቂኣንስትዮ እየን ዝቑነንኦ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You