‹‹እቲ ተጣይሹ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ብምእታው ስርሑ ክዛዝም ‘ዩ›› – ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ

ኣዲስ ኣበባ፡ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ብምእታው ስርሑ ክዛዝም ‘ዩ ክብሉ ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬተሪያት ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ገሊፆም፡፡

እቶም ሌ/ጀነራል 15 ሐምለ 2016 ዓ.ም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ከም ዝበልዎ፤ ፀጥታን ሰላምን ትግራይ ውሑስ ንክኸውን ስራሕቲ ምጅማርና ገሊፅና ነይርና፤ብምዃኑ ድማ ከተማ መቐለ ማእኸል ዝገበሩ ዓበይቲ ገበናት ንምቁፅፃር እቲ ሓይሊ ዕማም እናተሰርሐ ‘ዩ።

ቕድሚ ብዙሕ ዓማውቲ ዝተሰርሑ ገበናትን ኣብ ቐረባ እዋን ካብ 2013 ዓ.ም እስካዕ 2016 ዓ.ም ዝተፈፀሙ ከበድቲ ገበናት ብዝምለከት ናይ ምስሊ መረዳእታ ሒዝና ኢና፤ እዞም ገበነኛታት ናብ ሕጊ ብምቕራብ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ንኽውዕሉ እናተሰርሐ ‘ዩ ኢሎም።

እቶምሌ/ጀነራል ምስ ውራ መሬት ተተሓሒዙ ግልፂ መረዳእታ ሒዝና ኢና ምስ በሉ፤መሬት ምሻጥን ምልዋጥን ጠጠው ንኽብል፤ዘይሕጋዊ ዕደላ መሬት ሕጋዊ ምግባር ከም ዘይከኣል ቕድም ክብል ብዘፍለጥናዮ መሰረት፤ዓርሱ ዝኽኣለ ሓይሊ ዕማም ተጣይሹ ስራሕቱ እናቐፀለ ‘ዩ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ንግዲ ኮንትሮባንድን ብዘይሕጋዊ መገዲ ሰባት ዘዘዋውሩ ንምቁፅፃር ዝተጣየሸ ሓይሊ ዕማም ምህላዉ ብምጥቃስ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝነጥፉ ውልቀ ሰባት ነዚ ዕላማ ንምፅላምን ኻሊእ ትርጉም ንምሃብ እንተፈተኑ ‘ውን እቲ ዝተጀመረ ስራሕ ጠጠው ከምዘይብል ክፈልጡ ይግባእ ክብሉ  ኣጠንቂቖም።

ናይቲ ሓይሊ ዕማም ዋና ኣካላት ፖሊስ፣ ምምሕዳር እቲ ከተማን ሰብ ሞያ ሕግን ከም ዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ሌ/ጀነራል፤እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕቲ ፅቡቕ እናኸደ ‘ዩ ምስ በሉ፤ ነዚ ስራሕ ዘተዓናቕፉ ውልቀ ሰባት ከም ዘየዋፅኦምን ህዝቢ ድማ ኣፍቲ ተጀሚሩ ዘሎ ምኽባር ልዕልና ሕግን ምርግጋፅን ውሑስነት ሰላምን ንኽተሓባበር ዝረኸቦ መረዳእታ ንኸፍልጥ ተዛሪቦም።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣፍቲ ክልል ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ዘፀግሙን ካልኦት ገበናት ንኽጭጭሑ ዝገብሩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ንምእታው ስራሕቲ ክቕፅሉ ‘ዮም ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም። ኮምሽን ፀረ ግዕዝይና ክልል ትግራይ ኮምሽነር ፍፁም ብርሃነ ብወገኖም፤ኣፍቲ ክልል ዝግበር ዘሎ ምፅራይ ገበን ናብ ሕጋውነት ዝወስድ ‘ዩ፤ እቲ ኣብ ምፅራይ ዘሎ ገበን ድማ ግዕዝይና ወይ ድማ ደረቕ ገበን ምዃኑ ተፃርዩ ዝፍለጥ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 18 ሓምለ 2016  ዓ.ም

Recommended For You