ጥበባትናን ባህልታትናን መዋፅኦን መፍትሒን ፍልፍል ፀገማትና ሕውየትናን ‘ዩ!

ከምዝፍለጥ ቅድሚ ምፍጣር ኲናት ኣብ ትግራይ መድረኻት ጥበብ እናተበራኸቱ ምምፃእ ጀሚሮም ነይሮም። ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ራሄል ቤተ ጥበብ ከምኡ ‘ውን ራራ ጥበብ ዝኣምሰሉ ድማ ኣብ ሚድያ ዝቀርቡ ጥበባት ምርኣይ ጀሚሮም ፅቡቅ ተስፋ ዝህብ ‘ውን ምንቅስቃስ ይገብሩ ነይሮም ‘ዮም።

ይኹን እምበር እቲ ኵናት ኣብ ሰባትን ንብረትን ጉድኣት ከምዘብፅሖ ኩሉ ስነ ጥበብ ትግራይ ‘ውን ግዳይ ናይቲ ኲናት ኮይኑ መድረኻት ጥበብ ‘ውን ተዳኺሞም ፀኒሖም ‘ዮም። ነዚ መድረኻት ጥበብ ተዳኺሙሱቅ ኢሎም ክሪኡ ዘይደለዩ ገለ ጋዜጠኛታትን ናይ ጥበብ ሰባትን ከም ብሓድሽ መድረኻት ጥበባት ንክጥ ጥዑ ምንቕስቃስ ይጅምሩ ኣለው።

ካብዚ ኦም ሓደ ድማ ሓደ “ጥበባት ቤትና” ‘ዩ። እዚ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ድሙቕ መኽፈቲ ፕሮግራም ተገይሩሉ ዝተጀመረ መድረኽ ጥበብ ሰሙናዊ ዝቀርብ ‘ዩ። ኣብዚ መኽፈቲ ፕሮግራም ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ሓዊሱ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ፣ ማሕበር ደረስቲ ትግራይ፣ ማሕበር ከየንቲ ትግራይን ዓበይቲ ደረስትን ከየንትን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ግጥምታት፣ ያታ፣ ደብዳቤ ፍቕሪ፣ በይነተዋስኦ ጥበባት ወዘተ ቀሪቦም ሽፋን ሚድያ ተወሃቢዎም ‘ዩ።

ኣብዚ መኽፈቲ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ኣፅበሃ ገብረእገዚኣብሄር ኣድላይነት ናይዚ መድርኽ ኣመልኪቶም ከምዝገለፅዎ፤ ትግራይ ቦኽራ ጥበብ መሓዛ ዓበይቲ ‘ያ ኾይኑ ግና ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሐዚ ኣብ ዘለናሉ ብርኪ በፂሕና ኣለና። ካብዚ ዘለናሉ ብርኪ ክንወፅእ ድማ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ዝምጥነና ብርኪ ኣይኮናን ዘለና። ፀገማት ንፀገማት እናወለዱ ኣብ ብጣዕሚ መሰከፊ ዝኾነ ኩነታት ኢና ዘለና። ጥበብ ድማ መቀረት ሂወትን ኣብ እዋን ፀገምና ደማ ሓደ ዓብይ መዋፅኦ ‘ዩ ኢሎም።

ብምውሳኽ ጥበባት ብብዙሕ መንገዲ ክግለፅ ይኽእል ‘ዩ። ኣባና ዘይበፅሐ ብዙሕ ጥበብ ዝባኸነ ከምዝህሊ ‘ውን ነኣምን። ብዝሓለፉ ብዙሓት ፀገማት ምኽንያት እቶም ጥበባት እናተንጠባጠቡ መፂኦም ‘ዮም። ኣብ ዘበንና ዝፈልቅ ጥበብ ‘ውን ይህሊ ‘ዩ። ስለዚ ትግራይ ካብ ሕሉፍ ግዝኣ ንላዕሊ ብዙሕ ብዙሕ ነገር የድልያ ኣሎ። ሓደ ድማ ጥበብ ‘ዩ። ጥበብ ንሓረስታይ ንነጋዳይ ንሙሁር ንከያንን ኮታስ ንኩሉ ብዘይ ገደብ ከምዘድልዮ ገሊፆም።

ሐዚ ኣብ ዘለናሉ እዋን ሓልዮትን ምድግጋፍን ንጥበብን ጥበብኛን ኣብ ዘድልዮ ብርኪ ኣለና። ምናልባት እዚ እዋን ፈተንቲ ዝበዝሕዎ እዋን ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ብዙሕ ዝተወንዘፈ ዘይተመለሰ ሕቶታት ዘለዎን ሕቶታቱ ንክምልስ ኣብ ገልታዕታዕ ‘ዩ ዘሎ። ጥበብ ‘ውን ማዕረ ማዕረ ከም ህዝብና እናተንገላትዐ ዝመፅአ ዓብይ ሃፍትና ስለዝኾነ፤ ጥበብና ዝዕቀበሉን ቁስሊ ማሕበረስብና ‘ውን ዝፍወሰሉን ዓብይ ናይ ሕውየት መስርሒ ኮይኑ ከገልግለሉ ኣብ ዝግባእ እዋን ኣለና ክብሉ ኣድላይነት ጥበብ ኣመለኪቶም ‘ዮም ።

ዓበይቲ እንኾርዖሎም ካብ ዘልውና ፀጋታት ጥበብ ሓደ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤ ትግራይ ሓደ ካብ ዘየተጠቀመትሎም ዓበይቲ ክብርታትን ዝተቀበረን ካብ ምርምር ዝረሓቀን ናብ ግቡእ ረብሓ ‘ውን ዘይወዓለ ‘ዩ። ስለዚ ከምዚ ዝበሉ መድረኻት ኣድለይቲ ከምዝኾኑን ኣድለይቲ ድጋፋት ብምሃብ ክጠናኸሩ ከምዝግባእን ካልኦት ተመሳሳሊ መድረኻት ‘ውን ከምዘድልዩ ብመግላፅ፤ ጥበብ ንዋናታት ፍልፍል ፀገማትና መዋፅኦ መፍትሒ ዝናድዩ ዓብዪ መሳርሒ ስለዝኾነ እቲ ቢሮ ኣብ ጎኒ ጥበኛታት ኮይኑ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ካብ ዓውዲ ጥበብ ከይረሓቅና ብተመሳሳሊ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማሕበር ምልማዕን ምዕቃብን ትውፊታትን ክብርታትን ኣፅቢ ወምበርታ ብሰንበት 30/10/2016 ዓ/ም ኣብ ቡቡ ሂልስ ዘተኻየደ ኾይኑ፤ እቶም ሓላፊ ቢሮ፤ ባህልናን ክብርታትናን ዓቂብኩም ኣብዚ ክበፅሕ ስለዝገበርኩም ሞሳ ይግበአኩም። ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ከም በዓል ዋና ምሳኹም ብሓባር ብምዃን ባህልና ናብ ረብሓ ማሕበረሰብ ንምሽራፍ ሓቢርኩም ክሰርሕን ጠንኪሩ ክድግፍን ‘ዩ ክብሉ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ሓፋሽ ገፆም ገሊፆም።

ክምዝፍለጥ እቲ ማሕበር ካብ ዝዕቅቦም ትውፊታትን ክብርታትን ኣፅቢ ወምበርታ ሓደ ባህሊ ሁራ ሰለስተ ‘ዩ። ሁራ ሰለስተ መግለፂ መንነት እቲ ህዝቢ ካብ ዝኾኑ ጥንታውያን ትውፊታትን ክብርታትን ሓደ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን “ክብርታት ኣሸንዳ ንክብሪ ደቂ ኣሸንዳን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሕ ቃል ለምዘበን ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ/ኣውርስ/ማርያ/ዓይኒዋሪ/ሕንግደይ ፆመረይ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝሓሸ መንገዲ ንምብዓል ኣዋርሕ ዝወሰደ ምድላው እናተገበረ ከምዝተፀንሐ ብምሕባር፤ ህልው ፀገማት ትግራይ ብዝፈትሕ፣ ኩለመዳያዊ ረብሓ ህዝብና ብዘረጋግፅ፣ ፈታውን ደጋፍን ብዘሰስን፣ ዝተበላሸወ ምስልና ዳግም ብዝሃንፅ፣ “ጉዕዞ ናብ ቤትና” ፕርግራም ብምድላው ምስ ATADነ GSTSን ብምትሕግጋዝ ምስቲ በዓል ቅያ ዲያስፖራ ትግራይ በዓልና ብሓባር ብእነኽብረሉ፣ ሓድነትና ድልዱል ሰረት ክህልዎ ብዝሕግዝ፣ ምእንተ ነፃነት ኩሎም ዓይነት መስዋእቲ ከፊለን ሐዚ ነፃነተን ስኢነን ንውሽጢ ዝነብዓ ዘለዋ ኣዴታት/ኣዋልድ ትግራይ ፍትሒ ክረኽባ ሓልዮትና እነርእየሉ፣ ህዝብና ካብ ጓህን ወፅዓን ወፂኡ ዋግዋጎ ሕውየትን ብሩህ መፃእን ብዝሪአሉ መንገዲ ንምብዓል ፅቡቅ ምድላው ንገብር ኣለና ኢሎም።

ብምውሳኽ በዓልና ክሳኻዕ ንሕበር፣ ንስመር፣ ንደጋገፍ፣ ጉድለት እንተጋጥም ንመላላእ። ትግራይና ሐዚ ካብ ዘላቶ ደልሃመት ክትወፅእ ዓቅምን ሓይልን ኣሸንዳ ብጣዕሚ ልዑል ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 4 ሓምለ 2016 ዓ.ም

 

 

Recommended For You