ክልል ትግራይ ኣብዚ ዓመት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ብኦንላይንን ብወረቐትን ንኽፍትን ኣብ ምድላይ ከምዝርከብ ተገሊፁ

ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋሻና ዝኾኑ ኣይተ ተክለሃይማኖት ገብረእግዚኣብሄር ይበሃሉ። ኣይተ ተክለሃይማኖት ኤጀንሲ ፅሬት ምርግጋፅ ትምህርቲ መተሓባበሪ ጉጅለ ብሄራዊ ፈተናታት ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ‘ዮም። ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዝሓለፉ ዓመታት ማለት ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 2015 መጀመርያ ዓመት ኣካባቢ ሰላም ከምዘይነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ንኸባቢ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ኮረናን ኩናትን ኩሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ጠጠው ኢሎም ከምዝነበሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ካብዚኦም እቲ ሓደ ኣገልግሎት ትህርቲ ‘ዩ። እቲ ሰላም ምስተረኸበ ‘ውን እቲ ኣብ ከም ትካላት ትምህርቲ ዘጋጠመ ፀገም ክሳብ ሕዚ ሙሉእ ብሙሉእ ክፍታሕ ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ብዙሕ ዕንወት ኣጋጢምዎ ስለዝነበረ።

ኮይኑ ግና ምስ ድግመ ምሕዋይ ጎኒ ንጎኒ ትምህርቲ እናተዋህበ ይርከብ። ሎሚ ዘበን ተማህሮ 12 ክፍሊ ከንርኢ እንተለና ብኦንላይንን ወረቐትን ንምፍታን ኣብ ምድላው ‘ዮም ዝርከቡ። ኣብዚ ዙርያ እዚን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ሕቶታት ብምልዓል ምስ ኣይተ ተክለሃይማኖት ፃንሒት ገይርና ኣለና፤ ሙሉእ ትሕዝትኡ ድማ ነዚ ስዕብ ይመስል። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብቲ ክልል ሎሚዘበን ኣብ ምድላው ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡- ናይ 12 ክፍሊ ተመሃሮ ኣብዚ ዓመት እዚ ማለት 2016 ዓ.ም ተታሒዙ ዘሎ ፕሮግራም 29ሰነ ጀሚሩ ክሳብ ከባቢ 14 ሓምለ ብሃገር ደረጃ ፈተና ክወሃብ ፕሮግራም ወፂኡ ኣሎ፤ ከም ክልል ትግራይ ብኽልተ ዙር ኣብዚ ግዜ እዚ ተታሒዙ ዘሎ ፕሮግራም ማለት በቲ ፕሮግራም መሰረት ዝግበር ዘሎ ስራሕ እቶም ተማሃሮ ብኹለመዳይ ስነ ኣእምረኦም ብዓቕሚ ኣካዳሚኦም ድልዋት ክኾኑ ‘ዩ።  ኣብዚ መምህራን፣ ማሕበራሰብ ቤት ትምህርቲ ዝከኣሎ ኩሉ ዘድሊ ሓገዝ እናገበረሎም ይርከብ። ካብኡ ድማ እቶም ተማህሮ በቲ ተታሒዙ ዘሎ ፕሮግራም ፈተና ብኦንላይንን ብወረቐትን ሃይብሪድ ብዝኾነ መንግዲ ክካየድ ‘ዩ።

ኣብዚ ዝካየድ ድማ እቲ ተማሃራይ ብፍላይ ኣብተን ደሓና ዝኾና ከተማታት ምስቶም ዩኒቨርስቲታት ብምትእስሳር ልምምዳት ክገብር በቲ ዝወረደ ኣንፈት መሰረት ናይ ኣይቲ ሰብ ሞያ ርእሰ መምህራን፣ ናይ ዩኒቨርስቲ፣ ክኢላታትን ኣማራርሓ ኩሉን እናተሓገዙ ዳርጋ መብዛሕተኦም ናብዚ ፕሮግራም እዚ ተኣትይሉ ፅቡቕ ምድላው ይካየድ ኣሎ ኢልና ኢና ንኣምን ንሰርሕ ‘ውን ዘለና። ተማሃሮ ብመዳርግቲ ኣካላት ናይ እታዎታት ትምህርቲ ሓገዝ እንተረኺቦምን ሙሉእ ምድላው እንተገይሮምን ኣብ ፈተና ኣዕጋቢ ውፅኢት ከምፅኡ ይኽእሉ ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ፕሮግራም እዚ ክንደይ ዝኣኽሉ ተመሃሮ ብኦንላይን፣ ከምኡ ‘ውን ክንደይ ዝኣኽሉ ብወረቐት ንምፍታን ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡– ክሳብ ሕዚ ተታሒዙ ዘሎ እቶም ኣብዚ ዓመት እዚ ብጠቕላላ ልዕሊ 200 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ዘፍትና ኣለዋና፤ ኣብዚኣተን ድማ ልዕሊ 53 ሽሕ በቲ ዝነበረ ናይ ቐደም መሰናድኦ ዝበሃል ናይ ፕሪፓራቶሪ ዝነበሩ ተማሃሮን በቲ ሓዱሽ ካሪክሎም 12 ከፍሊ ዘሎዉ ዝፍተኑን ‘ዮም። ኣብዚ ዓመት እዚ ልዕሊ 53 ሽሕ ተማሃሮ ንኽፍተኑ ተመዝጊቦም ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናገበሩ ይርከቡ።

ካብዚኣቶም ብኦንላይንን ብወረቀትን ዝፍተኑ ክሳብ ሕዚ በቲ ዘለና ኣክሰስ ክሳብ 2ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮ ብኦንላይን ክፍተኑ ‘ዮም ኢልና ትፅቢት ንገብር። ግን ድማ ኣብከይዲ ክውስኽ ወይ ክቅንስ ይኽእል ‘ዩ። ምስቲ ዘለና እታዎታት ትምህርቲ መሰረት ብምግባር ወሰኽ ወይ ምቕናስ እንተልይዎ ብንፁር ክሳብ እቲ ግዜ ፈተና ዝበፅሕ ዝፍለጥ ‘ዩ ዝኸውን። ቑርፅ ብዝበለ መንገዲ ግና ክንዲእዚ ዝኣኽሉ ብኦንላይን ክፍተኑ ‘ዮም ክብል ኣይኽእልን። መኽንያቱ ገና ኣብ ምድላው ስለዘለና።

ወጋሕታ፡- እዞም ብኦንላይን ዝፍተኑ ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርስቲ ድዮም ክፍተኑስ ወይስ ኣብ በቢከባቢኦም ኣብዝርከባ ሃይስኩላት ‘ዮም?

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡– ብዛዕባ ብኦንላይን ዝፍተኑ ተማህሮ መፈተኒ ቦታ ኣብ ሃይስኩላት ቐረብ ኮምፒተርን ናይ ኢንተርኔት ኣክሰስ ስለዘይብለን ምስተን ዩኒቨርስቲታት ብምርድዳእ ኣብተን ዩኒቨርሲታት ነዚ ኣገልግሎት ዝውዕላ ኮምፑተራት ‘ውን ፍልይ ዝበላ ስለዝኾና ማለት ናይ በዓለን ዝኾነ ዊንደው ዘለዎን ስለ ዝኾነ ብኹሉ ኣክሰስ ብቑዓት ኮይነን ዝተረኸባ ኣብ ዩኒቨርስቲ ጥራሕ ‘የን።

ስለዚ እቶም ዩኒቨርስቲታት ብሚኒስቴር ትምህርቲ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ኣቢሉ ብምትሕሓዝ ዝተዋሃባ እየን ዘለዋ። እምበር በተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣቢሉ ዝተዳለዋ ኮምፐዩተራት የለዋን። ምኽንያቱ ዓቅሚ የብለንን። በዚመሰረት ድልዋት ዝኾነ ኮምፑተራት እየን እምበር ዓቅሚ ሃልይዎን በዚ ከፍትና ዝኽእላ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ሕዚ የለዋን። ስለዚ እቶም ብኦንላይን ዝፍተኑ ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣትዮም ‘ዮም ክፍተኑ።

ወጋሕታ፡- ንኦንላይን ፈተና ምስ ኣክሰስ ተተሓሒዙ ንምዳላው ብቐንዱ ዘጋጥም ዘሎ ፈተናታት ብተወሰነ መልክዑ ተዝገልፁልና፤

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡- ኣብዚ ዙርያ እዚ ዘሎ ቻለንግ እንታይ ‘ዩ እንተይልና እቶም ተማሃሮ እቲ ኦንላይን ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ሪኦሞ ስለዘይፈልጡ ክፅግሞም ይኽእል ‘ዩ። ስለ ዝኾነ ግንዛበ ከድልዮም ‘ዩ። ብርክት ዝበሉ ናይቲ ሞባይል ወይ ኮምፕዩተር ክእለት ዘለዎም ክህልዉ ይክኽእሉ ‘ዮም።

ቑፅሮም ዘይነዓቑ ተማሃሮ ‘ውን ድማ ብፍላይ እተን ኮምፑዩተራት በቲ ዝነበረ ኩናት ዓንየን ስለ ዝኾና በዚ ኣቢሉ ካብ ኮምፕዩተር ርሒቆም ስለ ዝነበሩ እኹል ግንዛባ ናይ ናይ ቴክኖሎጂ ዘይብሎም ኣለዉ። ምስ ቴክኖሎጂ ብዙሕ ዝተረሓሓቁ ብዙሓት ‘ዮም። እተን ኮምፕዩተራት በቲ ኩናት ብምዕናወን ናይ ኮምፑተር ትምህርቲ እናተዋሃበ ኣይኮነን ዘሎ።

ስለዚ ናይ ዓጣቓቕማ ናይቲ ቴክኖሎጂ ናይ ዓቕሚ ውስንነት ስለ ዘሎ ነዚ ነገር እዚ ከመይ ገይርና ንኽእሎ ወይ ንፈትሖ? ከይፅግመና፣ እቶም ተማሃሮ ከይዳናገሩ፣ ስግኣት ኣለና ‘ዩ። ዋላ እቶም ተማሃሮ ጥራሕ ዘይኮኑስ እቶም ወለዲ፣ መምህራን፣ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣማራርሓ ‘ውን ከምዚ ዝበሉ ተማሃሮ ምስቲ ዓቕሚ ኣጣቓቕማ ቴክኖሎጂ ዝተተሓሓዘ ክስገሩ ስለዝኽእሉ ዋላ እቲ ሕቶታት ከይጠፍኦም ናይ ኣጣቓቕማ ኮምፕዩተር ፀገም ኣጋጢምዎም ገና ናብቲ ሕቶ ከይኸዱ ከይዳናገሩ ስግኣታት ኣሎ።

ግን ድማ ነዚ ስግኣት እዚ ንምቕራፍ ኣፍተን ኣብያተ ትምህርቲ ናብ ኩለን ናብተን ቅድም ዝበልኩኻ ኣክሱም ዓዲ ግራት መቐለን ራያን ዘለዋ ዩኒቨርስቲ እቶም ተማሃሮ ከይዶም ልምምድ ክገብሩ እናተሰርሐ ‘ዩ። ማለት ብስነ ኣእምሮን ክእለትን ግንዛበ ክገብሩ ስለ ዘለዎም ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ምስ ናይ ሰብ ሞያ ኣይስቲ ሓፂር ናይ ግንዛበ መትሐዝን ናይ ቴክኒክ ኣጣቓቕማን ናይ ኣይቲ ክኢላታታትን ኣብ ቢሮና ዘለዉ ክኢላታት ሓዊስና ኣብዚ ዙርያ እዚ ግንዛበ ንምፍጣር እናፈተና ኢና። በዚ ኣቢሎም እናተላማመዱ ንኽፀንሑ ይግበር ኣሎ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ዙርያ እዚ ክተርፍ ዘይግበኦ ሓሳብ እንተሃልዩ እስቲ ይግለፁልና፤

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡- ኣብዚ ግዜ እዚ ንሕና ይኹን ካሊእ ዓለም ማለት ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ቴክኖሎጂ ምጥቓም ናይ ግድን ‘ዩ። ካብ ቴክኖሎጂ ወፃኢ ከትኸውን ግዚኡ ዝፈቕዶ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ቴክኖሎጂ ወፃኢ ክነብር እየ ትብል ተኾይንካ ተጎዳኢ ኢኻ። ስለዚ ዋላ እኹል ኣክሰስ ኣይሃልዎና በቲ ዘለና ምቕላስ ናይ ግድን ‘ዩ ዝኸውን።

እቲ ዘመን ናብ ዲጅታል ቴክኖሎጂ ‘ዩ እናተቐየረ ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ ንሕና ስለ ዝፀላእና ከንገድፎ ወይ ስለ ዝፈተና ክነምፀኦ ንኽእል ኣይኮነን። ግዚኡ ዝጠልቦ ስለ ዝኾነ ምስዓለም ምጉዓዝ ናይ ግድን ‘ዩ። ነዚ ድማ ኩሉ ኣካል ብስነ ኣእምርኡ ቅቡል ብምግባር ምድላው የድሊ።

ብመንፈስ ይኹን ብዓቕሚ ብኹሉ ድልው ንክኸውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘሎ ኣማራርሓ፣ መምህር፣ ተማሃራይ ኢሉ ‘ውን ወላዲ ኮታስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ጎኒ እቲ ተማሃራይ ኮይኑ ክሕግዝ ኣለዎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ውልቐ ትካል ይኹኑ መንግስቲ ሓገዝ ክገብር ክላቦ ይፈቱ።

ወጋሕታ፡- እቲ ክልል ኣብ ኩናት ምንባሩ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ በዚ ምኽንያት እቲ ሴክቴር ከምተጎድአ ዝፍለጥ ‘ዩ፤ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ ከይሓየወ ማለት ሙሉእ እታዎታት ቴክኖሎጂ ትምህርቲ፣ እኹል ናይ ኢንቴርነት ኣክሰስ ኣብዘይብሉ ንምንታይ ኣብዚ ዓመት ብኦንላይን ንምፍታን መሪፅኩም?

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡– እቲ ኩነታት እዚ ንሕና ቅድም ኢልና ኣብቲ ሰናይ ሓጋዩ ካብ ምዝገብኡ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ናይ ፈተና ፕሮግራም ብኦንላይን ፈተና ከምዘሎ ክንገር እንተሎ ምስቲ ናይ ኩለመዳይ ዘሎ ዕንወት፣ ናይ ንብረት ዕንወት፣ ናይ ስነ ኣእምሮ ጉድኣት ብምህላዉ ብምሉእ ልቢ ናይ ድልውነት ሕፅረትን ካሊእን እንደሃለወ ነቲ ተማሃራይ ናብዚ እቶ እንተልካዮ ካሊእ ጭንቀት ስለ ዝኾነ ምስ ዝምልከቶም ሃገር ለኸ ናይ ፈተና መዳለውቲ ማለት ሚኒስቴር ትምህርቲን ካልኦት ኣካላትን እዚ ነገር እዚ ሕዚ ብዝግባእ ከኽይድ ስለዘይኽእል ነዚ ዓመት እዚ ሕለፉና እሞ ንቐፃሊ ዝሓሸ ምድላው ከንገብር ኢልናዮም ነይርና ኢና።

ኮይኑ ግና ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ዘሎ ተማሃራይ ነዚ ፕሮግራም እዚ ንኽዳሎ ፕሮግራም ወፂእሉ ስለ ዝኾነ ትግራይ ድማ ብዝከኣሎ ክዳሎ ኣለዎ ተባሂሉ ኢና ኣቲናዮ። በርግፅ ዋላ ሙሉእ ምድላው ኣይሃሉ እዚ ጥቕሚ ‘ውን ኣለዎ ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ሕዚ ምስ ሃገርና እንተዘይጀሚርናዮ ንደሓር ከንተርፍ ንኽእል ኢና። ከይንዛናጋዕ ዝሕግዝ ‘ዩ። ብላዕሊ ዝመፀ መደብ ስለ ዝኾነ ‘ውን እሞ ድማ ሃገራዊ ስለ ዝኾነ ዋላ ምስ ፀገምና ንቐበሎ ኣለና ኢልና ኢና ተቐቢልናዮ።

ወጋሕታ፡- ዓሚ ናይ ዩኒቨርስቲታት ድጋፍ ተወሲኽዎ ፅቡቕ ውፅኢት ተረኺቡ ነይሩ ‘ዩ፤ ሎሚ ዘበን ግና ብተፈላላዩ ምኽንያታት ከምናይ ዓሚ ድጋፍ ኣይገበራን፤ ብምዃኑ ምስ ናይ ዓሚ ብኸመይ ይነፃፀር?

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡- እወ ኣብዝሓለፈ ተመሃሮ ብዩኒቨርስቲታት ሓገዝ ረኺቦም ነይሮም ‘ዮም፤ ኣብቲ ዩኒቨርስቲ እናሓደሩ ከካብ ወረድኡ ዝሓሹ መምሃራን ተመሪፆም መፂኦም ከምህርዎም ተገይሩ ‘ዩ። በቶም ዝሓሹ ዝበሃሉ መምሃራን ንልዕሊ 2ወርሒ ዝኸውን ሓገዛት ስለ ዝተገበረሎም ‘ውን ደሓና ዝበሃል ውፅኢት ከምፅኡ ክኢሎም ‘ዮም።

ኣብዚ ዓመት እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ጥሪ ከትፍተኑ ኢኹም ተባሂሎም ጠጠው ኢሎም ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮ ኔሮም፤ ስለዚ እዚኦም ‘ውን ቢሮ ትምህርቲ ምስተፈላለዩ ኣካላት ብምርድዳእን ሓገዝ ብምትእልላሽን ኣብ ከባቢኦም ማለት ሎሚ ዘበን እተን ዩኒቨርስቲታት ተማህሮ ተቐቢለን እናምሃራ ስለዝኾና ካልኦት ተማሃሮ ክውስኻ ዝኽእላሉ ዓቕሚ ስለዘየለ ኣብቲ ዘለውዎ ከባቢኦም ኮይኖም እቶም ኣብኡ ዘለዉ መምሃራን ዘድሊ ሓገዝ ክገብርሎም ኣብምርድዳእ ተበፂሑ ዝከኣሎም ነገር እናሓገዝዎም ‘ዮም ዝርከቡ። ስለዚ እዚ ሓገዝ እዚ ድማ እቶም ተማሃሮ ናይ በዓሎም ፃዕሪን ናይ ወለድን ካልኦትን እንተተወሲኽዎ ሕዚ ‘ውን ፅቡቕ ውፅኢት ከንረክብ ኢና ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ምስ እዚ ተተሓሒዙ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡- ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፣ እቶም ተማሃሮ ኣብ ለዓሊ ዝገለፅክዎ ከምዘለዎ ኮይኑ ምስ ዝግበረሎም ዘሎ ሓገዝ ብምሉእ ልቢ ክዳለዉ፤ እታዘለቶም ግዜ ብኣግባቡ ተጠቒሞም ዘድሊ ምድላው ገይሮም ክፀንሑን፤ ወለዲን ማሕበረሰብ ትምህርቲን ‘ውን ነቶም ተማሃሮ ዘድሊ ዝተፈላላዩ ከም ወርክሽታት፣ ናይ ዝተፈላላዩ እዋናት ሕቶታት፣ ዘይተበፅሑ ክለሳታት ብኣሳይመንት ይኹን ብኻሊእ ክሳብ እታ ዘላ ግዜ ዘድሊ ሓገዝ ከንገብረሎም ይግባእ።

ብዝተረፈ ግና ተመሃሮ ኣይዘኹም ብዝግባእ ቆላሕታ ብምሃብ ተዳለዉ ንሕና ‘ውን ብዝኸኣልናዮ ኩሉ ኣብ ጎንኹም ኣለና ክብል ይፈቱ። እቲ ተክኖሎጂ እንተመሊኽክምዎ ብብዙሕ መዳይ ዝጠቕም ምዃኑ ከትርድኡ ይደሊ እናበልኩ እቶም ተማሃሮ ድማ ፅቡቕ ውፅኢት ከምፅኡ ሰናይ ትምኒተይ ክገልፀሎም ይደሊ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና!

ኣይተ ተክለሃይማኖት፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ክገልፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 20 ሰነ 2016 ዓ.ም

Recommended For You