«ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውፀኦ ፀብፃብ ሃናፂ ስለ ዘይኮነን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉ »ዩ» -ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብሂዩማን ራይትስ ዎች ዝወፀ ፀብፃብ ሃናፂ ዘይኮነን ፍፁም ተቐባልነት ዘይብሉን ‘ዩ ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ነቲ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውፀኦ ፀብፃብ ብቕድሚ ትማሊ ኣብዝሃቦ መልሲ ከምዘማላኸቶ፤ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተብሃለ ትካል ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 ጁን 2022 (24 ጉንበት 2015 ዓ.ም) ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ሃገርና ርኡያት ዝኾኑ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈፀሙ ዝገልፅ መሰረት ኣልቦ ፀብፃብ ኣውፂኡ ኣሎ።

 እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝነበረ ጎንፂ ንብዙሓት ከባቢታት ናብ ጉድኣት ዘቃልዐ እንተኾነ ‘ውን ብፍሉይ ኩነታት ዝተወሰነ ከባቢ መሪፁ ደጋጊሙ ፀብፃብ ብምድላው ብሽፋን ኣጀንዳ ሰብኣዊ መሰል ዝተፈለየ ልኡኽቶ ፖለቲክኡ ንምስኻዕ ዝዓለመ ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።

እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝነበረ ጎንፂ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ውሽጢ ኣብ ዝነብሩ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ጉድኣት ከምዘብፅሐ ዝፍለጥ ኮይኑ እናሃለወ እቲ ትካል ንሓደ ከባቢ ጥራሕ ፈልዩ ብምምራፅ ፀብፃብ ምውፅኡን እቲ ፀብፃብ ‘ውን ሃገርና ነቲ ከይዲ ዕርቂ ብዝተማልአ መልክዑ ኣብ ምትግባር እናሃለወት ብምዃኑ እቲ ትካል ሕቡእ ኣጀንድኡ ኣብ ሃገርና ንምፍፃምን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝተዛብዐ ኣረኣእያ ንክህልዎ ንምግባርን እናሰርሐ ከምዝኾነ መርኣያ ‘ዩ ኢሉ።

ትሕዝቶ እቲ ጥሕሰት መሰል ተፈፂሙ ንምባል ዝቐረበ ፀብፃብ እንትርኣይ ‘ውን ግቡእ ምርመራ ዘይተገበረሉን ብእኹል መረዳእታ ዘይተደገፈን ብምዃኑ ዝእመን ኣይኾነን ዝበለ እቲ መግለፂ፤ ብሓፈሻ እቲ በቲ ትካል ዝቐረበ ፀብፃብ ዝተዛብዐን ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ነባራዊ ኩነታት ዘይገልፅ፣ ባህሊ ሓቢርካ ምንባር እቶም ንዘመናት ሓቢሮም ዝፀንሑ ህዝብታት ዘፀልም፣ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጎንፂ ዘለዓዕልን ሃገርና እናገበረቶ ንዘላ ዕርቅን ኸይዲ ምኽክርን ዘተዓናቕፍን ኣሉታዊ ፅዕንቶ ዘለዎን ፀብፃብ ኮይኑ ረኺብናዮ ኢና ኢሉ- እቲ መግለፂ።

ሃገርና ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባርን ክኽበሩ ንምግባርን ዘኽእሉ ኣወዳድባታት ሕግን ትካልን ዘለዉዋ ሃገር እንትትኸውን ነዚ ክትትል ንምግባር ‘ውን ከም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዝበሉ ነፃን ገለልተኛን ትካላት ምጥያሻ ብምዝኽኻር፤ መንግስቲ ግሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈፂሙ ዘይዕገስ ብምዃኑ ኣብ ክፍል ሰሜን ሃገርና ዝነበረ ጎንፂ ተፈፂሞም ዝተባሃሉ ሰብኣዊ ግሕሰታት ኮሙሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሙሽነር ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.መን ሓበራዊ መርማሪ ጉጅለ ንምፅራይ ዘድሊ ኩነታት ከምዘመቻቸወ ኣዛኻኺሩ።

እቲ ፀብፃብ እንትወፅእ ኣብቲ ፀብፃብ ዝተዋሃቡ ምክረ- ሓሳባት ንምትግባር ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ሚኒስትራት ብምጥያሽ ብሰፊሑ ዝተጎድኡ መሊስካ ናይ ምጥያሽ፣ ተፈፂሞም ዝተባሃለ ግሕሰት መሰላት ምርመራን ስራሕቲ ምምሕያሽ ሕጊ እናተሰርሐ ምፅንሑ ኣብሪሁ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝነበረ ጎንፂ ንምቁራፅ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ንምትግባር ኢሉ ‘ውን ኣብ ሃገርና ዝስትውዐሉ ዘይምርድዳእ ብዘላቕነት ንምፍታሕ መማረፂታት ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ብምድላው ብደረጃ ሃገር ብዙሓት ዘተታት እናተኻየዱ ይርከቡ ዝበለ መግለፂ ግልጋሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ፤ ኣብ ዝቐረቡ መማረፂታት መሰጋገሪ ፖሊሲ ፍትሒ ምስ መንግስታዊ ትካላት፣ ሲቪላዊ ማሕበራት፣ ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለምን ሰፊሕ ምምኽኻርን ስራሕቲ ምእካብ እታዎታትን ስራሕቲ ተሰሪሑ ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን እናተሰርሐ ይርከብ ኢሉ።

እቲ ኸይዲ ፍትሒ ስግግር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝፈፀሙ ወገናት ግቡእ ምፅራይ ብምግባር ተሓታትነት ንምዕሳል ሓዊሱ ንሓቂ ምድላይን ንተጎዳእቲ ዳግም ንምጥያሽን ዘኽእል ማዕቀፍ ይፈጥር።

እቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ጎናጎኒ ኣብ ሃገርና ዝረኣዩ ጎንፅታትን ዘይምርድዳኣትን ካብ ሱር መሰረቶም ብምፍላይ ብዘላቕነት ንምፍታሕ እናተንቀሳቐሰ ከምዝርከብ ኣመላኺቱ።

ኣብ ሃገርና ዘለዉ ፀገማት ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ብዓቕምና እናተሰርሑ ካብ ዝርከቡ ስራሕቲ ብተወሳኺ ጥሙር ጉጅለ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.መን ተዋዲዱ እቲ ጎንፂ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ንዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ክትትል ንኽገብሩ ብምዕዳም መንግስቲ ብመንፈስ ሓላፍነት እናሰርሐሉ ኣብ ዘሎ እዋን ነዚ ኣብ ግንዛበ ከየእተወን እኹል መረዳእታ ኣብ ዘይብሉን ኣብ ላዕሊ ብዝተጠቐሰ ትካል ዝወፅአ ፀብፃብ ሃናፂ ዘይኮነን ፈፂሙ ተቐባልነት ዘይብሉ ምዃኑ ገሊፁ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 1 ሰነ 2015 ዓ.ም

Recommended For You