መበል 60 ዓመት ሕብረት ኣፍሪካ

ሕብረት ኣፍሪካ ቅድሚ 60 ዓመታት ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ብዝብል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መቐመጢኡ ዝገበረ ኣህጉራዊ ትካል’ዩ፡፡እቲ ትካል ንክምስረት ግደ ኢትዮጵያ ዓብይ ምንባሩ ይፍላጥ፡፡ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መበል 60 ዓመት በዓል ምስረታ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ/ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ አዲስ ኣበባ ተኸቢሩ’ዩ፡፡

እቲ ኣከባብራ እንታይ ይመስል ከምዝነበረን ኣብቲ እዋን ዝተመሓላለፉ መልእኽታት መራሕትን ብሓፂሩ ከምዝስዕብ ኣዳሊናዮ ኣለና፡፡ሰናይ ንባብ፡፡

መበል 60 ዓመት በዓል ምስረታ ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት ኣፍሪካን ናይ ሎሚ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ብዝሓለፈ ሓሙስ ከም ዝተኸበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ኣብዚ መደረ ካብ ዘገበሩ መራሕቲ ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓደ ‘ዮም።

ከም ገለፃ ዶክተር ኣብይ፣ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ አባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ መድረኻት ዓበይቲ ናይ ሓላፍነታት ቦታታት እናሓዙ ይመፅኡ ኣለው፡፡

ከምኡ’ውን ካብ እዋን ናብ እዋን ረብሓ ህዝቢ ኣፍሪካ ንምሕላዉ እናተኽኣለ እንተኾነ’ውን ሐዚ’ውን ብዙሓት ፀገማት ከምዘለው ብምሕባር፤ ሓድነታ ዝሓለወትን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ኣጀንዳ 2063 በግቡእ ምዕዋት ከምዝግባእ ኣረዲኦም፡፡

ኣፍሪካዊያን ኣብ መድረኽ ዓለምለኸ ተሰማዕነታን ተቀባልነታን ምጥንኻር ዘኽእሉ ዓለምለኸ ውክልናታት ምስፋሕ ኣለዎም፡፡ ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ በቲ እዋን ነፃነቶም ዝረኽቡ መራሕቲ 32 ሃገራት ከምዝተመስረተ ብምዝኽኻር ንኣፍሪካ ምዕባለ ብሓባር ብምስራሕ ዕላማ መስረቲ ምዕዋት የድሊ ኢሎም።

ኣፍሪካ ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ተሰማዕነታ ንምጥንኻር ዘኽእሉ ዓለምለኸ ውክልናታት ክሰፍሑ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ልዕሊ ዝኾነ ኣብ ውዱብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ፣ ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 20ን ጉጅለ ሸውዓተን ተሳትፎ ንክህልዋ ካብ ኩሎም ኣካላት ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም፡፡

ከም ኣገላልፃ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብብርኪ ዓለምለኸ ናይ ኣፍሪካ ተደማፅነት ንምዕባይ ኣፍሪካ ብዘለዋ በዝሒ ህዝባ ልክዕ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚ መቀመጢ ክህልዋ ይግባእ። ከም ጥምየት፣ ጎንፂ ፣ ብልሽዉ አሰራርሓን ድሕረትን ዝበሉ ፀገማት ንምቅራፍ ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ፡፡

አፍሪካ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ኣርባዕተ ቢሊዮን ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ብምኳና ንዘለዋ ኣህጉር ምስራሕ ዝኽእል መንእሰይ ምቹዉ ኩነታት ክፍጠረሉ ይግባእ፡፡ ብተፈጥሮ ዝተዓደለት ሃፍቲ ተጠቂሞም ንዜጋታት ኢንቨስትመንት ምቹዉ ምግባር የድሊ ኢሎም፡፡

ብግዕዝይና፣ብጎንፅን በብልሽዉ አሰራርሓን ምኽንያት አብዝሓ ህዝቢ ኣብ ድኽነት ዝነብር ብምዃኑን እዚ ምቅራፍ ናይ ግድን ‘ዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ፤ ኢትዮጵያ’ዉን ኣብዚ ኸይዲ ዉሽጢ ምኳና ተዛሪቦም፡፡ ራእይ መስረቲ ኣቦታት ንምዕዋት ሓድነታ ዝተሓለወን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ጋህዲ ንምግባር ኣጀንዳ 2063 ብግቡእ ምስኻዕ ይግባእ ኢሎም።

ናይዚ እዋን ኣቦ ወንበር እቲ ሕብረት ዝኾኑ ፕሬዝዳንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒ ብወገኖም፤ ቅድሚ 60 ዓመታት ኣፍሪካ ዝማዕበለትን ሓድነታ ዝሓለወት ኣህጉር ንምግባር ኢሎም እቲ ሕብረት ከምዝተመስረተ ብምግላፅ፤ንቀፃሊ ኣፍሪካ ዝማዕበለትን ሓድነታ ዝሓለወትን ኣህጉር ንምግባር ጠንኪርካ ምስራሕ፣ ጎንፅታት ምትራፍ፣ ራዕዳዊነት ምውጋእን ዝመሳሰሉ ፀገማት ንምእላይ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም፡፡

ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ድኽነት ንምውጋድን ናይ ዲሞክራሲ ምሕዳራ ኣብ ምስፋሕ ብትኹረት ክስራሕ ይግባእ ዝበሉ እቶም ፕሬዚደንት፤ብተወሳኺ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ቀዋሚ መቀመጢ ክህልዋ ይግባእ ኢሎም።

ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት አፍሪካ ሙሳፋቂ ማህማት፤ ናይ ቀደም ውድብ ሓድነት አፍሪካን ናይ ሎሚ ሕብረት አፍሪካን ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ውሽጢ ብዙሓት ዓወታት ኣሳኺዖም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ሐዚ’ውን ኣብዚ ኣህጉር ብዙሓት ፀገማት ከምዘለው ብምሕባር፤ መበል 60 ዓመቱ ክነኽብር ከለና ኣጀንዳ 2063 ተግባራዊ ንምግባር ናይ ጥይት ድምፂ ዘይስምዓላ ኣህጉር ምግባር ይግባእ ኢለም፡፡

ናይ ውሽጢ ጎንፅታት ብምቅናስን ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዝርርብ ናይ ምፍታሕ ልምዲ ክዓቢ ኣለዎ ኢሎም። ብተወሳኺ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ መበል 60 ዓመት ካብ ምኽባር ብዝሓለፈ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ዝስትውዓሉ ጎንፅታት፣ ራዕዳዊነትን ድኽነት ምውጋእን ክኸውን ኣለዎ ብምባል፤ ብጎንፂ ምኽንያት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ ቦትኦም ክምለሱ ይግባእ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣንጎላ ሪፐብሊክ አምባሳደር ዶክተር ሚጉኤል ዶሚንጎስ ቤምቤ ከምዝገለፅዎ፤ኣብ ኣፍሪካ ዘላቂ ሰላም ንምዕሳል ዴሞክራሲ ምስባዕልና ምስ ኣፍሪካውያን መንነት ኣንፃር ተቃንዩ ክትግበር የድሊ ብምባል፤ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ዝግብኦም ናይ ኣባልነት ክፍሊት ብግቡእ ብዘይምኽፋሎም ኢኮኖሚያዊ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሕቶ ነፃነት ክወድቅ ገይርዎ ‘ዩ ኢሎም።

አምባሳደር ሚጉኤል ዶሚንጎስ ከምዝገለፅዎ፤ ፈተናታት ናይቲ ሕብረትን ኣህጉርን ምስፋን ዘላቂ ሰላም ‘ዩ፤ ካሳብ ሐዚ ክንገብሮ ዝፀናሕና ናይ ካልኦት ሃገራት ዲሞክራሲ ከምዘሎ ምግልባጥ ውፅኢት ኣየምፅአን፡፡ ስለዝኾነ’ውን ሃገራት ኣካታቲ ምዕባይ ባህሊ ፖለቲካን ዘለና ሃፍቲ ተፈጥሮ ብመትከል ሂብካ ምቅባልን ፍትሓዊነትን ተጠቂምና ናይ ሓባር ንምግባርን ንምዕባይን ቁርፀኛታት ክንኸውን ኣለና ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ኣንጎላ ዘይምርግጋፅ ኢኮኖሚያዊ ነፃነት እቲ ሕብረት ዘለዎ ሓደጋ ብደንቢ ስለዝርዳእ ልዑል ናይ በጀት ኣበርክቶ ካብ ዝገብሩ ሃገራት ምዃና ብምሕባር፤ ካልኦት ሃገራት ብዘለዎም ዓቅሚ ነቲ ሕብረት ኣበርክቶ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ክበፅሕ ዝኽእል ናይ ወፃኢ ፅዕንቶ ክእለይ ከምዝኽእል ብምርዳእ ናይ ምትሕብባር ስራሕቲ እናሰርሐት ትርክርብ ኢሎም። ፅባሕ ጠንካራ ሕብረት ኣፍሪካ ክትህልወልና ሎሚ ዘለና ኣፍሪካውያን ኩለና ዝግብአና ታሪኻዊ ሓላፊነት ንዋፅእ ክብሉ ድማ ፃዊዒቶም ኣቕሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ሓዊሱ ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት ኣብ ኣጠቃቅማ ተፈጥሮ ሃፍቲ ዘይምቅዳው ከምዝስትውዓሉ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ እናሰረሐቶ ዘሎ ስራሕ ንኻልኦት ኣፍሪካ ሃገራት ዕብየት ዝጠቅም ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ዝረኣዩ ተመሳሳሊ ፀገማት ብምርድዳእን ኩሎም ወገናት ብዘካተተ መልክዕ ምፍታሕ የድሊ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ሓቢሮም፡፡

ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ፌዴሪኢን ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብቲ በዓል ኣብ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ኣርካይቭ ዝተዳለወ ኤግዚቢሽን ፎቶ ናይ ውድብ ሓድነት ኣፍሪካ ታሪኽ ምስረታ ዝድህስስ፣ መስረትቲ ሓድነት ኣፍሪካን ኣብቲ እዋን ዝነበረ ሓፈሻዊ ድባብን ክሳብ ሐዚ ዘለዎ ዘርኢ ፎቶግራፎት ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ንምርኢት ቐሪቡ ኣሎ፡፡

ኣቦ ወንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳፋቂ ሓዊሱ ኣብ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስትር ዴኤታ ምስጋኑ ኣርጋ፣ ድሊማኒ ዙማ፣ ናይዚ እዋን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ናይ ኮሞሮስ ፕሬዚዳንት ኣዛሊ ኣሱማኒን ካልኦት ላዕላዎት ኣመራርሓን ሓለፍትን ሕብረት ኣፍሪካን ኣምባሳደራት፣ ናይ ሃገር ውሽጥን ደገን ጋዜጠኞታትን ከምኡ’ውን ዲፕሎማሰኛታት ንቲ ዝቐረበ ፎቶግራፍ ጎብንዮም’ዮም፡፡

ኣብ ምርኢት ፎቶ ግራፍ ቅድሚ 60 ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወድብ ሓድነት ኣፍሪካ እንትምስርቱ ነፃነቶም ዝረኸቡ ናይ 32 መራሕቲ ሃገራት ፌርማታት’ውን ቀሪቡ’ዩ። ከምኡ’ውን ቅድሚ 60 ዓመታት ገድሊ ናፅነት ኣፍሪካ ከመይ ዝበለ ምስሊ ከምዝነበሮ ዘርእዩ ብዙሓት ፎቶታት ንጎብነይቲ ቀሪቦም’ዮም፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 24 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You