መበል 52 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ

እቲ ልዕሊ ፍርቂ ክፍለዘመን ዘቑፀረ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብብርኪ ዓለምለኸ ንኢትዮጵያ ዘፀውዑ ኣትሌታት ካብ መንጎ ዘፍረዩ ብሄራዊ ውድድራት ፈላማይ ‘ዩ።

ካብ 1963 ጀሚሩ በቢዓመቱ ዝካየድ እዚ ውድድር ኣብ 2012 ዓ.ም ብምኽንያት ኮቪድ- 19 ካብ ምስራዙ ብዝተረፈ ከይተቖራረፀ ዝተኻየደ ዓብዪ ውድድር ኣትሌቲክስ ‘ዩ።

ብስፖርትታት ጉያ፣ ዝላን ምድርባይን ዝግበር እዙ ሻምፒዮና ተፈለጥትን ጀመርትን ኣትሌታት ብምውድዳር ከምኡ’ውን ሓደሽቲ ከዋኽብቲ እናርአየ ዘሊቑ ‘ዩ።

ካብ ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ’ውን ኣብ ኢሊምፒክን ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ሻምፒዮናታት ኣትሌቲክስን ንሃገሮም ዝወከሉ ኣትሌታት ወፂኦምሉ ‘ዮም።

ኣብ ድሮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ መበል 52 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ‘ውን ሓደሽቲ ኣትሌታት ልዕሊ 20 ምስ ዝኾኑ ፍሉጣት ኣትሌታት ብምውድዳር ዝሓለፈ ሰንበት ተዛዚሙ።

እቲ ንሽዱሽተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ዝተኻየደ ሻምፒዮና ብሓፈሻዊ ሰዓራይነት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ’ዩ ተዛዚሙ።

ኣብቲ ብድምቀት ዝተኻየደ ሻምፒዮና እቲ ክለብ ላዕለዋይ ኮይኑ ንምዝዛም ዝኸኣለ’ውን 358 ነጥቢ ብምምዝጋብ ‘ዩ። እቲ ክለብ ብድምር ውፅኢት ክልቲኦም ፆታታት ብዝረኸቦ ብልጫ ተዓዋታይ እቲ ሓፈሻዊ ሻምፒዮና ‘ውን ክኸውን ክኢሉ።

ማእኸላት መሰልጠኒ ኣትሌቲክስ መቻልን ጥሩነሽ ዲባባን ብሓፈሻዊ ውፅኢት ደቂኣንስትዮ መበል ካልኣይን ሳልሳይን እንትኾኑ፣ መቻልን ኢትዮ ኤሌክትሪክን ብደቂ ተባዕትዮ ንደረጃ በቒዖም።

እቶም ክለባት ብዝኣከብዎ ጠቕላላ ውፅኢት 295 ሓፈሻዊ ነጥቢ ብምርካብ መቻል ካልኣይ ደረጃ እንትሕዝ፣ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ብ158 ነጥቢ ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ነቲ ውድድር ዛዚሙ።

ኣብቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ብክልቲኡ ፆታ ከምኡ’ውን ብድምር ውፅኢት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ዝወፅኡ ኣትሌታት ማዳልያ እንተጥልቑ፣ ነቶም ክለባት ድማ ሽልማት ገንዘብን ዋንጫን ተበርኪቱሎም።

ኣብቲ መዛዘሚ መዓልቲ ‘ውን ሚኒስትር ዴኤታ ልምዓት ዘፈር ስፖርት ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ፌዴሪኢ ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት፣ ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ገዛሀኝ ኣበራ ከምኡ’ውን ኣባላት ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ እቲ ፌዴሬሽን ተረኺቦም።

ኣብቲ ውድድር ዝተዓወቱ ኣትሌታትን ክለባትን ‘ውን ካብ ኢድ ክቡራት ኣጋይሽ እቲ ዕለት ሽልማቶም ተረኪቦም።

ብምኽንያት ሕፅረት ማእኸላት መዘውተሪ ስፖርት ኣብ ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ዝተኻየደ እቲ ሻምፒዮና ኣብ ሕድሳት ኣብ ትርከብ እታ ንእሽተይ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ከምኡ’ውን ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ እቶም ዝተረፉ ውድድራት ተኸፋፊሎም ‘ዮም ተኻይዶም።

11 ክልላትን ከተማ ምምሕዳራት ከምኡ’ውን 30 ክለባትን ትካላት መሰልጠንን ዝካፈልሉ እቲ ሻምፒዮና፣ ብደቂ ተባዕትዮ 743 ከምኡ’ውን ብደቂኣንስትዮ 527 ብድምር 1 ሽሕን 270 ኣትሌታት ተሳቲፎም’ዮም።

ንክልተ ዓመታት ካብቲ ሻምፒዮና ርሒቑ ዝፀንሐ ክልል ትግራይ ‘ውን በዚ ሻምፒዮና 57 ኣባላት ዝሓቖፈት ሕርይቲ ጋንታ ኣትሌቲክስ ትግራይ ሒዙ ተሳታፋይ ኮይኑ’ዩ፡፡

እቶም ኣትሌታት ዘካየድዎ ልምምድ ሓፂር እኳ እንተኾነ ኣብቲ ውድድር ምስታፋ ንቐፃሊ ትምህርቲ ንምውሳድ ከምዝሕግዝ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ተክለሃይማኖት ሓቢሮም’ዮም፡፡

ድሕሪ ውሑዳት ኣዋርሕ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ቡዳፔስት ሃንጋሪ ከምዝካየድ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ነዚ ስዒቡ’ውን እቲ ሻምፒዮና ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ንምምራፅ ፅቡቕ ኣጋጣሚ እንትኾን፣ ንሃገሮም ብ10 ሽሕ ሜትር ዝውክሉ ኣትሌታት መፃረዪ ሰዓት ንምግባር ዝምረፅሉ ቅድመ ውድድር ‘ውን ‘ዩ ኾይኑ።

በዚ’ውን ብክልቲኡ ፆታ ካብ 1-8 ዝወፁ ኣትሌታት ኣብቲ ርሕቐት ብዘለዎም ዝበለፀ ሰዓት ምስ ዝተመረፁ ኣትሌታት ድሕሪ ሰሙናት ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝካየድ መፃረዪ ክወዳደሩ ‘ዮም።

ዕድል ውድድር ካብ ምፍጣርን ተተካእቲ ኣትሌታት ካብ ምፍራይን ሓሊፉ ናብ ዓለምለኸ ውድድራት መዳለውን መፃረዪን ዝኾነ እቲ ሻምፒዮና ብዙሓት ፍሉጣት ኣትሌታት ዝካፈልሉ ከም ምዃኑ መጠን ብብርኪ ዓለምለኸ ንዝሳተፉሎም ውልቃዊ ውድድራት ቅዋሞም ዝለክዕሉ መድረኽ ኮይኑ ሓሊፉ።

ካብ መፃኢ 1 ክሳብ 4 ሰነ 2015 ዓ.ም ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ማእኸላት መሰልጠኒ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ንመበል ሳልሳይ ግዜ ክካየድ ‘ዩ። ኢንተርናሽናል ማራቶን ሻምበል ኣበበ ቢቂላ ድማ ንመበል 39 ግዝል ኣብ መፃኢ 18 ሰነ 2015 ዓ.ም ክግበር ‘ዩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 17 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You