‹‹ካብ ቤተ-ፈተነ ክሳብ ኣዝመራ››

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ‹‹ካብ ቤተፈተና ክሳብ ኣዝመራ››በዝብል ቴማ ዓወደ ርእይ(ኤግዚቢሽን) ሕርሻ ሳይንስ ኣብ ሙዚየም ሳይንስ መሪቆም ከምዝኸፈቱ ዝዝከር ‘ዩ፡፡

እቲ ኤግዚቢሽን መፍርያይነት ቴክኖሎጂ፣ ስራሕቲ ምርምርን ምህዞን፣ ኣብ ዲጂታላይዜሽን ሕርሻን ፋይናንስ ሕርሻን ዘድሀቡ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ንምርኢት ዝቐርቡሉ ‘ዩ እንትኾን ብኣሰናዳእነት ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ኢትዮ ቴሌኮምን ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻን ብሓበር ዝምራሕ’ዩ፡፡

”ካብ ቤተ ፈተነ ናብ ኣዝመራ” ብዝብል ቴማ ካብ ሚያዝያ 30 ክሳብ ጉንበት 30 ዝፀንሕ ኤግዚቢሽን፣ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተዋፈሩ 70 ኣፍረይቲ ውሽጢ ዓድን ወፃኢን ፍርያቶምን ናይ ሕርሻ ቴክኖሎጂታቶምን ንምርኢት ኣቕሪቦም ‘ዮም፡፡

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው፣ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገርን ምክትል ፕሬዝዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህን ሓዊሱ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ተረኺቦም ‘ዮም፡፡

እቲ ኤግዚቢሽን ግብርና ሳይንስ ካብ ዝተፈላለያ ትካላት ሃይማኖት ዝተውፃእፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት’ውን ዝረአይዎ እንትኾን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ግብርና ዝፈረዩ ፍሪያታትን ቴክኖሎጂን፣ ልምዓት ሕርሻ ፣ ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓት ሃፍቲ እንስሳን ኣስተውዒሎም ‘ዮም።

ብተመሳሳሊ ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ ተምሃሮ ኣብቲ ሳይንስ ሙዚየም ብምርካብ ዑደት ከምዘካየዱ ካብ ሚኒስቴር ግብርና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከምኡ ‘ውን ኣመራርሓታት ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስትን ኣመራርሓታትን ሰብሞያታትን ትካላት ሚድያ ፌዴራልን ኣብ ኤግዚቢሽን ግብርና ሳይንስ ዑደት ገይሮም ‘ዮም።

ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ኣብቲ ዑደት ከምዝገለፅዎ፣ ግብርና ንምዝማን ብብርኪ ሃገር ሰፊሕ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብቲ ኤግዚቢሽን ዝቐረቡ ውፅኢታት መርኣያ ‘ዮም።

ዕብየት ግብርና ኢትዮጵያ ትርፊ ናብ ምፍራይ እናተሰጋገረ ‘ዩ ዝርከብ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ ብኩታ ገጠም ሕርሻ፣ እቲ ብቴክኖሎጂ ዝተጀመረ ስራሕ ግብርና ሃገርና ምስ ዘለዋ ተፈጥሮ ብምጥማር ክስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን ተዛሪቦም። ዓለም ዝበፅሐቶ ቴክኖሎጂ ግብርና ካብ ባህላዊ ናብ ዘመናውነት ይልወጥ ብዘሎ ግብርና ኢትዮጵያ ዜጋታት ኣብቲ ኤግዚቢሽን ተረኺቦም ክምልከቱ ኣለዎም ኢሎም።

ግብርና መሰረት ኢኮኖሚ ሃገርና ከምዝኾነ ብምጥቃስ፣ ሃገራዊ ውፅኢት ብሰፊሑ ንኽመፅእ መራኸብቲ ሓፋሽ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግባእ ‘ውን ተገሊፁ ‘ዩ ።

ሚኒስትር ግብርና ዶክተር ግርማ ኣመንቴ ነቶም ዑደተኛታት ገለፃ ኣብ ዝገበርሉ ግዜ፣ እቲ ኤግዚቢሽን ግብርና ብብርኪ ከተማ ኣብ ውሱናት ቦታታት ክትግበር ከምዝኽእል ንብዙሓት ግንዛበ ዝፈጠረ ‘ዩ ኢሎም። እቲ ኤግዚቢሽን ኢትዮጵያ ብዘፈር ግብርና እናዘመነት ከምዝመፅአት ከምዘርእይ ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ኣመራርሓታት ሚድያ ገሊፆም ‘ዮም።

ኣብ ሚኒስቴር ግብርና ኣብ ትሕቲ ናይ ሕርሻ ልምዓት ስራሕ ፈጻሚ ጥራጥረን ሰብልን ድሕረ ምርቲ ኣተሓሕዛ ዴስክ ሓላፊ ኣይተ ስብሓት ተመስገን ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ ፣እቲ ዓውደ ርእይ መንግስቲ ብዝተፈላላየ ሚድያታት ዝዛረቦ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ከም መርኣያ ብምቕራቡ ብፍላይ ድማ ዘፈር ግብርና ዓብይ ትኹረት ንክወሃቦን ብጭቡጥ ድማ ኣብቲ ዘፍር እንታይ እንታይ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ግልፂ መርኣያ ‘ዩ።

ኣብቲ ዘፈር ዝተዋፈሩ ኣካላት ሕድሕዶም ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣር ዝሓሸ ምህርታማነት ንክፍጠር ዝሓሸ ምህርታውነት ንክህሉ ውልቀ ባዓል ሃፍቲ ብስፍሓት ኣብ ዘፈር ክዋፈሩ ስራሕ ፈጠርቲ ምህርቶም ብስፍሓት ዘፋልጥሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም ‘ዮም፡፡

ከም ሃገር ብሕርሻ እናበፃሕናዮ ዘለና ብርኪ ዕብየት ንምፍላጥ፣ ናይ ግብርና ምህርትን መሳርሕታት ካብ ምፍላጥ ብዝሓለፈ ሕድሕድ ማሕበረሰብ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ሕርሻ ንክፎትን ብዛዕባ ግብርና ተወሳኺ ፍልጠት ንክውስኽ፣ ግብርና ዓብይ ክእልተን ፍልጠት ዝሓዘ ከምዝኾነ ንክግንዘቡ ዘኽእል ከምዝኾነ ‘ውን ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡

ናይ እንስሳ መኖ መቀነባበርን ዘመናዊ ሕርሻን መሳርሒ ምምራት ዝተዋፈሩ ስራሕቲ ኣብ ምፍላጥ ዝርከብ ቤ.ጂይ.ኢትዮ ኢንዱስትርያል ኢንጂነር ናይ ውልቀ ኩባንያ ተወካሊ ኣይተ ተኽላይ ብወገኖም እቲ ዓውደ ርእይ ኣብ ግብርና ሓደሽቲ ፈጠራታት ስራሕ ንምብርትታዕ ዝተወደበን ዘመናዊ ናይ ሕርሻ መሳርሕታት ብምፍላጥን ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣር ከምኡ ‘ውን ቴክኖሎጂ ንምፍላጥ ዓብይ ግደ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም፡

፡ ምርምር ግብርናን ቴክኖሎጅታቶምን ኣብ ሃገር ውሽጢ ብምምራት ንወፃኢ ብምፍላጥ ዘሎ ግብርና ዘመናዊ ብምግባር እኹል ምህርቲ ንምምራት ከምኡ ‘ውን እቲ ዘፈር ተመራፅን ኣዋፃእን ንምግባር ዘኽእል ‘ዩ ኢሎም፡፡

እቲ ኣብዚ ዓውደ ርእይ ዑደት እናገበሩ ዝረኸብናዮም ኣይተ ተማም ከድር ፣ እቲ ዓውደ ርእይ ሓደ ሃገር ብግብርና ባዕሉ ዝኽእል ዘለዎ ናይ ተፈጥሮ ሃፍቲ ብልጠትን ቴክኖሎጂን ብምሕጋዝ ምጥቃም እንትኽእል ዘርኣየ ‘ዩ፡፡

ከምዚ ዓይነት ዓውደ ርእይ ብፍላይ ንነበርቲ ከተማ ብዙሕ ዘይተለመደ ‘ዩ፣ ናይ ሀገር ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ እናሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ከምዝተመልከቱን ከምኡ ‘ውን ዘፈር ግብርና ካብ ባህላዊ መንገዲ ብምውፃእ ብምርምር ዝተደገፈ ሜላ ግብርና ብምጥቃም ናይ ሃገር ውሽጢ ምህርቲ ብስፍሓት ንምቕራብ ዘኽእል ከምዝኾነ ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡

ብዘፈር ግብርና ክሳብ ኸዚ ዝመፃናዮን ናይ ሎሚ ገፅታን ብስፍሓትን ጭቡጥን ዝተሰርሑ ናይ ምርምርን ስራሕቲ ፈጠራን ንምርኣይ ክኢልና ኢና፡፡ ንቀፃሊ ወለዶ ከምኡ ‘ውን ንፈጠርቲ ስራሕ ብዛዕባ ዘፈር ግብርና እኹል ዝኾነ ፍልጠት ብምርካብ እቲ ዘፈር ዘመናዊ ብምግባር ንክዋፈሩ ምልዕዓል ከምዝፈጥርን እቲ ዓውደ ርእይ ኣብ ኹሉ ክልላት ከተማታት ብስፍሓት ንስራሕትን ቀፃልነት ንክህልዎን ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡

ተምሃራይ ይሳቕ ገዛኸኝ ብወገኑ ኣብ ከተማ ምርኣይ ዘይኽእሉዎን ናይ ግብርና እኽልን መሳርሕታትን ከምኡ ‘ውን ዘፈር ግብርና ንምፍላጥ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ብዝተፈላለየ ሚድያታ ብዛዕባ ግብርና ካብ ምስማዕ ብዝሓለፈ ብኣካል ንምርኣይ ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ ኢሉ፡፡

እቲ ዓውደ ርእይ ሳይንሳዊ ናይ ግብርና ግብኣት ሳይንሳዊ ዑደት ከይዲ፣ ምህርታማነት እቲ ግብርና ፣ ቴክኖሎጂ ግብርና፣ ስራሕቲ ፈጠራን ምርምርን ዑደት ከምዝገበረን ብፍላይ ድማ ቀፃሊ ወለዶ ብዛዕባ እዚ ዘፈር ግብርና ዘለዎ ኣመለኻኽታ ዝቕይርን ኣብቲ ዘፈር ንምስታፍ መፍረያይነት ንምዕባይ ዕድል ዝህብ ከምዝኾነ ተዛሪቡ ‘ዩ፡፡

እዚ ከምዚ እናሃለወ ግብርና ዘመናዊ ብምግባር ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ካብ ምምራት ብምውፃእ ኣብ ቀውዕን ሓጋይን ከምኡ ‘ውን ካልኦት ግዝያት ሙሉእ ምምራት ከምዝኻኣለ ሚኒስቴር ግብርና ኣፍሊጡ ‘ዩ።

ሚኒስትር ግብርና ዶክተር ግርማ ኣመንቴ ናይ 2015 በጀት ዓመት ናይ 9ወርሒ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣብ ዘጀመርሉ እዋን ከምዝገለፅዎ ፣ ግብርና ንምዝማን ቴክኖሎጅን ዝተረኸቡ ውፅኢታን ብኤግዚቢሽን መልክዕ ዑደት እናተገበረሎም ‘ዩ።

እዘ ድማ ኣብ ቀፃሊ ግብርና ዘመናዊ ንምግባር ንዝካየድ ስራሕ ዝሕግዝ ‘ዩ። ኣብቲ ዘፈር ዝተሰርሐ ግብርና ዘመናዊ ናይ ምግባር ስራሕ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራሕ ካብ ምምራት ብምውፃእ ኣብ ኻልኦት ግዝያት ‘ውን ሓዊሱ ዓመት ሙሉእ ምምራት ይካለል ‘ዩ ኢሎም።

ኣብ 2014/2015 ዘመን ምህርቲ 472 ሚልየን ኩንታል ንምምራት ተተሊሙ 480 ሚልየን ኩንታል ምህርቲ ምምራት ተኻኢሉ ‘ዩ። ብመስኖ ሓጋይ ስርናይ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ኩንታል ስርናይ ንምምራት ተተሊሙ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚልየን ኩንታል ዝተመረተ እንትኾን ትልሙ ሚኢቲ ብሚኢቲ ምስኻዕ ክኢሉ ‘ዩ።

ኣብ ኣዋርሕ ሓጋይ ኽልተ ነጥቢ ኣርባዕተ ሚልየን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ንምሽፋን ተተሊሙ ሓደ ነጥቢ ትሸዓንተ ሚልየን ሄክታር መሬት ብዘርኢ ምሻፋን ተኻኢሉ ‘ዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ብዘምፅእዎ ሓሳብ ብዝተጀመረ ‹‹ትሩፋት ሌማት›› ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ርብዒ ዓመታት 26 መንደራት ዝተመስረቱ እንትኾን በዚኦም መንደራት ብደርሆ ጥራሕ 44ሚልየን ዝፅጋዕ ናይ ሓደ መዓልቲ ጫጩት ንሓረስታይ ተኸፋሉ ‘ዩ። እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝተሳራጨወ 26 ሚልየን እንነፃፀር ብጣዕሚ ዝበለፀ ‘ዩ።

ብዘፈር ተፈጥሮ ሃፍቲ መሬት ምዝገባ ኣብ ዝሓለፉ 9ኣዋርሕ ሓደ ነጥቢ ሽድሽተ ሚልየን ሄክታር ግራውቲ ንምምዝጋብ ተተሊሙ 2ነጥቢ 6 ሚልየን ሄክታር ግራውቲ ምምዝጋብ ተኻኢሉ ‘ዩ። ኣብ ሓምላዋይ ዓሻራ 6ነጥቢ 3 ቢልየን ተኽሊ ንምድላው ተተሊሙ 6ቢልየን ዝኾን ተኽሊ ክሳብ ኸዚ ተዳልዩ ‘ዩ።

ሚኒስትር ግብርና ብዝከታታሎ ዘፈር ጥራሕ ኣብ ዝሓለፉ ትሸዓንተ ኣዋርሕ ኣብ ዘፈር ግብርና 2ቢልየን ኣሜሪካ ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ምርካብ ከምዝተኸኣለ ተዛቦም እዮም።

ን2015/2016 ዘመነ ምህርቲ 12 ነጥቢ8 ሚልየን ኩንታል ሓመድ ማዳበርያ ምግዛእ ውዕሊ ዝተፈፀመ እንትኾን ክሳብ ኸዚ 5ሚልየን ኩንታል ንክልላት ተሳራጭዩ ‘ዩ። ብዘፈር ግብርና ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ተተሊሙ 943ሽሕ ዜጋታት ዕድል ዝተፈጠረ እንትኾን 90ሚኢታዊ ተሳኺዑ ‘ዩ ኢሎም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 17 ጉንበት 2015 ዓ.ም

Recommended For You