ዓውደ ርእይ መፅሓፍቲ “ቃል፣ ተግባር፣ ወለዶ”

“ቃል፣ ተግባር፣ ወለዶ” ብዝብል ቴማ ብመዳለውነት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ 24 ክሳብ 29 ሚያዝያ 2015 ዓ.ም ንተኸታተልቲ ሽዱሽተ መዓልትታት ዝፀንሐ ዓውደ ርእይ መፅሓፍቲ ኣብ ቤተ-መፅሓፍቲ ኣብርሆት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተሳሊጡ’ዩ።

ኣብቲ ዓውደ ርእይ ኣብ ቤተ-መፅሓፍቲ ኣብርሆት ቀዋሚ “ቤተ-ንባብ ቀዳማይ ሚኒስትር” ዕላዊ ኮይኑ ኣሎ።ኣብ “ቤተ-ንባብ ቀዳማይ ሚኒስትር” ንቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ጀሚሩ ንንባብ ዘብቅዕዎም መፅሓፍቲ ቀሪቦም’ዮም።

እቲ “ቃል፣ ተግባር፣ ወለዶ” ብዝብል ቴማ ዝተኸፈተ ዓውደ ርእይ መፅሓፍቲ ባህሊ ንባብ ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ ኣሎ። ነቲ ዓውደ ርእይ ብዝምልከት “ታሪኽ ንወለዶ ምስናድ” ብዝብል ርእሲ መድረኽ ዘተ ተኻይዱ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ታሪኽ ብዝተማልአ ኣግባብ ምስናድ ንህንፀት ወለዶ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ በቶም ሓሳብ መቕረብቲ ተላዒሉ።

ጎናጎኒ እቲ መድረኽ ዘተ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተዳለዉ ሕትመታትን ንስራሕቲ ፅሑፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝድህስስን ዓውደ ርእይ መፅሓፍቲ እውን ነይሩ። ብቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተፅሓፉ መፅሓፍቲ ምድማር፣ መገዲ ምድማርን ወለዶ ምድማርን ሓዊሱ ካልኦት ስራሕቶም ንመሸጣ ቀሪቦም።

ኣብ “ቤተ-ንባብ ቀዳማይ ሚኒስትር” መፅሓፍቲ ኣብ ታሪኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልገሉ ሰበስልጣናት ዝቕመጥሉ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ‘ውን ተኻኢሉ። ኣብ “ቤተ-ንባብ ቀዳማይ ሚኒስትር” ነቲ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፁ ጀሚሩ ንንባብ ዘብቅዕዎም መፅሓፍቲ ቀሪቦም’ዮም።

ኣብቲ ዓውደ ምርኢት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘመነ ኣመራርሐኦም ንህዝቢ ዘቕረብዎ ናይ ሕትመት ውፅኢት ዝተፋለጠሉ፣ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፅሓፉ ስራሕቲ ዝተገምገምሉን መሸጣ መፅሓፍ ዝተሰርሐሉ ከምኡ እውን ንባብ ባህሊ ንምዕባይ ዝሕግዙ ዘተ ዝተኻየደሉ ‘ዩ ነይሩ።

ኣብዚ ዘመነ ለውጢ ዝተሰርሑ ፕሮጀክትታት ዘመን ተሳጋሪ፣ ኹሉ ዘካተተ ፣ ገፅታ ሃገርን ኢኮኖምን ብምህናፅ ዝጥቀሱ ብምኻኖም ተሰኒዶም ምቕማጦም ጥቕሞም ዓብይ ከምዝኾነ ኣብቲ ዓውደ ራእይ መፅሓፍ መርሃ ግብሪ ተገሊፁ ‘ዩ። ካብ 2010ዓ.ም ክሳብ 2013ዓ.ም ካብ መጋቢት ክሳብ መጋቢት ብዝብል ኣፈፃፅማ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክት ዝምልከት ዘተ ተኻይዱ ‘ዩ።

ኣብቲ ዘተ ሚኒስትር መዓድን ኢንጅነር ሃብታሙ ተገኝ፣ ዋና ስራሕ መካየዲ ግድብ ኣባይ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ ከምኡ ‘ውን ካብ ምብራቕ ሽዋ ዞባ ሉሜ ወረዳ ሓረስታይ ኣሸናፊኣ ያለው ኣብቲ ዘተ ብምርካብ ሓሳብ ሂቦም ‘ዮም።

ሚኒስትር ማዕድን ኢንጅነር ሃብታሙ ከምዝበልዎ፣ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ምጥቃም ንክትኽእል ዝፀንሐ ሓሳብ ከምዘለዎም ብምዝካር ፣ ብናቶም ሓሳብ ተቐሪፆም ዝተሰርሑን እናተሰርሑ ዘለዉን ፕሮጀክት ኹሉ ኣካታቲ ብምዃኖም ንወለዶ ተሰኒዱ ምቕማጦም ግቡእ ‘ዩ ኢሎም። ኢትዮጵያ ፕሮጀክት ብምዝዛም ዘመዝገበቶ ውፅኢትን ዝገጠምዋ ፈተናታትን ኣብቶም መፅሓፍቲ ብዝግባቡ ዝተዳህሰሱ ብምዃኖም ፣ ዝተሃነፀ ፕሮጀክት ኣቐዲምካ ዕላማን ትልሚ ብምግባር ውፅኢታዊ ምግባርን ብቁርፀኝነት ምስራሕ ዘምሃሩ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ጊዜ ፣ ገንዘብን ፃዕርን መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ብዝተጠቐሱ ግዝያት ምዝዛሞም ትኽክኛ ባዓል ሞያታት ተፈልዮም ኣብ ትኽክለኛ ቦታ ኮፍ ምባልም ከምዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ፣ ፀገምና ድኽነት ብምዃኑ ዘለና ሃፍቲ ተጠቒምና ኣብ ልዕሊ ድኽነት ብምውፋር ካብ ባዕልና ተሪፍና ንዓለም ክንተርፍ ኣለና ኢሎም።

ዋና ስራሕ መካየዲ ግድብ ኣባይ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ ከምዝገለፅዎ፣ እቲ ግድብ ዝተፈላለየ ፈተናታት ገጢምዎ ከምዝደንጎየ ኣዘኻኺሮም ድሕሪ እቲ ለውጢ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትሩ ብዝወሰድዎ ፈጣን ስጉምቲ ዜጋታት ብዝገበርዎ ሓገዝ ሰላስተ ግዜ ማይ ሒዝና ንራብዓይ ዙር ንምምላእ ተዳሊና ኢና ኢሎም። ከምኡ ‘ውን ኽልቲኦም ተርባይናት ሓይሊ እናፈልፈለ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። ናይ ወፃኢ ሓይልታት ኣብ ፈተና ዘእተውዎ ግድብ ህዳሴ ሎሚ ንዝበፅሖ ዓወትን ውፅኢትን ክበፅሐ ዝኸኣለ መንግስቲ ዓብይ ትኹረት ብምሃቡ’ዩ።

ድሕሪ እቲ ለውጢ እቲ ፕሮጀክት ንሓደ እዋን’ውን ብሕፅረት ገንዘብ ተቋሪፁ ከምዘይፈልጥ ኣብሪሆም። እቲ ግድብ ሓድነት ውሽጥና ብምጥንኻር ንካልኦት ኣፍሪካውያን ኣሕዋትና መርኣያ ጥንካረ ንክንኾን ገይሩና ‘ዩ ኢሎም።

ሓረስታይ ኣሸናፊ ኣያሌው ብወገኖም፣ ድሕሪ እቲ ለውጢ ብዘፈር ግብርና ንምምእማን ዘፀገሙ ተግባራት ተሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ 85 ሚኢታዊ ሓረስታይ እንተኾነ ‘ውን ቅድም ክብል መሬት ኾነ ማይ ኣብ ኢድና እናሃለወ እናጠመና ነይርና እዚ ታሪኽ ተቐይሩ ንካልኦት ምትራፍ ክኢልና ኢና ኢሎም።

ክሳኻዕ ‘ዩ ተባሂሉ ዘይተሓለመ ልምዓት መስኖ ስርናይ ኣብዚ ሐዚ እቲ ሓረስታይ ባዕሉ ንክኽእል ኣኽኢልዎ ‘ዩ፤ቕድሚ ኸዚ ኣብ ድኽነት ይነብሩ ከምዝበነበሩ ኣዘኪሮም ኸዚ ግና ልዕሊ 400 ሰራሕተኛታት ቖፂሮም እናሰርሑ ምዝኾነ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ሓረስታይ ኣሸናፊ ብውልቆም ምርህቲ ናብ ወፃኢ ብምልኣኽ ብዘካየዶ መሸጣ ጥራሕ ኣብ ዓመት ልዕሊ 250 ሽሕ ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ንሃገርና ኣታዊ እናገበሩ ከምዝኾነ ኣብሪሆም። ሃገር ብብዙሕ ፈተና ውሽጢ ኾይና ዘሳኸዐቶም ዝሰርሐቶም ፕሮጀክት ብኣግባቡ ንክስነዱ ኣብ ቀፃሊ ፕሮጀክት መምሀሪ ክኾኑ ከምዝግባእ’ውን ኣብ ዘተ ተመልኪቱ ‘ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሃገር ካብ ምምራሕ ጎኒ ንጎኒ መፅሓፍቲ ምፅሓፎም ዝድነቕ ‘ዩ ዝበሉ ድማ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገብረማርያም ‘ዮም።

ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ተሳትፎ ብምግባር ዝፍለጡ ፣ ኣብ ካሊፎርንያ ስቴትስ ዩኒቨርሲቲ መምህር ፖለቲካ ሳይንስ ጠበቓ ሕግን ዝኾኑ ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገብረማርያም፣ ናይ ምድማር ሓሳብ ካብ ፍልስፍና ፣ ኣብ ኣተገባብራን ካብ መንፃር ወለዶን ናይ ውልቀኦም ምልከተኦም ኣቕሪቦም ‘ዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገር ዝኣክል ኣብ ማእገሮም ተሸኪሞም ምስ ስራሕ ጎኒ ንጎኒ መፅሓፍቲ ምሕታሞም ዝደንቕ ‘ዩ ኢሎም። ሃገር ብኣተማማኒ መሰረት ንምህናፅ መፅሓፍ ምድማር ዓብይ ጥቕም ከምዘለዎን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ስረሖም ኾይኖም ብሓሳብ ንምሙጋት መፅሓፍ ምፅሓፍ ምኽኣም ብቐሊሉ ዝረአ ከምዘይኾነ ኣመልኪቶም። ሃገር ዝሃንፁን ንወለዶ ፍልጠት ዝልግሱ መፅሓፍቲ ብምዃኖም ተፃሒፎም ንኣንበብቲ ምብፀሖም ግቡእ ‘ዩ ኢሎም። ምድማር ንኢትዮጵያ ፀገም ፍታሕ ብኢትዮጵያ ፍልጠት ፣ እምነት ታሪኽን ተፈጥሮ ሃፍትን ውሽጢ ከምዝኾነ ዘረድእ ሓሳብ ‘ዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምድማር ተፈጥራዊ ሕጊ ከምዝኾነ ይኣምኑ ፣ ኹሉ ተግባር ብነፀላ ካብ ምስራሕ ብምድማር ውፅኢቱ ዝሓሸ ዝረክብ ከምዝኸነ ንምስራፅ ዘኽእል ‘ዩ ኢሎም። ብልቡ ፅልኢት ዝሓዘ ምድማር ኣይርደኦን ነፃነትናን ስብእናን ክነሕልዎ እንኽእል ብምድማር ከምዝኾነ ኣብ መፅሓፍ ግልፂ ገይሩ ዘርኣየና ‘ዩ። ሃገር እትህነፅ ብፍልጠትን ብቴክኖሎጂ ብዝዘመነ ወለዶ እንትኾን ናይ ምድማር ወለዶ ስለ መፃኢ ወለዶ ስለ ሓዳሽ ኢትዮጵያ ኣካል ከምዝኾነ ኣብሪሆም ‘ዮም። ኢትዮጵያውያን ብምድማር መንፈስ ብሓባርን ብምትሕብባር ምስራሕ እንትንኽእል ፣ ካብ ሓገዝ ትፅቢት ምግባርን ካብ ድኽነት ተላቒቕና ዝበልፀገት ሃገር ንምህናፅ የኽእለና ‘ዩ። ምድማር ፍልስፍና ኣለዎ እንትበሃል እቲ ሓሳብ ናይ መዘራራቢ ካብ ምዃን ብዝሓለፈ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአይ ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእል ከምዝኾነ ‘ውን ተዛሪቦም።

ምድማር ዝተበታተነ ጉልበት ናብ ጠንካራ ሓይሊ ዝቕይርን ብምዝርራብ ለውጢ ከምዝመፅእ ዘረጋግፅ መንገዲ ‘ዩ ፤ ኢትጵያውያን ናይ ሓባር ኣረኣእያ ንምፍጣር ካብ ድኽነት ድሕረትን ብሓይሊ እንተይኾነስ ብመረፃ ንክኣምኑ ዝገብር ስለዝኾነ እቲ ወለዶ እዞም መፅሓፍ ብምንባብ ፍልጠት ብምዕዳግ ባዓሉን ሃገሩን ምህናፅ ከምዘለዎ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ‘ዮም።

ኣብ መጠቓለሊ እቲ ዓውደ ርእይ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም፣ ትውልዲ ዘንብብ፣ነገራት ብትኹረት ዝርእይን ዘዳምፅን እንትኾን ኸዚ ካብ ዘላ ኢትዮጵያ ዝሓሸት ምፍጣር ይካኣል ክብሉ ተዛሪቦም። መፃኢ ዕድል መፃኢት ኢትዮጵያ ምስ ዝውስን ምዝታይ ሓሳብ ምቕባል ጠቓሚ ‘ዩ ፤ እቲ ወለዶ ናተይ ይበልፅ ካብ ዝብል ሓሳብ ብምውፃእ ብምክብባርን ብምክእኣልን ኹሉ ነገር ብቅንዕና ኣመላካክታ ብምርኣይ ሓዳሽ ኢትዮጵያ ‘ውን ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ ኢሎም።

ፅባሕ ተረከብቲ ወለዶ ‹‹ ኢትዮጵያ ናታትኩም ‘ያ ንሕና ካባኹም ብዋሕስ ኣልሚዕና ንዓኹም እነረክባ ሃገር ኢና ዘለና። ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ሓሳብ ‹ ካብ ኣያታትና ዝወረስናዮ › ዝብል ሓሳብ ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ንሕና መሰረት ኢና እነቕምጥ፣ ንስኻትኩም ድማ ብዝሓሸ መልክዑ ብምስራሕ ንቀፃሊ ወለዶ ምስራሕ ትፅቢት ይግረልኩም›› ኢሎም።

ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወለዶ ዝተረከብናያ ጥራሕ እንተይኾነትስ ካብ ደቅና ዝተውሓስናያ ‘ውን ስለዝኾነት ኹላትና ዝሓሸ ፅባሕ ዝምጥን ኣግባብ ክንሃንፅ ይግባእ። ኣካላትና ኣብ ሓደ ተደሚሮም እንትሰርሑ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ ብምርዳእ ብሓድነት ክስራሕ ይግባእ። እዚ ወለዶ ኣብ ፀገም ትኹረት ምግባር እንተይኾነስ ኣካል ፍታሕ ክኾን ከምዝግባእ ተዛሪቦም ‘ዩ ፤ ምድማር ክንብል ከለና ሓደ ሰብ ምስ ሓደ ሰብ ጥራሕ እንተይኾነስ ምስ ባዕሉ ‘ውን ዝስማዕማዕ ሓሳብ ዝሓዘ ‘ዩ ክብል ገሊፆም።

መፅሓፍ ምድማር ኣካል ምድማር ወለዶ ንዝኾኑ መናእሰይ ሰላምን ኢትዮጵያውነት ዝኣምን ወለዶ ዝቐርፅ ‘ዩ። ንሕና እንርከባ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ብፍልጠት ዝተሃነፀት ጠንካራ ሃገር ከምትኾን ኣብ መፅሓፍ ተጠቒሱ ‘ዩ ኢሎም።

እቲ መፅሓፍ ምትሕብባርን ሓድነትን ከምዝሓዘ ኣብ መድረኽ ዝተረኸቡ መናእሰይ ገሊፆም ‘ዮም። እቲ ወለዶ ብፍልጠት ተሃኒፁ ተሳጋሪ ክኾን ከምዝኽእል ከም ኣብርሆት፣ ሳይንስ ሙዝየምን ዝኣመሰሉ ዘመን ተሳጋሪ ናይ ወለዶ መቕረፂ ትካላት መርኣያ ‘ዮም ክብሉ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኸዚ ንዘላቶ ፀገም ናይ ብሄር ኣኽራርነት እቲ ዋና መልዓሊ ‘ዩ ፣ እቲ ወለዶ ካብዚ ክወፅእ ኣለዎ ክብሉ እቶም መናእሰይ ገሊፆም ‘ዮም። ናይ ሓደ ሃገር መልዓሊ ታሪኽን ባህልን ከምዝኾነ ብምጥቃስ እቲ ወለዶ ዝሓሸ ሓሳባት ካብ ታሪኽ ብምምሃር ሃገሩ ንምቕያር ትኹረት ክገብር ከምዘለዎ ብምእማን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዚ ዝበለ መፅሓፍን ኣንፈትን ጠቋሚ መፅሓፍ ስለዘበርከቱልና ነመስግን ኢሎም።

ባህልን ታሪኽን ጠንቂቑ ዝፈልጥ ፣ ዝኣምንን ዝእመንን፣ ብስነ ምግባር ዝተሃነፀ ወለዶ ንምፍጣር እናሰርሐ ዘሎ ዘበረታዕ ስራሕቲ ‘ውን እቶም ተምሃሮ ኣልዒሎም ‘ዮም። ናይ ፅባሕ ሃገር ተረካቢ ወለዶ ፅቡቕ ስነምግባር ዘለዎ ንክኾን መንግስቲ ተሓታትነት ከስፍን ይግባእ ፣ ብፍላይ ናይ ፅባሕ ወለዶ ንምህናፅ ዲሞክራሲ ኣረዳድኣ ንክስፍን መሰረተ ልምዓት በቢክልሉ በቢገጠሩ ምህናፅ ኣለዎም ኢሎም።

መፅሃፍ ምድማር ወለዶ ተባሂሉ ዝተገለፀ እቲ ወለዶ ዝውክሎ ተስፋ ኢትዮጵያ ክኾን ከምዝግባእ ኸዚ ዘሎ ወለዶ ድማ ፀገማት ብዘተ ምፍታሕ ዝኣምን ፣ ጠንካራ ስርዓት ትምህርቲ ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምስጋር ዝፅዕር ንክኾን እቶም መናእሰይ ተምሃሮ መልእኽቶም ኣመሓላፎም ።

መርሃ ግብሩ መፃኢ ወለዶ ትኹረት ዝገበረ እንትኾን መፅሃፍ ምድማር ዘንበቡ ተምሃሮ ኣብቲ ዙርያ መፅሓፍ ዝተፈላለየ ሓሳባት ብምሃብ ካብቲ መፅሓፍ ርእሲ ብምምራፅ ሓሳቦም ኣንፀባሪቖም ‘ዮም። ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ድማ ምስጋነኦም ኣቕሪቦም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 03 ግንቦት 2015 ዓ.ም

Recommended For You