ሰላም ምፅናዕ ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን

ሰላም ምምፅኡ ተኹሲ ጠጠው ብምባሉ እቶም ዝተረፈ መንእሰይ ምትራፎም ዓብይ ጉዳይን ዕድልን ‘ዩ። እዚ ንህዝቢ ትግራይ ኾነ ነቲ መፍረያይ ዝኾነ መንእሰይ ዓብይ ዕድል ‘ዩ። ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ ብዙሕ ዝቕየር ነገራት ኣለዉ፣ ቅድሚ ኸዚ ዝነበሩ ኣሰራርሓታት እቶም ፅቡቕ ዝኾኑ ንቕድሚት ሒዝካ ብምኻድ እቶም ድሑራትን ህዝቢ ዘይቕበሎምን ዝነበረ ኣካይዳ ድማ ብምምሕያሽ ዓብይ ስራሕ ም ስራሕ የድሊ ‘ዩ።

ሰላም ምምፅኡን እንተናኣሰ ኹናት ጠጠው ምባሉ ትራንስፖርት ምኽፋቱ ፣ ደሞወዝ ምኽፋል ምጅማሩን ትምህርቲ ምጅማሩን ካልኦት ግልጋሎታት’ውን ፅቡቕ ጅማሮ ኣሎ። እቲ ዝደለ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ብዙሕ ዝተርፍ ነገራት ክህሉ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ንምግባር ድማ እቲ ዝነበረ ነባር ኣሰራርሓ ብምቕያር ሓድሽ መዋቅር ብምጥያሽ ህዝቢ ምክሓስ የድሊ። ንኣብነት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝተፈላለየ መራሕቲ ይምረፁ ነይሮም ‘ዮም ግና ዝተፈለየ ለውጢ ኣይነበረን። መራሕቲ ብዝተቐያየሩ ግዘ እንድሕር ለውጢ ዘይመፂኡ ትርጉም የብሉን።

ሰላም ንኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ካብ ኹናት ናብ ኹናት ህይወት ጠጠው ስለዘበሎ ዓብይ ዕድል ‘ዩ። ትግራዋይ ሐዚ’ውን ንሰላም ጠጠው ክብል ይግባእ። እቲ ናይ ኣሰራርሓ ሲስተም ብቕንዕና እንድሕር ዘይኸደ ንዝተወሰነ ጉጅለ ጠቒሙ፣ ንኣብዝሓ እንድሕር ዝጎድእ ኾይኑ ዘይሩ ዘይሩ ናብ ፀገም ኢኻ ትኸይድ።

ሰላም ክንደየናይ ኣድላይ ከምዝኾነ ፍሉጥ ‘ዩ። ብኢኮኖሚ ንክትዓቢ ንክትማሃር ሰላማዊ ማሕበረሰብ ንክህልዉ ካብ ሕድ ሕድና ሰላም ዝኾነ ኣተሓሳስባ ክህልወና ይግባእ። ቀፂሉ ምስ ጎረባብትኻ ሰላም ትኾን ቀፂሉ ምስ ዓለም ‘ውን ስምምዕነት ትፈጥር። ናይዚ ኹሉ መሰረት ፍትሒ እንትመፅ ከሎ ‘ዩ። ናብ ኹናትን ዕግርግርን ዘይትኣቱ ፍትሓዊ ስራሕ እንድሕር ሃልይካ እቲ ህዝቢ ዝደልዮ እንድሕር ዝመርፅ ኾይኑ ነገራት ብቐሊሉ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ እቲ ኹሉ መንእሰይ ዝሃለቐ ንምንታይ ‘ዩ? ኢልና ንባዕልና ሓቲትና ባዕልና መልሲ ሂብና እንታይ ረኺብና? ኢልና ንቕድሚት ንከይድገም ትምርቲ ክወስድ ይግባእ። ሓደ መፂኡ ስለዝገዝአን እቲ ሓደ መፂኡ ስለዝተቐየረ ጥራሕ ብኣተሓሳስባ ኾነ ኢኮኖሚ ክንዓቢ ኣይንኽእልን። ብፍላይ ድማ ምስ ጎረባብቲ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ዝምድና ክጠናኸር ይግባእ። ብዝተኽኣለ መገዲ ፀገማት እንሃልዩ ‘ውን ኣብ ጠረጴዛ ‘ዩ ክውዳእ ዘለዎ። ድሕሪ ብዙሕ መንእሰይ ሞት ‘ዩ ናብ ፕሪቶርያ ዝኸደ ፤ ክኾን ዘለዎ ግና ቕድሚ ኹናት ኮፍ ኢልካ ምዝታይ ዝበለፀ ነይሩ። ሐዚ ግና ካብዚ ክንምሃር ይግባእ።

እዚ ሰላም ካብ መፀ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኹሉ ብፍላይ ድማ ትግራዋይ ዓብይ ዕዮ ገዛ ይፅበዮ። ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ኣብዚ ዓብይ ግደ ክህልዎም ትፅቢት ይግበር። እቲ ሓደ ብፋይናሻል ዓቕሚ እኒኦ ‘ዩ፣ ካልኣይ ድማ ብሓሳብ እቲ ዳያስፖራ ብዙሕ ነገር ከበርክት ይኽእል ‘ዩ ። ሕብረት ኣብ ኹናት ጥራሕ ክኸውን ኣይኽእልን፣ ኣብ ልምዓት ህዝብኻ ኣብ ምሕጋዝ ‘ውን ዝጠንከረ ሕብረት ክህሉ ይግባእ።

ንኹናት ምድጋፍ ነዚ ክፍለ ዘመን ‘ውን ዝምጥን ኣይኮነን። ኣብ ዳግመ ሕወየት ዝዓበየ ተሳትፎ የድሊ።ሰብ ሃፍትን ዳያስፖራ ዝፈረሰ መሰረታዊ ልምዓት ናይ ምሕጋዝ ዓብይ ዓቕሚ ኣለዎ ‘ዩ። እቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ ትምህርቲ ዳርጋ ብጥራሕ ኢድካ ስለዝኾነ ንሕውየት ትምህርቲ ትግራይ ክረባረቡ ይግባእ።

ኣብ ሕክምና ሞያ ዘለዉ’ውን ናብ ትግራይ ኸይዶም ንሓደ ወርሒ ዝኾን ‘ውን ኣገልጊሎም ንክመፁ ፣ ኣብ ኻልእ ሞያ ዘለዉ ‘ውን ከምኡ ሓገዝ ክገብሩ ይግባእ። ሓሳብ ‘ውን ምውፃእ’ውን ፅቡቕ ‘ዩ። ንሕውየት ትግራይ ምስ ፌደራል መንግስትን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ብሓበር ምስራሕ ዘድልየሉ እዋን ኢና ዘለና። ብሓሳብ፤ብሙያን ገንዘብን ምሕጋዝ ግድን ይኸውን።

ኣብ ዕግርግር ተጠቀምቲ ዝኾኑ ሰላም ምፍርራሙ ‘ውን ደስ ዘይበሎም ኣለዉ ‘ዮም። እዚ ጌጋ’ዩ። ኩሉ ክቃለሶ ይግባእ። ንሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ኣይጠቅምን። ስለዚ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ብፍላይ ድማ ዳያስፖራ ትግራይ ዓብይ ግደ ኣለዎ። ሓገዝ ዝብሃል ንመንግስቲ ወይ ንትካል ጥራሕ እንተይኾነስ ቤተሰብኻ ጎረባብትኻ ምሕጋዝ’ውን ንባዕሉ ዓብይ ተሳትፎ ‘ዩ ።

ናይዚ ሰላም ውፅኢት ቅድሚ ኸዚ እውን እዚ ኹናት ኣድላይ ከምዘይነበረ ዘመስከረ ‘ዩ። ባዕልና ኣምሪትና ምብላዕ ዘይንኽእል ሰባት ኣብ ኹናት ምንባርና ጌጋ ምዃኑ ክንርዳእ ኣለና ። ህዝቢ ትግራይ ብሴፍትነት ዝማሓደር ህዝቢ ምንባሩ ይፍለጥ፤ሐዚ ድማ ዝገደደ ፀገም ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣካይዳ ክቕየር ኣለዎ። እቲ መንእሰይ ኣብ ዳግመ ህንፀት ዝሳተፈሉ ኩነታት ክመቻቸው ይግባእ። ናይቲ መንእሰይ ሓሳብ ክድመፅ ኣለዎ። ንሰላም ዝግበር ቃልሲ ድማ ውፅኢቱ ሰላማዊ ዝኾነ ወለዶ ንምፍጣር ዓብይ ግደ ኣለዎ። ሃገር ኣብ ምልማዕ ድሕንነት ህዝቢ ንክረጋገፅ መሰረቱ ሰላም ‘ዩ። ካብ ሰላም ዝያዳ ተረባሒ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ መንእሰይ ትግራይ ድማ ብፉሉይ ተረባሒ ‘ዩ። ሐዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ኣብ ዳግመ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዓብይ እጃም ስለዘለዎ እዚ ሰላም ዘላቒን ዘተኣማምን ፅኑዕን ክኸውን ኩሉ ክሰርሕ ይግባእ።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 03 ግንቦት 2015 ዓ.ም

Recommended For You