ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ ድርቂ ንምፅዋርን ዜጋታት ንምድሓንን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ቢ ሲ)፡- ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘጋጠመ ድርቂ ንምፅዋርን ዜጋታት ንምድሓንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግድኡ ንኽዋፃእ መንግስቲ እቲ ክልል ፀዊዑ። ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዞባ ቦረና ተጎዳእቲ ደርቂ ዝገበሮ ደገፍ ልዕሊ 250 ሚሊየን ብር ጥረ ገንዘብን ዓይነትን ኣረኪቡ፡፡

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣወሉ ኣብዲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፣ ድርቂ ብብርኪ ዓለም ለኸ ፈተና እናኾነ ምምፅኡን ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብ ህይወት ሰብን እንስሳትን ሓደጋ እናስዐበ ከምዝርከብን ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፣ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ብዘላቕነት ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ ዓመታት እናጋጠመ ዝርከብ ድርቂ ልዕሊ 7 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜታት ምድሓን ከምዝተኸኣለ ገሊፆም።

ብምኽንያት እቲ ድርቂ ህይወት ሰብን እንስሳትን ከይሓልፍን ተምሃሮ ትምህርቶም ከየቋርፁን ምገባ ተምሃሮ እናተኻየደ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ኣብቲ ክልል ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ብዘጋጠመ ድርቂ 4 ነጥ 3 ሚሊየን ዜጋታት ሓገዝ ከምዘድልዮም ኣይተ ኣወሉ ተዛሪቦም፡፡ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንምፅዋር ዳያስፖራ ሓዊሱ መላእ ኢትዮጵያውያን ግደኦም ንኽዋፅኡ ሓቲቶም።

ንቲ ፃዊዒት ስዒቡ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዞባ ቦረና ተጎዳእቲ ደርቂ ዝገበሮ ደገፍ ልዕሊ 250 ሚሊየን ብር ጥረ ገንዘብን ዓይነትን ኣረኪቡ፡፡ እቲ ደገፍ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ትካላትን ክፍለ ከተማታትን ዝተኣከበ ‘ዩ። ማይ መትሓዚ ታንከራትን መግቢ አንስሳትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ፣ ኣብቲ ዞባ ነዝርከቡ ወገናት ምሕጋዝ ናይቲ ክልል መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሕና ‘ውን ንወገናትና ኣብ ጎኖም ኢና ንምባል ‘ዩ እቲ ደገፍ ተገይሩ ኢለን። እቲ ደገፍ ንዝሃቡ ኩሎም ድማ አመስጊነን።

እቲ ደገፍ ዝተረከቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ፣ ንዝተገበረ ደገፍ አመስጊኖም። እቲ ድርቂ ዘጋጠመ ብሰንኪ ንተኸታታሊ 3 ዓመታት ዝናብ ዘይምዝናቡ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ወጋሕታ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You