ለተሰንበት ግደይ ናይ መጀመርታ ማራቶን ኣብ ቫለንስያ ክተካይድ እያ

ናይዚ እዋን ናይ ነዊሕ ርሕቐት ውርይቲ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ቀረባ ድማ ገፃ ናብ ማራቶን ክተዙር ‘ያ። ነዚ ድማ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ሓምለ ከተማ ቫለንስያ ናይ መጀመርታ ውድድር ማራቶን ክተካይድ ከምዝመረፀት ተፈሊጡ። ለተሰንበት ኣብ ቫለንሽያ ንፈለማ እዋን ኣርብዓን ክልተን ኪሎ ሜትር ጉያ ክትጎይ ምውሳና ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ቫለንሽያ ናይ ውድድራት ከተማ ጥራይ ዘይኮነትስ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክብረ ወሰን ዝስበረላ ኮይና ‘ያ። ብፍላይ እዛ ከተማ ንለተሰንበት ፍሉይ ቦታ ኣለዋ። ንዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ሻምፕዮናታት ዓለም ብሉፅ ውፂኢት ኣመዝጊባ ኣለ፡፡ኽልቲኡ ዓወት ድማ ኣብ ቫለንሽያ’ያ ዘመዝገበት ።

 ሻምፕዮን ዓለም ኣትሌቲክስ 2022 ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ፖርትላንድ ኦሪገን ኣሜሪካ ክካየድ ‘ዩ። ኣብ ዓለምና ዝርከቡ ኣትሌታት ንባዕሎምን ንሃገሮምን ዝሳተፍሉ እንትኾን ለተሰንበት ድማ 10 ሽሕ ሜትሮ ክትሳተፍ ትፅቢት ይግበረላ፤ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ሻምፕዮን ዓለም ድማ ኣብ ቫሌንሽያ ንኻልእ ዓወት ማራቶን ትዳሎ ከምዘላ ኣዳለውቲ ናይቲ ውድድር ኣፍሊጦም ኣለው። “ኣብ ቫለንሽያ ናይ መጀመርታ ማራቶን ክጎዪ ምዃነይ እንትገልፅ ብሓጎስ ‘ዩ። ምስ ቫለንሽያ ፍሉይ ዝምድና ኣለኒ፤ ኣብ 2020 ዝገበርክዎ ውድድር 5000 ሜትሮ ክብረወሰን፤ ኣብ 2021 ድማ ንውድድር ፍርቂ ማራቶን ዘመሓየሽኩሉ ክብረ ወሰን ፍሉይ ተዘክሮታት ኣለኒ፡፡ ኣብ ዝመፅእ ቫለንሽያ ማራቶን ድማ ፅቡቕ ግዜ ከሕልፍ ተስፋ እገብር” ክትብል ለተሰንበት ከምዝተዛረበት ኣትሌቲክስ ዊክሊ ፅሒፉ ‘ዩ፡፡ ኣዳለውቲ እቲ ውድድር ብወገኖም ” ናይ ዓለምና ድንቅ ኣትሌታት ካብ ዝኾኑ እታ ሓንቲ ዝኾነት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ማራቶን ቫሌንሽያ ከምትሳተፍ ምርግጋፅ ከተማና ናይ ዓለምና ማእኸል ጉያ ንምግባር እናርኣናዮ ዘለና ፃዕሪ ዘረጋጋፅ ‘ዩ፡፡

ለተሰንበት ንዓና ብምምራፃ ኹርዓት ይስመዐና›› በምባል ሓሳቦም ሂቦም ‘ዮም፡፡ ለተሰንበት ምስ ቫለንሽያ ዝተላለየትሉ 5000 ሜትሮ ዝድነቕ ክብረወሰን ዓለም ብምምሕያሽ ‘ዩ ነይሩ። እዛ ኮኾብ ኣትሌት ብጥሩነሽ ዲባባ ን12 ዓመታት ተዳሒዙ ዝፀንሐ ሪከርድ 5000 ሜትሮ 14፡06፡62 ብምጉያይ ኣመሓይሻ ዓለም ኣደሚማ ‘ያ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ 2021 ናብ ቫለንሽያ ተመሊሳ ንመጀመርታ ፍርቂ ማራቶን ብምጉያይ ብ1፡02፡52 ብዝኾነ ሰዓት ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊባ ‘ያ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ውድድራት ኣርባዕተ ዓበይቲ ክብረወሰን ብምዕዋት፤ ኣብ ቫለንሽያ ቅድሚ ሐዚ ዝነበራ ክልተ ክብረ ወሰናት ብምስባር፤ ክልተ ዓበይቲ ክብረወሰን ድማ ኣብ ኔዘርላንድ ሰይራ ‘ያ። ኣብ ኒጅመን ኣብ 2019 ኣብ ናይ 15 ኪሎ ሜትር ናይ ፅርግያ ውድድር ናይቲ ርሕቐት ክብረ ወሰን 44፡20 ብዝኾነ ሰዓት ኣመሓይሻ ዛዚማ ‘ያ። 2020 ቶክዮ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያን መፃረይ ኣብ ሂንግሎ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ተዓዋቲት ነይራ ‘ያ። ተወላዲት ኢትዮጵያ ዝኾነት ሆላንዳዊት ኣትሌት ሲፈን ሓሰን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅራ እንተነበረ ‘ውን 48 ሰዓታት ኣብ ዘይመልአ ለተሰንበት ከምዝተቆፃፀረቶ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ብፍላይ ኣብ ውድድር 10 ሽሕ ሜትሮ ክትዕወት ብሰፊሑ እኳ እንተተፀበየት ዓሰርተ ትሻዓንተ ዙር ንበይና እናመርሐት ዝሕግዛ ካልእ ኢትዮጵያዊ ብዘይምርካባ ሜዳልያ ነሓስ ክትረክብ ክኢላ ‘ያ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You