መንእሰይ ትግራይ ተገዲዱ ይዓጥቕ ምህላዉ ውሃቢ ቃል እቲ ጉጅለ ኣሚኑ

ኣዲስ ኣበባ፡- ጉጅለ ህወሓት ንዓቕመ ኣዳም ዘይበፅሑ ህፃናት ሓዊሱ መናእሰይ ትግራይ ብሓይሊ ክዓጥቑ ብምግባር ንውግእ ይዳሎ ከምዘሎ ወሃቢ ቓል ጉጅለ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፁ፡፡ ኣይተ ጌታቸው ኣብ ቐረባ እዋን ምስ ትግራይ ሚድያ ሃውስ (TMH) ኣብ ዝነበሮ ፃኒሕት ትሕቲ ዕድመ ህፃናት፣ መናእሰይ ከምኡ ‘ውን ኣረጋውያን ሓዊሱ ነቲ ናይ’ቲ ውድብ ዕላማ ኲናት ዘይተቐበሉ ብሓይሊ ክምልመሉ ከም ዝፀንሑ ገሊፁ። ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ ቃለ መሕትቱ ከምዘረጋገፆ ህወሓት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ፍታሕ ከምዝርከብ ብምእማን ንኩናት እናተዳለወ ከምዝኾነ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሚድያታት ከምኡ’ውን ዓበይቲ ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ብፍላይ ሮይተርስን ቢቢሲን ብዛዕባ’ቲ ባህሪ ናይቲ ውድብ ብተደጋጋሚ ፀብፂበን ምንባረን ዝዝከር’ዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ንመሰል ህፃናት ደው ኢልና ኢና ዝብሉ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፀቕጢ ክገብሩ ፃውዒት ከቕርቡ ከምዝፀንሑ ዝፍለጥ ‘ዩ። ሮይተርስ ኣብ 16 ግንቦት2022 ዓ.ም.ፈ በቲ ኩናት ዝተናገዐት ክልል ትግራይ ስዒቡ ህወሓት መራሕቲ መናእሰይ ብምግዳድን ብምፍርራሕን ከምኡ ‘ውን ንቤተሰቦምን ብምእሳር ክዓጥቑ ይገብሩ ከምዘለዉ ምፅብፃቡ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ጋዜጣታት ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብዚ ጉዳይ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ፖለቲከኛታትን ካብ ትግራይ ኣገዲድካ ምዕጣቕን ካልኦት በደላትን ሃዲሞም ናብ ክልል ኣምሓራ ዝኣተው ተጋሩ ፍልፍል መረዳእታ ብምግባር ተደጋጋሚ ፀብፃባት ምስረሐን ይዝከር፡፡ ናይ ሐዚ ናይቲ ጉጅለ ውሃቢ ቃል ምእማን ድማ ናይቲ ፀብፃብ ሓቃዊነት መረጋገፂ’ዩ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

Recommended For You