ሓይሊ ኣየር ንባዕሉ ምድቡ እናዋደደ እናዘመነ ከምዝኾነ ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፡-ሓይሊ ኣየር ፌ.ዲ.ሪ.ኢ “ሰራዊት ሃገር ‘ምበር ብሄር የብሉን” ካብ ዝብል ለውጢ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ብስልጠና ኣወዳድባን ዕጥቂን ከምኡ ‘ውን ብህንፀት ሓይሊ ሰብ ንባዕሉ ምድቡ እናዋደደን እናዘመነን ከምዝኾነ ዋና ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ኣየር ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ገሊፆም። ኣብ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ማእኸላዊ ምድብ ኣብ ወፍሪ ኣፈፃፅመኦም ዕዙዝ ውፅኢት ንዘመዝገቡ ኣባላትን ኣመራርሓታትን እቲ ሰራዊት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማት እንትህብ፣ ሌተናል ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፣ እቲ ሓይሊ ኣየር “ሰራዊት ሃገር እምበር ብሄር የብሉን” ካብ ዝብል ለውጢ ኣተሓሳስባ ጀሚሩ ብስልጠና ኣወዳድባን ዕጥቂን ከምኡ ‘ውን ብህንፀት ሓይሊ ሰብ ንባዕሉ ምድቡ እናዋደደን እናዘመነን ከምዝርከብ ገሊፆም።

“ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰሜን እዚን ሰሜን ምድብ ኣየርን ዝፈፀሞ ኣረመኔያዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዝተወሰዱ ተኸታተልቲ ወፍሪታት ጀጋኑ እቲ ምድብ መስዋእትነት ‘ውን ብምኽፋል ዘኹርዕ ታሪኽ ሰሪሖም ‘ዮም” ክብሉ እቶም ዋና ኣዛዚ ገሊፆም። ኣብ ቀፃሊ ከንፀላሉ ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን ወፍሪ ንባዕሉ ብዝበለፀ ብምስንዳእ ንኢትዮጵያ ዝምጥን ዓቢዪ ሓይሊ ኣየር ናይ ምህናፅ ጉዕዞ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምሕባሮም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You