‹‹ህዝቢ ትግራይ ከም ማሕበረሰብ ይኹን ብውልቀ ዓርሱ ዘድሕን ባዕሉ ÷ዩ›› ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ

ጋሻና ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ ኣዶ ጋዜጠኛ ሄርሜላ ኣረጋዊ ‘የን፤ እዘን ምህርቲ ኣብ ትግራይ ተወሊደን ዝዓበያ እንትኾና ቐዳማይን ኻልኣይን ብርኪ ትምህርተን ምስ ወድኣ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብክፍሊ ትምህርቲ ሳይንስ (ፋርማሲ ) ብልዑል ውፅኢት ዝተመረቓን ኣዶ ኽልተ ቖልዑን ‘የን። ድሕሪኡ ናብ ወፃኢ ሃገር ንተወሳኺ ትምህርቲ ብምኻድ ዶክትሬት ዲግሪ እናተምሃራ ደቀን እናዕበያ ብዙሕ ሓላፍነት ፀይረን ኣብዚ ሐዚ ዘለውኦ ብርኪ በፂሐን ‘የን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፓርትነር ሽፕ ርክብ ጉዳያት ወፃእን እናሰርሓ ብሞያአን ድማ ኣብ ትምህርቲ ፋርማሲ ንዝግበሩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ክሰርሓ ድሌት ኣለዎን። ምስ ፕሮፌሰር ሃረገወይን ዝገበርናዮ ፃንሒት ከም ዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ወጋሕታ፡- ቕድም ክብል ኣብ ትግራይ እናሃለኽን ዝነበረ ኹነታት ከመይ ትገልፅኦ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- ኣነ ኣብ ትግራይ እናሃለኹ ዝዝክሮ ደቂ ኣንስትዮን ህፃውንትን እንትድፈራ ብዙሕ ፀገማት እንትበፅሐን ካፍታ ዘይትረብሕ ደመወዝና ንምርመራ ዓይደር ሆስፒታልን ኻሊእን ንመላለስ ነይርና። ድሕሪኡ ኲናት ገለመለ ተባሂሉ ኣነ ኣይሰማዕኹን ነይረ ለይቲ ዝኾነ ድምፅታት ነይሩ ሽዑ ጎራብተይ እቲ ጉዳይ ነጊሮምኒ፤ ብዙሕ ኣይፀናሕኹነን ኽዳውንተይ እኳ ኣይሓዝኩን ተፃዲፈ መንገዲ ምስ ተኸፈተ መፂአ። ኣፍቲ እዋን ግና ብተወንጫፊ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ ክብሉ ሰሚዐ’የ፤ እዚ ድማ ናይ ኲናት ተፈጥራዊ ባህሪ ‘ዩ፤ ኣብ ትግራይ ቕድሚ ኲናት እናሰራሕኹ ከለኹ ናይ ትግራይ ዝኣክል ቑፅሪ ዝድፈራ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኻልኦት ክልላት ዝገደደ ይመስለኒ። ብወረ ዘይኮነ ካብ ሓኻይምን ጋዜጠኛታትን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ዝረኸብክዎ መረዳእታ ‘ዩ።

ካብ ሓኻይም ዝረኸብክዎ መረዳእታ ከምዝነግሩኒ መርሚርና ምስ ወዳእና ንበክይ ኢና ኢሉኒ ሓደ ሓኪም፤ ሓደ ድማ ካብ ወረዳ ዝሃበኒ መረዳእታ ካፍቲ ትሓስብዮ ንላዕሊ ‘ዩ ኢሉኒ። ኣብ ሽረ ዝፍለጥ ‘ዩ ክሳዕ 50 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ዝደፈረ ናይተን ዓበይቲ ተቖፂሩ ኣይውዳእን፤ ኣብ ሓደ ቤት ፅሕፈት ሽሙ ክፀርሕ ኣይደልን ካብ መጋቢት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሕን ፈረቓን 17 ጀሚሩ 127 ዝተደፈራ ህፃውንቲ ሪፖርት ተገይሩ፤ ቖልዓ 8 ወርሒ ከይተረፈት፡ ኣነ ንወይዘሮ ያለም ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝነበረት ኦፊስኹም ነዚ ይፈልጥዶ ኢለ ፅሒፈላ ነይረ። ናይተን ዓበይቲ ተቖፂሩ ኣይውዳእን ኣብ መቐለ ‹‹በግ ተራ›› ዝበሃል ቦታ ኣሎ። ሰገናት 14ን 15ን ዕድሚአን ከም በጊዕ ዝሽየጣሉ፤ ናብ ብዙሕ ቦታ ኸይደ ዳታ ኣኪበ ‘የ፤ እቲ ሓቂ እዚ እናሃለወ እሞ ድማ ኣብ ግዘ ሰላም ከምዚ እንተተገይሩ ኲናት እንትመፅእ፤ ኣብ መንጎ ድማ ገበነኛታ ካብ ቤት ማእሰርቲ እንትፍትሑን ዝፍጠር ፀገም እናዞሩ ከሳብቡ ክርእይ ከለኹ ንዓይ ዓብዪ ንዕቐት ‘ዩ።

 ዝሰርሐሉ ዝነበርኩ ቦታ ሆስፒታል ዓይደር ‘ዩ፤ሓደ ግዘ ኸይደ ተኣኪቦም ብዛዕባ ምዕማፅ ደቂ ኣንስትዮ እናውግዑ ነይሮም። ኣብ ዓድዋን ኣብ ኣኽሱምን ዝተገበረ ነጊሮምኒ፤‹‹እስኻትኩም ብዛዕባ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መዓዝ ኢኹም ተጨኒቕኩም ትፈልጡ›› ኢለዮም። ስለዝኾነ ኣፍቲ ኣነ ዝነበርኩሉ እዋን ህዝቢ ታርጌት ዝገበረ ኲናት ኣይረአኹን፤ ነዚ ‘ዩ ድማ ኣይረአኹን ብምባለይ ብዙሕ ዘዋረዱኒ። ኣነ ኣካዳሚሻን ‘የ ንሓቂ ‘የ ዝነብር፤ ክቕየር ኣይክእልን ንሕልናይ ‘የ ዝነብር፤ ስለዝኾነ ነዚ ይመስል እቲ ፃንሒተይ፤ ድሕሪኡ ሓሙስ ኣውሮፕላን ተጀሚሩ ንሰንበት በፂሑኒ ንዓመታት ዝኣከብኽዎ ኽዳውንተይን ጫማይንኳ ኣይሓዝኩን ሽዑ መፂአ። ወጋሕታ፡- ሐዚ ካብ ወፃኢ ተመሊስክን ኣብዚ እንታይ ትሰርሓ ኣለኽን? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- ሐዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፓርትነር ሽፕ ርክብ ጉዳያት ወፃእን ብሞያይ ድማ ኣብ ትምህርቲ ፋርማሲ ንዝግበሩ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ክሰርሕ ‘ውን ድሌት ኣለኒ፤ ይኹን ‘ምበር እቲ ሐዚ ዝዛረቦ ዘለኹ ኹሉ ንኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣይውክልን። ናይ ውልቀይ ‘ዩ፤ ናብ ወፃኢ ብትምህርቲ ዕድል ካብዚ ‘የ ኸይደ ንቡዙሕ ዓመታት ድማ ፀኒሐ ‘የ።

ወጋሕታ ፡- ወድዓዊ ኹነታት ሃገርና ብፍላይ ፖለቲካዊ ጉዳይ ብኸመይ ይገልፅኦ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- እቲ ቻሌንጅ ቐሊል ኣይኮነን ኸቢድ ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና ተስፋ ድማ ይርኣይ ኣሎ፤ እቲ ዝተሰርሐ ፓርክታት ፅባቕኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ጥቕምታቱ ‘ውን ረዚን ‘ዩ፤ ሰብ ኣብ እንዳ መስተ ወይ ድማ ኻሊእ ነዚ ዘይመስል ቦታ ‘ዩ ዝውዕል ነይሩ፤ ሐዚ መማረፅታት ኣለዎ ናይ ስራሕ ባህሊ ዝቕይር ‘ዩ፤ እቲ ኲናት እንተተወዲኡ ብዙሓት ተስፋ ዘለዎም ጅማሮታት ኣለዉ ‘ዮም። ወጋሕታ ፡- ስምዒት ፍቕሪ ሃገር ብኣኽን ከመይ ይግለፅ፤ ብፍላይ ድማ ደቀን ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝዓበዩ ምስ ምዃኖም ከመይ ገይረን ‘የን ብስምዒት ፍቕሪ ሃገር ኣዕብየንኦም ብፍላይ ሄርሜላ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- ብሓፈሻ ኹሉ ካብ ሰብኣውነት ‘ዩ ዝጅምር። ኣሜሪካ ኻልአይቲ ዓድና ‘ያ ንዓይን ንደቀይን ዘይብልና ነገር ሂባትና ‘ያ፤ እንተኾነ ግና እቲ ዝመፃናሉ ይስመዐና ‘ዩ፤ ኣነ ዝኾነ ፅቡቕ ነገር እንትርኢ ንዓድና ከምዚ ተዝኸውን ኢለ ይሓስብ፤ ብፍላይ መጀመሪያ እንትኸይድ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲፒ ‘የ ኣትየ ንእሽተይ ከተማ ‘ያ፤ ኢትዮጵያ ክትብልዮም ከለኺ ንምዃኑ ዝብላዕ ኣለኩምዶ ይብሉኒ ነይሮም፤ ይስመዐኒ ‘ዩ፡ ብፍላይ ሄርሜላ ድማ እቶም ኣፍቲ ዓዲ ዘለዉ ጋዜጠኛታት ንናይ ባዕሎም ጥራሕ ‘ዮም ዘዳልዉ ‘ምበር ጉዳይ ኣፍሪካ ብዙሕ ኣየድህቡሉን፤ ካብዚ ተበጊሳ ኣነ ተዘይሰሪሐ ድኣ መን ክሰርሖ ኾይኑ ብምባል ጉዳይ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ናይ ሰብኣውነት ጉዳይ ስለዝኾነ ዘይርኻ ናብ ሃገርኻ ስለዝኾነን ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ጓለን ሄርሜላ ኣረጋዊ ማዕረ ኽንድዚ ደሚቓ ክትወፅእ ዝኸኣለትሉ ምሽጥር እንታይ ‘ዩ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- ሄርሜላ ፍልጠትን ክእለትን ኣለዋ ንፍዕቲ ‘ያ፤ ብተወሳኺ ድማ ዝዓበየትሉ ሃዋህው ምቹው ‘ዩ ነይሩ፤ ሃንደበት ዝመፀ ዘይኮነስ ኣነ ‘ውን እሳ ኣብዚ ንኽትበፅሕ ብዙሕ ዋጋ ኸፊለ ‘የ፤ ኣነ ዝዓበኹሉ ትግራይ ኣዝዩ ሕማቕ ባህሊ ዘለዎ ቦታ ስለዝኾነ ካብ ኹሩምቲ ሕማቕ ባህሊ ፈንፂሐ ንምውፃእ ብዙሕ ዋጋ ‘የ ኸፊለ፤ እሳ ዝደለየቶ ንክትኸውን ሙሉእ ናፅነት ሂበ ‘የ ኣዕብየያ፤ ሞዴሊንግ ክመሃር ኢላትኒ ተማሂራ ከም ድሌታ ክትኸውንን ክትነፍዕን ገይረ ‘የ ኣዕብየያ። ኣብ 2009 ኣ.ፈ ብጆርናሊዝም ተመሪቓ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚዲያታት ሰሪሓ ‘ያ፤ ብዙሕ ልምዲ ኣለዋ፤ ቕድሚ ሐዚ ከም ናታ ገይሩ ሞይኡ ዝፈትው ሪአ ኣይፈልጥን፤ ኹላትና ኣብ ፖለቲካ ብዙሕ ኣይነበርናን ድሓር ግና ቀስ እናበሉ ምስ ደፋፍኡና ኢና ምዝራብ ዝጀመርና። እቲ ወደይ ‘ውን ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን። ፖለቲከኛታት ህወሓት ግና ንኽበላሾ ገይሮሞ፤ ንሕና ሱቕ እንተበልና ‘ውን ሱቕ ከብሉና ኣይከኣሉን ማዕረ ናብ ስርሓ ኸይዶም ካብ ስርሓ ክትባረር ገይሮማ ‘ዮም፤ ኣነ ድማ ኣጆኺ ኢለያ። ነቲ ወደይ ይጥቀሙሉ ‘ዮም፤ ኻሊእ ይትረፍ ንሓፍትኻን ንኣዴኻን ቕተለን እናበሉ ይልእኽዎ ‘ዮም። እሱ ግና ዝፈልጦ ነገር ኣይነበሮን።

መሓዙቱ ይኹኑ ፍቕረኝኡ ፃዓዱ ‘ዮም፤ እቲ ዝምሃሩሉን ዝነብሩሉን ከባቢ ኣሽንኳይዶ ፖለቲካ ክዝረበሉስ ፀለምቲ ኣይነበርዎን ኹሎም ፀዓዱ ዮም፤ እሳቶም ግና (ጉጅለ ህወሓት) ኣበይ ከምዘሎ ፈሊጦም ንዓና ስለዝፀልኡና እናተጠቐሙሉ ‘ዮም። ወጋሕታ፡- ኣብ ናይ ሄርሜላ ምንቅስቓስ ዘለኪ ሪኢቶ እንታይ ዩ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- እሳ ሓቂ ሒዛ ‘ያ ትኸይድ ዘላ፤ ኣነ ብዋናነት ሓደ ሃይማኖት ኣይኽተልን ኾይኑ ግና ብሓደ ኣምላኽ ‘የ ዝኣምን፤ ምኽንያቱ ኣብ ሰሜን ዘሎ ሃይማኖት ንደቂ ተባዕትዮ ዝተፈጠረ ስለ ዝኾነ ብናይ ዓርሰይ መገዲ ኣጠንኪረ ‘የ ዝኣምን፤ ስለዝኾነ ምስቲ ዘለዋ ፍልጠት ሓቂ ሒዛ ‘ያ እናኸደት ዘላ ብምዃኑ ድማ ዋላኳ ዘፈራርሑዋን ዝሕነዩላን እንተሃለዉ ብኻልእ ወገን ድማ ዝድገፍዋ ኣለዉ ‘ዮም፤ እቲ ኹነታት ዳርጋ ደቂ ኣንስትዮ እንተኾይንኽን ክትትንፍሳ ‘ውን ኣይትኽእላን ኢኽን ‘ዩ፤ ክትዛረቢ እንተዘይኪኢልኪ እንታይ ማለት ‘ዩ፤ ጓል ኣንስተይቲ ብባህሊ ትግራይ ድሕርቲ ‘ያ። ኣነ ድማ ኣይቕበሎን ክሕስው ኣይኽእልን፤ ሓስየ ተዛሪበ ክድቅስ ኣይኽእልን፤ ስለዝኾነ ሓቂ ሒዛ ስለትኸይድ ሓቂ ዘለዎ ድማ ስለዝስዕባ ሕጉስቲ ‘የ።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት መገዲ ሰላም ብምዕፃው ንዳግም ወራር እናተዳለወ ‘ዩ፤ በዚ እንተቐፂሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊፁ ‘ዩ፤ እዚ ብኸመይ ይገልፅኦ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- ቕድሚ ኹሉ እዞም ሰባት እዚኦም እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን፤ ምኽንያቱ እቲ ቕድም ክብል ምስ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ዝተገበረ ኲናት ክግበር ዘይነበሮ ‘ዩ። ንምንታይ እንተይልክኒ ኣነ ኣብ ናታቶም ሚዲያ ብዛዕባ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ከም ዝሪኦ ዝነበርኩ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኮይኖም እንትዓፅዱ፣ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እንተልምዑን ዓቕሚ ንዘይብሎም ክሕግዙን ‘የ ዝፈልጥ ነይረ። ኣነ ብዓይኒ ፖለቲካ ዘይኮነስ ከም ሰብ ኮይነ ክገልፆ ከለኹ ኣድላዪ ዘይኮነን ግፍዕን መከራን ‘ዩ ተፈፂሙ። ሐዚ ድማ ኣብ ሚዲያታቶም ዝብልዎ ዓባይ ትግራይ፣ ናፃ ትግራይ እናበሉ ክዛረቡ ይሰምዖም ‘የ፤ ቐደሙኸ ትግራይ ናፃ እንድያ ነይራ፤ ብዙሕ ዝዋቓዕ ነገራት ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ ናፃ ክንኸውን ኢና እናበሉ ንመንግስቲ ፌደራል ድማ በጀት ይሃበና ረድኤት ይሃበና እናበሉ ይርከቡ። ንዓይ እዚ ሱቕ ኢልካ ዕግርግር ከም ዝኾነ ‘ዩ ዝርድኣኒ።

ሐዚ ድማ ፈንፂሕና ክንወፅ ኢና እናበሉ ይርከቡ፤ ቐደሙኸ ጎረቤት ንኸይህልዎም ድዮም ዝቃለሱ ነይሮም፤ ሐዚ ተኸቢብና ዝብሉ ዘለዉ ቐደም ‘ውን ዓፋር ይኹን ክልል ኣምሓራ ጎራብቲ ‘የን ነይረን ትግራይ ድማ ኣብ ቦትኣ ‘ያ ዘላ፤ ቕድሚ ኲናት ምጅማሮም ጎራብቶም ከምዝኸብዎም ክርድኡ ነይርዎም። ጎራብቶም መፂኦም እንተቐቲሎም ድማ ከምዘይመፁ ምግባር ይኽእሉ ‘ዮም። ነዚ ‘የ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣይፈልጡን ዝብል ዘለኹ። ኹሉ ነገር ቐሊል ኣይኮነን፤ ብፍላይ ድማ ኲናት ሒዝዎ ዝመፅእ ፀገም ርኢናዮ ኢና። ካብዚ ንላዕሊ ፀገም ኣብ ልዕሊ ፀገም ምድርራብ ጥቕሚ ከምዘይብሉ ንምርዳእ ኣብ ቐረባ አዋን ምስ ጎራብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተገበረ ዘሕዝን ጎንፅታት ምዝካር ኣድላዪ ‘ዩ። ብምዃኑ ድማ ዝኹሉ ዝሓለፈ ክሳራታት ዝተዳኸመ ክልልን ህዝብን ሒዝካ እሞ ድማ እዋን ኽራማት እናኣተወ ኣብ ዘለሉ ግዘ ተመሊሶም ከምዚ ዝበለ ዘሕዝን መገዲ ጥፍኣት ምውሳኖም ኣዝዩ ዘሕዝንን እቲ ዝመፅእ ክሳራ ድማ ፈለማ ንባዕሎም ዘጥፍኦም ክኸውን ከምዝኽእል ክፈልጡ ይግበኦም። መብዛሕትኡ ግዘ ከምዚ ዝበለ ውሳነ እንትውስኑን እንትዛረቡን ሓገዝ ንምድላይን ኣብ ጎኖም ኻልኦት ንኽስለፉ ንምግባር ተዘይኮይኑ ዓቕሚ ሃልይዎም ኣይኮነን፤ ኣነ ኣብ ትግራይ እናሃለኹ መብዛሕትኦም ሰበ ስልጣን ህወሓት ይፈልጦም ‘የ፤ በዓል ኣባይ ፀሃየ ከዘራርቦም ከለኹ ብፅሞና ተረዲኦም ሓቂኺ ኢኺ ይብሉኒ ነይሮም፤ ይኹን ‘ምበር፤ ናብ ታሕቲ ወሪድኺ ህዝቢ ክትርእዮ ከለኺ ግና ዝገርም ‘ዩ። ሓደ ነገር እንተተዛሪብኪ ጉድ ‘ዮም ዘምፅኡ፤ ናይ ሰብ ኽብሪ የብሎምን። ከምቲ እትሪእዎ ፀርፍታት ዝመፅእ ካብ ህዝቢ ‘ዩ፤ እዚኣቶም እቲኣቶም ዝበሃል ነገር የለን፤ ኹሎም መስመርና ዝብልዎ ነገር ጥራሕ ‘ዩ ዘለዎም፤ ሓደሓደ ብጌጋ ዝተፈጠሩ ውሑዳት ንርኢ ኢና ብሓፈሻ ግና እቲ ፀገም ብብርኪ ህዝቢ ስለዝኾነ ኣዝዩ ዘሕስብ ‘ዩ።

 ወጋሕታ፡- እቲ ሐዚ ዝሓስብዎ ዘለዉ ኲናት መበል ሳልሳይ ዩ፤ ብምዃኑ ድማ ዕሸላት ናብ ኲናት ንኽስለፉ ይግበር ኣሎ እቲ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዓመፅ ከምዘሎ ኮይኑ ፤ ብሓፈሻ ኣፍቲ ክልል ዘሎ ማሕበራዊ ቕልውላው ካብ ምንታይ ዝነቐለ ‘ዩ ይብላ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን ኣሰፋ፡- እዚ ሓሳብ ብዝምልከት ብቐዳማይ ኣብ ሓደ ሚዲያ ብዘይተለመደ መልክዑ ‘የ ኣቕሪበዮ ነይረ፤ ምኽንያቱ ደጋጊምና ህወሓት ንብል ‘ምበር እሳቶም ንባዕሎም ቪክትም (ተጠቃዕቲ)’ዮም፤ ሐዚ ዓበይቲ ሰባት እንተኾኑ ‘ውን ትማሊ ናይ 13ን 14 ዓመት ሰገናት ‘ዮም ነይሮም፤ ብፅልኢት ተመሊኦም እናተደፍኡ ብጓይላ ጠበንጃ ሒዞም ናብ በረኻ ንኽወፁ ‘ዮም ተገይሮም። እዚ ማለተይ ንሳቶም ዝሰርሕዎ ገበን እናተኸላኸልኩ ዘይኮነስ፤ ሐዚ ዘለዉ ትዲኤፍን ህወሓትን ንዓይ ሓደ ‘ዮም፤ ብፅልኢት ተመሊኦም ኣብ ዕድመ ቑልዕነቶም እናተልኣኹ ‘ዮም። እቲ ሐዚ ዝግበር ዘሎን ቕድሚ ዒስራን ገለን ዓመት ዝተገበረን ኹሉ ንዓይ ሓደ ‘ዩ፤ ኲናት እንትግበር ጓይላ ዝግበረላ ቦታ ትግራይ ጥራሕ ‘የ ዝፈልጥ፤ ብሽም ኣዴታት ኹናት ዝስየመላን፤ ሓንቲ ኣዶ ጅግና ንኽትበሃል ሓሙሽተ ደቃ ደፊኣ እትልእኽ ኣብ ትግራይ’የ ዝርኢ ዘለኹ፤ እዚኣተን ኣዴታት ኣይብለንን፤ ኣንስቲ ‘የ ዝብለን፤ ምኽንያቱ ናይ ኣደ መልክዕ ኣርእየን ኣይፈልጣን፤ እቲ ክልል ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ ስለዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ መገልገልቲ ‘ምበር ኣደነተን ዘይተለማመዳ ክፋል ሕብረተሰብ ‘የን። ሓንቲ ኣደ ጅግና ክትበሃል በቐደማይ ሓሙሽተ ደቃ ኣጋዲለ ክትብል ከላ እዚኣ ናይ ኣደነት ተፈጥሮ ዘይብላ ‘የ ኢለ። ስለዚ ኹልኽን ኣዴታ በጃኽን ደቅኽን ናብዛ ዓለም ክተምፅኣ ከለኽን ፈቒዶም ዘይኮነስ ብናታትክን ፍቓድ ስለዝኾነ ፍቕሪ ምሃርኦም ‘የ ዝብል። ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ድሑርን ሕማቕን ባህሊ ዳርጋ ከም ኣምልኾን ባህልን ዝቑፀር ኲናት ናይ ምምላኽ ጉዳይ፤ እቲ ፖለቲካ ናብ እምነት ‘ዩ ተቐይሩ፤ ኣብ ትግራይ ካብ ፖለቲካዊ ቕዋም ንላዕሊ ሃይማኖት ምቕያር ይቐልል፤ እቲ ዘሕዝነኒ ብብርኪ ማሕበረሰብ ምዃኑ ‘ዩ፤ ኹሉ ማዕረ ክኸውን ኣለዎ ኢልካ ምሕሳብ ከማይን ንዓይ ዝመስልን ብጌጋ ከም ዝተፈጠረ ገይርኻ ናይ ምቑፃር እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ሕብረተሰብ ‘ዩ፤ ሓደ ሰብ ባንዳ እንተተባሂሉ ትግራዋይነቱ ተሪፉ ሰብ ምዃኑ ተሪፉ ህይወቱ ከም ሃመማ ይቑፀር፤ ስለዝኾነ ኣተሓሳስብኦም ተዘዐርዩ ኢለ ይኣምን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ደገ ዘለዉ ዲያስፖራታት ከምቲ ናይ ቕድሚ ሐዚ ወፍሪ ‹‹No More ›› ብተመሳሳሊ ሐዚኸ እንታይ ተራ ኣለዎ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- ዲያስፖራ ተርኡ ዕዙዝ ዩ፤ ከምቲ ዝሓለፈ ነቒሕናልኩም ኢና ብምባል ፅቡቕ እናተንቀሳቐሱ ‘ዮም። ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ብሓባር እናተንቀሳቐሱ ‘ዮም ኣብ ቐረባ መዓልቲ ኣዴታት ስለዝኾነ ናብ ጁን 5 ቐይሮሞ ‘ዮም፤ ብምዃኑ ድማ ኹሎም ኢትዮጵያውያን ሄርሜላ ‘ውን ውሽጣውሽጢ ብዙሕ እናሰርሑ ‘ዮም። ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ንምታይ ‘ዩ ንስርዓት ጉጅለ ህወሓት ካብ ልዕሊኡ ከውርዶ ዘይከኣለ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- እቲ ዝገርመኩም ህዝቢ ካብኣቶም ዝገደደ ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ንነዊሕ እዋን ከባቢ 50 ዓመት ዝፈልጥዎ እዚ ባህሊ ጥራሕ ‘ዩ፤ ብምዃኑ ድማ ነዚ ባህሊ ጥራሕ ‘ዩ ዝፈልጥ ዝበልኩኹም በዚ ምኽንያት ‘የ፤ መራሕቲ ህወሓት ብውልቀይ በዓል ኣባይ ፀሃየ ይፈልጦም ‘የ፤ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ትኹረት ገይረ እናተንቀሳቐስኩ ነይረ፤ ነዚ ኣመልኪተ ድማ ንኣይተ ኣባይ ፀሃየ የዘራርቦም ነይረ። እሶም ድማ ሓቅኺ ኢኺ እናበሉ ብትሕትና ይሰምዑንን ክርድኡኒ ይፍትኑን ነይሮም፤ ናብ ታሕቲ ወሪደ ህዝቢ ክሪኦ ከለኹ ግና ሓደ ነገር እንተተዛሪበ ዋላ ሓንቲ ኣኽብሮት የብሎምን፤ ነዚ እየ እቲ ባህሊ ክቕየር ኣለዎ ዝብል ዘለኹ፤ ስለዝኾነ ህዝብን እሳቶምን ዝበሃል የለን ኹሎም ሓደ ‘ዮም መስመር ዝብልዎ ነገር ኣለዎም፤ ብሓፈሻ ብብርኪ ህዝቢ ስለዝኾነ እቲ ፀገም ዘተሓሳስብ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘስዐቦ ጉድኣት ከመይ ይገልፀኦ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን ፡- እቲ ዝበፅሐ መጉዳእቲ ንዓርሶምን ንሃገር መከላኸሊ ሰራዊትን ኣባፂሑ ‘ዩ፤ ኣዝዩ ኸቢድ ዕንወትን ክሳራን ‘ዮም ኣብፂሖም። እዚ ኹሉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝሞተ መንእሰይ ዘሕዝን ‘ዩ፤ ሓደ ዝገርም ኣበሃህላ ኣለዎም መስዋእቲ ዝብልዎ ነገር፤ ሰብ ክነብር ‘ዩ ተፈጢሩ ኢለ ይኣምን ብናታቶም ኣተሓሳስባ ግና ንመስዋእቲ ጥራሕ ከምዝተፈጠረ ‘ዮም ዝኣምኑ። ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊልና ኢና ኢሉ ስለዝሓስብ ምስኣቶም ዝተኣሳሰረ ‘ዩ፤ ፈሊኻ ዝርኣይ ኣይኮነን። እቲ ጉድኣት ድማ ካብ ባዕሎም ዝመፀ ‘ዩ፤ መብዛሕትኡ ግዘ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ ‹‹ሓደ ሰብ ካብ ኻሊእ ሓደጋ ክተድሕኖ ትኽእል ኢኻ ካብ ባዕሉ ንዝመፅእ ወይ ድማ ባዕሉ ንዝፈጥሮ ሓደጋ ግና ኣይተድሕኖን›› ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ከም ማሕበረሰብ ይኹን ብውልቀ ዓርሱ ዘድሕን ባዕሉ ‘ዩ፤ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ብዙሕ ተጎዲእና ኢና፤ ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊልና ኢና፤ ስለዝኾነ ይኣኽለና ክብል እንተኽኢሉ ህወሓት ዓቕሙ እናተዳኸመ እንተኸይዱ መንግስቲ ‘ውን ዝሐሸ ዓቕሚ እናሃለዎ ክኸይድ ‘ዩ ኢለ ይሓስብ። ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ክተርፍ የብሉን ዝብልኦ ሓሳብ ወይ ድማ ዘሕልፍኦ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- ብሓፈሻ ክብሎ ዝደልይ ኣብ ሚዲያታት ናፃ ሓሳብ ዝዝረበሉ ኣይረአኹን፤ ተዝህሉ ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ምኾነ ኢለ ይሓስብ። ኹሉ ኢትዮጵያዊ ሱቕ ኢልና ካብ እንትችው ናብ ታሕቲ ወሪድና ፀገማትና ተንፈትሕ፤ ኣብ ትግራይ ዘለኹም መናእሰያት ድማ ከምቲ እትባሀልዎ ፅልኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ፍቕሪ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ ሓሳብኩም ኣግፍሑ ይብል። ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ፕሮፌሰር ሃረገወይን፡- ኣነ’ውን የመስግን።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You