ብናይ ሓሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ምፍታን ትርጉም የብሉን!

ኣብ ዝሓለፉ ቐረባ መዓልትታት ጉጅለ ህወሓት ኣብ ውግእ ዝማረኽክዎም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምሕረት ብምግባር ለቒቐዮም ኣለኹ ብምባል ስዒቡ፣ መንግስቲ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡ ብናይ ሓሶት ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም ንምስሓብ ምፍታን ትርጉም የብሉን! ማሕበረሰብ ዓለም ሓቀኛ መንነቱ ጉጅለ ህወሓት እናተመልከተ ምምፅኡን ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንድኡ ኣሰሊፍዎ ዝነበረ ድጋፍ ምዝሕሓሉ ስዒቡ፣ ቐልቢ ማሕበረሰብ ዓለም ክገዝአለይ ይኽእል ‘ዩ ዝበሎ ‹‹ምፍታሕ ምሩኻት›› ኣጀንዳ ንምግባር እናፈተነ ‘ዩ፡፡ ወራሪነት፣ ኣዕናውን ሃገር መፍረስን ዝኾነ ባህርያቱ ህወሓት፣ እቲ ትኽክልኛ ባህርያቱ ንምሽፋን ሰላም እትደሊ መሲልካ ንምቅራብ ዝግበር ምጭብርባር ‘ዩ፡፡ እዚ ጉጅለ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምድንጋር ቅድሚ ሕዚ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምፍጣርን መሓዙት ሓይልታት ብምትሕብባርን ኣካል ውዲት እናገበረ ምምፅኡ ዝዝከር ‘ዩ። ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝርከቡ ከባቢታት ብሓይሊ ብምውራር ኣብ ትሕቲኡ ገይርዎም ኣብ ዝፀንሐሎም ግዝያት ኢሰብኣዊ ተግባራት ይፍፅመሎም ዝነበሩ ሰባት ንባዕሉ ፕሮፖጋንዳ ንምጥቓም ሙሩኻት ብምባል ንማሕበረሰብ ውሽጢ ዓድን ደገን ከደናግር እናፈተነ ይርከብ። መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝገብሮ ዘሎ ምፅራይ መብዛሕተኦም በቲ ጉጅለ ሙሩኻት ተባሂሎም ዝተለቐቑ፤ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ካብ ክልል ትግራይ ለቒቑ ኣብ ዝወፀሉ እዋን በቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ተዓጊቶም ዝቐረዩ ኣባላት ቤተሰብ ሰራዊት ‘ዮም ፡፡

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ንስራሕ ኢሎም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ዓጊቱ ዘፅነሖም ጉጅለ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፖለቲካዊ መኽሰብ ክረኽበሉ እኽእል ‘የ ብዝብል ናይ ፕሮፖጋንዳ ድራማ፣ናይ ዝተፈላለዩ ምክልኻል ሓይልታት ፀጥታን መፍላዪ ክዳን ብምኽዳን ሙሩኻት ኢሉ ‘ዩ ኣሰሊፉ። እዚ ጉጅለ እዚ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኲናት ይእውጅ ከምዘሎን ብግልፂ ይዳሎ ምህላዉ ብዘፍለጦን ስዒቡ ንተወሳኺ ዕንወት ብግልፂ ይዳሎ ከምዘሎን እዚ ተግባር እዚ ብግልፂ ነዚ ‘ዩ ዘርኢ ። ናይዚ ጉጅለ እዚ እከይ ተግባር ተሓባበርቲ ዝኾኑ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝንቐሳቐሱ ኣባላት ጥምረት ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ከም በዓል ሸኔን ካልኦት ኣኽረርቲ ጉጅለታትን ኣብዚ ፕሮፖጋንዳ እዚ ተሓባበርቲ ‘ዮም። ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ካብዞም ኣኽረርቲ ኣባላት ጉጅለታት ብምምልማልን ብምትእኽኻብን ብፍላይ ምስ ራዕዳዊ ጉጅለ ሸኔ ብምትሕብባር ከስልጥኖም ዝፀንሐ ብሽም ሙሩኻት ተልእኾኡ ንምፍፃምን ሓበሬታ ንምርካብን እናተንቐሳቐሰ ምዃኑ ብወገን መንግስቲ ዝተገብረ ምፅራይ የመልክት፡፡ ቕድሚ ሕዚ ጀሚሮም ክንዝሑ ዝፀንሑ ናይ ሓሶት ወረታትን ዕላማታትን ጥፍኣት ጉጅለ ህወሓት ብምዝካር፣ ሕዚ ‘ውን እቲ ዝዝርግሖ ዘሎ ናይ ሓሶት ወረ ናይ ጥፍኣት ተልእኹኡ ንምፍፃም ይጥቐመሉ ከምዘሎ መላእ ህዝቢ ክፈልጥ ይግባእ ክብል እቲ መግለፂ ኣተሓሳሲቡ።

መኣርግ ገ/ሄር ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You