ሰላም፣ ድሕንነት ዜጋታትን ቀፃልነት ሃገርን ንምርግጋፅ ብሕታዊ መማረፂ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ‘ዩ

ኢትዮጵያ ብሰንኪ ውሽጣዊ ዘይምርግጋዕ ሞት፣ ምፍንቓል፣ ምዝራፍ ንብረትን ዕንወትን እናጋጠማ ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ። በዚ መሰረት ብዙሓት ዜጋታት እዛ ሃገር ኣብ ከቢድ ቚልውላው ‘ዮም ዝርከቡ። ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ሰላምን ድሕንነትን ዜጋታት ከምኡ ‘ውን ቀፃልነት ሃገር ንምርግጋፅ ብሕታዊ መማረፂ ልዕልነት ሕጊ ምኽባር ምዃኑ ብምእማን ዓሪፉ ኣይተቐመጠን እኳደኣስ ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስጉምቲታት እናወሰደ መፂኡ ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘይሕጋዊ ተግባርን ምህዋኽ ሰላምን ከምኡ ‘ውን ስርዓት ኣልቦነትን መንግስቲ ንኽቆፃፀር መላእ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ብሓደ ድምፂ ክበሃል ብዝኽእል እናሓተተ ዝፀንሐ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይን ኦሮሚያን ካልኦት ጎረባብቲ ክልላትን ብሰፊሑ መንግስቲ ስጉምቲ እናወሰደ ፀኒሑ ‘ዩ ሕዚ ‘ውን ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራን ኦሮሚያን እናወሰደ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ ቐረባ እዋናት ጀሚሩ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብርቱዕ ስጉምቲ እናወሰደ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ጉጅለ እዚ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ጥፍኣት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናብፀሖ ዝርከብ መጥቃዕቲ ንምምካት መንግስቲ ዕዉት ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝርከብ ግልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ዝሓበረ ኮይኑ ሙሉእ መግለፂ ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ንዝረአ ሕጊ ኣልቦነት፣ ዘይውሕስነት ህዝብን መንግስቲ ክቆፃፀር ብተደጋጋሚ ህዝቢ እናጠየቐ ፀኒሑ ‘ዩ። ቅድሚ ሕዚ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ድሕንነት ነዞም ጉዳያት እዚኦም ብምግምጋም ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዑ ምንባሩ ዝዝከር ‘ዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ኩለን ክልላት ብሓይልታት ፀጥታ ፌደራልን ክልልን ዝካየድ ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣካል ናይዚ ‘ዩ። ኣብ ኦሮሚያን ጎረባብቲ ክልላትን ሸኔ ምስ ካልኦት ግብረ ራዕዳውያን ጉጅለታት ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናፈፀሞ ዝፀንሐ መጥቃዕቲ ንምቕልባስ መንግስቲ ዕዉት ስጉምትታት እናወሰደ ይርከብ። ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ልዕሊ ራዕዳዊ ኣልሸባብ ዝካየድ ዘሎ ስጉምቲ ‘ውን ብኣድማዕነት ተጠናኺሩ እናቐፀለ ይርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣፅዋርን ገንዘብን፤ ብጉጅለ ተወዲቦም ሃብትን ንብረትን ውልቀ ሰባት ኣብ ምዝማትን ምዕናውን ዝተዋፈሩ፣ ነብሲ ብምጥፋእ ዝተጠርጠሩ፣ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምግጫው እቲ ክልል ንኸይረጋጋዕ ኣብ ዝገብሩ ኣካላት መጠነ ሰፊሕ ስጉምቲታት እናተኻየደ ይርከብ። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ከምኡ ‘ውን ከተማታት ኦሮሚያን ብጉጅለ ተወዲቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ገበናት፣ ኣፅዋርን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ዝተዋፈሩ ጉጅለታትን ውልቀሰባትን፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘዋፈሮም ኣካላት መንግስቲ ወሳኒ ስጉምቲ እናወሰደ ‘ዩ። ኣብ ኩለን ክልላት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ስርሒት ብርክት ዝበሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ምስ ዝሰረቕዎ ንብረቶምን ቀፂሎም ንምፍፃም ብምሕሳብ ኣብ ሰነዳቶም ምስ ዘስፈርዎ ሓሳባት ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ተገይሩ ‘ዩ። ጉዳዮም ‘ውን ግቡእ ከይዲ ብምኽታል ብምፅራይ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እናተገብረ ‘ዩ። መንግስቲ ሕግን ስርዓትን ብምኽባር ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ንምርግጋፅ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ መላእ ሕብረተሰብ ልዑል ድጋፍ እናገበረ ይርከብ። ኣብ ኩለን ክልላት መላእ ህዝብና ሰንሰለት ጥፍኣት ካብ ምቅላዕ ጀሚሩ መፈፀሚ ኣጀንዳ ሁከትን ሕንፍሽፍሽን ንምፍጣር ዝፅዕሩ ዘለዉ ሓይልታት እናተቓለሰ ይርከብ። ብኻሊእ ወገን ድማ ዝተፈላለዩ ኣስማት ብምሃብ ስጉምቲ መንግስቲ ከዳኽሙ ዝፍትኑ ሓይልታት ከምዘለዉ መንግስቲ ኣረጋጊፁ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ዕሱባት ግብረ ራዕዳዊ ህወሓት መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲታት ስዒቡ ዕግርግር ንምፍጠር እናሞኮሩ ‘ዮም።

እዚ ዘመላኽቶ ድማ ብፍላይ እቶም ብሽም ፋኖ ዝሽቕጡ ዘረፍቲ ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ልዑል ክሕደት ዝፈፀሙ ታሪኻዊ ፀላእቲ ኢትዮጵያን ልኡኻቶምን ምዃኖም ዘመላኽት ‘ዩ። ኩሉ ህዝብና ነዚ ሽርሒ ብምግንዛብ ነቲ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ብምድጋፍ እጃሙ ከበርክት መንግስቲ የሓትት። ብተወሳኺ ንናይ ሓሶት ሓበሬታን ወረን ኣቓልቦ ብዘይምሃብ መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምኽባር ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ተሳትፎ ህዝቢ ተጣናኺሩ ክቕፅል ይፅውዕ። መንግስቲ ብወገኑ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ብምውፋር፤ ኮነ ኢልካ ዕግርግር ንምፍጣር ኣብ ልዕሊ ተቓወምትን ውልቀሰባትን ከምኡ’ውን ‹‹ሚድያ›› ሽፋን ብምግባር ዕግርግ ንምፍጣር ኣብ ዝንቐሳቐሱ ኣካላት መንግስቲ ዝወስዶ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ‘ዩ። ሰላም፣ ድሕንነትን ምርግጋዕን ዜጋታት ዝረጋገፅ ልዕልነት ሕጊ ምስ ዝኽበር ጥራሕ ‘ዩ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዜጋ ብሰላም ወፂኡ ናይ ምእታው መሰሉ ክኽበርን ድሕንነቱ ክሕሎን ውሑስን ክኸውን ልዕልነት ሕጊ ክኽበር ድማ ህዝቢ ንምንግስቲ ዝሃቦ ሓላፍነት ‘ዩ። ናይ ዜጋታት ናፅነትን ዲሞክራስን ክሰፍን ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ኣካል ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምዃኑ ክሳብ ዝተረጋገፀ ጥራይ ‘ዩ። መንግስቲ ብሽም ናፅነትን መሰልን ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን እከይ ተግባር ኣይዕገስን ‘ዩ። መንግስቲ ብትዕግስቲ ብተደጋጋሚ ዝህቦ መጠንቀቕታ ሸለል ዝበሉ ሓይልታት ስርዓት ክሕዙ ዝግበር ልዕልና ሕጊ ብምኽባር ጥራይ ‘ዩ። ኩሎም ዜጋታትን ዝተፈለየ ኣመለኻኽታ ዘለዎም ወገናት መሰሎምን ረብሓታቶምን ከኽብሩ ዝኽእሉ ልዕልነት ሕጊ እንትረጋገፅን ሰላም ምስ ዝሰፍንን ጥራሕ ‘ዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You