ካብ ጌግኡ ዘይመሃር ጉጅለ ህወሓት

ብውሽጣዊ ኩናት እናተሓመሰት ትርከብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዜጋታታ ኣደዳ ምፍንቃል፣ ስቓይን ሞትን እናኾኑ ይርከቡ። ብፍላይ ድማ እታ ኩናት ፈልዩላ ዘይፈልጥ ክልል ትግራይ ካብ እዋን ደርጊ ንነዘ ጥራሕ ኣብ ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት እንተሪእና ዘጋጠመ ክሳራ ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ልዕሊ 60ሺሕ መንእሰይ ገቢራ ‘ያ፤ ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ኣካለ ጉድእ ኮይኑ ‘ዩ። ኣብ እዋን ኩናት ኢትዮ[1]ኤርትራ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ‘ውን ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ይኹን ‘ምበር ህወሓት ካብዚ ትምህርቲ ወሲዱ ኣብ ክንዲ ምምሕያሽ ደጊሙ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዓዘቕቲ ክኣቱ ገይርዎ ‘ዩ። እናገበሮ ‘ውን ይርከብ። ብሰንኪ ዘይምዑሩይ ኣካይዳ ህወሓት ብፍላይ ንቐፃሊ ኣብ ህዝብና እንታይ ፀገም ከጋጥም ይኽእል ኢሉ ነገራት ኣብ ግምት ውሽጢ ብዘይምእታዉ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ መከራ ኣእትይዎ ‘ዩ።

 ብሰንኪ ሕመቕን ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም ገጢምዎ ‘ዩ። ብፍላይ ህወሓት ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝወሰዶ ግፍዒ ስዒቡ ንበዓሉ ሓዊሱ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ቚልውላው ክወድቕ ገይርዎ ‘ዩ። ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዝጠፍአ ሂወት፣ ዝጎደለ ኣካል፣ ከምኡ ‘ውን ዝጠፍአ ንብረት ብግልፂ እኳ ክንዲዚ ‘ዩ ተባሂሉ ብኣሃዝ ብዕሊ ምቕማጥ እንተዘይተኻእለ ክንደይ ዝኣክል ጉድኣት ከምዝበፅሐ ምግማቱ ዝኸብድ ኣይኮነን። ‹‹ዘይሓስብንያ ኣይንገድ›› ከምዝበሃል ህወሓት ንግዚኡ ‘ምበር ንድሕር ፅባሕ ዝሓስብ ውድብ ኣይነበረን። ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ እናተሰጋገረ ብምዃዱን ካብ ሕሉፍ ጌግኡ ብዘይምምሃሩን ንህዝቢ ትግራይ ተማሊእዎ ናብ ዓዘቕቲ ኣትዩ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብኣሻት ዝቑፀሩ ደቑ ገቢሩ ካብ ጨቋኒ ስርዓት ደርጊ ናፃ ዋላ ይውፃእ ብሰንኪ ሕመቕ መራሕቱ ተመሊሱ ናብ ረግረግ ‘ዩ ኣትዩ። እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን ‘ዩ። ካብዚ ኹሉ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ዝተረኽበ ረብሓ እንታይ ‘ዩ እንተይልካ መልሱ ዋላ ሓንቲ ‘ዩ። እኳደኣስ ምስ ዝተኸፈለ ክሳራን ዝተረኽበ ዓወትን ክተናፃፅሮ እንተለኻ ክሳርኡ ይዛይድ። ዝኹሉ መስዋእቲ ከፊሉ ክሳብ ቕድሚ ለውጢ ልዕሊ 1.8 ሚሊዮን ህዝቢ ትግራይ ፀባዪ ሓገዝ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ። ክልል ትግራይ ኣብ ሕሉፍ ታሪኻ ዘጋጠምዋ ነገራት ከምዚ ካብ በልና ድሕሪ ለውጢ ዘጋጠምዋ ጉድኣታት ኸ እንታይ ይመስሉ እንተይልና ብዙሕ ትንተና ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ርእዩን ግሁድን ‘ዩ። ብፍላይ ካብ 24 ጥቕምቲ 2013 ዓ.ም ኩናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ቚልውላው ኣትዩ ‘ዩ። ከምዚ ክኸውን ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ካብ ሕሉፍ ጌጋኦም እንተይተማሃሩ ደጊሞም ናብ ጌጋ ብምእታዎም ‘ዩ። እሞ ኸ ድኣ እዚ ናይ ትማሊ ጌጋ ከምህር ዶ ኣይኽእልን? ሕዚኸ ዳግማይ ጎስጓስ ኩናት ንምንታይ ኣድለየ? ህዝቢ ትግራይ መዓዘ ‘ዩ ራህዋን ቕሳነትን ክረክብ ዝብል ነገር ወትሩ ግዘ ናብ ሓንጎልካ ዝመፅእ ሓሳብ ‘ዩ። ወይስ ንመከራ ዝተዓደለ ህዝቢ ድዩ ኮይኑ ኩሉ ግዘ ፀገም ካብ ዝባኑ ዘይወርድ? እንታይ ይኸውን? ኢልካ ክትሓስቦ እንተለኻ ቐንዲ መንቐሊኡ ‹‹ህዝባዊ ‘የ›› እናበለ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝሽቕጥን ዝዕንድርን ዘሎ ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ ኢለ እሓስብ።

ከምዚ እንተኾይኑ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ መስገደል ህወሓት ናፃ እንተይወፀ ዕረፍቲ ዝበሃል ነገር ዝረክብ ኣይመስለንን። ሕዚ ድማ መንግስቲ ብዝገበሮ በይናዊ ጠጠው ምባል ኩናት ስዒቡ ውሱን ሓገዝ እኽሊን መድሓኒትን ብምእታዉ ናይ ተስፋ ብልጭጥታ ምርኣይ ምስ ተጀመረን ህዝቢ ሰላም ክመፅእ ‘ዩ ኢሉ ተስፋ ምስገበረን፣ ኩሉኻ ህዝቢ ትግራይ ክባ ንምፍንፃሕ ተዳሎ ዝብል ደወል ከንሰምዕ ገይሩና። ፀገም ብሓይሊ ድዩ ክፍታሕ ዝኽእል ወይ ብልዝብ? ኩናት መፍትሒ ፀገም ተዝኸውን ነይሩ እማ ክሳብ ሕዚ ብዝተኻየዱ ውግኣት ክፍታሕ ምኸኣለ ነይሩ። ኣነ ብወገነይ ንኹናት ግዘ ካብ መሃብ ንሰላም ግዘ ምሃብ ዶ ኣይመሐሸን ዝብል ሓሳብን እምነትን አለኒ። ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ምልዕዓል ኩናት ኣዝዩ ዘሕዝንን ህዝባዊ ሓላፍነት ዝጎደሎ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ዘይምሕሳብ ‘ዩ። ብኣሻሓት ሂወት ሰብ ገቢርካ ለውጢ ተዝመፅእ ቕድሚ ሕዚ ነይሩ። ጥቕምን ጉድኣትን ኣብ ግምት እንተይኣእተኻ ተዓሚትካ ናብ ኩናት ምእታው ግና ንዘላእለም ኣብ ድኽነትን ጉስቚልናን ንኸትነብር ካብ ምግባር ሓሊፉ ዘምፀኦ ካሊእ ረብሓ የለን።

ካሊእ ዳያስፖራ ትግራይ ‘ውን እንተኾኑ ኣብ ጎኒ እቲ ጉጅለ ኮይኖም ጎስጓስ ኩናት ህወሓት ‘ዮም ዝድግፉ ዘለዉ። እዚ ጌጋ ‘ዩ፤ ንህዝቢ ይኹን ንሃገር ዝጠቕም ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ፍቕርን ‘ምበር ኩናት ኣየድልዮን ‘ዩ። ዲያስፖራ ትግራይ ይኹኑ ጉጅለ ህወሓት ንናይ ባዕሎም ጥቕሚ ደው ዝበሉ ኣካላት እዮም። ዝኸድዎ ዘለዉ ክያዶ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክል ኣይኮነን። ዲያስፖራ ትግራይ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ብጣዕሚ ጌጋ ‘ዩ። እዚ ኣካይዳ እዚ ንህዝቢ ምሕላይ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ኩናት እንተይኮነ ዘድልዮ ብሕፅረት መድሓኒትን ምግብን ይሳቐን ይመውትን ስለ ዘሎ ህዝቢ ብኸመይ ክድሕን ይኽእል ኢልካ ምሕሳብ ‘ዩ ዘድሊ። ንህዝቢ ካብ ዘይጠቕም ምንቕስቓስ ወፂኦም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ብምዃን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ጠጠው በምባል ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ፀገም ንኽወፅእ ክሰርሑ ‘ዩ ዝግበኦም። ህወሓት ዳግማይ ኩናት ንምውላዕ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ዝጎድእ ብምዃኑ ህዝቢ ድማ ናይ ባዕሉ መማረፂ ክወስድ ይግባእ። ህወሓት ካብ ጌጋ ናብ ጌጋ እናተሰጋገረ ህዝቢ ስኽ ኢሉ ክሪኦ የብሉን።

ኣብዚ ኩነታት እዚ ደቕናን ንበዓልትናን ኣይንሳተፍን ብምባል እቲ ኩናት ብዘይ ደም ምፍሳስ መዕለቢ ንኽረክብ ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ። ህወሓት ይኹን ዲያስፖራ ትግራይ፣ ንህዝቢ ትግራይ ዝውክሉ ኣይኮኑን። ኣብ ዝሓለፉ ልዕሊ 30 ዓመታት ካድረታት ህወሓት ‘ምበር ህዝቢ ትግራይ ካብ ጉጅለ ህወሓት ዝረኸቦ ጥቕሚ የለን። እኳዳኣስ ካብ ካልኦት ክልላት ብዝበኣሰ ‘ዩ ተጎዲኡ። ህዝቢ ትግራይ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ፅግዕተኛ ኮይኑ ክነብር የብሉን። ከምዚ ብምዃኑ ተጎዲኡ ‘ምበር ኣይተጠቐመን። ካሊእ መማረፂ ውድብ የድልዮ ‘ዩ። እዚ ፓርቲ እዚ ንባዕሉ ረብሓ ጥራሕ ጠጠው ዝበለ ‘ዩ። መራሕቲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ምስ ኣሕዋቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓደ ተሳንዩ ከይነብር ካብ ምግባር ሓሊፎም ዝጠቕሞ ነገር ኣይሰርሕሉን ‘ዮም። መራሕቲ ህወሓት ጎስጓስ ኩናት ገዲፎም ክገብርዎ ዘለዎም ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ከመይ ይወፅእ ኢሎም ‘ዮም ክሰርሑ ዘለዎም። ከምዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ መንገዲ ሰላም ክመርፁ ይግባእ። መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ እናሐገዘ መፂኡ ‘ዩ፤ ሕዚ ‘ውን ነዚ ኣጣናኺሩ ይቕፅለሉ ኣሎ ‘ዩ። መራሕቲ ህወሓት ግና ብዘይ ኩናት ክነብሩ ስለ ዘይኽእሉ ንህዝቢ ኣብ ዝጎድእ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ‘ዮም ተፀሚዶም ዘለዉ። ህዝቢ ትግራይ ደቑ ብተደጋጋሚ ክግብር የብሉን፤ ህወሓት ናብ ሰላም ንኽመፅእ ፅዕንቶ ክፈጥር ኣለዎ። ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቐሞን። ደቑን ሃፍቱን ክፀንቱ ‘ዩ ገይሩ። ህዝቢ ንናይ ባዕሉ ህልውና ‘ምበር ንህልውና ህወሓት ኢሉ ክቓለስ የብሉን። እዚ ጉጅለ እዚ ካብ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ‘ዩ ዝፈልዮ ዘሎ። ብሓፈሻ ህወሓት ቕድሚ ሕዚ ካብ ዝፈፀሞ ገበን ተማሂሩ መገዲ ሰላም ክመርፅ ኣለዎ ‘ምበር ንዳግማይ ገበን ክዳሎ የብሉን። ሕዚ ክሳብ ሕዚ ንዝጎድኦ ህዝቢ ትግራይ ዝኽሕሰሉ ‘ዩ ክኾን ዘለዎ ‘ምበር ደጊሙ ናብ ኩናት ከእትዎ የብሉን። ህዝቢ ዝውክል እንተኾይኑ ጥቕሚ ናይ ባዕሉ ካብ ምቕዳም ሓሊፉ ጥቕሚ ህዝቢ ከቕድም ኣለዎ። ካብ ሕሉፍ ጌጋታቱ ብምምሃርን ዓርሱ ብምፍታሽን ንሰለም ቕሩብ ክኸውን ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ህወሓት ናብ ሰላም ንኽመፅእ ፅዕንቶ ብምፍጣር ናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ይግባእ።

ምሕረት ብርሃነ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You