‹‹ህወሓት ካብ ኹናት ጉድኣት ከይወፀ ንካልእ ኹናት ምድላው ዕብደቱ ዓብይ ብርኪ ከምዝበፅሐ ዘመልክት ‘ዩ››

ኣዲስ ኣበባ ፡- ህወሓት ቅድም ክብል ኣብ ዝተገበረ ኹናት ካብ ጉድኣት ከይወፀ ንካልእ ኹናት ምድላዉ ኩነታት ዕብደቱ ልዑል ብርኪ ዝበፅሐ ከምዝኾነ ዘመልክት ‘ዩ ክብሉ ኣቦወንበር ሶሻል ዴሞክራሲ ፓርቲ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣመልኪቶም፡፡ ፕሮፌሰር በየነ ብፍላይ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ቅድም ክብል ህወሓት ኣብ ዝወለዖ ኹናት ብኽልቲኦም ወገን ብዝተፈለየ መልክዑ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ትግራይ ዝበፀሐ ጉድኣት ኣብ ግምት ውሽጢ ከየእተወ ደጊምካ እቲ ህዝቢ ንኹናት ምቕስቓስ እቲ ውድብ ኣብ ኹናት ኣዙሪት ምንባር ድልየት ከምዘለዎ መርኣያ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ህወሓት እናገበሮ ዘሎ ኣዋጅ ኹናት ዓቕሚ ሃልይዎ ተመሊሱ ናብ ስልጣን ምምላስ እንተይኾነስ ብቡዙሕ መልክዑ እናተኸልከለ ዘሎ ዓለምለኸ ትኹረት ንምስሓብ ‘ዩ፡፡ እዚ ጉጅለ ብተንኮልን ድራማን ዝተፈለጠ ብምዃኑ ከምዝለመዶ ኹናት ብምትንኳስ መንግስቲ ዘይተመጣጠነ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ከምዝወሰደን ሰብኣዊ ቀውስ ከምዝተፈጠረ ገይሩ ንዓለም ህዝቢ ንምስሕሓት ተሊሙ እናተንቀሳቀሰ ‘ዩ፡፡

 ብምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ኸዚ ካብ ዝነበረ ትምህርቲ ብምውሳድ ‹‹ሓቂ ነፃ ከውፀአኒ ‘ዩ ›› ዝብል ሓሳብ ብምቕያር ናይቲ ጉጅለ ተንኮል ዝምጥን ስራሕ ምስራሕ ትፅቢት ይግረሉ ዝበሉ እቶም ኣቦ ወንበር፣ ካብዚ መንፃር ሓቂ ምድሓዝ ጥራሕ ንሰዓርነት ስለዘየብፅሕ ንኢትዮጵያ ዝከራኸሩ ምብዛሕን ምስላፍን ጠቓሚ ከምዝኾነ መኺሮም፡፡ ርግፅ ቅድሚ ኸዚ ህወሓት ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣሜሪካ ከይተረፈ ብገንዘብን ዓይነትን ብምግዛእ ሓሶት ከም ሓቂ ብምግዋሕ ተሳኺዕሉ ‘ዩ፡፡ እቲ ሓቂ ግና ድሕሪ እዋን ሚድያ ዓለምን ሰብኣዊ መሰላት ትካላት ኣብቲ ክልል ብምእታው ዝገበርዎ ምርመራን ምልከታን ሕሶት ከምዝኾነ ተረጋጊፁ ‘ዩ ኢሎም፡፡ የግዳስ እቲ ጉጅለ ብዓለም ለኸ ብርኪ ብዝወፁ ሓደ ሓደ ሪፖርት ሕጉስ ከምዘይኾነ እናገልፀ ከምዝፀንሐ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ረድኤት ተደሓሒዙ መንግስቲ ሓገዝ ንከይኣቱ ከምዝኸልከለ እናወትወቱ ኸሪሞም ሓገዝ ምእታው እንትጅምር ሓፊሮም ብልሓት ብምቕያር መንገዲ ብምዕፃው እዚ ልኣክል ጥራሕ መኪና ኣትየን ብምባል መንግስቲ ንምኹናን ስራሕ ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡ህወሓት ብዝሰርሖ ስራሕ ህዝቢ ትግራይ ንቡዙሓት ማሕበራውን ኢኮኖምያውን ፀገማት ከምዝተቃለዐን ካብዚ ፀገም ንምምላጥ ትኹረት ኣንፈት ምቅይያሩ ብዙሕ ዘደንቕ ከምዘይኾነ ዝተዛረቡ ፕሮፌሰር በየነ፤ ኾይኑ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ሃገር ንምሕላው ጎኒ ንጎኒ ናይቲ ጉጅለ ተንኮል እናተኸታተለ ምግላፅ ከምዘድሊ ሓቢሮም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You