ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዕላማ ህወሓት ካብ ምፍፃም ደው ንከብሉ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ቢ ሲ)፡-ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዕላማ ህወሓት ንምፍፃም ዝገበርዎ ተግባር ደው ንከብሉ ትሽዓተ ትካላት ነቶም ዳይሬክተር ብሓባር ብዝፀሓፍዎ ግልፂ ደብዳበ ሓቲቶም። እቲ ደብዳበ ዝፀሓፉ፣ ማሕበር ሕክምና ኢትዮጵያ፣ ማሕበር ሓለዋጥዕና ኢትዮጵያ፣ አሜሪካን ኢትዮጵያን ፐብሊክ አፌርስ ኮሚቴ(ኤፓክ)፣ ኢትዮጵያን ዳያስፖራ ሃይ ሌቭል ኣድቫይዘሪ ካውንስል ኦን ኮቪድ-19፣ ኢትዮጵያን ስኮላርስ ኢን ኖርዲክ ካንትሪስ፣ ማሕበር ሕክምና ደቡብ ኣፍሪካ፣ ማሕበር ሕክምና ሌሴቶን ፒፕል ቱ ፒፕል ዝተብሃለ ትካልን ‘ዮም። ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝነበረ ጎንፂ ዶክተር ቴድሮስ ፖለቲካዊን ግልፂ ውግንናን ዘለዎ ኣካይዳን ምኽታሎም ዝሓበሩ እቶም ትካላት፣ ብዝርርብን ድርድርን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተሰሓሓተን ዝተዛበዐን ቅዋም ንክሕዙ ምግባሮም ኣመልኪቶም። እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብ ዝህብዎም መግለፂታት፣ ብዝፅሕፍዎም ፅሑፋትን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ብዘሕልፍዎም መልእኽቲታትን፣ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብዝፈፀሞ ተግባርን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘብፀሖ መከራን ሱቕ መሪፆም ‘ዮም ኢሎም።

ህወሓት ብዝፈፀሞ ወረራ ብዙሓት ትካላት ጥዕና ምዕናዉን ምውራሩን ብምዝኽኻር፣ እቲ ጉጅለ ንፁሃን ብምቕታልን ኣገዲድካ ብምድፋርን ገበናት ምፍፃሙ ኣመልኪቶም። ዓለም ለኸ ትካላት እንተይተረፉ ህወሓት ኣብ ክልላት ብዝፍፀሞም ተግባራት ኣብ ዘውፅእዎ ፀብፃብ ኣብ ዝገልፅሉ ዘሎ እዋን ዶክተር ቴድሮስ ኣብቲ ዛዕባ ዝበልዎ ነገር ዘይምህላዉ ውግንናኦም ንሓደ ኣካል ምዃኑ ዘርእይ ከምዝኾነ ‘ውን እቶም ትካላት ገሊፆም። ምስ ሚኒስቴር ጥዕና ብምትሕብባር ንክሰርሑ ብተደጋጋሚ ንዝቐርበሎም ፃውዒት ምላሽ ዘይምሃቦም ዘሕዝን ተግባር ከምዝኾነ ሓቢሮም። ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝነበሮም ዑደት ምስ ሰብ መዚን ኣባላት ቤት ምኽሪ ሕጊ መውፅኢን ዝገበርዎ ዘተ ዕላምኡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ንምንባር ‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም። እቲ ዑደት ሕግታት “ኤችኣር 6600” ን “ኤስ 3199”ን ንክፀድቁ ድፍኢት ንምግባር ምዃኑ ንርዳእ ኢሎም እቶም ትካላት። ስለዝኾነ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሃኖም ስልጣኖም ተጠቒሞም ዕላማ ህወሓት ካብ ምፍፃም ደው ንከብሉ ሓቲቶም።

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You