‹‹ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንምሕላው ዘኽእል ኣብ ዘተኣማምን ምድላው ይርከብ›› -ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሰራዊት ምክልኻል በብእዋኑ ባዕሉ ዘመናዊ እናገበረ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዘኽእል ኣብ ዘተኣማምን ምድላው ከምዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ጠቕላሊ ኣዛዚ ሓይልታት ውግእ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም። መከላኸሊ ፌዴሪኢ ዋር ኮሌጅ ብላዕለዋይ ድሕንነት ስትራቴጂ ዘሰልጠኖም 38 ላዕለዎት ኣመራርሓታት ወታደራዊን ሲቪልን ኣብ ዘመረቕሉ እዋን ዶክተር ኣብይ ከምዘበልዎ፤ ኣበ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምክልኻል ሃገር ንኽቅፅል እንተይኾነስ ህልውና ንምቕፃል ዓብይ ፀገማት ገጢምዎ ነይሩ ‘ዩ። ብዝተፈጠሩ ፀገማት ኣብ ሰብን ንብረትን ጉድኣት እንተብፀሐ ‘ውን ባዕሉ ንምውዳእ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ፈጢሩ ‘ዩ።ዝገጠሞ ፈተና ምክልኻል ባዕሉ ምዕባይ ብዘኽእል መልክዑ ንምውዳብ ኣተኣማማኒ ትካል ንምህናፅ ዓብይ ዕድል ‘ዩ ኢሎም። ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ መጀመርያ ተልእኽኡ ኢትዮጵያ ንምቕፃል ‘ዩ።ኢትዮጵያ ብታሪኻን ብበዝሒ ህዝባን ዓባይ ሃገር ብምዃና ምክልኻል ብታሪኻ ልክዕ ንዘመኑ ብዝምጥን መገዲ ዓለም ዝበፅሖ ቴክኖሎጂ ብምዕጣቕ ባዕሉ ምውዳብ ትፅቢት ይግበረሉ።

ባዕሉ መስዋእት ገይሩ ኢትዮጵያ ንምቕፃል ዘኽእል ብቅዓት ንምርካብ ምስልጣን ኣድላይ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፣ ኣብዝሓ ዲፕሎማሲ፣ ስትራቴጂ ፣ኣመራርሓ ጥበብን ብዘፈር ቴክኖሎጂ ዝተረኸበ ፍልጠት ካብ ምክልኻል ምዃኑ ተመረቕቲ ብዙሕ ምንባብ፣ ምፍላጥን ብቁርፀኝነት ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ገሊፆም ‘ዮም። ዘይመዉት ታሪኽ ንምስራሕ ምምሃር፣ ታሪኽ ንሃገር ንምቕፃልን ፍልጠት ግድን ‘ዩ ዝበሉ ዶክተር ኣብይ፣ መከላከያ ፍልጠት ኣብዚሑ ብምድላይ ዝረኸቦ ፍልጠት ብምክፋል ክጓዓዝ ይግባእ።ዘይጭበጥ ነበልባልን ንምዃን ምምሃር ኣድላይ ‘ዩ።ብፍልጠትኹም ብድኻምኩም ሓደ ብምዃን ኢትዮጵያ ከቐፅሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቦም ። ምክልኻል ሰናይ ምምሕዳር፣ ፖሊሲን ስትራቴጅን ፍልጠት ዝርከበሉ ትካል ‘ዩ።ምምሃር ምስትምሃር ፅንዓትን ምርምርን ምግባርን ፍልጠት ኣብዚሕኻ ብምድላይ ዘመን ዝበፅሖ ነባራዊ ኩነታታ ብምርዳእ ዓርስኻ ምብቃዕን ምዝማንን ኣድላይ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ጠቕላሊ ኢታማዦር ሹም ሓይሊ ውግእ ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብወገኖም ከምዝገለፅዎ፤ ናይቲ ኮሌጅ ዋና ዕላማ ብቁዓት ኣመራርሓ ንምፍጣር ኣብ ድሕንነትን ፀጥታ ትካል ዝረአ ክፍተት ኣመራርሓ ብምምላእ እናተወሳሰበ ዝመፁ ሃገራዊ ፈተና ብብቅዓት ምምካት ‘ዩ። ሰራዊት ምክልኻል ግቡኡ ብዓወት ናይ ምፍፃም ዓቅሙ ምዕባዩ ብምግላፅ፣ ተመረቅቲ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ብምሓዝ ብሕብረት ምስራሕ ትፅቢት ከምዝግበሮም ኣመልኪቶም ‘ዮም፡፡ ናይቲ ኮሌጅ ኣዛዚ ብርጋዴር ጀነራል ቡልቲ ታደሰ ብወገኖም፣ ዓለም ለኻውን ከባብያውን ድሕንነት ስግኣት ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነትን ዘዕርፎ ፅዕንቶ ብኣተኣማማኒ ኩነታት ንምፅዋር ዝለዓለ ድሕንነት ስትራቴጂ ስልጠና ኣመራርሓ ኣድላይ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ድሕንነት ሰላምን ሃገር ንምርግጋፅ ብፍላይ ብራዕዳዊነት፣ ብገበን ዓለም ለኸ፣ ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ምዝውዋር ሰብን ምንቅስቃስ ምዕጋት ብዝካኣሎ ኩነታት ብትኹረት ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።ተመረቕቲ ኣመራሓታት ሰላም ንምስፋን ድሕንነት ሃገር ንምሕላው ኣብ ዝግበር ተግባር ቁልፊ ግደ ንምፅዋት ዘኽእል ‘ዩ ኢሎም።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 18 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You