«ህወሓት ሕዚ ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ምድንጋር እናቐፀለ ’ዩ » – ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል

 ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል ኣብ 1956ዓ.ም ኣብ ራያ ኣላማጣ ዝተወለዱ እንትኾኑ ክሳብ 12 ክፍሊ ’ውን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ’ዮም ተማሂሮም። ድሕሪ 12 ክፍሊ ምውዳእ ኣብ 1974 ዓ.ም ናብ ፖሊስ ሰራዊት ዝተፀመሩ እንትኾኑ ኣብ ተፈላለዩ ክፍልታት ፖሊስ ብፍላይ ኣብ ድሕንነት ትራፊክ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሰሪሖም ’ዮም። ኣብ 2012 ዓ.ም ጡረታ ወፂኦም ዝነበሩ እንትኾኑ ቕድሚ ለውጢ ዝነበረ ስርዓት ይፀልእዎ ስለ ዝነበሩ ምስቲ ሓዱሽ ለውጢ ብምስላፍ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ደጉዓ ተንቤን ወረዳ ከተማ ሃገረሰላም ኣብ ናይ ፀጥታን ምልሻን ሓላፊ ኮይኖም እናሰርሑ ዝነበሩ ኮይኖም ሕዚ ኣባል ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ)’ዮም። እምበኣርከስ ክቡራት ተኸታተልቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ምስ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ካልኦት ተዛመድቲ ፖለቲካዊ ሕቶታትን ኣመልኪትና ምስ ኮማንደር ገብረመስቀል ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና።ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- መንግስቲ ድሌት ኩናት ከምዘይብሉን ህወሓት ኩናት ንምጅማር ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ህዝቢ ትግራይን ማሕበረሰብ ዓለምን ፅዕንቶ ከሕድርሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ’ዩ። እስቲ ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ይግለፁልና።

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- መንግስቲ ዘቕረቦ ሓሳብ ትኽክል ‘ዩ፤ ኩናት ንማንም ኣይጠቕምን። ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ጎዲእዎ ‘ዩ። ህወሓት ንህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራይን ንዘመናት ብናይ ሓሶት ፖለቲካ ኣዳናጊሩ ናብ ኩናት ክኣትዉ ገይርዎም ‘ዩ። እዚ ኩናት ከም ሃገር ዓብዪ ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ኣብዪ ዋጋ እናኽፈሎ ‘ዩ ዝርከብ።

ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ እንተይፈለጠ ተዳናጊሩ ናብ ኩናት ኣትዩ ‘ዩ። ድሕሪ ሕዚ ግና ደጊሙ ክዳናገር የብሉን። ድሕሪ ደጊም ናብ ኩናት ኣይንኣቱን፤ ደቕና ኣይንህብን ክብል ‘ዩ ዝግባእ። ክሳብ ሕዚ ኣዳናጊሩ ናብ ኩናት ክኣቱ ብምግባር ዋጋ እናኽፈሎ መፂኡ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ዝደናገር ኣይመስለንን። ሕዚ ይርደኦ ኣሎ ‘ዩ። ራሕሪሕዎ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ይውሕዝ ኣሎ ‘ዩ። ድሕሪ ሕዚ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ደጊሙ ክሽወድ የብሉን።

ህዝቢ ትግራይ ፀላኢኡ ብትኽክል ክፈልጥ ኣለዎ። መን ‘ዩ ናብዚ ፀገም እዚ ኣእትዩኒ ኢሉ ክርዳእ ኣለዎ። ኩናት ዝጀመሮ በዓሉ ህወሓት ‘ዩ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ሕዚ ናይ ህወሓት ተንኮል እናፈለጦ ‘ዩ። ብፍላይ ካብ ማእኸል ዓዲ ብህዝቢ ተደፊኡ ናብ መቐለ ምስከደ ህዝቢ ናይ ምድንጋር ስራሕቲ ‘ዩ ሰሪሑ። ብፍላይ ህወሓት ብትዕቢት ተነፊሑ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን ግፍዓዊ መጥቓዕቲ ምስ ወሰደ ‘ዩ ዝኹሉ ፀገም ተፈጢሩ። እቲ ቐንዲ መበገሲ ፀገም እዚ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ሕጊ ንምኽባር ኢሉ መንግስቲ ስጉምቲ ወሲዱ ‘ዩ። ህወሓት ግና መንግስቲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ‘ዩ ንህዝቢ ትግራይ ዘዳናግሮን ዝሰብኮን ዘሎ። ስለዚ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ፣ ብምድንጋር ናብ ዘይምልከቶ ኩናት ብምእታው ከቢድ ዋጋ ኣኽፊልዎ ‘ዩ።

መንእሰይ ትግራይ ሕዚ ይነቕሕ ኣሎ ‘ዩ። ከም ናይ ትማሊ ደጊሙ ዝዕሾ ኣይኮነን። ተገዲዱ ዝዓጥቕ ዘሎ መንእሰሰይ ‘ውን ኢዱ ንምክልኻል ሰራዊት እናሃበ ‘ዩ። ገሊኡ ‘ውን ይሃድም ኣሎ። ዋላ እናተዓፈነ ይኹን ብትብዓት ኣንፃር ህወሓት ምቅዋም ጀሚሩ ‘ዩ። ተገዲዱ ‘ዩ ዝዋጋእ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ብሰንኪ ህወሓት ኩሉ መንግስታዊ ግልጋሎት ስኢኑ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ይሓምም፣ ይመውት፣ ይስደድን ይሳቐይን ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ መሰረታዊ ሕቶታት ጀሚሩ ‘ዩ። ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ ‘ዩ ‘ምበር ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፅዕንቶ እናሕደረሉ ‘ዩ ዘሎ። ድሕሪ ሕዚ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ደጊሙ ዝደናገር ኣይመስለንን።

ህወሓት ሕዚ ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ኩናት ንተወሳኺ ጥፍኣት ‘ዩ ‘ምበር ዘምፀኦ ለውጢ የብሉን። ቕድሚ ሕዚ ፈቲኑ ወዲቑ ‘ዩ። ድሕሪ ሕዚ ዝዕወት ኣይኮነን። እቲ ፈኸራ ልሙድ ፖለቲካዊ ምድንጋር ‘ዩ። መሰረታዊ ፖለቲካዊ ምድንጋሩ ‘ዩ ዝቕፅል ዘሎ። ክሳብ ሕዚ

 እናደናገረ ‘ዩ መፂኡ ሕዚ ‘ውን ተመሳሳሊ ‘ዩ። ግና ዝሳኸዐሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ሕዚ እናነቐሐሉ ስለ ዝኾነ።

ብሓፂሩ ግና ህዝቢ ትግራይ ህወሓት እናሃለወ ሰላም ክነብር ስለ ዘይኽእል ምስ ኣሕዋቱ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ብሓባር ኮይኑ ከጥፈኦ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብሰላም ክነብር እንተኾይኑ፣ ናብ ልምዓቱ ክምለስ ‘ውን እንተኾይኑ ካብ ህወሓት ናፃ ክወፅእ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ንህወሓት ንምጥፋእ ኣካል ቓልሱ ክገብሮ ኣለዎ። እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ስሩዕ በጀት ብምብጃት ንህዝቢ ክድግፎ ኣለዎ። ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ‘ውን ክሕግዞን ክውድቦን ኣለዎ። ህወሓት ይሕሸና ነይሩ ከይብል ዝሓሸ ክንክን ክገብረሉ ኣለዎ። ኣብዚ ብግቡእ ተዝሕሰበሉ ዝሓሸ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ካሊእ ሓደ ሓደ ሃገራዊ ሓላፍነት ዘይስመዖም ፖለቲከኛታት ኢና ዝብሉ ኣካላት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘየቓራርብ ሓሳብ ዝፍንዉ ኣለዉ፤ ነዚኦም መንግስቲ ስርዓት ከትሕዞም ኣለዎ። ከምዚኦም ዝበሉ ክፍተታት ክስተኻኸሉ እንተዘይክኢሎም ሓድነት ህዝቢታት ክረጋገፅ ኣይኽእልን። ህዝቢ ትግራይ ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ክድገፍ ኣለዎ። ኣብዚ ካብ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበር ነገር ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሓገዝ ክረክብ ኣለዎ። ስለዚ በዚ መገዲ እዚ ህዝቢ ትግራይ ናብ ተወሳኺ ፀገም ከይኣቱ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ። ኩናት ንህዝቢ ትግራይ ዘይጠቕም ምዃኑ ተረዲኡ ተመሊሱ ክቓለሶ ‘ምበር ክእዘዞ የብሉን።

ካሊእ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ምዕራባውያን ነዚ ጉጅለ እዚ እናደገፍዎ መፂኦም ‘ዮም። ክሳብ ሕዚ ዝኸድዎ ዝነበሩ ክያዶ ጌጋ ‘ዩ። ነዚ ብምርዳእ ህወሓት ፀገም ፈጣሪ ምዃኑ ተረዲኦም እዚ ሓይሊ እዚ ኩናት ንምቕፃል ዝገብሮ ዘሎ ጎስጓስ ይኣኽለካ ክብልዎ ‘ዩ ዝግባእ። ዝኸዶ ዘሎ መገዲ ናይ ጥፍኣት መገዲ ‘ዩ። ኣብ ርእሲኡ ዝተፈላለየ ፅዕንቶ ብምሕዳር መንገዲ ሰላም ንኽመርፅ ክገብሩ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡-ጉጅለ ህወሓት መንገዲ ሰላም ብምዕፃው ንዳግም ወረራ እናተዳለወ ’ዩ ዘሎ። ይኹን ’ምበር እዚ ከምዚ እንተኾይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ከምዝወስድ ገሊፁ ’ዩ። ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ ተዝገልፁልና፤

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ቕድሚ ሕዚ መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ዝወለዖ ኹናት ተጎዲኡ ‘ዩ ኢሉ ብምሕሳብ ሰላማዊ ምንቕስቓስ ክገብር ኣለዎ፣ ሰላማዊ ዕረፍቲ የድልዮ ‘ዩ ብምባልን ድምፂ ጥይት ከይሰምዐ ተረጋጊዑ ንጥፈታት ሕርሽኡ ከካይድ ኣለዎ ብምባል ሰራዊቱ ካብ ክልል ትግራይ ኣውፂኡ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ህወሓት ነዚ ተቐቢሉ ኣብ ክንዲ ኣብ ተግባር ምውዓል ከም እንደጋና ኩናት ብምቕፃል ንህዝቢ ትግራይ ዕረፍቲ ኣስኢንዎ ‘ዩ። ከምኡ’ውን ካብ ትግራይ ሓሊፉ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ወራር ብምክያድ ኣብ ንብረትን ህዝብን ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ።

ሕዚ ‘ውን ህወሓት ካብ ናይ ትማሊ ጥፍኣቱ ኣይመሃርን ዘሎ። መንግስቲ ብተደጋጋሚ ናይ ሰላም ዕድል ይህቦ ኣሎ። ኮይኑ ግና ትዕግስቲ የመና ክበዝሕ የብሉን። ህወሓት ደጊሙ ካሊእ ጥፍኣት ክሳብ ዝፍፅም

 ዕድል ክህቦ የብሉን። ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ዘለዉ ግፍዕታት ከይኣኽሎ እንደጋና ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ደጊሙ ገበን ክሳብ ዝፍፅም ክዕገሶ የብሉን። ናይ ምስትኽኻል ስጉምቲ ክውሰዶ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ብዙሕ ክሳራ ከምዝበፅሖ ይፈልጥ ‘ዩ፤ ሕዚ ኣብ ጎኑ ዝስለፍ ኣይመስለንን። እዚ ጉጅለ እዚ ደጊሙ ኣብ ህዝቢታት ገበን ክሳብ ዝፍፅም ዕድል ክወሃቦ የብሉን። መንግስቲ ዘየዳግም ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ። እዚ ሓይሊ እዚ ዳግም ጎስጓስ ኩናት ምክያድ ማለት ካብ ናይ ትማሊ ጥፍኣቱ ዘይመሃር ሓይሊ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ። ስለዚ ህወሓት ካብ ጥፍኣቱ ዘይዕገስ እንተኾይኑ መንግስቲ ናይ መወዳእታ ስጉምቲ ክወስድ ‘የ ምባሉ ብወገነይ ዝድግፎ ሓሳብ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- መራሕቲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ቐረባ መዓልትታት ንህዝቢ ኣኪቦም «ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ተዳሊና ኣለና» እናበሉ ይነግርዎ ነይሮም እዮም። እዚ ከመይ ይሪኢዎ?

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ህወሓት ናይ መወዳእታ ምዕራፍ በፂሕና ኢና ምባሉ ንዓይ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ንላዕሊ ክዳሎ ኣይኽእልን ‘ዩ። እዚ ልሙድ ፖለቲካዊ ምድንጋር ‘ዩ። ስለዝፎከረ ዘምፀኦ ለውጢ የለን። ተሸኒፉ ናብ ትግራይ ተመሊሱ እናሀለወ ንሰላም ኢልና ኢና ተመሊስና ኢሉ ‘ዩ። እዚ ፖለቲካዊ ምድንጋር ‘ዩ።

 ከምዚ እናበለ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ንምትላል ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ተታሊሉ ብሞራልን ብስነ ልቦናን ንህወሓት ጥራሕ ኣምሊኹ ንኽነብር ‘ዩ ቐንዲ ዕላምኡ። ኩሉ ግዘ ኣተሓሳስባ ህወሓት እናተኸተለ ንኽነብር ‘ዩ። ህወሓት ድሕሪ ሕዚ ትርጉም ዘለዎ ምንቕስቓስ ክገብር ኣይኽእልን።እዚ ኣለኹ ንምባል ‘ዩ። ካብ ፕሮፖጋንዳ ሓሊፉ ካሊእ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን። ለውጢ ተዘምፅእ መጀመርታ ከምፅእ ምኸኣለ ነይሩ። ልሙድ ፕሮፖጋንዳ ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህወሓት ጥራሕ ኣምሊኹ ክነብር ‘ዩ፤ ዓቕሚ ከምዘለዎ ንምምሳል ‘ዩ። ስለዚ እዚ ካብቲ ተለምደ ፕሮፖጋንዳ ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም ዝህልዎ ኣይኮነን። ልሙድ ባህሪኡ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡-እዚ ጎስጓስ ኩናት እዚ ዳግማይ ናብ ኩናት እንተምሪሑ ኣብ ሃገር ብፍላይ ድማ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘስዕቦ ፅልዋ ከመይ ይገልፅዎ?

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ናብ ኩናት ዘምርሕ ኩነታት እንተተፈጢሩ መጀመርታ ህወሓት ተሸናፊ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኢኮኖሚያዊ፣ ወታደራዊን ፖለቲካዊን ዓቕሙ ተዳኺሙ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ነቲ ዝተረፈ ሓደ ሓደ መንእሰይ ከውደኦ ይኽእል ‘ዩ። ንህዝቢ ናብ ተወሳኺ ቑልውላው ከእትዎ ይኽእል ‘ዩ። ህወሓት በቲ ዝኸዶ ዘሎ ግጉይ ኣካይዳ እንተቐፂሉ መጥፊኡኡ ‘ዩ ዝኸውን። መንግስቲ ካብ ናይ ቅድሚ ሕዚ ተሞክሮ ወሲዱ ስለ ዝኾነ ንምጥፋእ ዝፅገም ኣይኮነን። ኩናት ናይ ምፅሕታር ኩነታት ዘዋፀኦ ኣይኮነን።

ብሓፈሻ ከንሪኦ እንተለና ግና ሕዚ ዳግማይ ኩናት እንተተወሊዑ ንሃገር ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ኣዝዩ ዝጎድእ ‘ዩ፤ እዚ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ስለዚ ሕዚ ከም በሓዱሽ ኩናት እንተጀሚሩ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነ እቲ ፅልዋ ንበዓሉ ንህወሓት ‘ውን ዘጥፍእ ‘ዩ ዝኸውን።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ብዘይ ኩናት ክነብር ኣይኽእልን ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ኣብዚ ንሶም እንታይ ይብሉ?

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- እዚ ጉጅለ እዚ ካልኣይ ምግቡ ግጭት ወይ ኩናት ‘ዩ። ልክዕ ዝኾነ ሂወት ዘለዎ ኣካል ብዘይ ምግቢ ክነብር ዘይኽእል እዚ ሓይሊ እዚ ‘ውን ብዘይ ኩናት ክነብር ኣይኽእልን ‘ዩ። ኩሉ ግዘ ኩናት ምስ ፀሓተረን ግጭት ምስ ፈጠረን ‘ዩ። ኣብ መንጎ ብሄር ብሄረሰባት ጎንፂ እናፈጠረ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣመሉ ‘ዩ፤ ህወሓት ዝፍለየሉ ሓደ ብኩናት ‘ዩ፤ መፍላዪ ባህሪኡ ኩናት ‘ዩ። እዚ ክብል እንተለኹ ግና ከምቲ ደገፍቱ ዝብልዎ ኩናት ንህወሓት ባህላዊ ፀዋታ ‘ዩ ማለተይ ኣይኮነን። ወይ ህወሓት ፍሉይ ተሞክሮን ክእለትን ኩናት ኣለዎ ‘ዩ ማለተይ ኣይኮነን።

ህወሓት መጀመርታ ብትዕቢት ተነፊሑ ዓቕሚ ኣለኒ ኢሉ ነቲ ኩናት ዋላ ይጀምሮ ተሸኒፉ ‘ዩ። ፈኸራ ጥራሕ ‘ዩ ‘ምበር ዓቕሚ የብሉን። ቐንዲ ስራሕ

ህወሓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ነንበዓሎም ተሳንዮምን ተኻባቢሮምን ከይነብሩ ‘ዩ። ኣብ መንጎኦም ግጭት ክፍጠር ‘ዩ ዝደሊ። ቕድሚ ሕዚ ጀሚሩ ኣብዚ ብሰፊሑ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ይሰርሕ ኣሎ። ሃገር ሓንቲ ኮይና ብሓደ ናብ ልምዓት ከይትወፍር ‘ዩ ድሌቱ። ከምዚ ዓይነት ስራሕ ፖለቲካዊ ስርሑ ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብባህልን እምነትን ተኣሳሲሩ ሓደ ኮይኑ ዝነብር ዝነበረ፣ ሕዚ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ብውስን መልክዑ ተቐሓሒሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ መንጎ ብሄራት ፅልኢ ክነግስ ዋላ ይግበር። ሓድነቶም ተበጢሱ ዝብጠስ ኣይኮነን።

መራሕቲ ህወሓት ንበዓርሶም ኣብ ውሑስ ቦታ እናነበሩ ህዝቢ ‘ዮም ዘውድኡ ዘለዉ። ህዝቢ ይወዳእ ኣይወዳእ ዝግድሶም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህወሓት ንናይ በዓሉ ረብሓ ዝሓስብ ‘ምበር ንህዝቢ ዝሓስብ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ጎንፂ ክኣቱ ‘ዩ ዝገብር ዘሎ፤ እዚ ከምዝሓሰቦ ዋላ ኣይኹን ብውሱን መልክዑ ተሳኺዕሉ ‘ዩ፤ ሃገር ምብታን ባህሪኡ ‘ዩ። ሰለም ክህሉ ኣይደልን። ምኽንያቱ ቕድሚ ሕዚ ዝፈፀሞምን ዝፍፅሞም ዘለዉን ገበናት ሃገር እንተተረጋጊዓ ክሕተት ምዃኑ ይፈልጥ ‘ዩ። ካብዚ ንምምላጥ ‘ዩ ከምዚ ዝሰርሕ ዘሎ። ገበነኛ ኩሉ ግዘ ሰላም ኣይደልን። ብኸምዚ ዕድሚኡ ከናውሕ ‘ዩ ዝደሊ። ብሓሶትን ብምድንጋርን ‘ዩ ክነብር ዝኸእል። ባህሪኡን ተፈጥርኡን ከምዚ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ጉጅለ ህወሓት ብሓፈሻ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘስዐቦ ጉድኣት ከመይ ይገልፅዎ?

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- እዚ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ ምስ ኣሓቱ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ክጋጨው ገይሩ ‘ዩ። ህወሓት፣ ህዝቢ ትግራይ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ክፅላእ ዝገበረ፤ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ዘግልግሉ ዝነበሩ ዝቐተለ፤ ህዝቢ ትግራይ ከይበልዐ በሊዑ፣ ከይፀገበ ፀጊቡ እናበለ ብሂወት ህዝቢ ዝቐለደ ሓይሊ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ግፍዒ ብምፍፃም ኣብ መከራን ስቓይን ክወድቕ ገይሩ ‘ዩ። ሃፍቲ ህዝቢ ብምዝራፍ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ዝሸቐጠ ውድብ ‘ዩ።

ብሓፂሩ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ግፍዒ ብቓላት ዝግለፅ ኣይኮነን። ብጥሜትን ጥይትን ክፀንት ዝገበረ ሓይሊ ‘ዩ። ብጥሜት ካብ ሙማት ንላዕሊ ከቢድ የለን። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ክሳብ ሕዚ ብጥሜት ይረግፍ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ሓይሊ እዚ ህዝቢ ትግራይ ብሂወት ናይ ምንባር መሰሉ ዝነፈገ ‘ዩ። ብቓላት ንምግላፁ ዘፀግም መከራን ዓፀቦን ክበፅሖ ገይሩ ‘ዩ። ብሓፂሩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘይፈፀሞ ግፍዒ የለን።

ወጋሕታ፡-ጉጀለ ህወሓት ከምዚ ዓይነት በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፍፃሙ ብዙሕ ተገሊፁ ’ዩ። ሕዚ ’ውን እዚ በደል እዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከይድገም እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክገብር ይመኽሩ?

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ድሕሪ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ዝዕሾ ኣይኮነን። ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ህወሓት ፀላኢኡ ምዃኑ እናተረደኦ ‘ዩ ዝመስል። ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ክገብሮ ዘለዎ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኑ ኣንፃር ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ። ካብ ሕዚ ንደሓር ይኣኽለካ ክብሎ ይግባእ። ካብ መስገደል ህወሓት ናፃ ናይ ምውፃእ ኣካል ቓልሱ ክገብሮ ይግባእ። ፌዴራል መንግስቲ ድማ ግቡእ ሓገዝ ክገብረሉ ኣለዎ። ብኢኮኖሚን ኣዋዳድባን ከሕግዞ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ሓገዝ እንተረኺቡ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ከጥፈኦ ይኽእል ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተስፋ እንተዘይረኺቡ ግና ኩሎም ሓደ ‘ዮም ናብ ዝብል ነገር ክኸድ ይኽእል ‘ዩ። ከምዚ ዝብል ሓሳብ እንተሃልዩ ድማ ንህወሓት ምሕጋዝ ማለት ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ። ኣብዚ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ። ስለዚ ቐልጢፉ ፀገሙ ክፈትሐሉ እንተዘይክኢሉ እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣይኽእልን። ብፍላይ ሕዚ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ተሰዲዱ ዝመፅእ ዘሎ ህዝቢ ግቡእ ሓገዝ ክረክብ ኣለዎ። ብሓፈሻ መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ዝሓሸ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡-ኣብ መዋዳእታ ንህዝቢ ትግራይ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም።

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ህዝቢ ትግራይ ብዘይ ህወሓት ካሊእ ፀላኢ ከምዘይብሉ ክፈልጥ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ከይሓለፈሉ ሓሊፍሉ እናተባህለ 27 ዓመት ብሽሙ ተሸቒጥዎ ‘ዩ። ህወሓት ምስ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኮነ ኢሉ ክጋጮ ገይሩ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ እዚ ብዝግባእ ክርደኦ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ፈላጥን ለባምን ‘ዩ። እኹል ተሞክሮ ‘ውን ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ናብ ኩናት ዝኣተወ ብሰንኪ ህወሓት ‘ዩ፤ በዚ ምኽንያት እዚ ብዙሓት ደቑ ክጠፍኡ ዝገበረ ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። ኩናት ዝቖስቖሰን ዝጀመረን ህወሓት ምዃኑ ክፈልጥ ኣለዎ። ብሕማቕ ምሕደርኡ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተደፊኡ ዝወደቀ ምዃኑ ክርዳእ ይግባእ። በዚ መሰረት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይጠቕም ብምርዳእ ከውግዶ ‘ዩ ዘለዎ። ኩናት ብምፅሕታር እናጎድኦ ምህላዉ ክፈልጥ ይግባእ።

ብሰንኪ እዚ ሓይሊ እዚ ህዝቢ ትግራይ ደቑ ይግብር ኣሎ ‘ዩ። ንህዝቢ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ ካሊእ ፀላኢ የብሉን። ደቑ ዝውደአሉ ዘሎ በዓሉ እቲ ጉጅለ ‘ዩ። ደቑ ንዕላማ ህወሓት ክብሉ ይሞቱ ምህላዎም ክፈልጥ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ናይ ቕድሚ ሕዚ መከራ ከይኣኽሎ ሕዚ ‘ውን ደጊሙ ናብ ኩናት ክኣቱ እናገበረ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ጎስጓስ ኩናት እዚ ህዝቢ ትግራይ ክነፅጎ ‘ዩ ዘለዎ። ኩናት ንማንም ኣይጠቕምን። ህዝቢ ትግራይ ካብሕዚ ንደሓር ይኣኽለና ክብል ኣለዎ። ልምዓት፣ ሰላምን ሓቢርካ ምንባርን ኢና ንደሊ ብምባል እምቢ ንዳግማይ ኩናት ክብሎ ኣለዎ። ተወዲቡ ብምቕላስ ካብ ርእሱ ከውርዶ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ህወሓት ዝረኸቦ ጥቕሚ የለን። እኳዳኣስ ብሰንኩ ኣብ ከቢድ መከራን ስቓይን ‘ዩ ወዲቑ። ካብ ሕዚ ንደሓር ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ተታሊሉ ዳግማይ ናብ ኩናት ክኣቱ የብሉን። ህወሓት ገበኑ ንምሽፋን ኩናት ክቕፅል ‘ዩ ድሌቱ።

መንግስቲ ፌዴራል ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን። ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ በዓሉ ህወሓት ‘ዩ። መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ከይፅገም ብምሕሳብ ሓገዝ እኽል መድሓኒትን የቕርብ ኣሎ ‘ዩ። ነዚ ብምሕሳብ ‘ውን ‘ዩ ኣቐዲሙ ኩናት ጠጠው ኣቢሉ። ህወሓት ግና ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ እናተጠቐመ መንግስቲ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ኣምሲሉ ‘ዩ ዘቕርብ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ በዚ ክታለል የብሉን። ኣንፃር እዚ ጉጅለ እዚ ብምቕላስ ናፃናቱ ክረክብ ኣለዎ። ሕፅር ብዝበለ ነዚ ፀላኢ እዚ ብምውጋድ ናብ ሰላሙን ልምዓቱን ክምለስ ይኽእል ‘ዩ ዝብል መልእኽቲ ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ኣዝየ ኣመስግን።

ኮማንደር ገብረመስቀል፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ ኣዝየ እየ ዘመስግን።

 መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 11 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You