ሞት ዝተፈረዶ ወልቀታይ ናይ 25 ዓመታት ስቓይ

 ኣይተ ኣበራ ኣለማየሁ በዓል ፀጋ ዕድመ 68 ዓመት ‘ዮም። ካብ ዕድምኦም እቲ 25 ዓመታት ዘሕለፍዎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ‘ዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ባዶ ሽዱሽተ ፣ ዓዲረመፅ፣ ጋሸና፣ ኣብ ሑመራ ገሃነም፣ ኣብ ክልል ዓፋር ከባቢ ዱብቲ ኣብ ውሽጢ መሬት ዝርከብ ፍሉይ ቤት ማእሰርቲ ከምኡ ‘ውን ኣብ ትግራይ ቤት ማእሰርቲ መቐለ ‘ዮም ኣሕሊፎሞ።

ኣይተ ኣበራ ንማእሰርቲ ዝዳረጎም ምኽንያት ወልቃይት ናይ ኣምሓራ ‘ምበር ናይ ትግራይ ኾይኑ ኣይፈልጥን ብዝብል ቕዋሞም ‘ዩ። ኣብ ደጀና ባዶ ሽዱሽተ እናሃለዉ ምስ ኣቡኦም ኣብ ሓደ ቦታ ተኣሲሮም ዓብዪ ስቓይ በፂሕዎም ‘ዩ። ብውሑዳት ካድረታት ወያነ ናይ ሞት ፍርዲ ተፈሪድዎም ሎሚ ወይ ፅባሕ ክቕተል ‘የ እናበሉ ዓመታት ኣሕሊፎም ‘ዮም። እቲ 25 ዓመት ማእሰርቲ ንሞት ዝናፍቕሉ ግን ከኣ ፈፂሞም ዘይረኸብዎ እዋን ‘ዩ ይብሉ።

ኣይተ ኣበራ ኣብቲ ዝተኣሰርሉ ቤት ማእሰርቲ ባዶ ሽዱሽተ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝኽርታቱ የካፍሉ፤ መሰረታዊ ነገራት እንሆ።

ኣቦ ሃይማኖት ደጀና

ቀሺ ኣለማየሁ ይግኣው ካብ ዘመነ ሃይለስላሴ ቀዳማይ ጀሚሩ ኣብ ደጀና ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ኣገልጊሎም ‘ዮም። ንማሕበረሰብ ክርስትያን ናይቲ ከባቢ ብቲ እምነት ስነ ምግባር ክሃንፁን፣ ክምህሩን ከስተምህሩን ፀኒሖም ‘ዮም።

ኣብ 1974 ተጋደልቲ ህወሓት ኣብቲ ከባቢ ምስ ኣተዉ ዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን እቲ ከባቢ ኣኪቦም ንወልቃይት ከም ትግራይ ተቐቢሎም ንኻልኦት ክምህሩ ኣእሚኖምዎም። ቐሺ ኣለማየሁ ከም ኣቦ እምነት መጠን ብዛዕባ እምነት እናመሃረ እንከሎ ጉዳይ ወልቃይት ከልዕሉ ኣእሚንዎም። ቐሺ ኣለማየሁ እዚ ቅቡል ከምዘይኮነ ኣፅኒዖም ተዛረቡ።

ወልቃይት ኣምሓራ ‘ምበር ኣካል ትግራይ ኮይኑ ከምዘይፈልጥ ብግልፂ ነገሮም፤ ህዝቢ ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ ከምዘይቅበሎ ብግልፂ ገሊፁ። ዕላማ ህወሓት ንወልቃይት ምሓዝ ምዃኑ ዝተረድአ ቐሺ ኣለማየሁ ‘ውን ነዞም ሓይልታት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ክምዕዱ ፈቲኖም ‘ዮም። ህወሓት ግን ሓደ ግዘ ሒዝዎ ዝመፅአ ዕላማ’ዩ በቲ ሓሳብ ኣይተሰማምዐሉን። የግዳስ ንኣቕሽቲ ከጠንቅቑን ንቤተ ክርስቲያን ዘዋርድ ኣተሓሕዛ ክገብሩን ጀመሩ።

ተጋደልቲ ህወሓት ኣብ ቤተ ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ይዕምፁ፤ ኣፅዋር ‘ውን ይእክቡ ስለዝነበረ ቤተ ክርስቲያን ቤት ርኹሳት መናፍስቲ ክትከውን የብላን ብዝብል ሓሳብ ኣትሪሮም ተቓዊሞም’ዮም። በዚ ቂም ዝሓዙ ካድረታት ህወሓት ንቐሺ ኣለማየሁ ባዶ ሽዱሽተ ናብ ዝብሃል ቤት ማሑየር ኣእተውዎም። ኣዝዮም ድማ ተሃስዮም። ናይ ምእሳር ጉዳይ ጥራይ ኣይኮነን። ንስድራ ቤቶም ከሳቕዩ፤ ንብረቶም መንዚዖሞም ‘ዮም።

ውርሻ ስቓይ

ቐሺ ኣለማየሁ ኣብ ባዶ ሽዱሽተ እንትኣትዉ ኣይተ ኣበራ ወዲ 28 ዓመት ‘ዮም ነይሮም። ኣብቲ እዋን ህወሓት ንኣቦ ኣሲሩ ውላድ ከምፅእ ልሙድ ስለዝነበረ ኣበራ ግዳይ ህወሓት ኮይኑ። ገዝኦም ንግሆን ለይትን ብካድረታትን ዕጡቓትን ህወሓት ስድራ ቤቶም ተዘምተ፣ እታ ስድራ ድማ ዕንወት ኣጋጠማ። ዓራት ከይተረፈ ተወሲዱ እቶም ኣባላት ስድራ ተሳቒዮም። ኣይተ ኣበራ ግና ነዚ ግፍዒ ክቕበሎ የብሉን ብምባል ምስ ካልኦት ንህወሓት ንምቅላስ ናብ በረኻ ኣተዉ። ወልቃይት ሓራ ክሳብ ዝወፅእ ኣብ በረኻ ክዋጋኡ መረፁ። ናብ ቋራን መተማን ተጓዒዞም ምስ ህወሓት ተዋጊኦም።

ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣይተ ኣበራ ክሳብ 1983 ዓ/ም ህወሓት ንኣዲስ ኣበባ ክሳብ ትቆፃፀር ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ምስ ህወሓት ተዋጊኦም’ዮም። ህወሓት ኣብ በረኻ ዘለኹም ናብ ሰላማዊ መገዲ ኣቲኹም ሰላማዊ ሂወት ምምራሕ ትኽእሉ ዝብል ፃውዒት መሰረት ናብ ዓዶም ተመሊሶም ናብ ስራሕቲ ሕርሾኦም ኣቲዮም።

እንተኾነ ግን ቂም ዝቋፀረን ዘይርስዕን ህወሓት 

 መፅብዕኡ ኣፍሪሱ ነቶም ፃውዒት ሰላም ተቐቢሎም ዝነበሩ እን ኣይተ ኣበራ ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ደቂ ዓዲ(ኣባላት ከፋኝ) ኣኪቡ ናብ ባዶ ሽዱሽተ መለሶም። እቲ ግፍዒ’ውን ከም ሓድሽ ‹‹ሀ›› ኢሉ ጀመረ።

ፃኒሒት ቤት ማእሰርቲ

ብመሰረት ሓበሬታ ኣይተ ኣበራ ንፈለማ እዋን ኣብ ባዶ ሽዱሽተ ተኣሲሮም። ኣብ ባዶ ሽዱሽተ ኣብ ወዲ ሰብ ይፍፀሙ’ዮም ተባሂሉ ዘይሕሰብ ስቓይ ረኣዩ። ባዶ ሽዱሽተ ካብ እምኒ ዝተሰርሐን ብመሬት ዝተኸበበን ትሕቲ መሬት ዝኾነ ሲኦል ‘ዩ። ኣብኡ ምሕዳር ዓቢ መቕፃዕቲ ‘ዩ ምኽንያቱ እቲ ቦታ ኣዝዩ ውዑይን ብኣኻውሕ ዝተኸበበን ‘ዩ። ኣብ ሓደ መዳጐኒ ደምበ ክሳዕ 600 ሰባት ይሕዝ።

እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ትሕቲ እምባ ኣብ ዝርከብ ፅምው ዝበለ ቦታ ይርከብ። እሱራት ብቐትሪ ይእሰሩ ነበሩ፣ ለይቲ ድማ በቢ ሓደ ንምርመራ ይወፁ ነበሩ። ናብ ካልእ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ መዳጎኒ ማእከል ተወሲዶም ዝተፈላለዩ ዓይነት ስቅያት ከም ዝበፅሖም ይገልፁ። ሰባት ጥራይ ኣይኮኑን ብበትሪ ዝቕጥቀጡ መዶሻ ‘ውን ይጥቀም ‘ዩ። ቑሩብ እንተ ኣሸጊሩ መጀመርያ ብመዶሻ ርእሱ ተወቒዑ ውነኡ ክስሕት ይግበር። ድሕሪኡ እንተ ሞይቱ’ውን ኣኸለ። ናቱ ታሪኽ ኣብዚ‘ዩ ይውዳእ። ካብ ምስሓት ውነኡ እንተተመሊሱ ድማ ካልእ ዓይነት ናይ ስቓይ ቅፅዓት የጋጥሞ። መብዛሕትኦም ንምርመራ ካብ ዝወፅኡ ተመርመርቲ መብዛሒቲኦም ከይተመለሱ ይተርፉ ነይሮም።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ ኣበራ ንሶም ብዙሕ ጊዜ ናብቲ ከባቢ ተወሲዶም ከም ዝተቐጥቀጡ ገሊፆም። ኣብ እዋን ምርመራ ካብ ዝቐርቡሎም ሕቶታት ንስኻ ወልቃይት ናይ ኣምሓራ ‘ምበር ናይ ትግራይ ኣይኮንካን ኢልካ ብረት ኣልዒልካ ተዋጊኢኻ፣ ሂወት ተጋደልቲ ኣጥፍኢኻ፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሌና ኣለዓዒልካ ዝብሉ ከምዝርከብዎም ይገልፁ።

ኣይተ ኣበራ ካብ ቤት ማእሰርቲ ባዶ ሽዱሽተ ናብ ዓዲረመፅ ካብኡ ናብ ሑመራ ቐፂሉ ሽረን መቐለን ተወሲዶም ተኣሲሮም። ብድሕሪኡ ካብ ኣላማጣ ክሳብ ዓፋር ኣብ ቤት ማእሰርቲታት ተንከራቲቶም። ኣብ መወዳእታ ድማ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ኣባላት ህወሓት ተኣኪቦም ሞት ከምዝፈረዱሎም ይገልፁ።

ከም ኣገላልፃ ኣይተ ኣበራ ኣብቲ እዋን ክቐትልዎ እንተዝደልዩ ብይን ኣየድልን ነይሩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ተወሲዶም ቀሪዮም ‘ዮም። ይኹን ‘ምበር ብሽም ኣቐሚጥኻ ካብ ሎሚ ፅባሕ ክንመውት ኢና እንዳበሉ ብደዎም ንክሞቱ ተሓሲቡ ከምዝኾነ ይዛረቡ።

ኣይተ ኣበራ ናይ ሞት ፍርዲ ምስ ተፈረዶም ፅባሕ ወሲዶም ክቐትሉኒ’ዮም ብምባል ተስፋ ቖሪፆም ከምዝነበሩ ይገልፁ። ገለ ካብቶም ዝተወሰዱ ኣዕሩኽቶም በቢ ግዜኡ እናተወሰዱ ብኡ ይተርፉ ስለዝነበረ፤ ንሶም’ውን ብቐፃሊ ናይ ኣዕርኹቶም ዕጫ ሓደ መዓልቲ ይበፅሐኒ ብዝብል ኩል ግዘ ምስ ሞት ምንባሮም ይዛረቡ።

በዚ መገዲ ናይ ሞት ፍርደኛ ኮይንኻ ብስቓይን ስኽፍታት ምንባር እቲ ሓደ ካብ ሜላታት ስቅያት ህወሓት ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ኣበራ፤ ሓደኣፉ ሞይትኻ ምዕራፍ ክሳብ ዝምነዩ ኣብ ልዑል ሞራላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ጭንቀት ከም ዝነበረ ‘ውን ይዝክሩ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኹነታት ኸለዉ “ሞት ተፈሪድኩም ኣሎ፤ እቲ ዝተረፈካ ምርሻን ጥራይ

 ‘ዩ ›› ብዝብል ብደውካ ንክትሞት ይገብሩኻ ይብሉ። በዚ ኩነታት ሞት ተፈሪድዎም ብሰቐቐንን ስግኣትን ጥራሕ ንኸቢድ ሕማም ኣእምሮን ዝተሳቐዩን ውነኦም ዝሰሓቱ ብዙሓት እሱራት ከምዝነበሩ ይዝከር።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘይተፈፀመ ግህሰት ከም ዘየለ ዝገለፁ ኣይተ ኣበራ፣ ኣብ ርእሲ መግረፍትን ስቅያትን ሞራል ንምድሃል ብዙሓት ተግባራት ከም ዝነበሩ ሓቢሮም። ንኣብነት ጀሪካን ኣብ ክልተ ቦታ ብምስንጣቕ ምሸት ምሸት ሰገራን ሽንትን ክንሸነሉ ብምግባር ቀትሪ ድማ ምግቢ ንክንምገበሉ ይግበር ነይሩ ይብሉ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣይተ ኣበራ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰንሰለት ካብ ኢድን እግርን ኣይወርድን። በዚውን ዝመውት ኣሎ። ኣስከሬን ክሳብ ሰለስተ መዓልቲ ከይወፅእ ብምግባር ንክጨን ይገበር ነይሩ ይብሉ ኣይተ ኣለማየሁ።

ዝኾነ ኾይኑ በዚ መልክዕ ናይ ሞት ፍርደኛ ኮይኖም ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ ብምስግጋር በቢግዜኡ ብሽም ምርመራ ወፂኦም ከይተመለሱ ዝተረፉ ብዙሓት’ዮም። ን25 ዓመታት ስድራ ቤቶምን ኣዝማዶምን ከመይ ከምዝኾኑ ሓበሬታ ኣይነበሮምን።

ሓደ መዓልቲ ኣይተ ኣበራ ተፀዊዖም እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከም ዝተቐየረ ተነገሮም። ብድሕሪኡ ናብ ሓደ ኣብ ዓፋር ዝርከብ ሕቡእ ቤት ማእሰርቲ ተላኢኾም። ድሕሪ ማእሰርቲ 25 ዓመታት ድማ ብ1988 ተፈቲሖም ናብ ዓዶም ተመሊሶም።

ናይ ሞት ፍርዲ ስነ ኣእምሯዊ ቅልውላው

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ልቦና ረዳት ፕሮፌሰር ዶክተር ትዕግስት ውሂብ ከም ዝገለፅዎ፤ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ደቂ ሰባት ዓብዪ ናይ ስነ-ልቦና ፀቕጢ ዝግበረሉ ቦታ ‘ዩ። ሓደ ሰብ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኣቱ ከሎ ካብ ዝተፈላለዩ መሰላት ስለዝግደብ ወይ ስለ ዝስእን ናፅነት ዝግብኦ ወዲሰብን ኣእምሮን ናፅነት ዝህቦ ዕረፍቲ ይስእን። ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብ ኩሉ ብርክታት ዘለው አብያተ ማእሰርቲ ምንጪ ስነኣእምሯዊ ቀውሲ ‘የን።

ቤት ማእሰርቲ ሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካሊእ ሰብ ዝኾነሉን ብናፃ ክንቀሳቐስ ዘይኽእለሉ፣ ዝተገደበ ንጥፈታት ዝካየደሉ ቦታ ስለዝኾነ ኣእምሮ ብውሑዳት ነገራት ጥራይ ‘ዩ ዝዕገት።

እቲ ኣብ ወልቃይት ተኣሲሩ ዝበሃል ዘሎ ኣካላዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ስነ ኣእምሮኣዊ ‘ውን ‘ዩ። ማእሰርቲ ቃንዛ ከስዕብ ዝኽእልን ከቢድ ስምዒታዊ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእልን ‘ዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ግዜ ዘሕልፉ ሰባት ብኸቢድ ሕማም ኣእምሮን ሞትን ከይተረፈ ናይ ምቅላዕ ተኽእሎኦም ዝለዓለ ‘ዩ።

ዶክተር ትዕግስት ከምዚ ዓይነት ኩነታት ንሰባት ኣብ ክንዲ ምምሃር ብዘይ ቤት ፍርዲ ፍርዲ ሂብካ ምቕማጥ ካብ ምቕታል ንላዕሊ ሰባት ከምዚ ዓይነት ስቅያትን ስነ-ኣእምሮኣዊ ስንባደን ዘስዕብ ምዃኑ የረድኣ። ከም ውፅኢቱ ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀት ብዛዕባ ሞት ብቐፃሊ ስለ ዝሓስብ ብዙሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ከስዕብ ይኽእል ‘ዩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ሰባት ይሳቐዩን ይሞቱን ኣለዉ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ሰባት ዓርሶም ናይ ምጥፋእ ኣጋጣምታ ‘ውን ኣለዎም፤ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ስቅያት ብዝኸፍአ መገዲ ክቕፅል ከም ዘይብሉ መፅናዕትታት ይሕብሩ።

ኣይተ ኣበራ ህወሓት ፍርቂ ህይወተይ መንዚዑኒ ‘ዩ ይብሉ። ኣብዚ ዘሕለፍክዎ ዓመታት ንባዕለይን ንስድራይን ከምኡ’ውን ንሃገረይ ብዙሕ ስራሕቲ ከበርክት ምኽኣልኩ ነይረ፤ ኾይኑ ግና ኣብ ዘይሓጥያተይ ህይወተይ መንዚዖምኒ ክብሉ ብእንፅርፅሮት ይገልፁ።

ኣይተ ኣበራ በዓል ነጋ ኣስረስ፣ ቻላቸው ታደሰ ዝበሃሉ መሓዙቶም ናበይ ከም ዝኣተዉ ኣይፍለጥን፣ ኣሰሮም ከምዘየለ ይዛረቡ። ኣፍቲ እዋን ካብ መንጎ ንማእሰርቲ ዝተዳረጉ ሰባት መብዛሕትኦም ሞይቶም ‘ዮም፤ እቶም ዕድለኛታት ድማ ካብ ሃገር ወፂኦም ተሰዲዶም ‘ዮም ምስበሉ፤ ኣነ ግና ድሕሪ ብዙሕ ስቓይ ታሪኽ ክዛረብ ብምኽኣለይ ዕድለኛ ‘የ ይብሉ።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 11 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You