ዘይዛሪ ጥፍኣት ጉጅለ ህወሓት

 ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ታሪኹ ብኢትዮጵያውነቱ ዝኣምን፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንምኽባር ሉኣላውነት ሃገር ዝዓዘዘ ዋጋ እናኸፈለ ዝፀንሐ ኣብ ዝኾነ እዋን ኢትዮጵያውነቱ ኣብ ሕቶ ኣእትዩ ዘይፈልጥ ህዝቢ ‘ዩ።

ብዛዕባ መንነት ህወሓት ቐደም ኣብ በረኻ እናሃለወ ዝፍለጥ ጉዳይ ‘ዩ። እቲ ውዳበ ድሕሪ ስልጣን ምሓዙ ‘ውን እናጨቆነ ንመሰሎም ዝቃለሱ ዜጋታት ናብ ማእሰርቲ እናውረደ እናጥፈአ ሓቀኛ መንነቱ ብተግባር ኣመስኪሩ ‘ዩ።

ብሓይሊ በትረ ስልጣን ሒዙ ኣብ ዝፀንሐለን እዋናት እንተደልዩ ብሽም ዲሞክራሲ ቃሕ እንትብሎ ድማ ብፍሉይ ሓይልን ብፌደራልን ፀቒጡ እናገዝአ ፀኒሑ ‘ዩ። ካብ ናቱ ዝተፈለየ ኣረኣእያን ሓሳብን ዘለዎም ወገናት ዝተፈላለየ ሕብሪ እናለኸየ ሓዱሽ ሽም እናለጠፈ ሰበብ ብምድላይ ብቀጥታ ይኹን ብዝረቐቐ መገዲ እናኣለየ፣ እናአሰረ፣ ኣድራሽኦም እናጥፈአ ምፅንሑን፤ ከምዚ ዝበሉ ባህርታት መግለፅታቱ ከምዝኾኑ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ‘ዩ።

እዚ ንባዕሉ ፍሉይን ብሉፅን ገይሩ ዝስእል ጉጅለ ኣብ መፅሓፍ ጆርጅ ኦርዌል ዝተጠቐሰ ‹‹ኹሎም ሰባት ማዕረ’ዮም፤ ኾይኑ ግና ሓደ ሓደ ሰባት ካብ ኻልኦት ዝበለፁ ማዕረ ‘ዮም›› ብዝብል ኣጉቢጡ ብምትርጓም ናይ ባዕሉ ጉጀለ ጥራሕ ካብ ኻልኦት ኣብሊፁ እናጠቐመ ፀኒሑ ‘ዩ።

እቲ ጉጅለ ተረፋተረፍ እናሃበ ዘሰማረዮም ባንዳታት ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዕሙት ደጋፊ ናይቲ ኣገዛዝኣ ብምፍራይን ፍሉይ ተጠቀምቲ ከምዝኾኑ ገይሩ እንትነግረና ዝበልዖ ኻሊእ ዘጉስዕ ድማ ኻሊእ እናኾነ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናነገሩና ፀኒሖም ‘ዮም። እዚ ብምግባር ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ባርነት ፈጢሩ ‘ዩ።

እቲ ህዝቢ ‘ውን ናይዚ ፕሮፖጋንዳ ተጠቃዒ ብምዃን፤ ፍርቁ ድማ ብፍርሒ እንትሕፀር፤ እቲ ኻሊእ ድማ ደቁን ኣሕዋቱን ስለዝኾኑን ምስቶም

 ዝተረፉ ድማ ብስጋን ብመውስቦን ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ፤ ክንዲ ድሌቱ በደል እንተተፈፀሞ ሱቕታ ብምምራፅ ዓመታት ብስቓይ ኣሕ ሊፍዎ ‘ዩ።

ጉጅለ ህወሓት ካብ ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ብቓልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣን እንትባረር ንትግራይ ከም መዐረዲ ስፍራ ገይርዋ ‘ዩ። እቲ ጉጅለ ድሕሪ ናብ መቐለ ምኻዱ ነቲ ለውጢ እናፅላልአ እንትቃወም ትግራይ ንኸይትልወጥ መገዲ እናዓፀወ ፀኒሑ ‘ዩ። በቲ ዝለመዶ መግዛእቲ እናመቓቐለ ብብሄር፣ ብዓሌት ብሓፈሻ ኣብ መንጎ ህዝቢ ጎንፂ እናጋፈሐ መርዚ እናነዝሐ ከምኡ ‘ውን መዝሙር ኲናት እናዘመረ ኣስተውዒልናሉ ኢና።

ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ክመርሕ ዝኽእል በይናዊ ውድብ ‹‹ኣነ ጥራሕ ‘የ›› ብዝብል ርድኢት እናዋቕዐ ብልዕልነት ሚዲያ ካብ ምስ ኢትዮጵያ ንድሌት ምዕራባውያን ዝሐሸ ኣብሊፁ ፀኒሑ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ ልዕሊ ናይ ባንዳ ተግባሩ ንኢትዮጵያ ዝደልያ እንትገዝኣን ልዕልነቱ ሒዙ እንትቕፅልን ጥራሕ ብምዃኑ፤ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መከላኸሊ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ብምኽፋት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዕሊ ኲናት ኸፊቱ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ብምኽንያት መጥቃዕቲ እቲ ጉጅለ ከይፈተወት ናብ ኲናት ንምእታው ተገዲዳ ‘ያ፤ እቲ ጉጅለ ብግጉይ ኣተሓሳስባ ብዝፈነዎ ሓዊ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዘይደልዮ ኲናት ብምእታው ናብ ስቓይን መከራን ኣእቲዎ ዩ።

መንግስቲ ንህዝቢ ብምሕሳብ መቐለ ገዲፉ ምስ ወፀ፤ ጉጅለ ህወሓት ድሕሪ ካብ መቓብር ምውፅኡን ብዊልቸር እናተደፍአ ድሕሪ ምእታዉ ኹሉ ንኽወፍርን ንኽዕጠቕን ኣዋጅ ወፍሪ ብምእዋጅ ኲናት ናብ ጎራብቲ ክልላት ክስፋሕፍሕ ‘ውን ኽኢሉ ‘ዩ። በይነይ ኣይመውትን ብዝብል ንህዝቢ ትግራይ ሒዙዎ ክጠፍእ ኣብ ውሳነ በፂሑ ኣብ ዝኸፈቶ ኣዝዩ ሓደገኛ ኲናት ብርክት ዝበሉ ኣጥፊኡ ‘ዩ።

መረበታት ትግራይ መንእሰይ ኣልቦ ክኾና ብምግባር፤ ካብ ስራሕቲ ኣልዒሉ ሕርሻ ሓረስቶት ናብ ኲናት ዳጉንዎም ‘ዩ። ዝተረፎ ኣብ ማህፀን ኣዲኡ ዘሎ ዕሸል ጥራሕ ተዘይኮይኑ እርሳስ ንምሓዝ ዘይጠንከረ ኢድ ክላሽን ንኽጭብጥ ብምግባር ኣብ ታሪኽ ዓለም ብምግባር ፀግዒ ጭካነ ታሪኽ ዓለም ዝተርኣየሉ መስካሕክሒ ትራጀዲ ፈፂሙ ‘ዩ።

ትርጉም ንዘይብሉ ኲናት ዓበይትን ህፃውንትን ብምእታው ከም ቖፅሊ ክረግፉ ገይሩ ‘ዩ። ብሓሽሽ ዝሰኸሩ ዕሸላትን ዓበይትን ትግራይ ጥይት ናብ ዘደንፅወሉ፤ ላንቃ መትረየስ ናብ ዝኑቁየሉ ስፍራ ብዓይኒ ዑሙተይ እናኾብኮበ ድራር ሓዊ ገይርዎም ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣዝዩ መስካሕክሒ ጭቆናን ውሽጣዊ መግዛእቲ ይርከብ። ህወሓት ከም ጓና ‘ምበር ከም በዓል ዓዲ ንትግራይ እናመሓደራ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ባዕዳዊ ገዛኢ ከይመፆ ብተወለድቲ እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ወዲቑ ‘ዩ።

ብዛዕባ ምጥማይ ህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ዝልፍልፉ እቲ ጉጅለ መሰላቱን ኣዝዩ ብዘደንቕ መልክዑ ንህዝቢ ትግራይ ዝመፀ እኽሊ ረድኤት ሎሚ ‘ውን ከም ትማሊ ንውልቃዊ ረብሕኦም እናውዐልዎ ‘ዮም።

ካብ ትማሊ እስካዕ ሐዚ እኽሊ ረድኤት ህዝቢ ትግራይ እናበልዐ፤ ህዝቢ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንኲናት ዝዳጎነ ጉጅለ ልዕሊ ዝኾነ ኣካል ንህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ሒዙ ዝመፀ ዓብዪ መርገም ከምዝኾነ እናረጋገፀ ቐፂሉ ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፀገሙ ዕዳ ኽፈል እናበሉ እናጨነቕዎ ስለዝኾኑ ክስደድ ተገዲዱ’ዩ፤ ናይ ባዕሉ ስልጣን ንምንዋሕ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ርህራሀ ከምዘይብሉ እናሰርሖ ብዘሎ ስራሕ ምርግጋፅ ይከኣል ‘ዩ።

እዚ ዓፋኒ ጉጅለ ዳግም ኣዋጅ ኲናት ምግባሩ ህዝቢ ካብ ምውዳእ ሓሊፉ ኻሊእ ፋይዳ ከምዘይብሉ ዝእመን ‘ዩ። ወያነ ቐለብ ብዝሰፍሩሉ ተደጊፉ ንቑሩብ እዋናት እንተፀንሐኳ ከም ዝተነቓነቐ ስኒ ኣብ ቐረባ ምርጋፉ ኣይተርፍን።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 11 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You