ኣፈላላይ ሃይማኖት ንጎንፂ መበገሲ ክኸውን ኣይግበኦን

 ከምቲ ዝፍለጥ ኢትዮጵያ በዓልቲ ብዙሕ ብሄር ብሄረሰብን ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ከምኡ ‘ውን ወናኒት ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ ቕርስታት ‘ያ። ብፍላይ ድማ ኽልቲኦም ሃይማኖታት እስልምናን ክርስትና ብሕውነትን ብምክብባርን ከምኡ ‘ውን ብምትሕግጋዝ ንብዙሕ ዘበናት ፀኒሖም ‘ዮም።

ይኹን ‘ምበር ካብ ቐረባ እዋን ናብዚ ምኽንያታዊ ብዘይኮነ ኣፈላላይን ኾነ ተባሂሎም ብዝፍጠሩ ውዲታትን እምነት ሽፋን ብምግባር ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት እስልምናን ክርስትናን እናተርኣየ ዘሎ ጎንፅታት ኣድላዪ ዘይኮነ ጥፍኣት ህይወትን ንብረትን ኣዝዩ ዘሕዝን ኹነታት እናተፈጠረ ይርከብ።

እዚ ካብ እዋን ናብ እዋን ዝርኣይ ዘሎ ሃይማኖት ሽፋን ዝገበረ ጎንፂ መንቀሊኡ ብዕሊ ተዘይተፈለጠ ‘ውን ብሃንደበት ተወሊዑ ሓደጋ እናብፀሐ ዘሎን፤ ብናይ ወፃኢ ሓይልታት ዝጥንሰስን ዝምራሕን ከምዝኾነ መረዳእታታ ይሕብሩ። እዞም ፀላእቲ ኢትዮጵያ ብብሄር ንምጉናፅ ቅድሚ ሐዚ ይሰርሑ ዝነበሩን ዘይተሳኸዐሎምን’ዮም። ሐዚ ድማ ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ሃገር ንምፍራስ ዝተለምዎ ትልምታ’ዩ። እዚ ትልሚ ጎንፂ ሃይማኖት ሓደገኛን ኣዝዩ ዘስግእን ድማ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ብሽም ሃይማኖት ዝውልዑ ጎንፅታት እቲ ኣዝዩ ኸቢድን ንሓንቲ ሃገር ክፍትንዋ ካብ መንጎ ዝኽእሉ ፀገማት ሓደ ‘ዩ። ቕድም ክብል ህዝብታት ኢትዮጵያ ተፋትዮምን ተኀባቢሮምን ዝፀንሑ፤ ሐዚ ምእንተ ሰላም ክበሃል ነቲ ንኽፍጠር ዝድለይ ዘሎ ጎንፂ ብጥንቃቐ ተዘይሓሊፎሞ ዘስዕቦ ፀገም ኣዝዩ ኸቢድ ክኸውን ይኽእል ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ነዚ ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ መንቃሕቲ ማሕበረሰብን ሰበ ስልጣን መንግስትን ዝተፈላለየ ሪኢቶ እናሃቡ ይርከቡ። እዞም ፍሉጣት ሰባት ኣፍቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ዝህብዎ ሪኢቶን ፍታሕ ናይቲ ፀገም ክኸውን ‘ዩ ኢሎም ዝሓስብዎን ድማ ከምዝስዕብ ኣቕሚጥናዮ ኣለና።

ሰላም ብተግባርን ብተሳትፎ ኹሉ ሰብ ዝመፅእ ‘ዩ ብምባል ዝዛረቡ ተቐዳሚ ሙፍቲ ሐጂ ዑመር ኢድሪስ ‘ዮም፤ እቶም ኣቦ ብዛዕባ ምክእኣል ሃይማኖትን ምስፋን ሰላምን እንትዛረቡ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ብህዝብን መንግስትን ‘ምበር ብዝተፈላለዩ ሰባት ከምዘይኮነ ይገልፁ። ‹‹ንሕና ኢትዮጵያውያን ከም ሃገር ዘጋጠሙና ፀገማት ንምስጋር ሙስሊም ክርስትያኑ ንዘበናት ብሓድነት ምንባሮም ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱልና ከምዝሓለፈ ክፍለጥ ይግበኦ›› ይብሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገርና ኣብ ለውጢ ከም እትርከብ ኹላትና ንርዳእ ኢና፤ ኣብ ሃገርና ብሄራዊ ምርድዳእ ንምምፃእ ዝተጀመረ ፃዕሪ ኹላትና ክንድግፎ ይግባእ። ብፍላይ ኣብ ቐረባ እዋን ኣብ ጎንደር ዝተፈጠረ ዘሰክፍ ኹነታት ዳግም ኣብ ኻሊእ ክፋል ኢትዮጵያ ኣሽንኳይዶ ክፍጠርስ ዳግም ክሕሰብ ከምዘይግበኦ ብምሕባር ኣፍቲ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ‘ውን ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ ከምዝግባእ ይዛረቡ።

 ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብወገነን ጉዳይ ሃይማኖት ኣድሂበን ዝሃብኦ መብርሂ ድማ‹‹ኣፈላላይ ሃይማኖት ሓፁር ኮይኑ ኣይፈልጥን›› ንሕና ኢትዮጵያውያን ከም ቐደምና ሓደ ኮይና ተወሃሂድና ዝነበርና፤ ብሓድነት ንሃገርና ዝተዋደቕና፤ ሕማቕን ፅቡቕን ብሓንሳብ ዝርኣና፤ ሃገርና ብዓቕምና ዘፅናዕና፤ ኣፈላላይና ብጥበብን ብዝሰኸነ መንፈስን ሒዝና እንነብርን እነድንቕን ህዝብታት ኢና ክብላ ገሊፀን።

‹‹ሃይማኖታትና ፍልፍል ኩሎም ሰናይ ተግባራትና ‘ዮም››፤ ወነንቲ ቅንዕና፣ ትሕትና፣ ምክብባር ሓቢርካ ምንባርን ኢና” ክብላ ‘ውን ገሊፀን። እቶም ውቁባት ፀጋታትና ብፀጋ ኢትዮጵያዊነት ክዕጀቡ ከለዉ ድማ መድመቒ መንነትና ‘ዩ ዝበላ እተን ከንቲባ፣ ሕብረትና ኣፀቢቕና ንደሊ ህዝብታት ኢና። እዚ ዘገርም ፀጋ ከይሓስስ ድማ ሎሚ ኩላትና ዓብዪ ሓላፍነት ኣለና ኢለን። ስለዝኾነ ድማ ፈተናታትናን ፈተንትን ኩነታትን ኣብ ከይዲ ይመፁን ይኸዱን፤ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ግን ፀኒዖም ዘመናት ዝሳገሩ ‘ዮም፤ እዚ ዘለናሉ እዋን ደው ኢልና ክንሓስቦ ይግባእ። ካብ ስምዒት ወፂና ብዝተረጋገዐ መንፈስ የማንን ፀጋምን ብምርኣይ ንሳገር። ንሰላምናን ሓድነትናን ንተሓባበር ዝብል መልእኽቲ ምስ ኣመሓላለፋ፤ ዝበልፀና ፍቕርና ‘ዩ፤ ዘጥዕመልና ሓድነትና ‘ዩ፤ ዝሰምረልና ብሓባር ምንባርና ‘ዩ ብምባል፣ ዘጣዕሰና ተግባር ንዘይምግባር ብሓባር ደው ምባል ይግበአና ክብላ መኺረን።

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ዶክተር ወዳጄነህ መሃረነ ዝስዕብ ሓሳብ ገሊፆም’ዮም። ‹‹ልዕሊ ዝኾነ እዋን ንዕብየትን ሰላምን ሓንቲ ሃገር ምክእኣል ሃይማኖት ኣድላዪ ‘ዩ››። እቶም ዶክተር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት እንትዛረቡ ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን ልዕሊ እቲ ሕጊ ዘቐምጦ ኣሕዋት ብምዃኖም ንዘበናት ድማ ተኸኣኢሎምን ተፋቒሮምን ፀኒሖም ‘ዮም። ምክእኣል ንዘላቒ ዕብየትን ሰላምን ሃገርና እቲ ቐንዲ ወሳኒ ጉዳይ ‘ዩ።

እቶም ዶክተር ብውልቆም ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ኡስታዛት መሓዙቶም መግለፂ ሰናይ ትምኒቶም ከምዝገልፁ ብምሕባር ኣብ መንጎ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እስልምናን ዘሎ ሕውነት ዘይደልዩን ዘሕርቖም ሓይልታት ድማ ሃይማኖታዊ ጎንፂ ብምእጓድ እዛ ሃገር ናብ ፀገም ክነውድቓ ኢና እናበሉ ዝፍትኑ ከምዘይሳኸዐሎም ይዛረቡ።

ኣብ እምነታት እስልምናን ክርስትናን ሓሊናዮ ዝፀናሕና ሕውነትና፣ ሓድነትና፣ ምፍቅቓርናን ምትሕስሳብናን ሐዚ ‘ውን ሓሊውና ምፅናሕና ንዘላቒ ሰላምን ዕብየትን ወሳኒ ‘ዩ ።

ዝኾነ ፀገም ዝፈጥሩ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ህዝቢ ኣይቕበሎምን ‘ምበር እዞም ሓይልታት ዝሓስብዎ እቲ ሓደ ነቲ ኻሊእ እናጎድአ ኣብ ሃገርና ዘየዛሪ ፀገም ንኽፍጠርን ናብ ዝገደደ ቕልውላው ክንኣትዉ ብምድላዮም እንትኸውን እዞም በብእዋኑ ዝልዓሉ ፀገማት ካብ ውሽጢ ኣይኮኑን ይብሉ። ብምዃኑ ድማ ሐዚ ‘ውን ህዝብና እዞም ሓይልታት ዝሓሰብዎ

 ንኸይሳኸዐሎም ኣብ ሃገርና ሃይማኖታት ተሳኺዕሎምን ተኸባቢሮምን እናነበሩ ከምዝርከቡ ይገልፁ።እቲ ቕድም ክብል ዝተፈጠረ ፀገም ካብ መንጎ ሙስሊም ወይ ድማ ክርስትያን ዝመፀ ዘይኮነስ ኾነ ተባሂሉ ዝተፈጠረ ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝተጠንሰሰን፤ ሃገርና ንምጉዳእ ተሓሲቡ ዝተገበረ ስለዝኾነ ኡስታዛት፣ መምህራን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ፣ ኣቦታት ቤተክርስትያን ካቶሊክን ሰበኽቲ ኣብያተ ክርስትያናት ወንጌላውያንን ንዘበናት ዝፀንሐ ምክብባርን ሕውነትን ንኸይንክይን ፀላኢ ንኸይኣቱን ክሰርሑ ከምዝግበኦም ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ እዋን ዓብዪ ፆም ረመዳን እናተጋበዝና ብሓንሳብ እናፍጠርና ፀኒሕና ኢና፤ ዝበሉ ዶክተር ወዳጄነህ እዚ ሕውነትና ኣውፂእና ክነርእይ ክንኽእል ኣለና፤ ኣብ መንጎ ህዝበ ክርስትያንን ሙስሊምን ፀገም ከምዘየለ ኣብ ኣደባባይ ብግልፂ ክርኣይ ምግባር ሕውነቱ ሐዚ ‘ውን እናቐፀለ ከምዘሎ ዘመላኽት ‘ዩ ብምባል ይገልፁ።

ህዝበ ሙስሊምን ክርስትያንን ንዘበናት ተፋትዩን ተኸባቢሩን ዝነበረ ብምዃኑ ሐዚ ‘ወን ሃገርና ንምርባሽ እከይ ዕላማ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ናይ ደገ ሓይልታት መጥቀሚ ንከይኾኑ ፃውዒቶም ኣመሓላሊፎም። ‹‹ናይ ሃይማኖት ጎንፂ ወሊዕና እዛ ሃገር ንዝኸፍአ ፀገም ክንዳርጋ ኢና ኢሎም ዝኣምኑ ፀላእትና ኣሕፊርና ምምላስን ነቲ እኩይ ዕላምኦም ተገዛኢ ዘይምዃንን ከም ዝግባእ ኣፍሊጦም።

ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ብወገኑ ብሽም ሃይማኖት ዝተፈጠረ ጎንፂ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ትልሚ ሒዞም ዝንቐሳቐሱ ናይ ደገን ውሽጥን ፀላእቲ ከምዝኾነ ይገልፅ።ታሪካዊ ፀላእትና ኢትዮጵያ ንምትርማስን ንምፍራስን ከም መሳርሒ ካብ ዝጠቀሙሎም ጉዳያት ውሽጢ ፀላእቲ ነቲ ናይ ለውጢ ከይዲ ፈተና ብምዃን ዝቕፅሉ ዘለዉ ፅንፈኛ ሃይማኖት፣ ኣክራሪነትን መንደርተኝነትን ቀንዲ ተጠቐስቲ ምዃኖም’ውን ገሊፁ።

ናይ ውሽጢ ባንዳታት ሃይማኖት ሽፋን ብምግባር ምስ ናይ ደገ ታሪካዊ ፀላእቲ ብምውዳድ ብፍላይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ምስ ዘጋጠመ ረብሻ ብምትሕሓዝ እቲ ጎንፂ ናብ ክልል ደቡብ ከተማ ወራቤን ካልኦት ከባቢታትን ብምስፋሕ ህውከትን ዕግርግርን ንክፍጠር ፈተነ ከምዝገበሩ ይሕብር። ስለዚ ኢትዮጵያ ናብ ዝሓሸ ሰላምን ምርግጋዕን ንምምፃእ ተሳትፎ ኩሎም ዜጋታት ወሳኒ ‘ዩ ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሃይማኖት ጉልባብ ብምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተርኣዩ ህውከታትን ገበናትን ዝተሳተፉ ተጠርጠርቲ ፖሊስ ፌዴራል፣ ሓይሊታት ፀጥታ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ኣብ ቁፅፅር የውዕልዎም ከምዘለውን እቶም ተጠርጠርቲ ግቡእ ፍርዲ ከመዝረኽቡ ድማ ተሓቢሩ።

መንግስቲ፣ ዜጋታት ብሰላም ንከይነበሩ ስግኣት ዝኾኑ፣ ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገር ሓደጋ ንዘንፀላልዉ ኣካላት ምውሳድ ዝጀመሮ ስጉምቲ ብምጥንኻር ከምዝቕፅል ድማ ኣፍሊጡ።

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You