ስቓይ ህዝቢ ትግራይ የብቕዕ

 ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ከቢድ ቑልውላው ካብ ዝወድቕ ልዕሊ 17 ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ኣሎ። መብራህቲ፣ ምግቢ፣ ባንኪ፣ ትምህርቲ፣ ሕክምና ወዘተ ስኢኑ እናተሳቐየ ይርከብ። እዚ ከይኣኽሎ ኣብ ኩናት ተፀሚዱ ዝርከብ ጉጅለ ህወሓት መናእሰይ ተጋሩ እናገደደ የዕጥቖም ኣሎ። ደቖም ከጋድሉ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ወለዲ ይእሰሩ ከምዘለዉ ገለ ግዳያት እቲ ግፍዒ ዝኾኑ ውልቀሰባትን ፖለቲከኛታትን ምዝራብ ጀሚሮም ኣለው።

ሓደ ሓደ ወለዲ ደቖም ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ‘ውን ደቑኹም እንተዘይኣምፃእኹም ብምባል እናተኣሰሩ ይርከቡ። እቶም ወለዲ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ደቖም ብኸመይ ከምፅእዎም ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ከየአተወ ምእሳር ማለት ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። ወለዲ ክሳብ መዓዘስ ደቖም እናገበሩ ክነብሩ? ኣብዚ ጉዳይ እዚ ምስ ሓደ ናይ ወፃኢ ሚድያ ቃለ መሕትት ዝገበረ ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣይተ ክብሮም በርሀ ንኡሽተይ ሓፍቱ ክትዓጥቕ ድልየት ስለ ዘይብላ ኣዲኡ ከም ዝተኣሰረት ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ይሳቐን ይመውትን ምህላዉ ከይኣኽሎ ሕዚ ድማ ብግዴታ ንዑ ተጋደሉ፣ ዘየጋደልኩም ወለዲ ደቕኹም እንተዘይኣምፂእኹም እናበልካ ምእሳርን ምስቓይን ኣዝዩ ዘሕዝን ‘ዩ። ወለዲ ኣብ ዘይኣመንሉ ደቖም ብሓይሊ እናገፈፍካ ክቓለሱ ምግባር ተጣናኺሩ እናቐፀለ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ ኣካይዳ እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን ዘሕፍርን ተግባር ‘ዩ፤ ክቐሪ ‘ዩ ዝግበኦ፤ እዚ ጉጅለ እዚ ፈፂሙ ሰብኣውነት ዝባሃል ባህሪ ዘይብሉ ሓይሊ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ። መንእሰይ ትግራይ ክሳብ መዓዘ መስዋእቲ እናኸፈለ ክነብር፤ ቕድሚ ሕዚ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ዝኹሉ መስዋእቲ ከፊሉ እንታይ ረኺቡ እንተይልና ክሳራ እንተዘይኮይኑ ዋላ ሓንቲ ዝረኸቦ ጥቕሚ የለን።

ብርግፅ ህወሓት እዚ ግፍዒ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ምፍፃም ዝጀመሮ ሕዚ ኣይኮነን፤ ካብ እዋን ደርጊ ጀሚሩ ብምትላልን ብግድን ተጋደሉ እናበለ ዝፍፅሞ ዝነበረ ተግባር ‘ዩ። ከምዚኦም ዝመሰሉ ነገራት ካብ ባህሪ እቲ ውድብ ‘ዩ ዝነቕል። ዋላ ሓዱሽ ኣይኹን እዚ ግፍዒ እዚ ንህዝቢ ትግራይ ሕዚ ኣብዪ ተወሳኺ ፀገም ‘ዩ ኮይንዎ ዘሎ።

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ፀገም መዓዘ እዚ ጥራሕ ኮይኑ ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ካልኦት ብዙሓት ግፍዕታት ‘ውን እናተፈፀሙ ‘ዮም ዝርከቡ፤ ፍትሒ የለን፤ ናብ ቤት ፍርዲ እትቐርበሉ መስርሕ ‘ውን የለን። ካድረታት እቲ ጉጅለ ድላዮም ግፍዕታት ኣብ ርእሲኡ እናፈፀሙ ከምዝርከቡ ሓበሬታታት ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ጨቋኒ ስርዓት ጉጅለ ህወሓት ንኹሉ ትግራዋይ ሰንሰን ኣቢሉዎ ‘ዩ። ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ክገዝእ ስለ ዝደልይ ምልካዊ ዝኾነ ስርዓት ‘ዩ ዘርጊሑ ዝርከብ።

እዚ ስርዓት እዚ በዚ እንተቐፂሉ ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ‘ውን ንሃገር ከቢድ ሓደጋ ‘ዩ። ናብ ካልእ ሓደጋ ከይተሰጋገረ መንግስቲ ፌደራልን ህዝቢ ትግራይን ዝኾነ ፍታሕ ክገብረሉ ኣለዎ። ኣብ ትግራይ ሓድሽ መድረኽ ፖለቲካ ብምፍጣር ዝኾነ ፍታሕ ከምፅእ ኣለዎ። እንተዘይኮይኑ ብናይ ጉጅለ ህወሓት ኣካይዳ ህዝቢ ትግራይ ካብ ቚልውላው ናፃ ክወፅእ ኣይኽእልን። እዚ ውድብ እዚ ካብ ጥፍኣት ናብ ካልእ ጥፍኣት ካብ ምስግጋር ሓሊፉ ልምዓት፣ ለውጢ፣ ሰላምን ምርግጋዕን ከምፅእ ዝኽእል ኣይኮነን። ጉጅለ ህወሓት ናብ ቐልቡ ዝምለስ ውድብ ኣይኮነን፤ ካብ ጥፍኣቱ ተማሂሩ፣ ካብ ሕሉፍ ተሞክሮ ወሲዱ ህዝቢ ትግራይ ንቐፃሊ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ዘሳጋግር ኣይኮነን። እኳዳኣስ ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ‘ዩ ዝፍፅም ዘሎ። ብፍላይ ሐዚ ዝወፁ ዘለዉ ሓበሬታታት ከምዝሕብርዎ፣ ጉጅለ ህወሓት ኣብልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ካብ ዝነበሩ ግፍዕትታት ሕዚ ‹‹መኸተ›› ብዝብል ካድረታቱ ብኔትዎርክ ተኣሳሲሮም ንህዝቢ ትግራይ ደም የንብዕዎ ኣለዉ ‘ዮም። ሓረስታይ ብዘይ ፍርዲ ፈቐዶ ኣብያተ ትምህርቲ ይእሰር ኣሎ። ህይወት ሰብ ብጠገለ ዘይብሉ ኣሰራርሓ ይጠፍእ ኣሎ። ጉጅለ ህወሓት ዘቐመጦም ካድረታትን ምልሻታትን ንብረት ሓረስታይ ብዘይገደብ እናመንዝዑ ክሳብ ምውሳድ በፂሖም ኣለው። ኣብ ከተማ ‘ውን ካብ ሰብ ሃፍቲ እናፈራሑን ብሕሶት እናጠቀኑን ንውልቆም ሃፍቲ ዝእክቡ ብዙሓት ‘ዮም። ህዝቢ ብምኽንያት ስእነት ምሕደራ ቅርሕንቲ ይፈጥር ኣሎ ‘ዩ። ይኹን’ምበር እቲ ፓርቲ ኣብ ክንዲ ነቲ ፀገም ምፍታሕ ነዚ ከም መፍትሒ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ኣገዲድካ ምግፋፍ ከምዝኾነ መረዳእታታት እናሓበሩ ‘ዮም።

ኣብ ትግራይ ብዘይ ፍርዲ ምእሳር፣ ጉሕለት፣ ዓመፅ ደቒ ኣንስትዮ፣ ኣገዲድካ ምስላፍ፣ ፍትሒ ዘይምህላው፣ ዝመሳሰሉ ግፍዕታት እናተበራኸቱ ብምምፀኦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ሓደጋ ኣንፃላልዩ ‘ዩ ዝርከብ። ደቑኹም ዘየጋደልኩም እናተባህለ ግዳያት ማእሰርትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈላለዩ ግፍዕታትን ከይኣክል ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ፀገሙ ሃፍቱ ብሓይሊ እናተመንጠለ ንዕጡቓት ሓይሊ እቲ ጉጅለ ‘ዩ ዝውዕል ዘሎ።

ዕጡቓት እቲ ጉጅለ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ደቒ ኣንስትዮ ዓመፅ እናፈፀሙ ‘ዮም ዝርከቡ፤ ተሓታትነት ዝበሃል ነገር የለን። ምኽንያቱ ሕጋዊ ዝኾነ ምምሕዳር ብዘይምህላዉ ‘ዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብጉጅለ ህወሓት ዝፍፀሙ ዘለዉ ግፍዕታት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ከም ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ካብ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተመዛቢሎም ዝመፅኡ ተጋሩ’ውን ብሰፊሑ እናገለፅዎ ‘ዮም ዝርከቡ።

ህዝቢ ተደራራቢ ግፍዕታት ብዝበፅሕዎ ዘለዉ ምኽንያታት ዝተላዕለ ክፃወሮ ብዘይ ምኽኣሉ ናብ ካልኦት ክልላት እናተመዛበለ ‘ዩ ዝርከብ። ጉጅለ ህወሓት እቲ ፀገም ባዕሉ ዝፈጠሮ ምዃኑ ኣሚኑ ኣብ ክንዲ ምስትኽኻል ናብ ካሊእ ከላግብ ‘ዩ ዝስማዕ። ኩሉ ግዘ ንመንግስቲ ፌዴራል ምውቓስ ስርሑ ‘ዩ። ምውቓስ ጥራሕ ኣይኮነን ሕዚ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፍፀም ዘሎ ግፍዒ መንግስቲ ፌዴራል ከምዝፈጠሮ ገይሩ ‘ዩ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ክሰርሕ ዝውዕል።

ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ተጨኒቑ ዘይፈልጥ ውድብ ‘ዩ፤ ብሰንኩ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ሓደጋ ‘ዩ ኣንፃላልዩ ዝርከብ፤ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ስቓይ ክወድቕ ገይርዎ ‘ዩ። ብሰንኪ እዚ ጉጅለ እዚ ህዝቢ ትግራይ ናብ ጎረቤት ክልላት እናተፋናቐለ ‘ዩ ዝርከብ። ብዙሕ ህዝቢ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ተፋናቒሉ ‘ዩ። እዚ ዘሪአካ ድማ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞም ዘለዉ ግፍዒታት ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናሓየለ ብምምፅኡ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም እዚ ክናገፍ እንተኾይኑ ብዋናነት ህዝብ ትግራይ ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ሓልታት ትግራይን ኣብ ወፃኢ ዝነበሩ ተጋሩ ሃላዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ብምቕዳም ክቓለሱ ይግባእ። ኩሉ ትሕቲ ህዝቢ ምዃኑ ብምእማን ኣትሪሮም ክቓለሱ ኣለዎም። ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ንምምራሕ ዓቕሚን ድሌትን ስለዘይብሉ ኣብ ትግራይ ብልዝብ ዝኣምንን ጥቕሚ ህዝቢ ዘቐድምን ውደብ ብሓድሽ ወለዶ ክምስረት ኣለዎ። ህዝቢ ካብ መግዛእቲ ጉጅለ ህወሓት ሓራ ክወፅእ ኣለዎ። ኣብዚ መንግስቲ ፌደራል ‘ውን መፍትሒ ክገብረሉ ይግባእ። ስቓይ ህዝቢ ትግራይ ከብቕዕ ኣለዎ።

 መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You