‹‹ኸቢድ ፈተና ክገጥመና እዩ፣ ንኢትዮጵያ ግና ክነሳግራ ኢና›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ውሑዳት ሰሙናት ከምዘተረፍዎ ዝፍለጥ እዩ። ጣብያ መረፃታት ብምኽንያት ኩነታት ፀጥታ ሙሉእ ብሙሉእ ክኽፈት ኣይካኣለን ፣ምዝገባ መረፅቲ ‘ውን ብዝተደለየ መገዲ ብዘይምኻዱ ኣብ ዝሓለፈ ቦርድ መረፃ ምስ ተናሓናሕቲ ፓርቲ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ከምዘፍለጠ ዝዝከር እዩ።በዚ’ውን 15 ሚያዝያ 2013 ክዛዘም ዝነበሮ ምዝገባ መረፅቲ ተናዊሑ ኣሎ።እዚን ሓፈሻዊ ኩነታት ፀጥታን ብዝምልከት ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ክልል፣ ምምሕዳር ከተማታትን ቦርዲ መረፃን 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም ዘተ ኣካይዶም እዮም።ኣብቲ ዘተ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ከም ፀገምን ፍታሕን ኢሎም ዘቕመጥዎ ዋና ዋና ሓሳባት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና።ሰናይ ንባብ!

ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ዝገበርናዮ ገምጋማ ክስርሑ ይግበኦም ዝበልናዮም ዓብይ ምምሕያሽ ዝተረአዮምን ኣዕጋቢ ውፅኢት ዘምፀአን ከምዝኾነ የመልክት።ኾይኑ ግና መረፃ ንምክያድ ዘለና ግዘ ናትና ተሳትፎ ተሓዊሱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝሰራሕናዮ ስራሕ ንላዕሊ ተወሳኺ ፃዕሪ እንተገይርና ኸዚ’ውን እኹል ንከይኸውን ይኽእል እዩ።ሕድ ሕድ ክልል ፣ ዞባ ፣ ወረዳ ኣብዚ ሰሙን ዝገበሮ ፃዕሪ ምስ ቦርዲ መረፃ ዝገበሮ ውህደት ኣብ ቐፃሊ ሰሙን ኣስፊሑ ምድጋም እንተኺኢሉ ብዝተሳኸዐ መገዲ እቲ መረፃ ምግባር ይካኣል እዩ።እዚ ምግባር ካብ ሕድ ሕድ ክልል ትፅቢት ዝግበር ይኸውን።

ናይ ሎሚ መረፃ ንኢትዮጵያ ወሳኒ እዩ።ኢትዮጵያ ነዊሕ ዕድመ ዘለዋ ሃገር ምዃና ዝፍለጥ እንተኾነ’ውን ዘመሓድርዋ መራሕቲ መሪፃ፣ ብህዝቢ ተመሪፆም ከመሓድረዋ ናይ ምግባር ልምዲ ብጣዕሚ ዉሑድ እዩ ወይ ከዓ ኣይነበረን።ካብዚ መንፅር እዩ ካብ መረፃ ብዝዘለለ ካልኦት ኣማራፅታት ዝድለዩ፤ ናይዚ ልምዲ የብልናን።

ሓሳብ ኣኪቡ ተተወዲቡ ብከይዲ መረፃ ክኸፍሎ ዝግበኦ ዋጋ ኸፊሉ፤ህዝቢ ኣእሚኑ ብህዝቢ ተመሪፁ ስልጣን ናይ ምድሓዝ ልምዲ ስለዘይነበረ ብመንግስትን ብዝነሓንሑ ኣካላት ፈተንኡ ብዙሕ እዩ።ንሕና ኣብ መንግስቲ ዘለና ሓይልታት ኽልተ ሓላፍነት ኣለና፤ኢትዮጵያ ሰዓሪት ገይርና ንምውፃእ እቲ ሓደ ከይዲ መረፃ ብዝተኽኣለ መጠን ብህዝቢ ተኣማኒ ዝኾነ፣ዲሞክራሲ ንምምፃእ ዘኽእል፣ ኣብ እንገብሮ ዴሞክራሲ ልምምድ መሰረት ክኸውን ዝኽእል ንክኾን ዓብይ ሓላፍነት ኣለና።

ተነሓናሕቲ ፓርቲ ዘቕረብዎም ክስታትን ሓሓሊፉ ዝስምዑ ቦርዲ መረፃ ‘ውን ዘልዐሎ ሓሳብ ንሕና ኢና ክንርኢ ዘለና፤ ኣናእሽተይ ዝባሃል ጌጋታት ክንእርም ኣለና።ንእሽተይ ዝባሃል ጥፍኣት እናጥፋእና ተናሓናሕቲ ፓርቲ ተስፋ ንክቖርፁ፣ ቦርድ መረፃ ሓገዝ ኣይረኸብኩን ኢሉ ንክሓስብ ክንገብር የብልናን።ጌጋ ክንእርም ኣለና ።በቢዕለቱ ኣብ እትገብርዎ ዘተ ካብ ዝተሰርሑ ሰናይ ስራሕቲ ንላዕሊ ዝተሰርሑ ጌጋታት ብምግምጋም ክንእርም ክንኽእል ኣለና።

ምድግጋፍ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ባህሊ እንተዓብዩ ከቢድ ኣይኸውንን፣ካብ ዝሓለፍናዮም ፈተናታት ኣንፃር እዚ ንምስኻዕ ከቢድ ኣይኸውንን።ስለዚ ሕድ ሕድ ናይ ክልል መንግስቲ ሓላፊነት ኣባና ከምዝወደቐ ተገንዚብኹም ፣ምስ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት’ውን በምትሕብባር ብዝተኽኣለ መጠን ሕቶኦም ብምድማፅ ብፍላይ ድማ ቦርድ መረፃ ዘልዕሎም ሓገዛትን ካባኹም ዝፅበ ነገር ተወሳኺ ሓገዝ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለኩም።ጉዳዩ ንቦርዲ መረፃ ጥራሕ ብምሃብ ክንሓድጎ የብልና፣ቦርድ መረፃ ናይ መንግስቲ ኣካል እዩ፣መንግስቲ ብምዃና ካባና ዝፅበዩና ስራሕቲ ድማ ምትሕብባር ብጣዕሚ ኣድላይ እዩ።

ኣብዚ ዘሎ እቲ ሓደ ፈተና ካብ ወፃኢ እንልቀሖም ሓሳባት እዮም፤ኸዚ ኢትዮጵያ እናሓመሰ ዘሎ ሓሳብ ቅድሚ ሓምሳን ስልሳን ዓመት ምስ ሸቐጥ ካብ ወፃኢ ዝኣተወ እዩ።ዝኣተወ ሓሳብ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዲዛይን ተገይሩ ተሓሲብሉ ብትምህርቲ ስርዓት ብዝተፈላለየ መገዲ ናብ ትካላት መንግስቲ ንክኣቱ ተገይሩ፣ኣብዚ ዘሎ ሰብ ብትኽክል እንከይሓሰበ ፣እንተየሳላሰለ ዝመፀ ሓሳብ ብምውሳድ ፍልጠት ገይሩ በምቕባሉ ኣብ መንጎ ህዝብታትና ዓብይ ጎንፂን ደም ምፍሳስን ኣኸቲሉ እዩ።

ኸዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝዓንበበ ፖለቲካ ሓሳብ ቅድሚ ሓምሳን ስልሳን ዓመታት ዝመፀ’ምበር ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተወለደ ኣይኮነን።ተወሊዱ ዲዛይን ተገይሩ ተላኢኹልና ንሕና ድማ ከም ባዓል ዋና ነኒባዕልና ዝተጓነፅናሉ ሓሳብ እዩ።ዝሓሸ ንምምፃእ ፣ንፈልጥ ኢና ተማሂርና ኢና እንብል ሰባት ደጋጊምና በምኽንያት ምጥያቕ እናኻኣልና እዚ ብዘይ ምግባር ብጉጅለ ተኸፊልና ንምብላዕን ከም ሃገር ድማ ንድሕሪት ክንጉተት ገይሩና እዩ።ኸዚ’ውን ፀገም ኣሎ።

ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ሓፈሻዊ ብልፅግና ጉዕዞን ዘለዉዋ ዓበይቲ ራእይ ዝቀናቕኑ ሓይሊ ብዝተኽኣለ መጠን እቲ መረፃ ንክይሳኻዕ ገይርና ፣ኢትዮጵያውያን ነኒባዕሎም ኣባሊዕና ከም ሓደ ሓደ ጎረቤት ሃገራት ድኹም መንግስቲ ጥራሕ እንተይኾነስ፣እንእዝዞ፣እንብሎ ኹሉ ዝፍፅም መንግስቲ ንገብሮ ኢና ኢሎም ዶክመንት ኣዳልዮም ምዝርጋሕ ካብ ዝጅምሩ ውዒሎም ሓዲሮም እዮም።

መረፃ ብምብልሻው ዝተሰብሰበ ናይ ድኹማት ሓይሊ ባዕሎም ንባዕሎም ዘይደማመፁ፣ዘይከባበሩ፣ ብሓባር ሓይሊ ክሃንፅ ዘይኽእል ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ባዕሉ ውሽጢ’ውን ብጉጅለ፣ ብኣበልን ብመኪና ክራይን ዝጨቓጨቕ መንግስቲ ንክምስረት እዮም ዝደልዩ።እዚ ሓሳብ ናይ ኢትዮጵያ ሓሳብ ኣይኮነን ካብ ወፃኢ ዝኣተወ እዩ። ዝላኣኽዎም ሓይልታት ድልየቶም ድኹማት ኾይንና ሕልምታትና ንከይነሳኽዕ እዩ።ናትና ሕልምን ውፂኢታዊ ምዃን ንኣፍሪካ ዝፈጥሮ ነገር ስለዘሎ እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክገልፆ ዝደሊ ካብ መረፃ ወፃኢ ዝሸጋገር ዝደራደር መንግስቲ ኣይህሉን።ማንም ሰብ ስልጣን ክሕዝ ዝኽእል ብመረፃ ጥራሕ እዩ።እዚ ፈሊጡ ክደራደር ዝኽእል ሓይሊ ሓሳብ እንተሃልይዎ ህዝቢ ኣእሚኑ ንክምረፅ ንሕና ድማ እቲ መረፃ ዴሞክራሲያዊ ንክኸውን እንደሊ ሓይልታት ብዝተኽኣለ መጠን እቲ ዓውዲ ዝምችው ምዃኑ ፈሊጥና ኣብ ኢትዮጵያ ብመረፃ ጠንካራ መንግስቲ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ኣለና ።ካብዚ ወፃኢ ዘለዉ ሕልምታት ሓቂ ኣይኾኑን።ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ዲሞክራሲ ንድሕሪት ንከይምለስ ዝፎኻኸሩን ህዝብን መንግስትን ብልዑል ሓላፍነት ስምዒት ምስራሕ ክህልወና እዩ።

መንግስቲ ካብ ዘይለመዶ መገዲ ኣውፅኢኻ ናብ ዝለመዶን ዝዓበየሉን ነገር ምውሳድ ቐሊል እዪ።ንሕና ግና ንኢትዮጵያውያን በምትሕብባር ብምድግጋፍ መንፈስ ብዝተኽኣለ መጠን ንጉዕዞ ዲሞክራሲ መሰረት ዝኾን መረፃ ክንገብር ኣለና።ኩላትና ከምንፈልጦ ኢትዮጵያ ኣብ ካርታ እያ ዘላ፤ውሽጣ ፈሪሱ እዩ። ብቐሊሉ ክነባልዓ ንኽእል ኢና ዝብሉ ኣለው።ኣብ ቅድሜና ዘሎ ክረምቲ ብመረፃ ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ኢትዮጵያ መፃኢ ዕድል ወሳኒ እዋን እዩ።ናይ ፀላእትና ሕልሚ ብዘየሳኽዕ መገዲ ተወሳኺ ሓላፍነት ወሲድና ሰሪሕና መረፃ እንተኣሳኺዕናዮ ኢትዮጵያ ትስዕር እያ።

ኢትዮጵያ እንተሲዒራ ኢትዮጵያውያን ተጎዳእቲ ክኾኑ ኣይኽእሉን።መረፃ ብልፅግና ንክስዕር ወይ ካልእ ፓርቲ ንክስዕር ጥራሕ እንተይኾነስ ኢትዮጵያ ንክትስዕር ክኾን ኣለዎ።እዚ ንምስራሕ ድርብ ሓላፍነት ስለዘለና መረፃ ዲሞክራሲያዊ ንክኸውን፣ሰላማውን ብህዝቢ ተኣማንነት ዘለዎ ንክኾን፣ንቐፃሊ ዘመን መረፃ ትምህርቲ ወሲድናን ተዳሊና ዝሓሸ ነገር ንምምፃእ ክንሰርሕ ኣለና።

መረፃ ከምዝትፈልጥዎ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣሜሪካ መረፃ ብጣዕሚ ዝሰልጠነ እዩ ኣብ ዝባሃል ሃገር ብዙሕ ፀገማት ነይሮም እዮም።በቢመዓልቱ ሰብ ይቕተል ፣ኸዚ’ውን እናሞተ እዩ ዘሎ።መረፃ ተጭበርቢሩ ዝባሃል እቲ መረፃ ከይተጀመረ ፣ኣብ ከይዲ እናሃለወን ምስተወደ’ውን እዩ።ዝተወደቡ ሓይልታት ብዘይተለመደ መገዲ ሽብር ንምፍጣር ሞኪሮም እዮም።ብብዙሕ ሃገራት ዝረአ ሕማም ስለዝኾነ ኣብዚ ኸዚ ድማ ኣብ ናይ ሶሻል ሚድያ ዘመን ምንም ዓይነት ፀገም ኣይገጥመናይ ኢልካ ምሕሳብ ስራሕ ዘይምፍላጥ ተዘይኾይኑ ፀገም የጋጥም እዩ።እዚ ፀገም ቐዲምና ፈሊጥና ትልሚ ኣውፅኢና ነዚ ትልሚ ተገዚእና እንተሰሪሕና ግና ዝሓሸ ነገር ክመፅእ ግድን እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያን ተናሓናሕቲ ፓርትታትን ደጊሞም ምሕሳብ ዘለዎም ነገር ስልጣን ንምድሓዝ ዘሎ መገዲ ሓደ እዩ።ንሱ’ውን መረፃ እዩ። ካብዚ ወፃኢ ዘለዉ ሕልምታት ስለዘይሳኽዑ እዚ ብሕታዊ መገዲ ንከይበላሸው ብምትሕብባርን በምድግጋፍን መንፈስ ምስራሕ ፅቡቕ እዩ ዝኸውን ።

ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ስልጣን ንምሓዝ ኸዚ ዘሎ ሁከት ንፈልጦ ኢና።ዝሰርሕ ብልሓት ዴሞክራሲያውን ሰላማውን መረፃ ጥራሕ እዩ።ብመረፃ እንተኾይኑ ብተደጋሚሚ ከምዝበልናዮ ስልጣን ብምልቃቕ ኢትዮጵያ ሰዓሪት ክንገብር ኢና።

ንሃገርና ዲሞክራሲን ሰላምን ኣድላይ እዩ፣እዚኣቶም ተዘየማሊእና ብልፅግና ኣይመፅእን። ብልፅግና ተዘይመፂኡ፣ ድኻ ሃገር ብዛዕባ መሰል ክዛረብ ኣይኽእልን ። ካብ ልመና ወፂና ብምትሕብባር ንምኻድ ድማ እቲ ሓደ ሕውነታዊ ስሚዒት እዩ።ብሕብረት ዓቢና ናይ ሓባር ሃገር ክንፈጥር ኢና እንተይልና ሰላምን ዲሞክራስን ምርግጋፅ ይካኣል እዩ።ነዚ’ውን ከም መራሕን ከም ዜጋን ሕድሕድ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ልዕሊ ቴስዓን ሓሙሽተን ሚኢታዊ ኣስተዋፅኦ ክገብር ኣለዎ።ብርግፅ ዴሞክራሲ በመንግስቲ ጥራሕ ዝረጋገፅ ኣይኮነን።እቲ ማሕበረሰብን ተናሓናሕቲ ፓርትታትን ዴሞክራስያዊ ባህሊ ተዘይብሉ መንግስቲ ጥራሕ ከምፀኦ ኣይኽእልን ።ስለዚ ናይ ኹላትና ምትሕብባር ኣድላይ እዩ።

ምስ እዚ ተደሓሒዙ ኩነታት ፀጥታ ብዝምልከት ኹላትና ከምንፈልጦ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ፣ ፖሊስ ፌደራል፣ በቢክልሉ ዝርከቡ ሓይሊ ፀጥታ በቢመዓልቱ ናይ ዜጋታቶም ሂወት ንምድሓንን ቐፃልነት ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መስዋእትነት እናኸፈሉ እዮም።በቢመዓልቱ ፖሊስን ወታደርን ህዝቢ ንምድሓን ይመውት እዩ።ኸዚ ዘለና ፀገም ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንከይትቕፅል ዝደልዩ ሽፍታታት ሾሊኾም ብምእታው፣ሰራዊት መከላኸሊ ሓሊፎም ንፁሃን ዜጋታት ብዘይግባእ መገዲ ዝዕፍኑ፣ዝቐትሉን ዘፈናቕሉን ዘጎሳቑሉን እዮም።እዚኦም ሓይልታት ንምክልኻልን ጠጠው ንምባልን መላእ ዓዲ ፈታዊ ዜጋ ምስ መከላኸሊ ሃገር ፣ምስ ፖሊስ ምስ መንግስቲ ብሓባር ጠጠው ክብል ኣለዎ።

ብተደጋጋሚ ተወሳኺ ሓይሊ ሰብ ንደሊ ኢና መፂኹም መከላከያን ፖሊስን ኣጠናኽሩ እናበልና ዘይሰምዐ ብፌስቡክ እንተጠርዐ ኢትዮጵያ ኣየድሕናን።ኢትዮጵያ ንምድሓን ዝደሊ ኣካል እዚኦም ትካላት ከጠናኽር ኣለዎ።ንህዝቢ ኢትዮጵያ ንምህዋኽ ዝትሃንጠየ ሓይሊ ከምዘሎ ግልፂ እዩ።ኣብ ውሽጥና ዘለዉና ፀገም ብዝተኽኣለ መጠን በምትሕብባር ናይ ሰብ ሞት ፣ሓደጋ ምምዝባል ቀኒሱ ቀንዲ ቀንዲ ጉዳያት ተነተኩር ይሕሸና።

ሕልሞም ብደቡብን ብሰሜን ጫፍ በቲኖምና ብዝተስተኻኸለ ቁመና ሃገርና ጠጠው ምባል ከይንኽእል ኣናእሽተይ ጎንፂ እናፈጠሩ ሓይሊ እናበተኑልና እዮም።ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ዝርከቡ ምልሻን ማሕበረሰብን ፍርቁ ብኢንፎርሜሽን ፣ፍርቁ ምስ መከላከያ ሓቢሩ በምስላፍ እናተሳተፈ ይርከብ።ብቁልጡፍ እዚ ጠጠው ክነብሎ ተዘይኽኢልና ናይ ጎንፂ ቐፃልነት መሰልቸዊ እዩ ዝኸውን።እዚ ከይዱ ከይዱ ደቅናን ሃገርናን ከስእነና ስለዝኽእል ብሓላፊነት ትካላት ፀጥታ ብምጥንኻር ሓቢርካ ጠጠው ምባል የድሊ።እዚ ንምግባር ተዘይኪኢልና ከም ሃገር’ውን የፀገም እዩ።

ሃገራዊ ሕልሚ ተተጨንጊፉ ተጠቃሚ ዝኸውን ኢትዮጵያዊ የለን ፣እቲ ዘጨናግፍ ኣካል ንባዕሉ ሓዊሱ ተጎዳኢ እዩ ዝኸውን።ኸዚ ዉሑዳት ኣሸበርቲ ዘይኾኑ ፈተና ዝኾኑ ሃገር ፈተውቲ ኢና ዝብሉ ሓይልታት ብዘይምድግጋፎም እዩ ፈተና ኾይኑ ዘሎ።ንዑ መከላከያ እተው መልሲ የለን ፣ናብ ፖሊስ እተው መልስ የለን ፣ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሎም ግና ሰላም ይብሉ ፤በዚ መልክዑ ሰላም ምርግጋፅ ኣይካኣልን።

መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቐረዩ እዋናት ሕገ መንግስታዊ ዝኾነ መሰሉ ንሱ ዝደልዮ መንግስቲ ንምጥያሽ ምችው ኩነታት’ኳ እንተዘይሃለየ ካርድ ክወስድ ኣለዎ፤ካርዲ ወሲዱ ዝደልዮ ክመርሐኒ እዩ ዝብሎ ሓይሊ ክመርፅ ኣለዎ።ክመርሐኒ እዩ ኢሉ ህዝቢ ዝመረፆ ድማ ንሕና ክነኽብር ኣለና።እዚ ዓብይ መሰረት ዝገድፍ እዩ።

ብልፅግና ሓሳብ እንተሃልይዎ ፣ብልፅግና ሃገር ዘሳግር ራዕይ እንተሃልይዎ፣እዚ ሓሳብን ራእይን ብትኽክል ንህዝቢ ዝሸጥ እንተኾይኑ በቢእዋኑ ንዘጋጥሙ ፀገማት ኣካል ክኾን የብሉን።ፀገም ዝፈጥሩ ሓሳብ ዘይብሎም እዮም።ሓሳብ ኣለና እንተይልና ሓገዝቲ፣ፀገም ዘይንፈጥር ክንኾን ኢና ዘለና ፣እንተሰሪሕና ምቕያር ከምንኽእልን ውፅኢት ዘርእይን እዩ ፣ተዘይሰሪሕና ግና ንመን ክንኸስስ እዩ፡

ኣብ መረፃ ፀጥታ ብዝምልከት ዘቐመጥናዮ በቢክልሉ ብሰለስተ ዓይነት ፣ቀይሕ፣ቢጫ፣ቆፃል ኢልካ ምኽፋል እዩ ።ቀይሕ ኢልና እንኸፍሎም መረፃ ጣብያ እንተሃልዩ በሃገር መከላኸሊ ፣ብፌደራል ፖሊስ ብክልል ፖሊስ ብምውዳብ ኣብ መረፅትን ተመረፅትን ምንም ዓይነት ፀገም ንከይፍጠር ክሰርሕ ኣለና።ቢጫ እንብሎም ድማ ብብርኪ ክልል ዝሓሹ እንብሎም ፀገም ንከይፍጠር ግና ብናይ ባዕሎም ፖሊስ ምቁፅፃር ዝኽእሉ ፣ ጣብያ መረፃ ንምሕላው ዝፅገሞ ክልል የለን ፣ ንሕና ዘፀግመና እናተሓብአ እናኣተወ ሰብ ዝቐትል ሽፍታ እዩ ።

ናይ ሎሚ ገምጋማ እቲ ዓብይ ትኹረት ዘይተኸፈቱ መረፃ ጣቢያ ብስፍሓት ምዝገባ ንምክያድ፣በዚ መሰረት ኣብ ቐፃሊ ብዛዕባ ጣብያ መረፃ ዘይምኽፋት ዘተ ኣይህሉን ።ጊዜ የብልናን።ኣብ ኹሉ ዘሎ ሪፖርት ዝበረታታዕ እዩ፤ኮይኑ ግና ከይንዘናጋዕ፣ መረፃ ጣብያ ብዝምልከት ዳስ ብምግባር ንዝዕዘቡ ሰባት ብዝምችው መልክዕ ምግባር ዘፀግም ስራሕ ኣይኮነን ፣ዘይተማለአ ናውቲ ነማልእ፣ንመረፅቲ ብዝምችው ገይርካ ምስራሕ ይካኣል እዩ።

ፀጥታ ብዝምልከት ኮሚቴ ፀጥታ ገምጋም እናካየደ ፀኒሑ እዩ፣በቢክልል ቀይሕ ኢልና ዝፈለናዮም ቦታታት ፌደራልን ክልል ፀጥታ ሓይልታት ጥምረት ዝሽፍንዎ እዩ ዝኸውን።ስግኣት ዝኾኑ ቦታታት ፌደራል ፖሊስ ምስ ክልል ፖሊስ ብምትሕብባር ዝሽፍን ይኸውን።ንመረፅቲ ፣ንተዓዘብቲ ንሚድያ ዘየምቹ ቦታ እንተኾይኑ እዚ ኹሉ ገንዘብን ግዘን ምብኻን ኣየድልን፤እዚ ኹሉ ሃፍቲ ዝጠፍእ ንድራማ ኣይኮነን ዴሞክራሲ ንምምፃእ እዩ።

ብመንግስቲ ወገን ቦርዲ መረፃ ብምሕጋዝን ኢትዮጵያ ዘሳግር ዴሞክራሲ ንምጅማር ዘኽእል ህዝብታት ፈትዮምን ፈቒዶም ዝመረፅዎ ሓይሊ ንክተመሓዳድሮም ምግባር መንግስቲ ዓብይ ፃዕሪ ክገብር እዩ።እዚ ምግባር ስራሕና እዩ።ዜጋታት ብዝምልከት መረፃ ካርድ ኣውፅኢኻ ዝደለዮ ምምራፅ ጉዳይ ካብ ዜጋ ዓብይ ሓላፍነት ትፅቢት ይግበር።እዚ መረፃ የድልየና እዩ፣ ከይበላሸወና ናይ ኩላትና ተሳትፎ ኣድላይ እዩ።

ምስትውዓል ብልዑል ሓላፍነት ምርኣይ እዚ ጉዳይ ብምስጋር ንሃገርናን ንደቅናን ዘለዎ ረብሓ ንምርኣይ ካብ ኹላትና ትፅቢት ዝግበር እዩ።ክነስተውዕል ዘለና ነገር ንሕና ዝተሸከምና ኢትዮጵያ እዩ።ኢትዮጵያውያንን ኢትዮጵያን ንምስጋር ክሳብ ዓብይ መስዋእትነት ክንከፍል ኢና።ተሓባቢርና እዛ ሃገር ክነሳግር ኣለና።ካብዚ ወፃኢ ዘሎ ብሕጊ ኣግባብ ሕጋዊ ስጉምቲ እናወስድና ንምስትኽኻል ካብ ኩላትና ዝፅበ እዩ።ዋጋ ክንኸፍል ኢና።መስዋእትነት ክንኸፍል ኢና።ኸቢድ ፈተና ክገጥመና እዩ፣ ንኢትዮጵያ ግና ክነሳግራ ኢና።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ21ሚያዝያ2013

Recommended For You