
ካብ ቐረባ እዋን ናብዚ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ በቢክፍለ ከተመኦም ልዕሊ ዝኾነ እዋን ተኣኪቦም እናተዛተዩ ይርከቡ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ራስ ሆቴል ተረኺቦም ስፍሕ ዝበለ ህዝባዊ ዘተ ዝገበሩ ተጋሩ ነበርቲ ክፍለ ከተማ ልደታ ርሱን ተሳትፎ እናገበሩ ኣስውዒልና ኢና፤ ኣፍቲ ወድዓዊ ኹነታት ብርክት ዝበሉ ተወለድቲ ትግራይ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ መብዛሒትኤን ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን ተረኺበን ዝተፈላለዩ ሕቶታን ሓሳባትን ተላዒሎም እዮም።
እቶም ተሳተፍቲ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብኽልተ ኣንፈት ገጢምዎም ዘሎ ኸቢድ መቐራቕሮ ብኸመይ ከምዝዋፅእዎን ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዓብዪ ኽሳራ ሰብኣዊ ሃፍትን ኢኮኖምን ሞራሎም ከምዝጎድኦ እንትዛረቡ ዳርጋ ኹሎም ብንብዓት ተዓጂቦም እዮም። ዋላኳ ኣፍቲ ዋዕላ ንዘተ ዝኸውን መፅናዕታዊ ፅሑፍ እንተቐረበ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ግና ነቲ ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ልዕሊኦም እናበፅሐ ንዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብዘይ ዕረፍቲ ዝረግፍ ዘሎ ኽቡር ህይወት ሰብን ቑጠባዊ ውድቀትን ዝፈጠረሎም ስምዒት ተስፋ ምቑራፅ ኣዝዩ ትኹረት ዘድልዮ ከምዝኾነ ተዛሪቦም እዮም።
ኣፍቲ ዘተ ዘልዓልዎ ጉዳይ ኽልተ መቐራቕሮ፤ እቲ ሓደ ብወገን ራዕዳዊ ህወሓት ዝበፅሕ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕን ኲናትን ከምኡ ‘ውን ሓዱሽ መለዶ ትግራይ ብዘይ ሓድጊ እናጠፍአን ብጥምየትን ብሕማምን ዝተሃሰየት ትግራይ ዝፈጠረሎም ኸቢድ ሓዘን ምዝራብ እስካዕ ዝኣብዮም ስምዒቶም ዝጎድኦ እንኸውን፤ እቲ ኻልኣይ ድማ ብሓደ ሓደ ውልቀ ሰባትን ሹመኛታትን ከምኡ ‘ውን ኣካላት ፀጥታን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ዝፍፀሙ ዘለዉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ከምኡ ‘ውን ኣድለይቲ ዘይኮኑ ፀርፍታን፤ ኾነ ተባሂሉ ትግራዋይ ኽሳዱ ከድንን ዝግበሩ መሸቑረርቲ ተግባራት፤ ንኣብነት ኹሎም ተጋሩ ጁንታታት እዮም ክጠፍኡ ኣለዎም እናተብሃለን ካብ ስርሖም ይኹን ካብ መንበሪኦም ብዘይ እኹል መረዳእታ እናተወሰዱ ናብ ቤት ማእሰርታት ከምዝዳጎኑን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ስድራ ከይረኽቦም ከምዝግበር ኣፍቲ መድረኽ ዘተ ብኣዴታት ዝተልዓሉ ሕቶታን፤ ሰላም ንደልይ ኢና መሰልና ይከበረልና ዝብል ምሕፀናን ቐሪቦም እዮም።
ኣፍቲ ዝተገበረ ዋዕላ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰማዒ ቅሬታ እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ክብራለም ደምሴ ተረኺቦም መዛተዪ ፅሑፍ እንተቕርቡ ከምዝገለፅዎ፤ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኹነታት ምስ ዓለምለኸ ጉዳያት ብምጥማር እንታይ ከምዝመስል ኣብሪሆም’ዮም።
ኣይተ ክብራለም ኣፍቲ ዘቕረብዎ መዛተዪ ፅሑፍ ከምዝገለፅዎ፤ ሩባ ኣባይን ከባቢ ቐይሕ ባሕርን ዓለምለኸ ኣጀንዳ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ራዕዳውያን ጉጅለታት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ሕብረት ብምፍጣር ምስ ናይ ደገ ፀላእትና እናሰርሑ ከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም።ካብ ኣዴታት ተጋሩ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ዝቐረቡ እንትኾኑ፤ ብፍላይ ኣብ ሰላም ኣድሂበን ካብ ዝተዛረብኦ ሰሓባይን ፍታሕ ዝኸውን ሓሳብ ገሊፀን፤ ‹‹ኣንሕና ተጋሩ ቐደምና ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ማእኸል ዓዲ ክንነብር ኸለና ምስ መከላኸሊ ሃገር ይኹን ምስ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዘርኢ ከይፈለና ብሰላም ብፍቕርን ብሕውነትን እናነበርና ፀኒሕና ኢና ሐዚ ‘ውን ምስ ኣሕዋትና ክንነብር ኢና›› ክብላ ስምዒተን ኣንፀባሪቐን እየን።
ይኹን ‘ምበር መብዛሕትኡ ትግራዋይ ደላዪ ሰላም እንኾነ ‘ውን፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ብሰንኪ ጉጅለ ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ልዕሌና ዝበፅሕ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝቃለሰልና መን እዩ? ዝብል ተደጋጋሚ ስምዒት ዘለዎ ሕቶ ዝተልዓለ እንትኸውን ብሓንቲ ትግራወይቲ መንእሰይ ዝቐረበን፤ ብተመሳሳሊ ደቂ ተባዕትዮ ‘ውን ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ናፅነት ከምዝሰኣኑን ብቋንቋ ትግርኛ እንትዛረቡ ፅዕንቶ ከምዝፈጥረሎም እዚ ድማ ብመን ክፍታሕ ከምግባእ ደጋጊሞም ሓቲቶም እዮም።
ኣፍቲ ህዝባዊ ዘተ ዝተረኸቡ መስራቲ ራእይ ምንቅስቓስ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ኣይተ ሊላይ ሃይለማሪያም ብዛዕባ ወድዓዊ ኹነታት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እንትዛረቡ ኣዝዩ ብዘሕዝን ስምዒትን ድሕሪ ሕጂ እቲ ዝተረፈ ትግራዋይ ህይወቱ ካብዞም ካሕዳማት ዕላማ ህዝቢ ዘይብሎም ራዕዳውያን ህወሓት ክሕልዋ ከምዝግባእ ትኹረት ተማሕፂኖም።
ኣይተ ሊላይ ብቋንቋ ትግርኛ እዚ ዝስዕብ ሕቶ ንተሳተፍቲ ሓቲቶም‹‹ትግራይ ሐዚ ከመይ ኣላ፣ ደሃይ ትግራይ ኣለኩምዶ?›› ኢሎም እንትሓቱ ኹሉ ኽሳዱ ደፊኡ ሓዚኑ፣ መብዛሕትአን ኣዴታት ንብዓተን ኣፍሲሰን እየን። ቐፀሉ ዘረበኦም ልቢ ብዝትንክፍን ብዘጣዕስን ስምዒት ‹‹ትግራይ ረመፅ ክንገብራ ኢና ኢሎም ፈኪሮም፣ ትግራይ መቓብር ክንገብራ ኢና ኢሎም ፈኪሮም በዓል ደብረ ፅዮን ከምታ ዝበልዋ ዕሸላት ትግራይ ይረግፉ ኣለዉ›› መቓብር ክንገብራ ኢሎም ህዝብና ብሰንኪ ጉጅለ ራዕዳዊ ሞት ተፈሪድዎ ይረግፍ ኣሎ፤ ህዝብና ብሰንኪ ግብረ ራዕዲ ሰለስተ ወለዶ ስኢኑ እቲ ናይ ሐዚ ግን ካብ ኩሉ ዝገደደን ዕላማ ዘይብሉ መስዋእትን ጥፍኣትን ኣንጊዶሞ፤ ህዝቢ ትግራይ ኣብዘይፈልጦን ኣብዘይጠቕሞን ብዘይ ሓንቲ ምኽንያት ክጠፍእ ይገብርዎ ኣለዉ፤ ናታቶም ምኽንያት ግና ሓንቲ እያ እሳ ‘ውን ስልጣን ንምርካብ፤ እሞ ስልጣን ክረኽቡ ክብሉ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ዶ ይግበኦ? ክብሉ ሓቲቶም።
ኣዴታት ትግራይ ከየዕረፋ ካብ ሓዘን ናብ ሓዘን ዝሰጋገራ ዘለዋ ብሰንኪ ጉጅለ ራዕዲ ከምዝኾነን ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ጉጅለ ራዕዲ ነቲ ሰላምን ሓድነትን ዝደልይ ትግራዋይ እናጠቆሙ ሽሙ እናጥፍኡ ነንርእሱ ንኽባላዕ ኣብ ምግባር ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ እዚ ዝወርድ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ጠጠው ንኽብልን ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዕላማን ጥቕምን ዘይብሉ ኲናት ጠጠው ንኽብል ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ኣብ ወፃኢ ዝርከቡን ተጋሩ ብሓድነት ብምዃን ኣብ ቐረባ እዋን ሰልፊ ክንገብር ኢና፤ በዓል ኣሸንዳ’ውን ክነኽብርን ብፍላይ ድማ ኣንሕና ተጋሩ ምስ ኻልኦት ብሄር ብሄረሳባት ኢትዮጵያ ኾይንና ኣብ ጎኒ መከላኸሊ ሃገር ጠጠው ብምባል ንሰላም መገዲ ክንኸፍት ይግበአና ኢሎም።
እቶም ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረቡ ሕቶታት ምላሽ ዝተውሃቦም እንትኾን፤ ብዛዕባ እቶም ዝእሰሩን ናይ ንግዲ ቦቶኦም ዝተዓሸጎም ውልቀ ሰባት እንትምልሱ፤ እቶም ዝዕፀዉ እንዳ መስተ ኣብ ውሽጦም ምስ ጉጅለ ራዕዲ ህወሓት ዝሰርሑን ገንዘብ እናዋፅኡ ዝሕግዙን ሰባት ስለዘለዉዎም እንትኸውን ኹሎም ዝተዓሸጉ ገዛውቲ ድማ ናይ ተጋሩ ጥራሕ ከምዘይኮኑ ኣብሪሆም።
ብተወሳኺ ድማ ተጠርጢሩ ዝእሰር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኸቢድ ጉዳይ ከምዘይኮነ እኳ ድኣስ ንሃገር ሓደጋ ዝኾኑ ሰባት ክሕተቱ ከምዝግባእ ዘብራህርሁ ኣይተ ሊላይ፤ ጉጅለ ራዕዲ ኣብዚ ሐዚ ዘለናሉ ኣኼባ ከይተረፈ ኣብ ውሽጥና ውልቀ ሰባት እናሰደደ ምስ ብልፅግና ዝሰርሑ እናበለ ዝስልልን ተጋሩ ክእሰሩ ዝገብር ዘሎ ባዕሉ ጉጅለ ህወሓት ከምዝኾነ ብመረዳእታ ኣረጋጊፀ እየ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይን ደለይቲ ሰላምን ዓርሶም ካብዚ ግፍዐኛ ጉጅለ ራዕዲ ከግልሉን ፊት ንፊት ኾይኖም ክቃለስዎን ድሕሪ ሐዚ ይኣክል ኢሎም እቶም ዝተረፉ ዕሸላትን መናእሰይን ከድሕን ከምዝግበኦ ብምሕባር ጉጅለ ራዕዲ ማለት ህዝቢ ትግራይ ንኽረግፍ ዘፈረደ ዕላማ ዘይብሉ ናይ ጥፍኣት ሓይሊ ስለዝኾነ ንሓንሳእን ንመወዳእታን ንኽጠፍእ ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ብምዃን ክንፋለሞ ኢና ኢሎም።
ትርሓስ ፍቃዱ
ጋዜጣ ወጋሕታ 4 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም