‹‹ንዝሞተ ህወሓት እናሞተ ዝፅበ ኣካል ክህሉ ኣይግባእን ›› ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣብ ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዋና መተሓባበሪ ስራሕቲ ህንፀት፤ ሌተናል ጄነራል ባጫ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም ነይሮም። እቶም ሌተናል ጄነራል ኣብ መግለፂኦም ኣብ ሸሞንተ ዝተፈላለያ ከባብታት ክልል ትግራይ እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ጉጅለ ሽፍታ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሉ፤ሓይሊ መከላኸሊ ሃገር ብዝወሰዶ ስጉምቲ ኣብ ሸሞንተ ዝተፈላለያ ከባብታት እናተንቀሳቐሰ ዝነበረ ዕጡቕ ሓይሊ ደምሲሱ እዩ ኢሎም።ኣፍቲ ኸይዲ ምህዳን ገበነኛታት ብርክት ዝበሉ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከምዝውዓለ ገሊፆም።ካብ ሙሉእ መግለፂኦም ካብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዩትዩብ ዝረኸብናዮ ዋና ዋና ጉዳያት ከምዝስዕብ ኣቕሪቢናዮም ኣለና።

ኣብ ከባቢ ትግራይ ብሸሞንተ ጉጅለ ዝተወደበ፣ ብሸሞንተ ሸፋቱ ኣመራርሓ ተኸፊሎም ዝነበሩ ንምድምሳስ ብሓደ ግዘ ወፍሪ ተኻይድሎም እዩ። እዚኦም ከባቢታት ኣፅብን ምብራቕ ትግራይን፣ ዋጅራትን ቦራን ከባቢ ራያ ዘሎ፣ ሰሜን ምብራቕ መቐለ፣ሓውዜን ፣ውቕሮ ማራይ ኣብ ኣኽሱም ከባቢ ዝርከብ በዚኦም ከባቢታት ሰፊሕ ናይ ሽፍታነት ተግባር ኣብ ዝፍፀመሉ እዋን ወፍሪ ተኻይድሎም እዩ።

ኣብዚኦም ከባብታት ወፍሪ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ኣብዚ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ምፍላጥ ኣድላይ እዩ ዝኸውን ።እዚኦም ኸባቢ ኣንእሽተይ መዐለሚታት ዝነበርዎን፣ናይቲ ጁንታ መራሕቲ ንባዕሎም ዝሕልዎም ወታደራት ነይሮም እዮም።ስለዚ እዚኣቶም ሰባት ንምድሓዝ ንዓኣቶም ኸቢቡ ዝሕልዎም ሓይሊ ምጥቃዕን ምድምሳስን ስለዝነበረ እዚኦም ኣጥቂዕና ምሉእ ብሙሉእ ተደምሲሶም እዮም።

መዐለሚ ዝነበረ ተወቂዑ እዩ፣ኣብኡ ዝነበሩ ተበታቲኖም እዮም።ዝሞቱ’ውን ሞይቶም ፣ንዓኣቶም ኸቢብዎም ዝነበረ ሰራዊት’ውን ድሕሪ ሐዚ ኻልእ ሰራዊት ኾይኑ ክቕፅል ብዘይኽእለሉ ብርኪ በፂሑ እዩ።ስለዚ እዚ ፀላኢ ኣብዚ ኸባቢ ምሉእ ብሙሉእ እንትድምሰስ ወይ ከዓ እንትጠፍእ እቲ ከባቢ ነፃ እዩ ዝኸውን ፣ንዓኣቶም ንምድሓዝ እውን ምችው ኩነታት ይፍጠር እዩ።

ነዚ እዩ ኣብ መጀመርያ ዝኸበቦ ንምጥፋእ ዝግበአና።እዚ ዝኸበቦ ሓይሊ ወይ ከዓ ወታደር ስንቂ የምፀአሉ ፣ቅተል ንዘበሎ ይቐትለሉ፣ድፋዕ ሒዙ ይከላኸለሉ፣እሱ ንምህዳም ኣብ ዝደልየሉ እዋን መስዋእትነት ይኸፍለሉ።ስለዚ እዚ ሓይሊ ምድምሳስ አማራፂ ዘይብሉ ተግባር ስለዝነበረ ምሉእ ብሙሉእ ኣብ ላዕሊ ኣብ ተገለፁ ቦታታት ተደምሲሶም እዮም።በዚ ዓይነት መገዲ እዩ ምስኡ ዝነበረ ሓይሊ ንክድምሰስ ዝተገበረ።

እዚ ሓይሊ ንምንታይ ኣብዚ ከባቢ ተኣኪቡ ዝፀንሐ ኢልና ሕቶ እንተቕሪብና እቲ ቀንዲ ዕላምኡ መቐለን ከባቢኣን ዋና ዋና መንገዲ ምዕፃው እዩ ነይሩ።እዚኦም መንገዲ እንድሕር ተዓፅዮም እቲ ሓደ ዋና መንገዲ እዩ፣ዋና ናብ መቐለ ዝወስድ መንገዲ እዩ፣ናብ ህዝቢ ሓገዝ ዝኸደሉ መንገዲ እዩ፣ንሰራዊት ስንቅን ዝኾነ ዓይነት ግልጋሎት ዝግበር በዚ መንገዲን ከባብን እዩ፣ስለዚ እዚ ኸባቢ ምዕፃዉ በዚ ኣጨኒክኻ እትደልዮ ምስኻዕ ማለት እዩ።

እቲ ኻልኣይ ህወሓት ብኹሉ ኸባቢ ብኣእምሩኡ ዝፈጠሮ ነገር ኣሎ፣ሓሰውቲ እዮም ሓይሎም ብሕሶት እዩ ሰማይ ዝኣክል።ስለዚ ህወሓት ኣይጠፍአን ክመፅእ እዩ ኢሉ ንዓኣቶም ብተስፋ ዝፅበዩ፣ዝሞተ ውድብ መሊስኻ ንምርካብ፣ እናሞቱ ዝፅበዩ፣ ተስፋ ገይሮም ኣብ መቐለን ቅድም ኣብ ዝገለፅኽዎም ቦታታን ብዙሓት እዮም።ንዝሞተ ህወሓት እናሞተ ዝፅበ ኣካል ክህሉ ኣይግባእን።

እቲ ሳልሳይ ዓለምለኸ ብርኪ ብዝኾነ ከምዘለዉ ንምርኣይ፣ ኣለና ንምባል ግድን ኣብዚ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ነይርዎም።ድልየቶም እዚ እዩ ነይሩ። እናበልዎ ከምዝነበሩ ኣብ ቐረባ መቐለ ክንቆፃፀር ኢና፣ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ ኢና ከም ዝባሃል ነገር ቀሊል ኣይኮነን።ምኽንያቱ ክሳብ ኣፍንጨኦም ተዓጢቖም፣ ንዓና’ውን ዕጥቅና ኣፍቲሖም ዘይካኣልዎ ፣ብክላሽ እንኳዕ ኣዲስ ኣበባ መቐለ ምእታው ኣይካኣልን።እንኳዕ ተዋጊእና ደቂስና ውዒልና እውን ኣይኽእሉናን፤ኾይኑ ግና ንመቐለ ንናይ ምሓዝ ድልየቶም ኣብዚ ሐዚ ዘለዉዎ ቦታ ፕሮፖጋንዳ ‘ውን ይምቸው እዩ ኢሎም ዝሓሰብዎ እንትኾን ንሕና ድማ ካብዚ ኸባቢ ነፃ ክኾን ኣለዎ ብምባል ዝገለፅናዮም ቦታታትን ካልኦትን ንክፅረግ ተገይሩ እዩ።

እዚ ሽፍታ ብዝግባእ ተወቒዑ ዝሞተ ሞይቱ ቅድሚ ሐዚ ካብ ዝነበረ ንላዕሊ ሰብ ኢዱ እናሃበ እዩ ዝርከብ፤ምስ ክላሹ ኢዱ እናሃበ እዩ።ምኽንያቱ ዝዋጋእ ምስ ክላሽ ኣይኮነን ምስ ዓበይቲ ናይ ውግኣት ኣፅዋር እዩ።ንዚኦም ንምውጋእ ዓቕሚ ስለዘይብሉ በዚ ምኽንያት ኢዱ እናሃበ እዩ ዝርከብ፣ዝቖሰሉ እናተድሓዙ እዮም ።

ብሓፈሻ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝተወሰነ ዝተበተነ ሓይሊ ኣመራርሓ ዝሓዞ ወታደር ተዘይኾይኑ ዝዋጋእ ወታደር የብሉን።ሓደሽቲ ተዓለምቲ ንምዕላም እንተሓሰበ’ውን ዕጥቂ የብሎምን።ሓደ ክላሽ ንሓሙሽተ ሰብ እዩ ዝዋሃቦም።በዚ ምኽንያት እዚኦም ዝኣከቦም ሰባት ናብ ገዘኦም በቲንዎም እዩ።ፃውዒት ክንገብረልኩም ተለና ክትመፁ ኢኹም ኣብቲ ሰዓት ተዘይመፂኹም ቤተሰብኹም ክንጎድእ ኢና ብምባል በቲንዎም እዩ።

ኻልኣይ ድማ ናይ ሞራልን ተስፋ ምቑራፅን ዝፈጠረሎም ኩነታት ናይ ባዕሎም ዝቖሰሉ ክቕተሉ ገይሮም እዮም።እዞም ሰባት ቅድሚ ሐዚ ሓልዮት ብዘይብሉ መገዲ ዋርድያ ኾይኑ እናገልገሎም ዝነበረ መከላኸሊ ሰራዊት ዘርአይዎ ጭካኔ ኣብ ባዕሎም ደጊሞምዎ እዮም።ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓብይ ሞራልን ተስፋ ምቑራፅን ብምህላዩ ቅድም ዝተገለፁ ተግባራት ተፈፂሞም እዮም።ሐዚ ዘለዎ ኣማራፂ በምዕራብ ገይሩ ናብ ሱዳን ምውፃእ እዩ፤እዚ ንምግባር ብዙሕ ምድላዋት ተገይሩ እዩ።ጁንታ’ውን ምድላው እናገበረ እዩ ፤ግና ሰራዊት ምክልኻል ዘይፈልጦ መሬት ኢትዮጵያ ኾነ ትግራይ ኣይህልዉን።

እዚኦም ሰባት ተዳሒዞም ናብ ሕጊ ክሳብ ዝቐርቡ ወይ ከዓ ክሳብ ዝጠፍኡ መከላኸሊ ሰራዊት ድቃስ ኣይህልዎን።ንምንታይ እዚ ሰራዊት ኣይፈለጥዎን።ንሳቶም ዝፈልጥዎ ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ ሰራዊት እዩ፤እዚ ሰራዊት ኣብ ደባይ ውግእ እናኸደ እናተመለሰ በዚ ኹነታት እዩ ነይሩ ዝሰርሕ፣ሐዚ ዘሎ እዚ ዓይነት ሰራዊት ኣይኮነን።ሐዚ ዘሎ ንፁህ ኢትዮጵያዊ ሰራዊት እዩ።ሐዚ ዘሎ ናይ ማንም ፓርቲ ኣገልጋልን ዝተፀገዐን ኣይኮነን።እዚ ሰራዊት ሃገሩ ኢትዮጵያ ክበታትንዋ ዝተልዓሉ ጉጅለን ኣብ ኻልኦት ኸባቢ ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላትን ክሳብ ዘየጥፈአ ድቃስ የብሉን።

በዚ ምኽንያት ሰራዊትና ጅግንነት መንነትን እንተሓሲብናዮ ሱዳን ‘ውን ከም መቐለ ክትርሕቖም እያ፤ሎሚ ብዝተኽኣለ መጠን ተሓቢኦም ሓበሬታ ኣጥፊኦም ኣበይ ከምዘለዉ ከይንፈልጦም ገይሮም ብምንም ይኹን ናብ ሱዳን ብምእታው ዝጀመርዎ ፕሮፖጋንዳ ሕሶት ንምቕፃል እዩ ሓሳቦም።ምውፃእ እዩ ሓሳቦም፣ ምውፃእ እውን ቀሊል ኣይኸውንን ፣መንገዲ ክፍቲ ኣይኾንን።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You