”ዝግበር ዘሎ ሃገር ናይ ምብታን ኣጀንዳ ድልየትን ምንቅስቓስ እቲ ጉጅለ ራዕዲ’ምበር ንህዝብና ኣይገልፅን‘’-ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ

ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ዝሃቦ መግለፂ ዝግበር ዘሎ ሃገር ናይ ምብታን ኣጀንዳ ድልየትን ምንቅስቓስን እቲ ጉጅለ ራዕዲ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ’ምበር ንህዝብና ኣይገልፅን ኢሉ።

ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሃገራዊ ሓድነትን’ምበር ሀገር ናይ ምፍራስ ኣጀንዳ ኣይኮነን ክብል እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ

ምድረ ቀደምት ሃገርና ኢትዮጵያ በዓልቲ ብዙሕ ታሪክ፣ ብሔር ብሔረሰብን ቋንቋታትን እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፣ ልበ ሩህሩሃትን ቅኑዕ ልቢ ዘለዎምን ኣቦታትናን ኣዴታትናን፣ ዘርኢ ሰብ ዝርከበሉ፣ ጋሻ ተቐባሊ፣ ካብ ማንም ንላዕሊ ሰብአዊነትን ስብእናን ዘቐድም ህዝቢ፤ ንፈጣሪ ‘ምበር ንማንም ዘይትንብርከኽ ፣ሃገርና ኣዝዮም ብዙሓት ፈተናታት ሓሊፋ ናይ ውሽጢን ደገን ፀላእቲ ስዒራ ታሪክ ኣብ ልዕሊ ታሪክ እናደራረበት ኣብዚ በፂሓ እያ ኢሉ።

ሐዚ’ውን ሃገርና ኢትዮጵያ ባንዳታት ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ብምዃን ናይ ውልቀ ረብሐኦም ንምሕላው ንኸብዶም ብምቕዳምን ሃገርና ንምብትታን፣ ህዝብና ንምክፍፋል ቆሪፆም ተላዒሎም ኣለዉ። ናይዚ ኽፍኣት ኣባት ነብስ ድማ ውሑድ ዝኾነ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኢዩ ክብል ገሊፁ ።

እዚ ጉጅለ ጥፍኣት ለውጢ ሃገር ኣይቕበልን ኢሉ ምስ ሃገር ፈተውቲ ኢትጵያውያን ተነፂሉ ናብ መቐለ ምስ ሃደመ፣ በቢቦትኦ ኣብ ዘቕመጦም ተላኣኣኽቱ ብምዃን ዜጋታትብምፍንቓል ፣ምስ ብሄር ጎንፂ ብምፍጣር፣ በቢቦትኡ ራዕዲ ብምፍጣር ፣ህዝብን መንግስትን ንምግንፃል ምሙካር ፣ካብ ወፃእን ውሽጥን ሓይልታት ተንኮል ብምስራሕ ፣ዓለም ዘድነቖም ስራሕቲ ውሳነታትን መንግስቲ ምንዕዓቕ፣ ተደጋጋሚ ሕሶት ፕሮፖጋንዳ ብምስራሕ ፣ኢሉ’ውን ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ዘይሕጋዊ መረፃ ምክያድ ፣ኣብ መወዳእታ’ውን ኣብ ጀግና ምክልካል ሃገር ጭካነ ዝተመልኦ ክሕደት ብምፍፃም ፣ህዝቢ ትግራይ ፣ሰላምን ሓድነትን ኣብ ዝድልዮ እዋን ፣እቲ ህዝቢ ንከይረጋጋዕ ናይ ኹናት ማእኸል ገይረዎ እዩ ከብል ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ሽርሒ ህወሓትን ሃገር ናይ ምብታን ኣጀንዳ ብምቅዋም ዝስዕብ መግለፂ ቅዋም ኣውፂኡ ኣሎ።

  1. ህወሓትን ናይ ትግራይ ህዝብን ሓደ ኢዮም ኢሉ እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ዝነዝሖ ወረ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ተቐባልነት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ዲስኩር ኢዩ፤ ፓርቲን ህዝብን ሓደ ኮይኖም ኣይፈልጡን፤ ሓደ ክኾኑ ኣይኽእሉን እዚ ናይ ሓሾት ፕሮፓጋንዳ ኢዩ፤
  2. ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምግንፃል ዝግበር ሽርሒ ነውግዝ

ኣብ ራዕዳዊ ጉጅለ ዝግበር ወፍሪ ፀረ-ህዝቢ ትግራይ እዩ እናተብሃለ ዝቐርብ ፕሮፖጋንዳ ተቐባልነት ዘይብሉን እቲ ወፍሪ ንህዝቢ ድፋዕ ብምግባር ህዝቢ እናወደአ ካብ  ዘሎ ሓይሊ፤ ህፃናት ናብ ኲናት ዘእቱ ዘሎ ጉጅለ ራዕዲ ምዃኑ ንገልፅ

4. እቲ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝቢ ንከይራኸብ፤ ሓሪሱ ንከይበልዕ፤ ነጊዱ ንከይኣቱ፤ ኣብ ፀልማት ንክነብር ኹናት ጥራሕ ንክሓስብ ብልፅግና ንክርስዕ ዝገበረሉ ኣገባብ ኣጥቢቕና ንቃዎም

5. ንባዕሉ ንፁህ ብምግባር መንግስቲ ጥፍኣተኛ ብምግባር ምስ ባዕዲ ሃገራት ዝግበር ናይ ሃገር ክሕደት ነውግዝ

6. ኣብ ዓፋር ሓውን ሓፍትና ህዝብና ዝፈፀሞ ጨፍጨፋን ምምዝባልን ነውግዝ

7. ኣብ ኣምሓራ ሓውን ሓፍትን ህዝብና ዝፍፀም ጨፍጨፋን ምምዝባልን ነውግዝ

8. ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ኣመራርሓታት ዝፈፀሞ ዘስካሕክሕ ቅትለት፣ ኣካል ምጉዳልን ንብረት ምውዳምን ነውግዝ

9. ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ቤተሰባትን ዘመዳትን ዝግበር ምሽምቓቕ፤ ዘለፋን ትንኮሳን ነውግዝ

10. ካብ ትግራይ ክልል ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ወገናትና፤ ከም ዝኾነ ዜጋ ብሰላምን ድሕንነትን ወፂኦም ነክኣትዉ፤ ሰሪሖም ንክብልፅጉ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዃን ክንሰርሕ ኢና

11. ብገንዘብ፤ ሞራል፤ ፕሮፖጋንዳን ወዘተ ነቲ ግብረ ራዕዳዊ  ሓይሊ ዝድግፉ ዝኾነ ይኹን ኣካል ነውግዝ ፤ ብሕጊ ንክሕተት ምስ ዝምልከቶ ኣካል ክንሰርሕ ኢና

12. ብጌጋ፣ ጥርጣሬ፣ ከይተረጋገፀ፤ ንብረቶም ዝተኣገዶምን ንግዲ ቤቶም ዝተዓፀወምን ተጋሩ እንተሀሊዮም ፣ ቶሎ ፍትሒ ንክረኽቡ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ክንሰርሕ ኢና

13. ኣብ ሃገርና ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ፅዕንቶ ወፃኢን ኢድ ኣእታውነትን ብፅኑዕ ነውግዝ

14. ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዝፍፅሞ ናይ ህልውና ዘመቻ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ድጋፍን ሓገዝን ክንገብር ኢና

15. ኣብ ኩሎም ክፍለ-ዓለማት እትርከቡ ሓደሓደ ተጋሩ ዲያስፖራታት ነቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ እትገብርዎ ድጋፍ ገዲፍኩም ንሃገርኩምን ህዝብኹምን ዘብዒ ጠጠው ክትብሉ ፃውዒትና ነቕርብ ክብል ገሊፁ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ድልየት ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሃገራዊ ሓድነትን ንክረጋገፅ’ምበር ሃገር ናይ ምፍርራስ ኣጀንዳ ሃልይዎ ኣይፈልጥን ፣ኸዚ’ውን የብሉን፣ ስለዝኾነ እናተኻየደ ዘሎ ሃገር ናብ ምብትታን ኣጀንዳ ናይቲ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ድልየትን ምቅስቓስ’ምበር ንህዝብና ኣይገልፆን። ትግራዎት ነዚ ግብረ ራዕዳዊ ጉጅለ ሓደ ብምዃን ኣብ ዘለናዮ ኾይና ክነውግዞ ይግባእ። ሓድነትና ንምርግጋፅ እንኽእሎ ኹሉ ምስ ፌደራል መንግስቲ ጎኒ ብምዃን ክንሳተፍ ከምዘለና ፃውዒት ነቕርብ ኢሉ።

ወጋሕታ 13 ነሓሰ 2013

Recommended For You