
ሓተታ ዜና
ኢትዮጵያ ምስ ዝኾነት ሃገር ብሂብካ ምቕባልን ምክብባርን ዝተመስረተ ዲፕሎማስያዊ መትከል እትኽተል ሃገር ‘ያ፡፡ ምስ ምብራቕ ሃገራት ይኹን ምዕራባውያን ወይ ማእኸለይ ምብራቕ ብተመሳሳሊ መትከል ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣለዋ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ካብ 14 ግንቦት 2017 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ልኡኾም ኮይኖም ንዕላዊ ዑደት ናብ ሃገራት ኣውሮፓ ገይሾም ኣለው፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፈለማ ኣብ ፈረንሳይ ዑደት ዝገበሩ እንትኾን ፓሪስ እንትበፅሑ ብብሄራዊ ሓይሊ ሰራዊት ሰነ-ስርዓት ኣቐባብላ ተገይሩሎም፤ምስ ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ተራኺቦም ዘትዮም ‘ዮም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ጉጅለ ልኡኾምን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኤሊሴ ብፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣቀባብላ ዝተገበረሎም ኮይኑ፤ ኣብ ዝገበርዎ ከልቲኣዊ ዘተ ድማ ፕሬዚዳንት ማክሮን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንተካይዱ ዝተገበሩ ስምምዕነታት ተገምጊሞም ‘ዮም።
ክልቲአን ሃገራት ንብዙሕ ዓማውቲ ኣብ ዓውዲ ምክልኸል ሃገር፣ ፀጥታ፣ ባህልን ትምህርቲን ጠንካራ ምትሕብባርን ዝምድናን ዝፈጠራ ምዃነን ኣብቲ ዘተ ዝተገለፀ እንትኾን፤ ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተገበረ ዘተ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዝበለፀ ምትሕብባር ንምግባር ዕድላት ዝፈተሸ ከምዝነበረ ተሓቢሩ ‘ዩ።
ፈረንሳይ ንከይዲ ክለሳ ዕዳ ኢትዮጵያ ቁልፊ ደጋፊት ከምዝኾነት ዝፍለጥ ‘ዩ፤ ብፍላይ ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ፈረንሳይን ኢትዮጵያን ክልቲኣዊ ርክበን ኣብ ምጥንኻር ብዝግባእ ዝሰርሓ እንትኾና፤ እዚ ድማ ብዑደት ላዕለዎት መራሕቲ፣ ስትራቴጂካዊ ስምምዕነታት፣ ኣብ ብብዙሓት ዓውዲታት ዝተጀመሩ ሓበራዊ ስራሕቲ እናተርኣየ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ ‘ዩ።
ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ፈረንሳይ ዳግም ዑደት ዘካየዱ እንትኾኑ፤ ኣብ ምትእስሳራት ንግዲን ኢንቨስትመንት ብምድሃብ ልዝባት ከምዝተኻየዱ ተሓቢሩ ‘ዩ።
ኣብቲ እዋን ድማ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዘላቒ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌት ኢሉ ‘ውን ኣድላይነት ሰላም እቲ ዞባ ዝጠመተ ልዝብ ከምዘካየዱ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ ፕሬዝዳንት ማክሮን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ናብ ኢትዮጵያ ዳግም ብምምፃእ ፈረንሳይ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያን ክለሳ ዕዳን ብዝምልከት ዘለዋ ሓገዝ ዳግም ኣረጋጊፃ ‘ያ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘሎ ርክብ ኩለመዳይ ዓውዲ ናብ ዘለዎ ጥንኩር ርክብ ከምዝተሰጋገረ ዝተገለፀ እንትኸውን፤ እዚ ድማ ብንቑሕ ተሳትፎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተጠናኸረ ከምዝኾነ ዘማላኽት ‘ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ፈረንሳይ ቐፂሎም ናብ ጣልያን ሮም ኣብዝኣተውሉ ብቀዳመይቲ ሚኒስትር ጂኦርጂያ ሜሎኒ ኣቀባብላ ዝተገበረሎም እንትኸውን፤ እቶም መራሕቲ ኣብ ምትግባር ዝርከብ ኣፈፃፅማ ምትሕብባር ብምግምጋም ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባር ከምኡ ‘ውን ሓደሽቲ ዓውዲታት ምትሕብባር ብዝሓሸ መጠን ኢንቨስትመንት ንምውጋን ዝከኣለሎም ጉዳያት ጠሚቶም ተዛቲዮም ‘ዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅኡሉ ግዘ ጀሚሩ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ጣሊያን ክልተኣዊ ምትሕብባራት ንምጥንኻር ዝሰርሑ እንትኾኑ፤ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሜሎኒ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ናብ ስልጣን ምስ መፅኣ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ሮም ብምኻድ ኣብ ሰላምን ፀጥታን ምብራቕ ኣፍሪካ ከምኡ ‘ውን ኣብ መዳይ ልምዓት ጣልያን ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም ነይሮም ‘ዮም።
ድሕሪ እቲ ዘተ እቶም መራሕቲ ጥንኩር ርክብ ስራሕ ዝመስረቱ እንትኾኑ፤ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጂኦርጂያ ኣብ 2016 ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት እንትገብራ ኣብ ጣሊያን ከምኡ ‘ውን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዝተኻየዱ በዓል ብዙሕ ወገን መድረኻት ተኻይዱ ‘ዩ።
ጣሊያን ወሳኒት መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ ‘ያ። ኣብ ኢንደስትሪ ኢሉ ‘ውን ኣብ ከም ጥዕና፣ ሕርሻን ሓለዋ ባህላዊ ሓድጊን ናይ ነዊሕ ዘበን ሓጋዚት ‘ያ። ኩባንያታት ጣሊያንን ትካል ምትሕብባር ልምዓት ጣሊያንን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ብንቕሓት እናደገፉ ይርከቡ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መወዳእታ ኣኼባኦም ንዘላቒ ልምዓትን ዝተመሓየሸ ኢንቨስትመንትን ዘለዎም ሓበራዊ ራኢ ኣረጋጊፆም ‘ዮም፡፡
ብሓፈሻ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጣሊያን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ስምምዕነት ዝተገበረሉ ዕዉት ፃንሒት ከምዝነበረ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ዝገለፁ እንትኾኑ፤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ መዘነኦም ጂኦርጂያ ሜሎኒ ዝገበርዎ ዘተ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምቅርራብ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ልዕል ዝበለ ብርኪ ምሽግጋር ዘኽኣለ ከምዝኾነ ገሊፆም ‘ዮም።
ጣሊያን ንሪፎርምን ምዕባለ ኢኮኖሚን ኢትዮጵያ ከምኡ’ወን ልምዓት ዓውዲ ኢነርጂ ብፋይናነስ እትገብሮ ዘላ ደገፍ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ሓምለዋይ ልምዓት ኢትዮጵያ፣ ልምዓት ከተማን ዓውዲ ኢነርጂን ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ዓውዲታት ደገፍ ዝኸውን ልዕሊ 260 ሚሊየን ዩሮ ስምምዕነታት ልምዓት ምኽታሞም ሓቢሮም ‘ዮም።
ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ መበል 14 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማ ብፁእ ወቅዱስ ፖፕ ሊዮ ኣብ ሰላምን ልምዓት ትምህርቲን ምዝታዮም ብምግላፅ፤ ኣብቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ብምዝታይ ምትሕብባሮም ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ምስምዕምዖም ኣይተ ኣሕመድ የረድኡ።
ከምኡ ‘ውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዊ ቢዩልድ ግሩፕ ፔይትሮ ሳሊኒ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፣ እቲ ኩባኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘካይዶም ዘሎ ህንፀት ፕሮጀክትታት ኣጠናኺሩ ንክልቕፅል ምትሕስሳቦም ኣብሪሆም ‘ዮም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም