ኣብ ትግራይ ጎንፅን ኹናትን ከይህሉ ምግባር ይግባእ

ህዝቢ ትግራይ ባህጉን ድሌቱን ሰላምን ልምዓት’ዩ፡፡ ብሰላምን ልምዓትን ዝደራደር ህዝቢ’ውን ኣይኮነን፡፡ ካብ ኣዕናዋይ ኹናት ንክናገፍ ዕድል ዝፈጠረሉ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ክፈርስ ኣይደልን፡፡እቲ ስምምዕነት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኵናት ኣውፂኡ ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ክሓስብ ዝገበረ ስለዝኾነ ድሌት ህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ክትግበር ‘ዩ፡፡

ነቲ ኵነት ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ክልል ትግራይ ዝበፅሐ ኪሳራ ክሳብ ሕዚ በሰላኡ ኣሎ፤ ብሰንኪ ዓንቃፋይ ከይዲ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ተመዛበልቲ ኣይተመለሱን፤ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊኦም ኣይተፀገኑን፡፡ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ግና ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ሰላምን ልምዓትን ክሰፍነሉ ‘ዩ ፡፡ ስለዚ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሓይሊ ካብ ውልቀን ጉጅለን ረብሓ ወፂኡ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ብምዕሳል ጎንፅን ኹናትን ከይህሉ ምግባር ይግባእ፡፡

ሰላም ትግራይ ሰላም ኢትዮጵያ’ዩ፡፡ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ’ውን’ዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደበና ጎንፂን ኹናትን ጠጠው ክብል ይግባእ፡፡ ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዝጉዳእ ምዃኑ ሊሂቅን ፖለቲከኛታት ትግራይ ብዝግባእ ክርድኡ ግድን ይኸውን፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሓይሊ ብምፍራስ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንከይኸውን ዝገብሩ ዘለዉ ውሑዳት ኣመራርሓ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓትን ደገፍቶም ዝኾነ ኣመራርሓ ሓይልታት ፀጥታ ንቲ ህዝቢ ናብ ሓደጋ እናእተውዎ ምዃኑ ክርድኡ ይግባእ፡፡ድሕሪ ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ መንእሰይ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኹናት ዝፃወረሉ ኹነታት የለን፡፡ክህልው’ውን አይግባእን፡፡ንውልቃዊ ረብሓኦም ብጌጋ መንገዲ ይኸዱ ዘለው ወገናት ጠጠው ኢሎም ክሓስቡ ይግባእ፡፡

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ከምኡ’ውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እዚ ሐዚ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደበና ጎንፅን ኹናትን ብግልፂ ክፈልጥዎን ክኹንንዎን ግድን’ዩ፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልእ ሳልሳይ ወገን ዝኾነ ናይ ወፃኢ ሓይሊ ይኹን ናይ ውሽጢ ኣዋጅ ኩናት ክሳብ ዘይገጠሞ ንናይ ውሕዳት ውልቐ ሰባት ወንበር ንምሕላው ክብል ናብ ኩናት ክኣትው ኣይግባእን፡፡

ስለዚ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይተወሃቦ ጉባኤ ገይረ ‘የ ዝብልን ካብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣገደብ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ኣብ ሓይልታት ፀጥታ ዘለዎ ኣመራርሓ ብምሓዝ ቤት ፅሕፈታት ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ምቁፅፃርን ማሕተም ናይ ምውሳድን ስጉምቲታት ይወስድ ኣሎ፡፡እቲ ከይዲ ኣንፃር ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ስለዝኾነ ጠጠው ክብል ይግባእ፡፡ህዝብን መንግስትን፤ መደራደርቲ ኣካላትን ከውግዝዎ ኣለዎም፡፡

ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር) ኣብ እዋናዊ ኹነታት ክልል ትግራይ ዙርያ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ እቲ ዓርሱ ነፂሉ ዝወፅአ ጉጅለ ህወሓት ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብምሉእ ንኸይትግበር ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ብተወሳኺ ‘ውን ቦርድ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸሳልጥ ንዝሃቦ መምርሒ ኣይተቐበለን ዝበለ ‘ዩ ክብሉ ምግላፆም እዚ ሓይሊ ካብ ሕግን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ወፃኢ ይንቀሳቐስ ምህላውን ኣብቲ ኸባቢ ጎንፅን ኹናትን ንምፍጠር ይሰራሕ ምህላው ዘረጋግፅ’ዩ፡፡

መንግስቲ ፌደራል ውዕሊ ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ንኽትግበር እናሰርሐ ምዃኑ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ንእዋናዊ ኹነታት እቲ ክልል ብፅሞና እናተኸታተለ ኮይኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ፀገም ንምፍታሕ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ምቕራቡ እቲ ኹነታት ኣዝዩ መተሓሳሰቡ ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ፡፡

ህዝቢ ትግራይ እዞም ናይ ጎንፅን ኵናትን ኣመል ዘለዎም ሰባት ኣደብ ክገዝኡ ክገብር ይግባእ። ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ናይዚ ኣጀንዳ ኣካል ክኸውን ኣይግብኦም ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ብዝተወሰነ ብርኪ ኣብዚ ውሽጢ እናተሳተፉ ዘለው ውሱናት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓይልታት ፀጥታ እንትኾኑ መንዲ ጎንፅን ኹናትን ከምዘየዋፅኦም ፈሊጦም ስርዓት ናብ ዘለዎ መንገዲ ክኸዱ ኣለዎም።ንህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝሓልዩ እንተኾይኖም ንውልቀን ጉጅሊያዊ ረብሓ ጠጠው ክብሉ የብሎምን፡፡

ሐዚ ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኩነታት ጊዜያዊ ምምሕዳር ንምፍራስ እናተገበረ ዘሎ ፃዕሪ ነቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ካብ ምፍራስ፣እታ ሃገር ናብ ሓደጋ ካብ ምውዳቅን፣ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ካብ ምፍራስ ብላዕሊ ፈጢጡ ዝርኣይ ኵናት ዝፍጠረሉ ዕድል ስለዘሎ ብቕልጡፍ ምክልኻል ግድን ይኸውን፡፡ኣብ ትግራይ ክፍጠር ዝኽእል ጎንፅን ኹናት ከይህሉ ምስራሕ ይግባእ፡፡

ወጋሕታ 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም

Recommended For You