ዓወት ኵናት ዓድዋን ኪነ ጥበብን

ኪነ ጥበብ ካብ ብዙሕ ጥቅምታቱ ሓደ ታሪኽ፣ ባህሊ፣ እምነትን ኣነባብራን ሓደ ማሕበረሰብ ዓቂቡ ንቀፃሊ ወለዶ ምምሕልላፉ ‘ዩ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይከውንን።

ኣብ ሓደ እዋን ዝነበረ ኩነታት መነባብሮ፣ ድልየት፣ ኣተሓሳስባ፣ ስምዒትን ብሓፈሻ ታሪኽ ሓደ ማሕብረሰብ ኣብ ማሰ፣ መልቅስ፣ ደርፍን ፈኸራን ኣቢሉ ብሓፈሻ ኣብ ኪነ ጥበብ ተዓቂቡ ሕሉፍ ኩነታት ነቲ ቀፃሊ የመሓላልፍ ‘ዩ። በቲ ዝተመሓለፈ መልእኽቲ መሰረት ድማ ሓደ ወለዶ ካብ ዝሓለፈ ሕማቅ ይኹን ፅቡቅ ታሪኽ ቀዳማይ ወለዶ ንክሓትት፣ ክፈልጥን ክምሃርን ይገብር።

በዚ መሰረት ‘ውን ዓወት ኲናት ዓድዋ ከመይ ከምዝነበረ ካብ ዝተሰነዱ ሓደ ኣብ ኪነ ጥበብ ብመልክዕ ፈኸራን ግጥምን ዝበሉ ስነ-ቃላት ኮይኑ አብ እዋን ኲናት ‘ውን ኪነ ጥበብ ዝነበሮ ግደ ቀሊል ከምዘይነበረ ምግማት ይክኣል ‘ዩ።ኣብ እዋን ኲናት ንሰራዊት ከም ዓብዪ መበራታትዒ ኮይኑ ዘገል ግል ‘ውን ከምዝነበረን ዝነበሮ ግደ ዕዙዝ ከምዝነበረ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ::

ኣብዚ እዋን ክፋል ኪነ ጥበብ ዝኾኑ ከም ሽለላ፣ ፈኸራን ዝተፈላለዩ ደርፍታት ንቲ ሰራዊት ጅግንነት፣ ወነን ኒሕን እናፈጠሩ ብስምዒት ሰዓራይነት ንኽምላእን ተዓዋታይ ንክኸውንን ብተወሳኺ ድማ ብዝገጥሞ መሰናክል ከይፈርሕን ንቕድሚት ንኽጥምት ዝገብሮ ግደ ቀሊል ከምዘይነበረ ውን ይግለፅ ‘ዩ::

ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ግደ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ሉኣላውነት ሃገር ንምሕላው ካብ ኣርባዕቲኡ ጫፍ ሃሚሙ እንትዘምት ወዲ ተባዕታይ ይኹን ደቂ ኣንስትዮ ኹሉ ብኽእለቱ ንሃገሩ መስዋእቲ ኸፊሉን ኣብዚ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ሓበንን ናፅነትን ክንበፅሕ ገይሮምና ‘ዮም::ካብ መንጎ ናብዚ ታሪኻዊ ፃውዒት ዝተሳተፉ ሰብ ፍሉይ ክእለትን ወይ ኪነ ጥበባውያን ‘ውን ከምዝተሳተፉ ኣብ ምብርትታዕ ሰራዊቶም ግደ ከምዝነበሮም ተሰኒዱ ‘ዩ::

ካብ መንጎ ህያባት ኪነጥበብ እቲ ሓደ ፈኸራ እንትኸውን፤ ፈኸራ ድማ ግጥማዊ ስነ ቃል ‘ዩ::ቀንዲ ዕላማኡ ኸዓ ስምዒት ሰባት ምቕስቓስን ወነ ምልዕዓልን ‘ዩ::መብዛሕቲኡ ግዘ ፈኸራ ዝበሃል ኩናት ቅድሚ ምክያዱ ወይ ኸዓ ድሕሪ ዓወት ‘ዩ::ሽዑ ሰባት ስምዒቶም ክለዓዓልን ናይ ሓባር ፀላኢኦም ብሓባር ከጥፍኡን ስምዒቶም ኣብ ምልዕዓል ፈኸራ ዓቢይ ግደ ‘ዩ ዝፃወት::

ፈኸራ ኣብ እዋን ኩናት ጥራሕ ኣይኮነን ዝፍከር::ብፍላይ ‘ቶም ዝሓለፉ መሳፍንቲ ድግስ ከዳልው ከለው ሓሻኽሮም ዝሰርሕዎን ዘይሰርሕዎን እናወሳሰኹ ንጎቶቶም ብፈኸራ ከምዘሞግሱ ‘ውን ይግለፅ ‘ዩ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ እዋን መርዓ ድማ ኣዕርኸቲ ብዛዕባ መርዓዊ ወይ ኸዓ ብዛዕባ ናይ ባዕሉም ጀግንነት ክፍክሩ ይረኣዩ::

ፈካሪ እንትፍክር ዲኖ ይለብስ፣ ፋረ ይኣስር፣ ዝናር ይዕጠቕ፣ ገዘሞ ወይ ገጀራን ዋልታን ይሕዝ:: ዘርእዮም ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ድማ፤ ይዘልል፣ ሓፍ ኮፍ ይብል፣ ደው ይብል እሞ “እከከ … እናበለ ብትዕዝብቲ ርእሱ ይንቕንቕ፣ ዓይኑ የፍጥጥ ስኑ የሕጨምጭም ወዘተ.:: ምስኡ ኸዓ “ከምኡ በል … እወ … ይበል…”እናበሉ ዘዳንቑ ኣለው ‘ ዮም::

ገለ ካብ ኣብነት ፈኸራታት ቅድም ክብል ኣብዚ ዓምዲ እዚ ‘ውን ቀሪቦም ዝነበሩ ነዚ ዝስዕብ ይምስል፡-

ቱታ … ቱታ … ቱታ … ከውሒ ‘የ ኣይፍለፅን

ሰቲ ‘የ ኣይነቅፅን

ዘይቑርጠም ሓፂን

ዕረ ዘይልወ ሓለንጊ

ጉማረ ዘይቋሓም ሑሩጭ በርበረ

ቱታ … ቱታ … ቱታ … መሪ ከምትኪ ከይተንከይዎ ዘይትንኪ

ምስተንከፍዎ ደም ዘብኪ

እንትሓልኽ ፀጋም ኣቢሩ

እንትትኩስ ገረብ ኣሳጊሩ

ሓሰት እንተነይሩ ዝነበሩ ይንገሩ

ከመይ ኢኻ ኣሉላ ኣባ ነጋ ተምቢን ዶ ዓድኻ ዓዲ ወይዘራዝር ወጋ

ከመይ ባ ‘የን እምበይተይ ገረዳ መብረቕ ሓዚለን ዘይስምብዳ

ሓቂ ረመፅ ሓቑይፈን ዘይነዳ ንፋስ ቀውዒ ናይ ክረምቲ ነጐዳ ኣሉላ ትብለላ ብምድሪ ብዓዳ ሽግ መስቀል ወሊዶም ጐይታ እንግዳ ራእሲ ኸደት ሰጊዳ ሰጊዳ ደጃት ኸደት ሰጊዳ ሰጊዳ ከም መንደላይ ተመን ተወርዋሪ ከም ኣንበሳ ብቕልፅም ሰባሪ ሰብኣይ ከሰላ ውሽማ ባሕሪ … ዘራፍ! ዘራፍ! ዘራፍ! ቃላይ ቃላይ ዝኸይድ ከም ዓሳ ገረብ ገረብ ዝኸይድ ከም ኣንበሳ ወትሩ ዕጡቕ ብረቱ ምስ ለጐመ ፈታውን ፃሊእን ዘገረመ ዘይስኮን ናይ ልቡ ገባሪ ምንጉዳ ዘውፅእ እንትኹሪ ቁጡዕ ከም ግልገል ነብሪ ንዓመፀኛ መባረሪ (ፈኸራታት ካብ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ሴትሎቪች)፡፡

ፈኸራ ዋላኳ ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ኣዝዩ ዝፍለጥ እንተኾነ፤ ድሕሪ ኲናት ዓድዋ እስካዕ ሐዚ እናተጠቐምናሉን በዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ናፅነቶምን ክብሪ ሃገሮምን ንምሕላው ከምኡ ‘ውን ሰራዊት ዓወት ንኽጎናፀፍ ዓብዪ ግደ እናበርከተ ይርከብ::ምስጋና ንክብሪ ሃገሮም ዝተዋደቑ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን!

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You