
ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብርክት ዝበሉ ክብረ በዓላት ክኽበሩ ‘ዮም። ዝኽሪ በዓል ዓድዋን ሓዊሱ ዝኽሪ ውግእ ወርሰገ (ተንቤን)ን በዓል ለካቲት 11ን ዝኣመሰሉ በዓላት ዝኽበረሉ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ዝቕፅል 23 ለካቲት መበል 129 ዝኽበር በዓል ዓድዋ ብብርኪ ሃገርን ክልልን ብደሚቕ ዝኽበር በዓል ‘ዩ።
ከምዝፍለጥ ዓድዋ ዝብል ስም ካብ መፀውዒ ናይ ሓደ ካባቢነቱ ዘሓለፈ ትርጉም ዘለዎን ብብርኪ ዓለም ምስ ዓወት ኣብ ልዕሊ ባዕዳዊ ወራሪ ጣልያን ተተሓሒዙ ‘ውን ዝለዓል ‘ዩ። ብፍላይ ንኣፍሪካውያንን ካልኦትን ፀለምቲ ህዝብታት ዓድዋ ዝብል ከም መርኣያ ሓቦን ፅንዓትን፣ ጅግንነትን ዓወትን ተገይሩ ዝውሰድ ‘ዩ። ምኽንያቱ ናይ እማቱ ክወርር ተሃንዲዱ ዝመፀ ምኩሕ ፀላኢ ብጥሙር ቅልፅም ኢትዮጵያውያን ሕፍረት ዝተጎልበበሉን ዝተሰዓረሉን ታሪካዊ ቦታ ስለዝኾነ ‘ዩ።
እዚ ንኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ ድማ ንፀለምቲ ኣፍሪካውያን ብዙሕ ረብሓን ትርጉምን ዘለዎ በዓል ታሪኹ ተዓቒቡ ናብ ቐፃሊ ወለዶ ንምስግጋርን ካብቲ ታሪኽ ንምምሃርን በቢዓመቱ እናተኸበረ መፂኡ ‘ዩ። ሎሚ ‘ውን ከምቲ ናይ ኩሉ ግዘ ብብርኪ ሃገርን ክልልን ዝኽበር ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ዝተፈላላዩ ምድላዋትን ንጠፋታትን እናተገበሩ ይርከቡ ኣለው።
ዝኽሪ መበል 129 ዓመት በዓል ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብድምቀት ከምዝኽበርን ንምኽባር ዘኽእል ዝተፈላላዩ ምድላዋት ንምግባር ሃገር ለኸ ኮምቴ ተደራጅዩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዋና ዳይሬክቶሬት ዳይረክተር ህንፀት ስነ ልቦና መከላኸሊ ሜ/ጀነራል እንዳልካቸው ወ/ኪዳን ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም ‘ዮም።
በዓል ዓድዋ እንትኽበር ካብ ዝኾነ ይኹን ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ወፃኢ ብምዃን ከምዝኽበርን ኣብቲ በዓል ተወከልቲ ሃገራት ኣፍሪካ ዝሳተፉ ኮይኖም ሑቐፊ ዕምበባ ኣብ ሓወልቲ ዳግማይ ሃፀይ ሚኒሊክን ኣብ ዝኽሪ ሓወልቲ ዓድዋን ክንበር ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብቲ ዕለት መድፍዕ ከምዝትኮስ ተፈሊጡ ኣሎ።
ከምኡ ‘ውን ብብርኪ ክልል ትግራይ ሰፊሕ ነዊሕ ግዘ ዝወሰደ ምድላዋት ከምዝተገበረን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ‘ውን ነዚ ብዝምለከት ቕድሚ ወርሒ ኣቢሉ ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቡ ‘ዩ። ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዶክተር ኣፅብሃ ገብረ እግዚኣብሄር ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝበልዎ፤ “ክብርታት በዓል ኩናት ዓድዋ ንሰላም፣ ሓድነትን ብሩህ መፃኢ ትግራይን” ብዝብል መሪሒ ቃል መበል 129 ዝኽሪ ኩናት ዓድዋ ክኽበር ‘ዩ። እዚ መሪሕ ቃል ዝተመረፀሉ ድማ ትግራይ ካብ ሕዚ ዘላቶ ብርኪ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ክትበፅሕ ብምእማት ‘ዩ።
በዓል ዓወት ዝኽሪ ዓድዋ ብሄራዊ ፣ ክልላዊ ዓለም ለኻዊ በዓል ከምዝኾነ ዝሓበሩ ዶ/ር ኣፅብሃ፤ ኣብቲ በዓል ሰለስተ ዓበይቲ ረብሓታት ኣብቲ መሪሕ ቃል ዝተገለፁ ከምዘለውን ክብርታትና ብምዕቃብ ነቲ ሕዚ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ከምመዋፅኦ ንስላም ፣ ሓድነትን ንምጥንኻር ዘለዎ ረብሓን መፃኢና ቡሩህ ክኸውንን ክንቕፅልን ካብ ባህጊ ሓሊፍና ብተግባር እንፍፅመሉ ክኸውን ‘ዩ ምባሎም ሚድያታት ትግራይ ፀብፂበን ‘የን።
ኣብ ኩናት ዓድዋ ከይተዘንተየሎም ዝፀንሑ ብፅሒት ተጋሩን ክብርታት ኣያታትናን ኣዴታትናን ክፋለጥሉን ናብ ልምዓት ክቕየርሉ ዝግባእ ኩነታት ምፍጣር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶ/ር ኣፅብሃ፤ ብዓል ዓወት ኩናት ዓድዋ ኣብ ዩኒስኮ ከምዝግብዎ ዝኽእሉ ስራሕቲ እውን ዓቕሚ ዝፈጥርን መበገሲ ሓሳባት ዝቐርበሉ ከምዝኸውን ኣብሪሆም ‘ዮም።
ካብቶም ኣብቲ በዓል ዓወት ኩናት ዓድዋ ዓበይቲ ዋኒናት ዝተተሓዘሎም ክብሪታት ምዕቃብ፣ ዘይተላለየ ታሪኻት ትግራይ ናብ ቀፃሊ ወለዶ ብኣግባቡ ክመሓላልፉንን ናብ ፀጋታት ተቐይሮም ኮርደር ልምዓት ቱሪዝም ንምግባር ዝዓለመ ከምዝኾነን፤ ኣብዚ በዓል ትግራይ ትእክቦ ዓቕሚ ትእክበሉ፣ ሓድነት ተጠናኽረሉ ፣ተረባሕነት መንእሰይን ማሕበረሰባን ዘረጋግፅ ክኸውን ብምሕሳብ ምድዋት ተወጊኑ ‘ዩ።
እቲ በዓል ምስሊ ትግራይ ብዝቕይር መልክዑ ክኽበር እውን ፃዕሪ ከምዝግበር ተፈሊጡ ‘ዩ። ሕዚ ትግራይ ዘላትሉ ብርኪ ናይ ኩሉ ዓቕሚ ፣ ፍልጠት ፣ ጊዜ ዝሓትት ስለዝኾነ ኣብ ከምዙይ ዝበሉ ዓበይቲ ዋኒናት ክሓብር ከሎ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ፤ ንድገ ድማ ዘለዎ ሓድነት ፣ ኣብ ክብርታቱ ከመይ ከምዝዓስል ናይ ዓርሱ ዝኾነ ትምህርቲ ዘሕልፍ ከምዝኾነን ካብዚ ብተወሳኺ እቲ በዓል ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ፅቡቕ ዝኾነ ምንቕቕሕ ኢኮኖሚ ዘኽእል ብምዃኑ ካብቲ በዓል ክርከብ ዝግባእ ረብሓ ክርክብ ከምዝግባእ እውን መልእኽቲ ሓሊፉ ‘ዩ።
ምስዚ ዝገበር ዘሎ ምድላዋት እቲ በዓል ተተሓሒዙ ኣብ መደባትን ኣፈፃፅምኦምን ትኹረት ዝገበረ ምይይጥ ብዕለት 17/05/2017 ዓ/ም ኣብ ዓድዋ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ምስ ኣመራርሓ ከተማ ዓድዋ ኣብ ዝተሳለጠ ከም ዝተልዓለ፤ እቲ በዓል ብሄራዊ ሓድነትን ረብሓ፣ ቁጠባውን ስነ-ልቦናውን ተረባሕነት ህዝቢ ብዘረጋግፅ መልክዑ ብፍላይ ድማ ከም ትግራይ ገጢሙ ዘሎ ከቢድ ፈተና ካብ ውርስታት ቀዳሞት ወለዲ ብምምሃር ኣብ እዋን ፀገማት መፍትሒ ዝውሰደሉ ብምግባር ክበዓል ኣብ ብምርድዳእ ተበፂሑ ‘ዩ።
ካብ ዘተገበሩ ምድላዋት ምርኢት ጎደና ሃርብኛታት፥ ዑደትን ናይ እግሪ ጉዑዞ ናብ ታሪኻዊ ቦታታት ፣ስፓርታዊ ውድድራት ፣ ባዛርን ኢግዝቢሽንን ፣ ካልኦት ንጥፈታት ከምዝካይድ ተገሊፁ ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘለው ንጥፈታት ‘ውን ብምኽንያት መበል 129 ዓመት በዓል ዓወት ኲናት ዓድዋ ኣብ ከተማ ዓድዋ ስፖርታዊ ውድድራት ምክያድ ተጀሚሩ ኣሎ።
ብሓፈሻ ዓድዋ ኣብ ዓለም ዝርከብ ፀሊም ዘበለ ኩሉ ዝኾርዐሉ ‘ዩ። ድሕሪ ዓወት ዓድዋ ፀለምቲ ርእሶም ቅንዕ ኣቢሎም ኣንፃር ባዕዳዉያን ወረርቲ ተላዒሎም፤ ነፃነቶም ‘ውን ረኺቦም ‘ዮም። ስለዝኾነ እዚ ምልክት ነፃነት፡ ምልክት ኣይግዛእን ባሃላይነት ዝኾነ በዓል ዓድዋ ብፍላይ ንፀለምቲ ዘተኣሳስር ናይ ዓወት ገመድ ከምዘኾነ ይግለፅ ‘ዩ። ብምዃኑ ነዚ ብዝምጥንን ንወለዶ ‘ውን ብዝተርፍ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ኩሉ ዝምልከቶ እጃሙ ብምውፃእ ክስራሕ ይግባእ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 20 ለካቲት 2017 ዓ.ም