
ንዘመናት ተዳፊኑ ዝፀንሐ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ መነጋገሪ ኣጀንዳ ካብዝኾነ ፀኒሑ ‘ዩ። ብወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሕቶ ብፅቡቕ ጎኑ ዝተቐበልዎ ብዙሓት እንተኾኑ ‘ውን እቲ ሓሳብ ካብ ምቅዋም ጀሚሩ እቲ ጅማሮ ንምዕንቃፍ ዝተንቀሳቐሱ ዝተወሰኑ ሃገራት ኣይጠፍኡን።
ብወገን ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ክሳብ ዝሳኻዕ ዘሎ መማረፂ ኹሉ ምጥቃም ናይ ኹሉግዜ ተግባር ከምዝኾነ መንግስቲ እናገለፀ ይርከብ። ንምዃኑ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ መዓዝ ይምለስ ይኸውን ? እንታይ ክስራሕ ኣለዎ? ክንብል በዓል ሞያታት ኣዘራሪብና ምላሽ ሂቦምና ‘ዮም።
ተመራማሪ ታሪኽ ፕሮፌሰር ኣደም ካሚል እቲ ሕቶ ኣመልኪቶም እንተረድኡ፤ ኢትዮጵያ ድኽነት ንምጥፋእ ጉዳይ ህልውናኣ ብምዃኑ ህልውንኣ ንምርግጋፅ ኣፍደገ ባሕሪ ወሳኒ ጉዳይ ክሳብ ዝኾነ ሕቶኣ መልሲ ክሳብ ዘይረኸበ እቲ ሕቶ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን።
ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ምእታው ጥራሕ እንተይኾነስ ቀሊል ዘይባሃል ምህርቲ ናብ ወፃኢ ትልእኽ ‘ያ፤ ምህርቲ ናብ ወፃኢ ብምልኣኽን ኣታዊ ብምእታው ስእነት ስራሕ ንምቕራፍ ፤ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንምትራፍ ትኽእል ‘ያ፤ ኢትዮጵያ ኣፍደገ በባሕሪ እትደልዮ ኣብ ካልኦት ፅዕንቶ ንምሕዳር ኣይኮነን። ምስ ዝኾነ ጎረቤት ሃገር እትፈራረምን እትስማዕማዕማን ናይ ኣታውን ወፃእን ንግዲ ንምቅልጣፍ ‘ዩ።
ቅድሚ ኸዚ ኢትዮጵያ ወደብ ንክትስእን ዝተገበረ ብተንኮል ‘ዩ ዝብሉ ፕሮፌሰር ኣደም፤ በዚ ድሕሪት ድማ ኢድ ግብፃውያን ኣለዎ ይብሉ። ግብፃውያን ንምንታይ ኣብዚ ጉዳይ ኣትዮም ዝብል እንትፍተሸ ፤ግብፃውያን ሩባ ኣባይ ንበይኖም ንምጥቃም ዝኽእሉ ዝተዳኸመትን ሓድነት ዘይብላ ኢትዮጵያ እንትፍጠር ‘ዩ። ኣልቦ ወደብ ምዃና ድማ ነዚ ሕልሞም ዓብይ ግደ ዘለዎ ‘ዩ። ሎሚ ኣብ ውሽጢ ግብፂ 30ሽሕ ዝኾኑ ኩባንያታት ሳውዲ ልዕሊ ሽውዓተ ቢልየን ዶላር ዝበፅሕ ካፒታል ኢንቨስት እናገበሩ ይርከቡ።
ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ዋሕስ ምግብን ፀገም ማይን ኣለዎን። ግብፃውያን እዚኦም ኹሉ ዘተኣናግዱን ነዚ መልሲ ዝህቡን ካብ ኢትዮጵያ ብኣባይ ማይን ልሙዕ ሓመድን ብምጥቃም ‘ዩ። ብምዃኑ ኢትዮጵያ ሰላም እንተረኺባን ሓድነታ ምጥንኻር እንተኽኢላ እዚኦም ኢንቨስተራት ክምንጥሉና ‘ዮም ዝብል ስግኣት ኣለዎም። ርግፅ ኢትዮጵያ ሰላም እንተኾይና ምህርታ ካብ ምልኣኽ ንኢንቨስትመንት ምችው ካብ ምዃን ሓሊፉ ብቱሪዝም ተመራፂት ሃገር ከምትኾን ኣይተርፍን ይብሉ ፕሮፌሰር ኣደም።
ነዚ ‘ዩ ካብ ጥምየት ንውፃእ ፤ ድኽነት ንቐንስ ፤ ድሑር ሓሳባት ነትርፍ ዝብል ለውጢ እንትእወጅ ግብፃውያን ኢትዮጵያ እንድሕር በልፂጋ ንዓና ኾነ ነቲ ኸባቢ ስግኣት ትኾን ‘ያ ኢሎም ብምሕሳብ ዕንቅፋት ንምዃን ዝሙክሩ። ብምዃኑ እዚ ምስባርን ምድኻምን ኣለና ብምባል ኣጀንዳ ኣቕሚጦም ውሽጢ ንውሽጢ እናሰርሑሉ ‘ዮም። እዚ ነገር ብፍላይ ግብፃዊያን ሚድያ ንዝከታተል ሰብ ሓድሽ ኣይኮነን። ግብፃውያን ብዙሓት ሚድያታት ዘለዎም እንትኾን ብዙሓት ጋዜጠኛታት በዚ ርእሰ ጉዳይ እናሰርሑ ይርከቡ ይብሉ።
ካሊእ ተሪፉ ኣብዚ ሰሙን ዘጋጠመ ርዕደ መሬት ንዐኦም ሚድያ ዓብይ ርእሲ ‘ዩ። ድሕሪ ቕሩብ ግዝያት ኢትዮጵያ ተስፋ የብላን፤ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኣይህልን ብዝብል ብድፍረት ክሳብ ምፅብፃብ በፂሖም ‘ዮም። ዓሰርተ ሚልየን ዝበፅሑ ግብፃውያን ካብ ሃገሮም ወፃኢ ብስደት ከምዝነብሩ ይግመት፤ ሸሞንተ ሚኢቲ ሽሕ ዝበፅሑ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ ኤክስፐርትታት ኣለዎም። እዚኦም ኹሎም በቢሚድያ ብፍላይ ድማ ዓረብ ብዝመሓላለፉ ኣብዚ ጉዳይ ብንቅሓት ዝሳተፉ ‘ዮም።
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ባዕልና ኢትዮጵያውያን ናይ ህልውና ሕቶ ገይርና ንሪኦ ዲና? ኢልካ እንትፍተሸ ግና ዝተርፉ ገዛ ዕዮ ኣለዉ። ኣብቲ ጉዳይ ክፍተት ከምዘሎ የርኢ። ብናትና ካብ ትካላት ሃይማኖት እንተሪእና ዝኾነ መራሒ ሃይማኖት ኣብዚ ጉዳይ እኹል ስራሕ እናሰርሐ ኣይኮነን ክባሃል ይኽእል። ካብ መንፃር ምንቅስቃስ ግብፂ ኣብዚ እዚ ዝተብሃለ ስራሕ ኣይተሰርሐን። ብፍላይ ኣብ ሚድያ ምንም እናሰርሐ ኣይኾነን ንምባል ዘድፍር ‘ዩ።
ሃገር ውሽጢ ሚድያታት ፤ናይ ውልቀን መንግስቲት ኾኑ ትኹረቶም ኣብ ካልእ ጉዳያት ‘ዩ ዘሎ። ብኣንፃሩ ግብፃውያን ናይ ባዕሎም ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ዓረብ ዓለም ሚድያ ተቖፃፂሮም ንተንኮልን ዕላማኦም ንምስኻዕ እናተጠቐምሉ ‘ዩ። ብወገን ኢትዮጵያ ድማ እዚ ክግበር ይግባእ።
ብወገን መንግስቲ ድማ ንብዙሓት ተበፃሒ ንክኾን ዘተ ፓናል ካብ ምግባር ጀሚሩ ብዙሓት ስራሕቲ ትፅቢት ዝግበር ‘ዩ ዝኾን። ርግፅ ጉዳዩ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ መንግስቲ ጥራሕ እንተይኾነስ ናይ ሃገርን ወለዶን ከምዝኾነ ክፍለጥ ይግባእ። ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጉዳይ ናይ ሓደ ኸባቢ ሕቶ እንተይኾነስ ናይ መላእ ኢትዮጵያዊ ‘ዩ።
ኣብ ወፃኢ ዓለም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ትፅቢት ዝግበረሎም ብዙሕ ስራሕ ኣሎ። በዚ ጉዳይ ዘኹረፉ ኣካላት ድማ መንግስትን ሃገርን ኢሉ ‘ውን ጥቕሚ ህዝቢ ብምፍላይ ትኹረት ክህብዎ ዝግባእ ነገር ከምዝኾነ ክግንዘቡ ይግባእ። ነዚ ‘ዩ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ናይ ውሽጢ ሰላምና ትኹረት ሂብና ክንሰርሐሉ ይግባእ እንብል ዘለና ይብሉ።
ብተመሳሳሊ ‹‹ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ብቀጥታ ካብ ኢትዮጵያ ህልውና ቀፃልነት ምርግጋፅ ዝደሓሓዝ ‘ዩ›› ዝበሉ ድማ ባዓል ሞያ ምጣነ ሃፍቲ ጉቱ ቴሶ (ዶ/ር) ‘ዮም።
ጉቱ (ዶ/ር) ከምዘብርህዎ ፤ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ጉዳይ ንኢትዮጵያ ከም ሃገር ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ተገይሩ ክውሰድ ይግባእ። ካብ መጀመርያ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ንክትስእን ዝተገበረ ብዓብይ ተንኮል ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ሃገርና ብኢኮኖሚን ፖለቲካውን ዘፈር ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ተደማፅነት ዝቕንስ ኾይኑ ተረኺቡ ‘ዩ።
በዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ በቢእዋኑ እናወሰኸ ይርከብ። ናብ ወፃኢ እንልእኾ ምህርቲ ብተመሳሳሊ እናወሰኸ ‘ዪ። ኾይኑ ግና ባዕልና እንቆፃፀሮ ኣፍደገ ባሕሪ እንድሕር ዘይሃልይና ምንም ዝኣክል ምህርት እንተዓበየ ትፅቢት ብዝግበረሉ ብርኪ ተረባሕቲ ክንኾን ኣይንኽእልን። ባዕልኻ እተመሓድሮ ወደብ ብዘይምህላዉ ናይ ሃገር ውሽጢ ምህርቲ ንምዕባይ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ጥረ ኣቅሐ ብእኹል ኩነታት ንምቕራብ ፤ከምኡ ‘ውን ብኢንቨስትመንት ምስ ወፃኢ ሃገራት ባዓል ሃፍትታት ንምስሓብ ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ኣሎ። እዚ ድማ ብዓለም ዕዳጋ ዝህልዎ ተወዳደርነት ዘትርፍ ‘ዩ።
በዚ ብተቃዋሚ ወገን ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታት እንሰምዖ ነገር ግን ብጣዕሚ ዘሕፍር ‘ዩ። ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ መንግስቲ ኩነታት ኣብ ዝበላሸዎ እዋን ግዜ ንምግዛእ ዘልዕሎ ‘ዩ ተባሂሉ እንትንገር ንሰምዕ ኢና። ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ብዘላቕነት እትቕበል ሃገርን ብግዝያዊነት ዘሎ መንግስቲ ብኣግባብ ብዘይ ምፍላይ ዝመፅእ ‘ዩ።
ንኣብነት እቲ ግድብ ዝጀመረ መንግስቲ ብህዝቢ ተቃውሞ ተቐይሩ ‘ዩ። እቲ ግድብን ኢትዮጵያን ግና ኸዚ ‘ውን ኣለዉ። ብምዃኑ ኣብዚ ጉዳይ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ኣፍደገ ባሕሪ ጉዳይ ህልውና ከምዝኾ ብምግንዛብ ናይ ሓባር ስምምዕነት ሒዙ ብሓድነት ምስራሕ ትፅቢት ይግበረሉ።
ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ ኢትዮጵያ ናይ ዝኾነ ሃገር ሉኣላውነት እተኽብር ‘ያ፤ ብታሪኽ ናይ ዝኾነ ሃገር ሉኣላውነት ተንኪፋ ኣይትፈልጥን ። በዚ መሰረት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእል ዝኾነ ሰላማዊ መገዲ ብምጥቃም ክሳብ ትረክብ ጠንካራ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ እትሰርሕ ‘ዩ ዝኾን። መዓዝ? ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ዝብል ጉዳይ ግዜ ብዝምልከት ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ክሳብ ዝምለስ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ዝግባእ ሕቶ ከምዝኾነ ዘይተርፍ ‘ዩ ክብሉ እቶም ምሁራን ኣመልኪቶም ‘ዮም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 22 ጥሪ 2017 ዓ.ም