ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብፖለቲካዊ ዘተ ጥራሕ ክፍታሕ ኣለዎ

ኩናት ኣይጀመር እምበር ሓደ ግዜ እንድሕር ተጀሚሩ ዘስዕቦ ጉድኣት ከቢድ ‘ዩ:: ብዙሕ በሰላ ዝፈጥረልኻ ወይ ዝገድፈልካ ‘ዩ:: እዚ ከይመፅእ ድማ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእን ኣፈላላይንን እንተጋጥም ብፖለቲካዊ ዘተን ምይይጥን ኣብ ጠረጴዛ ክፍታሕ ኣለዎ እምበር ናብ ጎንፂ ምኻድ መዘዙ ብዙሕ ‘ዩ:: ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእን ኣፈላላይን ዘሎም ዝፀንሐን ‘ዩ። ኾይኑ ግና ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእ ብጎንፂ እንተይኮነስ ብፖለቲካዊ ዘተን ምይይጥን ጥራሕ ‘ዩ ክፍታሕ ዘለዎ::

ኣብ ሃገርና ፖለቲካ ዘይምርድዳእ ብዘተ ብዘይምፍተሖም ምኽንያት ብዙሕ ክሳራታት ኣጋጢሙ ‘ዩ:: ኣብ ቀረባ እዋን ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ስዒቡ ብዝተፈጠረ ኹናት ዝበፅሐ ጉድኣት ቀሊል ዝባሃል ከምዘይኾነ ናይ ኹላትና ናይ ቀረባ ተዘክሮና ‘ዩ።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ህይወት ሰብን ንብረትን ቀሊል ዘይባሃል ዕንወት በፂሑ ‘ዩ :: ኮይኑ ግና እዚ ድሕሪ ብዙሕ ኪሳራታት በሰላን ብፖለቲካዊ ስምምዕነት ምኽንያት መዕለቢ ከምዝረኸበ ይዝከር። ንሱ ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ብዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዕነት ‘ዩ:: እዚ ስምምዕነት እዚ ንብዙሓት ተስፋን ናይ ሕሊና ዕረፍቲን ዝሃበ ‘ዩ ነይሩ።

ኩናት ዕንወት ካብ ምምፃእ ሓሊፉ ንማንም ኣይጠቕምን፤ ከም ሃገር ይኹን ክልል ጎንፂ ምፍጣር ፣ ዘለካ ንብረት ካብ ምዕናው ሓሊፉ ህዝቢ ናብ ስቃይን መከራን ካብ ምእታው እምበር ዝኾነ ይኹን ዘትርፎ ነገር የለን። ብፍላይ ድማ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ ወለዶ ተስፋ ንከይህልዎ ካብ ምግባር ዘሓለፈ ብኹናት ዝስተኻኸል ነገር ኣይህልዉን ። እዚ ብምዃኑ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ፖለቲካዊ ፀገም ብፖለቲካዊ ዝርርብ ክፍታሕ ብምግባር ናይ ብዙሓት ሰባት ምርግጋዕ ከምፅእ ዝኻኣለ ኣጋጣሚ ‘ዩ:: በቲ ስምምዕ መሰረት ብዙሓት ነገራት ተቐይሮም ‘ዮም::

ኣብዚ ዘበን እዚ ናይ ሓሳባት ልዕልና ረብሓ ከምዘለዎ ኣብ ግምት ብምእታው ንህዝቢ ቅድምያ ብምሃብ ምንቕስቓስ የድሊ። ብፍላይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ፓርቲ ይኹን ገዛኢ ፓርቲ ብቐዳምነት ናይ ህዝቢ ረብሓን እንታይ ከምዝደሊ ብጥንቃቐ ብምፍላይ ከኽብር ኣለዎ።

ካብዚ ወፃኢ ንዝኸድ ፖለቲካዊ ፓርቲ ንህዝቢ ዘይረብሕ ስለዝኾነ ካብ ስልጣን ‘ውን ክወርድ ‘ዩ ዘለዎ። ንህዝቢ ናብ ሓደጋ ዘእቱ ፓርቲ ህዝቢ ፈፂሙ ግዜ ክዋሃቦ የብሉን። ማንም ይኹን ማንም ልዕሊ ህዝብን ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ንላዕሊን ዝኸድ መሰል የብሉን። ብፍላይ ድማ ህዝቢ ብትኹረት ዝምልክቶ ጉዳይ ሰላም እቲ ገዛኢ ፓርቲ ናይ ምርግጋፅ ግዴታ ኣለዎ። ምኽንያቱም ሰላም ናብ ዋጋ ዕዳጋ ክኣቱ የብሉን።

ሰላም ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን፤ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ዝመፀ ለውጢ ‘ውን ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። ካብ ዘይምርግጋዕን ጎንፅን ዘትረፋናዮ ንዝክሮ ኢና። ካብ ዝርፍያ ሓሊፉ ህይወት ሰብ ምጥፋእ ኣሎ፤ ኣብ መንጎ ህዝብታት ጎንፂ ምፍጣር እዚ ምርዳእ ዘይምኽኣል ምንም ዓይነት ንህዝቢ ዘይም ሕሳብ ‘ዩ።

ኣብ ዝኾነ ማሕበረሰብ ናይ ሰላምን ፀጥታን ኩነታት ዘይሕለው እንተኾይኑ ስርዓት ኣልቦነት ‘ዩ ዝነግስ። እዞም ሰላም ዘየንግሱ ኣካላት ህዝቢ ሓድነቱ ኣስጢሙ ተተቓሊሱ ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ከምዘይኾኑ ከፍልጦም ይግባእ። ምኽንያቱም ህዝቢ ዝደሊ ሰላምን ልምዓትን ‘ምበር ካሊእ ኣይኮነን። ህዝቢ ሰላም እንተረኺቡ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ንምእታው ስለ ዘይፅገም ሰሪሑ ህይወቱ ክመርሕ ይኽእል ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ናይ ልምዓት ፅምኢ ‘ዩ ዘለዎ፤ ህዝቢ ብፍላይ ሕዚ ቐልጢፉ ካብቲ ዝበፅሖ ዕንወት ምውፃእ ‘ዩ ዝደሊ። ሕዚ ካብቲ ኩናት ወፂኡ ገፁ ናብ ልምዓት ገይሩ ኣሎ፤ ክሕገዝ ድማ ይግባእ። ግና እዚ ድልየቱ ንምዝራግ ሓደ ሓደ ኣካላት ንናይ በዓሎም ረብሓ ክብሉ ፀገም ዝፈጥረሎም ዘለዉ ኣካላት ኣምሪሩ ክቓለሶም ይግባእ። መሊሶም ሰላሙ ከይዘርግዎ ነቒሑ ክከታተሎም ኣለዎ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኸባቢታት ከም ዝርኣይ ኩሉ ኣብ መንጎ ፖለቲከኛታት፣ ብሄራትን ህዝብታት ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ጎንፅታት ተላዒሎም ብዝርርብ ምድምማፅን ክፍትሑ ብዘይ ምኽኣሎም ብዙሕ ህይወታውን ናውትን ኪሳራታትን ዕንወትን ኣብፂሖም ከምዝሓለፉ ናይ ቀረባ ተዘክሮና ‘ዩ። እዚ ንከይመፅእ ድማ ናይ ሓደ ኣካል ሓላፍነት ጥራሕ ኣይኮነን::

ኣብዛ ሃገር ዘለዉ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ፣ ውድባት ፖለቲካ፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ፣ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ሃገር ፣ ንመንግስቲ ሓዊሱ ተኣኪቦም ኣብ ዙርያ ጠረንጴዛ ኮፍ ኢሎም ከም ሃገር ንምቕፃል ኣብ ዘስማዕምዖምን ሓደ ዝገብሮምን ነገራት ተዘራሪቦም ሃገራዊ ዝኾነ ፍታሕ ከቅምጡ ትፅቢት ይግበረሎም።

ኣብ ትግራይ ድማ ኣብ ቕድሜና ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ካብ ምኽክርን ዘተን ወፃኢ ኻልእ መማረፂ የለን:: እዚ ብምርዳእን ካብ ዝሓለፈ ስኣን ምኽክር ዘጥፋናዮም ነገራት ትምህርቲ ብምውሳድን ንሰላምን ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ብዘተን ምይይጥን ኣብ ምፍታሕ ትኹረት ምግባር ይግባእ::

ሰላም ካብ ምዕቃብ፣ ሰላም ካብ ምፅናዕ ፣ ሰላም ካብ ምሕላው ፣ ምዕባለ ሃገር ንክቕፅል ካብ ምግባርን ሓድነት ህዝብታት ኣብ ምጥንኻር ምኽክር ምግባር ዓብይ ግደ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ‘ውን እዚ መገዲ ብሃንቀውታ እናተፀበየ ይርከብ። ሰላም ክንደየናይ ኣድላይ ከምዝኾነ ካብ ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ኩነታት ኹሉ ትምህርቲ ወሲዱ ‘ዩ።

 እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ  22 ጥሪ 2017 ዓ.ም

Recommended For You