
ዜጋታት ኣብ ኸይዲ ምእካብ ኣጀንዳ ብንቕሓት ክሳተፉ ከም ዘለዎም ኮምሽን ሃራዊ ምኽክር ኣፍሊጡ፡፡ እቲ ኮምሽን ዜጋታት ኣብ ኣድላይነት ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣመልኪቱ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ፡፡
ሙሉእ መልእኽቱ ድማ፡–
ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽር ዜጋታት ብመልክዕ ኣጀንዳ ዘቕርብዎም ሓሳባት ኣዝዮም ኣድለይቲ ከምዝኾነ ዘጠያይቕ ኣይኮነን፡፡ኮይኑ ግና ዜጋታትን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብንቕሓት ንኽሳተፉ ንምንታይ ኣድልዩ?ከመይ ዝበለ ውፅኢት ከምፅኡ ኸ ትፅቢት ይግበር?ንዝብሉ ሕቶታት ዝስዕብ መብራህርሂ ሂቡ ሎ፡፡
ኣካታቲ ዝኾነ ውሳነ ወሃብነት ንምርግጋፅ
ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ካብ ዜጋታት ዝእከቡ ኣጀንዳታት ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ማዕረ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ይገብር፡፡ኣፍቲ ኸይዲ ኹላትና ሓሳብና ንምቕራብ ብንቕሓት ምስታፍና እቲ ኸይዲ ዕውት ካብ ምግባር ዝሓለፈ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ግደ ምሃብ ውሳነ ንምፅዋት ማዕፆ ዝኸፍት ዩ፡፡
ሕቶ ዜጋታት ንምርግጋፅ
ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ብዜጋታን መዳግቲ ኣካላትን ዝቐርቡ አጀንዳታት ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዘለዎም ስምዒትን ድሌትን ንኸንፀባርቑ ዕድል ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ንዝተፈጠሩ ፀገማት ናይ ፍታሕ ስጉምቲ ንምውሳድ መገዲ ዝኸፍት ዩ፡፡
ድምፆም ዘይተሰምዐ ክፋላት ማሕበረሰብ ንምትእንጋድ
ሃገራዊ ምኽክር ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ኣብ ውሽጢ ማሕበራውን ፖለቲካውን መስተጋብር ድምፆም ዓርዩ ዘይተሰምዐ ክፋላት ማሕበረሰብ ሓሳቦም ንኽድመፅ መደላድል ይፈጥር፡፡እዞም ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ፖለቲካዊ፣ኢኮኖሚያውን ማሕበውን ጉዳይ ሃገሮም ስምዒት በዓልዋና ተሰሚዕዎም ሓሳቦም ምቕራቦም ኣብ ልምምድ ዲሞክራሲ ሃገርና ኣወንታዊ ፅዕንቶ ይህልዎ፡፡
ዜጋ ተኮር ፍታሓት ንምምንጫው
ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ህዝቢ በዓል ቤት ከም ምዃኑ ኣብ ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ዜጋታት ሓሳቦም ብቀጥታ ይኹን ብተወከልቶም እንተቕርቡ ኣፍቲ ኸይዲ ክህልዎም ዝኽእል መሰል ስምዒት በዓል ቤትነት ንኽረጋገፅ መገዲ ይኸፍተሎም፡፡ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝቐርቡ መፍትሒ ሓሳባት ዜጋታት ናይቲ ጉዳይ ማእኸል ኮይኖም ኣፍቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝጠቕሙ መፍትሒ ሓሳባት ብሓባር ከመንጭዉ ይኽእሉ፡፡
ምትእምማንን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንምህናፅን ንምሕዳስን
ኣብ ኸይዲ ሃገራዊ ምኽክር ዜጋታት ብሓቅን ብግልፅን ሓሳባት ኣጀንዳ ምቕራቦም ሓበራዊ ምትእምማን ንምህናፅ ዕድል ይፈጥረሎም፡፡ኣቲ ኸይዲ ድማ ኹሎም ኣካላት ካብ ሕሉፍ ተማሂሮም ብዛዕባ ናይ ፅባሕ ሓበራዊት ሃገሮም ተማኺሮም ማሕበራዊ ውዕሎም ይሕድሱ፡፡
ስለዝኾነ ድማ ኣብ መላእ ዓለም እትነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን መፃኢ ተስፋ ሃገርና ዓብዪ ግደ ኣብ ዘለዎ ኸይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ተሳተፍቲ ብምዃን ንዘለቔታዊ ፍታሕ ዝጠቕሙ ሓሳባት ብሓባር ምምፃእ ንክንኽእል ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብኽብሪ ይፅውዕ፡፡
ሄርሞን ፍቃዱ
ወጋሕታ 8 ጥሪ 2017 ዓ.ም