ኣዲስ ኣበባ፡- መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ሞንጎ ዜጋታትን ትካላትን ምትእምማን ብምፍጣር ምትእስሳር ኢኮኖሚ ዘጠናኽር ምዃኑ ፕሮግራም ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣፍሊጡ፡፡
ስራሕ ኣፈፃሚ ፕሮግራም ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣይተ ዮዳሄ ኣርዓያስላሴ ኣብ ዛዕባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ንትካላት ሃይማኖት መድረኽ ግንዛበ መጨበጢ ብቅድሚ ትማሊ እንትካየድ ከምዝገለፅዎ፤ መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ሞንጎ ሰባትን ትካላትን ምትእምማን ብምፍጣር ምትእስሳር ኢኮኖሚ ንምጥንኻርን ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅን ዘኽእል ‘ዩ፡፡
እቲ ዲጅታል መለለዪ መንነት ዘተቀላጠፈ ኣገልግሎት ንግዲ ንምርካብ፣ ምስ ድሕንነትን ምስ ውለቀ ሓለዋ ሓበሬታን ተተሓሒዙ ዘለው ፀገማት ካብ ምፍታሕ ብዝሓለፈ ከምሃገር ንምህናፅ ዲጂታል ኢትዮጵያ ዓብይ ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም። ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ክሳብ ሐዚ ን10 ሚሊዮን ዜጋታት ተበፃሒ ምግባር ዝተኽኣለ እንተኾነ’ ውን ብኣንፃር ዝተተለመሉ ግና ኣፍፃፅምኡ ክንድቲ ዝድለይ ከምዘይኾነ ብምገላፅ፤ እዚ ድማ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዘሎ ሕፅረት ግንዛበን ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታን ምኽንያት ዝተፈጠረ ምዃኑ ኣልዒሎም፡፡
እቲ መለለዪ መንነት ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ ብምርዳእ ተጠቃለሚ ምዃን ከምዝግባእ ኣይተ ዮዳሄ ብምልዓል፤ ነዚ ‘ውን ግንዛበ ብምፍጣር ኹሉ ዜጋ ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ተመዝጋቢ ንክኸውን ኣብ ምግባር ኣቦታት ሃይማኖት ልዑል ግደ ምዃኑ ገሊፆም። እዚ ድማ ኣብ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኣብቲ ሕብረተሰብ ውሽጢ ግንዛበ ብምስራፅ ቁፅሪ ተመዝገብቲ ከብ ምውሳኽ ዝሓለፈ ዝተቀላጠፈን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ንክረኽቡ ዘኽእሎም ምዃኑ ኣፍሊጦም፡፡
ዋና ፀሓፊ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ቀሲስ ታጋይ ታደለ ብወገኖም፤ ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ምትእምማን ዝፈጥርን ፍትሐዊነት ዝብል ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ዝኽተል ‘ዩ። እዚ ድማ ስርዓት ዲጂታል መለለዪ መንነት ምስ ትምህርቲ ሃይማኖት ዝኾነ ዓይነት ተቃርኖ የብሉን ኢሎም፡፡
ዲጂታል መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣብ ኣብዝሐ ማሕበረሰብ ሕፅረት ግንዛበን ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታ ብምብጋስ ተበፃሕነቱ ንእሽተይ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ኣብቲ ማሕበረሰብ ተኣማኒነት ብዘለዎም አቦታት ሃይማኖት ኣብነት ብምገባር ኣብ ዝህብዎ ትምህርቲ ብምጥቃም ተበፃሕነቱ ንምስፋሕ ዘኽእል ‘ዩ ኢሎም።
እቲ መለለዪ መንነት ሃገራዊ ልምዓት ብምዕባይ፣ ምትላልን ወንጀልን ንምክልኻል ከምኡ ‘ውን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምርካብ ዝሕግዝ ምዃኑ ብምምልካት፤ ኣቦታት ሃይማኖት እዚ ዕውት ንክኸውን ኣብነት ብምዃን ብምምሃርን ሓላፊነቶም ንክዋፅኡ፤ እቲ ሕብረሰተብ ‘ውን ናይዚ ኣገልግሎት ተጠቃሚ ምዃን ከምዝግባእ ኣፍሊጦም፡፡
ኣብቲ መድረኽ ፕሬዚዳንት ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ናይ ትካላት ሃይማኖት ላዕላዋይ ሓላዊ ሼኽ ሓጂ ኢብራሒም ቱፋ፣ ኣቦ ወንበር ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ብፁዕ አቡነ ጎርጎሪዮስ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ሚኒስትር ቸሩጌታ ገነነ ሓዊሱ ላዕላዎት አመራርሓ ትካላት ሃይማኖትን ኣቦታትን ኣብ ዝተረኸብሉ ተኻይዱ፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም