መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንሃገራዊ ምርድዳእ

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ልዕሊ 76 ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብባህላዊ ኣከዳድና ደሚቖም፣ ብዝተፈላለዩ መጋየፅታት ኣጋይፆም፣ ባህላዊ ሙዚቅኦም እናዝየሙን ሳዕስዒቶምን እናሳዕስዑን፣ በብቋንቁኦም እናተዛረቡን እናተረዳድኡን ብጉራማይለ ፅባቐ 29 ሕዳር የኽብሩ። መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ማዕርነት ብዙሓት ማለት ‘ውን ማዕርነት ቋንቋ፣ ባህልን ሃይማኖትን ዘረጋገፀን ሃፍቲ ሃገር ብፍትሓውነት ናይ ምጥቃም መሰል ንዘጎናፀፈን 29 ሕዳር በቢዓመቱ የኽብሩ።

ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን 29 ሕዳር እንተኽብሩ ንዘይምርድዳእ ብዝፈትሕ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብዝሃንፅን ብዘፅንዕን መልክዑ ‘ዩ። ናይ ሎሚዓመት መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን “ሃገራዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል ቴማ ዝመፅእ 29 ሕዳር ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ ክኽበር ‘ዩ።

እቲ መዓልቲ ኹሎም ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና መንነቶም ንክኽበርን ኣብ ቐፃሊ ንፍትሒ፣ ነፃነትን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምኽባርን ንምርግጋፅን ብሓባር ጠንኪሮም ንኽሰርሑ ብሓባር ዝለዓልሉ መሰረት ዘንበረ ‘ዩ። ርክባት፣ ምትእስሳርን ሓድነትን ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘጠናኽሩ ከምኡ ‘ውን ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ቱባ ባህልታቶምን እሴታቶምን ዘፋልጥሉ ዕድል ‘ውን ዝፈጠረ ‘ዩ።

ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይ ቦሌ መራሒት ጉጅለ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ፍረህይወት ለገሰ ንትፕኢ ኣብ ዝሃብኦ ርኢቶ፤ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት 29 ሕዳር ምኽባሩ ሃገራዊ ሓድነትን ምርድዳእን ዘፅንዕ ‘ዩ፤ ከምሃገር እናጋጠሙ ንዝርከቡ ዘይምርድዳኣት ብምክእኣልን ብምክብባርን ፍታሕ ንክረኽቡን ህዝብታት ብሰላም ንኽነብሩን ዝገብር ‘ዩ ይብላ።

በቢዓመቱ ዝኽበር መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን 29 ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ኹሉ ዜጋ ብዓሌት፣ ብሃይማኖትን ብሄርን ከይተፈላለየ ሰብ ብምዃኑ ተኸቢሩ ብማዕርነት ንኽነብር ዝገብር ‘ዩ፤ ዜጋታት ብማዕርነት ምንባሮም ሰላምን ሓድነትን ክቕፅል ይገብር ክብላ ርኢቶአን ሂበናና።

29 ሕዳር ዝኽበር በዓል ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣፈላላይና ድምቀትና፤ ንሓድነትና ፅባቐ ምዃኑ ዘርእይ ‘ዩ፤ ብዓሌት፣ ሃይማኖትን ቋንቋን ከይተፈላለና ተሓባቢርና ብሓድነት ንኽንነብር ዝገብር ‘ዩ፤ እዚ ‘ውን ሃገራዊ ምርድዳእ ዘፅንዕ ‘ዩ ክብላ የብርሃ።

ኣብ ሃገራዊ ምርድዳእ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ዓብዪ ‘ዩ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልምዓት፣ ሰናይ ፍቓድን ህንፀት ሰላምን እናተፃወትኦ ዝርከባ ግደ ዓብዪ ‘ዩ። ኣብ ኣፈላላይ ጉራማይለ ፅባቐ፤ ኣብ ጉራማይለ ፅባቐ ድምቀት፤ ኣብ ኣፈላላይ ሓድነት ዝስትውዐለሉ መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን 29 ሕዳር ምኽባሩ ኢትዮጵያዊነት የምህር፤ ይሰብክ ‘ውን ኢለን።

ኣካቢት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወይዘሮ መቅደስ ተክሉ ብወገነን፤ መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት 29 ሕዳር ምኽባሩ ሰላምን ሓድነትን ዘረጋግፅ፤ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዘማዕብል ‘ዩ ክብላ ተዛሪበን። ኣፈላላይና ዘባእሰናን ዘጓንፀናን ከይኾነስ ፅባቐና ‘ዩ፤ ነቲ ፅባቐና ዝኾነ ኣፈላላይና ብምክእኣል፤ ብሓድነት ንኽንነብር እሴታትናን ባህልናን ክኽበሩ ኣለዎም፤ ባእስን ሞገትን ገዲፍና ብሰላምን ሓድነትን ክንነብር ኣለና ይብላ።

ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ደስ ዝብልን ዘኹርዕን መንነት ኣለዎም፤ ብዘኹርዕ መንነት ብሰላምን ብፍቕርን ምንባር ኣድላዪ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ብብሄር ብሄረባት ዝተወቐረት ‘ያ፤ እቲ ሓደ ናይቲ ኻልእ ባህሊ፣ ቋንቋን ሃይማኖትን ኣኽቢሩ ብፍቕርን ሓድነትን ክነብር ኣለዎ ክብላ ይገልፃ።

ብምምኽካርን ብምክብባርን ሓቢርካ ምንባር ካብ ኣያታትና ተማሂርና ኢና፤ ሕዚ ግና ኣቦታትና ንዘምሃሩና ምክብባር ገዲፍና ብሄርተኝነት ኣልዒልና ኢና፤ እዚ ዘልዓልናዮ ልክዑ ዝሓለፈ ብሄርተኝነት ኣይጠቕመናን፤ ከም ሰብ ተኸባቢርና ንዘለና ሓቛፋይነትን ኣካባይነትን ብምቕፃል ብፍቕርን ሰላምን ክንነብር ይግባእ ክብላ ኣብሪሀን።

ብሄር ዝምረፅ ጉዳይ ዘይኾነስ ብተፈጥሮ ዝወሃብ ‘ዩ፤ ብተፈጥሮ ብዝተውሃበ ነገር ምጉናፅ ኣድላዪ ኣይኾነን፤ ሰብ ብምዃንና ተሓባቢርና ምንባር ‘ዩ ኣድላዪ ነገር ይብላ። 29 ሕዳር ዝኽበር መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባት ንዘለዉና ፀገማት ቐሪፉ ሓድነት ዘምህር ‘ዩ ክብላ ተዛሪበን።

ዝመፅእ 29 ሕዳር ዝኽበር በዓል ብሄር ብሄረሰባት ሓድነት ንምምፃእ ዓብዪ ኣበርክቶ ኣለዎ ክብላ ነባሪት ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ወይዘሮ እቴነሽ ለገሰ ይዛረባ። በዓል ብሄር ብሄረሰባት ሕብረ ብሄራውነት፣ ሓድነትን ምክእኣልን ዘምህር ብምዃኑ ሃገራዊ ምርድዳእ ዘምፅእ ‘ዩ ክብላ ሓቢረን።

“ኣነ ኣምሓረይትን ኦሮምን ‘የ፤ ካብ ክልቲኦም ብሄራት ‘የ ተወሊደ፤ ካብ ክልቲኦም ብሄራት ምፍጣረይ መሪፀዮ ከይኮነስ ብተፈጥሮ ዝረኸብክዎ ‘ዩ፤ ብተፈጥሮ ዝተረኸበ ብሄር ከባእስ ኾነ ከጓንፅ ኣይኽእልን፤ ሰብ ብምዃንና ተኸባቢርናን ተፋቲውናን ምንባር ‘ዩ ዘላቒ ሰላም ዘምፅእ” ኢለን። ንፀገማት ብዘተን ብሰላምን ብምፍታሕ፣ ብፍቕርን ሕብረትን ምንባር ‘ዩ ዘድሊ፤ መንእሰይ መንግስትን ዓርሱን ኣብ ዝፈጠሮ ዕድል ስራሕ ብምውፋር ዓርሱን ሃገሩን ከዕብይ ከምዘለዎ ኣመላኺተን።

29 ሕዳር ንብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን መግለፂ ድምቀቶም፣ ፅባቐኦምን ሕብረቶምን ‘ዩ። እቲ በዓል ሕገ መንግስቲ ፌ.ዴ.ሪ.ኢ ንዝፀደቐሉ 29 ሕዳር 1987 ዓ.ም ንምዝካር ዝኽበር በዓል ‘ዩ። ቐንዲ ረብሓ ምኽባር እቲ በዓል ኣብ ሕገ መንግስትን ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ስርዓትን ሃገርና ሕብረተሰብ ዝሓሸ ግንዛበ ንኽረክብ ምቹው ኩነታት ንምፍጣር ‘ዩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You