ኣዲስ ኣበባ፡- ኣመሓዳሪ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣክሱም ፅዮንን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ማእከላይ ዞባን ክቡር ንቡረ እድ ጎደፋ መርሃ፣ ነቲ በዓል ኣመልኪቶም ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ በዓል ሕዳር ፅዮን በቢዓመቱ ኣዝዩ ብርክት ዝበለ ተኸታሊ እምነት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትናን በፃሕቲ ዓዲን እንትመፅእ ብኽብሪ ተቐቢልኻ፣ ኣኽቢርኻ ምስናይ፣ ኣክሱማውያን ዝፍለጥሉ ድሙቕ ባህሊ ‘ዩ::እዚ ተዓቒቡ ክኸይድ ኣለዎ::
ብኻሊእ ወገን ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ኣኽሱም ዋና ኣዛዚ ፖሊስ ተጋዳላይ መኮነን ኣሰፋ ነዚ ኣመልኪቶም ከም ዝገለፅዎ፤ ሎሚ ዘበን ዝኽበር ክብረ ብዓል ሕዳር ፅዮን ብስነ-ስርዓት ንምኽባር ኣብ ስራሕቲ ፀጥታ ምውዳድ ክህሉ ብብርኪ ከተማ መድላዋት ተወጊኖም ‘ዮም::
ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዘተኣማምን ሰላም ከምዘላ ኩሉ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዝነብር ማሕበረሰብና ክግንዘበልና ይግባእ ድሕሪ ምባል፤ ናብ ከተማና ዝመፅእ ጋሻ ብሰላም ኣትዩ ብሰላም ከምዝወፅእ ብምትእምማን ክብረ ብዓል ሕዳር ፅዮን ከኽብር ብሙሉእ ምትእምማን ክመፅእ ይግባእ ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡ ኩነታት ተሽከርከርቲ ብፍላይ ድማ ምስ ሞተር ሳይክላት ተኣሳሲሩ በዝሒ መኻይንን በዝሒ ሰብን ስለዘጋጥም ካብ 18 ሕዳር 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘይካ ዝተፈቐደለን ሞተር ሳይክል ካልኦት ጠጠው ክብላ ከም ዝተገብረን ሓቢሮም።
እዚ ቅንያት ክብረ ብዓል ሕዳር ፅዮን ዝኽበረሉ እዋን ስለዝኾነ በዓል ብሰላም ክሓልፍ ምእንቲ ካብቲ ክብረ ብዓል ምኽባር ወፃኢ ካልእ ዝኾነ ይኹን ንፀጥታን ሰላምን ከተማና ዝርብሽን፣ ዝህውኽን ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስን ፀለመታትን ንስራሕትናን ንምኽባር ፀጥታናን ንምውሓስ ሰላምናን ስለዝጎድእ ካብ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ክንቑጠብ ይግባእ ክብሉ ኣታሓሳሲቦም::
ከም ሓበሬታ ቢሮ ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ፣ ህዝቢ ኣኽሱም ብዓል ሕዳር- ፅዮን ከኽብሩ ንዝመፁ ኣጋይሽ ብፍሉይ እናተቐበለ ንምትእንጋድ በዓል ሕዳር ፅዮን ሎሚ ዓመት ብዝደመቐ ስነ- ስርዓትን ፍፁም ሰላማዊን ኮይኑ ንምኽባር ኩሉ ምድላዋት ተዛዚሙ ኣሎ ክብል ዝሓበረ ድማ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ማእከል እንትኾን ኣብዚ ድሙቕ ክብረ ብዓል ክትሳተፉ ተዓዲምኩም ኣለኹም ክብል ‘ውን ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም