ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብዚ በጀት ዓመት 2017 ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ከም ኣብርሃ ወኣፅብሓን ኣቡነ ኣፍፄን ቤተክርስትያናት ከምኡ ‘ውን ሓወልቲ ኣክሱም ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋ ሓደጋ ኣንፃላልይዎም ዝርከብ ብምዃኑ ናይ ምፅጋን ምልማዕን ስራሕቲ እናተሰርሐ ከምዝርከብ በዓል መዚ ሓለዋ ቅርሲ ኢትዮጵያ ገሊፁ::
ኣብ በዓል መዚ ሓለዋ ቅርሲ ኢትዮጵያ ሓላፊ ዴስክ ስራሕቲ ልምዓት ቅርስታት ኣይተ ፋንታ በየነ ምስ ወጋሕታ ጋዜጣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ኣቡነ ኣፍፄን ቅዱስ ጊዎርጊስን ቤተ ክርስትያን ከም ኡ ‘ውን ኣብ ሓወልቲ ኣክሱም ናይ ፅገናን ልምዓትን ስራሕቲ እናተሳለጠ እንትኾን ኣብ ኣብርሃ ወኣፅብሃ ቤት ክርስትያን ድማ ንምፅጋን ፅንዓት እናተኻየደ ይርከብ::
ኣብ ቅርስታት ብናይ ተፈጥሮ ይኹን ሰብ ስራሕ ኩነታት እናጋጠሙ ከምዝርከቡ ዝገለፁ ኣይተ ፋንታ፤ ኣብ ተፈላላዩ ከባቢታት ሃገር ዝርከቡ ቅርስታት ከከም ኣድላይነቶም ናይ ፅንዓት፣ ፅገናን ልምዓትን እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም:: ብፍላይ ቅድሚ ሕዚ ናይ ኣክሱም ሓወልቲ ንምፅጋን ቅድሚ ኩናት ምስ ናይ ጣልያን ኩባንያ ውዕል ተኣሲሩ ዝነበረ ኮይኑ ነገር ግን ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተቋሪፁ ፀኒሑ ሕዚ ከም እንደገና ተወሳኺ ፅንዓት ተገይሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንምፅጋን ኣብ ምንቕስቓስ ንርከብ ክብሉ ገሊፆም::
እቲ ምስራቤት መጀመርያ ፅንዓት ንምክያድ ብምትላም ናብ ፅንዓት ይኣቱ፤ ፅንዓት ምስ ተወደአ ድማ ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ዝጠቖሙ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ትግራይ ከንርኢ እንተለና ካብ ሓወልቲ ኣክሱም ወፃኢ ኣብ ካልኦት ቅርስታት እቲ ክልል ‘ውን ዝተፈለላላዩ ስራሕቲ እናሰራሕና ንርከብ ክብሉ ገሊፆም፡፡
ኣብ ሓወልቲ ኣክሱም ፅንዓት ተኻይዱ ንምፅጋን ኣብ ምንቕስቓስ ንርከብ፤ ኣብ ኣብርሃ ወኣፅብሓ ቤተክርስትያን ናይ ፅንዓት ስራሕቲ እናተሳለጡ ይርከቡ፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ከም ኣቡነ ኣፍፄ ቤተክርስትያን ዝመሳሰሉ ቕርስታት ናይ ፅገናን ልምዓትን ስራሕቲ እናሳለጥና ንርከብ ኢሎም::
ብፍላይ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ፅገና ሓወልቲ ኣክሱም ተቋሪፁ ምፅንሑ ብምዝኽኻር ሕዚ ግና ተወሳኺ ፅንዓት ተኻይዱ ናይ ምፅጋን ስራሕቲ ንምክያድ እቲ ምስራቤት ኣብ ምንቕስቃስ ከምዝርከብ ተዛሪቦም:: ኣብ 26 ጥቅምቲ ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱምን መቓብር ነገስታትን ንምፅጋን ስነ-ስርዓት ምፍርራምን ርኽክብን እቲ ቦታ ከምዝተኻየደ ብምዝኽኻር፣ በዓል መዚ ቅርሲ ኢትዮጵያ ነቲ ከይዲ እናተኸታተሎ ከምዝርከብ ኣብሪሆም::
እቲ በዓል መዚ ምስ ኣማኻሪ ኩባንያ ብምዃን ምሉእ ዳህሳስ መፅናዕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣክሱም ቁፅሪ 3ን መቓብር ነገስታትን ከምኡ ‘ውን ብሪክ ኣርክን ምድላው ተገይሩ ‘ዩ:: ውዕል ምፍራም፣ ምምኽኻርን ተግባር ክትትልን ንምክያድ ዘኽእል ናይ ውዕል ስምምዕ ምስ ኤም ኤች እንጂነሪንግን ስትድዮ ክሮቺ ናይ ፌርማ ስነስርዓትን ናይ ሳይትን ርኽክብ ተሳሊጡ ‘ዩ ክብሉ ወሲኾም ኣብሪሆም::
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም