‹‹እቲ ለውጢ ምስ ብሔራዊ ረብሓታት ተኣሳሲሩ እትኽተሎም ዝፀንሐት ኣካይዳ ቀይሩ ‘ዩ›› – ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፡እቲ ለውጢ ብሔራዊ ረብሓታት ኢትዮጵያ ንምልላይን ንምኸባርን እትኸተሎ ዝፀንሓት ኣካይዳ ደኒንካ ምኽያድ ቀይሩ ‘ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብይ አሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብምኸንያት መበል ሓምሻይ ዓመት ፓርቲ ብልፅግና ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ከምዝገለፅዎ፣ ኢትዮጵያ ብሔራዊ ረብሓታታ ንምልላይን ንምኸባርን እትኸተሎ ኣካይዳ ደኒንካ ምኽያድ ነይሩ፤ እዚ ብምዃኑ ብሔራዊ ረብሓና ንምኽባር ዘየኽእል ግብራዊ ኣካይዳ ክንጉዓዝ ገይሩና ፀኒሑ ዝሓዝናዮ ጉዑዞ ለውጢ ግና ቐይርዎ ‘ዩ፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መበል ሓምሻይ ዓመት ምስረታ በዓል ፓርቲ ብልፅግና ኣመፅኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም፣ “ለውጢን ፍረታት ለውጢን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢን ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እዚ ዘበን ኢትዮጵያ መሊሳ እትብርኸሉ ንክኸውን ብሓባር ንላዓል ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ መልእኽቶም፣ ናይዚ ለውጢ መሪሕን ውፅኢትን ናይ ዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና መበል ሓምሻይ ዓመቱ እንትነኽብር ዝሓለፉ ዓወታት ቆፂርናን ኣማዕቢልናን ብምቕፃል፣ ፈተናታትና ብምውፃእን ስሕተታትና ብምእራምን ክኸውን ‘ዩ ኢሎም። ናይቲ ለውጢ ቃልሲ፣ ስራሕን ውፅኢትን እዚ ለውጢ ልዕሊ ሓደ ፓርቲ ‘ዩ ብምባል፣ ረብሕኡ ‘ውን ሃገራዊን ንኹሉ ዓይነት ማሕበረሰብ ከምዝኾነን ብምግንዛብ፣ በቲ ለውጢ ዝተረኸቡ ፍረታት ናይቲ ጅማሮ ቅኑዓት ኣመላኸቲ ከምዝኾኑ ‘ውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣመራርሓን ኣባላትን እቲ ፓርቲ፣ ኣመራርሓን ኣባላትን ተነሓናሕቲ ፓርቲታት፣ መልላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ እቲ ለውጢ ሰኺኑን መሰረት ሒዙን፣ እዚ ዘበን ኢትዮጵያ መሊሳ እትብርኸሉ ንክኸውን ብሓባር ንክንለዓልን ክንቃለስን በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ ኣቕርብ ኢሎም።

ብፀቕጢ ህዝብን ፓርቲን ዝመፅአ ሃገራዊ ለውጢ ፈላማይ መዕራፉ ይሳገር ከምዘሎን ኣብዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ለውጢ ሓሳባት ብቃልን ተግባርን ከምዝተገለፁን ብምሕባር፣ ናይዚ ለውጢ ፈተናታት ‘ውን ኣካል ረኺቦም ብዝግባእ ብምቕላዕ ህዝቢ ፈሊጡ ንኽቃለሶም ከምዝተገበረ ኣገንዚቦም። እዚ ድማ ናይቲ ለውጢ ፍረታት ንምብዛሕ፣ ናይቲ ለውጢ ፈተናታት ንምምብርካኽ ዕድል ከምዝፈጠረ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ናይ ፖለቲካ ታሪክ ዝሕተቱ ዝነበሩ ሕቶታት ካብ ቃል ዘሊሎም ተግባራዊ ምላሽ ከምዝረኸቡ ብምግላፅ፤ ናይ ፖሊሲ፣ ሕግን ኣሰራርሓን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ባህሊ ለውጢ ኣምፂእና ኢና ብምባል፣ እቲ ለውጢ ዝሓለፉ ናይዛ ሃገር ስብራታት ዝፅግን፣ ሎሚ ንዘሎ ኩነታት ዝምጥንን ናይ ፅባሕ ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዘመዓራሪን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ናይዚ ዘበን ለውጢ መራሒ ፓርቲ ዝኾነ ብልፅግና መበል ሓምሻይ ዓመቱ ኣብ ዘኽብረሉ እዋን፣ ናይ ብልፅግና ምምስራት፣ ኣብ ዘበናዊ ታሪክ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ ፓርቲታት ፖለቲካ ታሪክ ምዃኑ ዘረጋገፀ ከምዘኾነ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም። እቶም ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ንቕሓት ፖለቲካ ንክፍጠር ከምዝገበሩ ብምግላፅ፣ ኣወዳድባ ፖለቲካ ከምዘምፀአ ሓቢሮም።

ንዕውት ውፂኢትና ቖፂርናን ኣጎልቢትናን ብምቕፃል ንፀገማትና ብምፍላይን ንጌጋታትና ብምእራምን ይኸውን፤ ቃልሲ ንለውጢ ስራሕ ንለውጥን ውፂኢትን ልዕሊ ሓደ ፓርቲ ‘ዩ፤ ረብሑ ‘ውን ሃገራውን ንኹሉ ዓይነት ማሕበረሰብ ‘ዩ ፤ ልዕል ኢሎም ዝተፀርሑ መርአያታት ንጅማሮታትና ትኸክለኛ መርአያታት ‘ዮም ክብሉ ኣብሪሆም::

ኮይኑ ግና ምጅማርና እንበር ምዝዛምና ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ኣባላትን ኣመራርሓን፣ ተናሓናሕቲ ፓርትታት ፖለቲካ፣ መላእ ህዝብታት ኢትዮጵያ፣ እቲ ለውጢ መሰረትን ሱሩን ሒዙን ሰኺኑን ንክኸውን ብሓባር ንምቕላስ ፃውዒት ቕሪቦም፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You