ሲምቦ ኣለማየሁ – ሕፁይቲ መንእሰይ ኣትሌት እዚ ዓመት

ኣትሌቲክስ ዓለም ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ምሩፃት ኣትሌታት እዚ ዓመት ናይ መወዳእታ ኽልተ ሕፁያት ዕላዊ እንትገብር ነቲ ሻምፒዮን ማራቶን ኦሎምፒክ ታምራት ቶላ ኣብ ዘፈር ውድድራት ካብ ገዛ ወፃኢ ከምዘካተቶ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣትሌቲክስ ዓለም ቕድሚ መዓልትታት ናይዚ ዓመት ኮኾብ መናእሰይ ኣትሌታት (ትሕቲ 20 ዓመት) ናይ መወዳእታ ሰለስተ ሕፁያት ዕላዊ እንትገብር ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ እታ ሓንቲ ኾይና።

ኣብ 2024 ናይ ውድድር ዓመት ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ፣ ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም፣ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት ዓለም፣ ሃገር ኣቋራጭ ሻምፒዮና ዓለምን ኻልኦት ውልቃዊ ውድድራትን ዘደንቕ ብቕዓት ከርእዩ ዝኸኣሉ ዕድመኦም ትሕቲ 20 ዓመት ዝኾኑ ኣትሌታት ሕፁያት ኾይኖም ምቕራቦም ኣትሌቲክስ ዓለም ኣፍሊጡ።

ብደቂ ኣንስትዮ ካብተን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ሕፁያት እታ ሓንቲ ንምዃን ዝኸኣለት መንእሰይ ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ፣ ኣብ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት ዓለም ብ3ሽሕ ሜትር መሰናኽል ከምዝተዓወተት ዝዝከር እንትኸውን፣ ኣብ 2024 ኦሎምፒክ ፓሪስ ‘ውን ብተመሳሳሊ ርሕቐት ብዘገርም ንሕንሕ ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ‘ያ ዛዚማ። እዚ ‘ውን ናይቲ ውድድር ዓመት ዓወታ ብመንፅር ዕድመ ናይዚ ዓመት ኮኾብ መንእሰይ ኣትሌት ሽልማት ንምዕዋት ሕፁይቲ ንክትኸውን ገይሩዋ።

ሲምቦ ከም ብዙሓት ከዋኽብቲ ኣትሌታት ናይ ኣትሌቲክስ ህይወት ዝጀመረቶ ተምሃሪት ቀዳማይ ብርኪ እናሃለወት ‘ዩ። ነዚ ‘ውን ብብርኪ ፕሮፌሽናል ልምምዳት ጉያ ትሰርሕ ዝነበረት ዓባይ ሓፍታ ኸምኡ ‘ውን ናይ ብቕዓት ኣካል መምህራ የተባብዑዋ ከምዝነበሩ ንኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝሃበቶ ቓለ ምልልስ ተዛሪባ።

ሲምቦ ኣትሌቲክስ እንትጅምር ስድራቤታ ካብ ስፖርት ንላዕሊ ኣብ ትምህርታ ጥራሕ ንኽተድህብ ‘ዩ ነይሩ ድልየቶም። ኣቦኣ ግና ብዝተፈለየ ኹነታት ኣብ ናይ ኣትሌቲክስ ህይወታ ንኽትነጥፍ ይሕግዝዋ ነይሮም። “ኣቦይ ኣትሌት ንክኸውን ዝተፈለየ ድልየት ነይሩዎ፣ እዚ ድልየቱ ምናልባት ቆልዓ እናሃለኹ ቕልጡፍቲ ስለዝነበርኩ ካብኡ ዝተልዓለ ‘ዩ ዝኸውን፣ ናብ ዝኾነ ቦታ እንትልእኸኒ ቐልጢፈ ‘የ ስርሐይ ዝውድእ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ኣትሌት ናይ ምዃን ድልየተይ ዝተረድአ ይመስለኒ” ትብል።

ተወሊዳ ዝዓበየት ሳሙኤል ተፈራ፣ ኮረኒ ጀሊላ፣ ሹራ ቂጣታን ኻልኦት ኣትሌታትን ኣብ ዝፈለቑሉ ምዕራብ ሸዋ ‘ዩ። ናብ ኣትሌቲክስ ህይወት ንኽትኣትው ምኽንያት ዝኾነታ ግና ካብ ቑልዕነት ጀሚሩ እንትጎይይ እናረኣየታ ዝዓበየት ጅግና ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ‘ያ። “ኣቦይ ኣትሌቲክስ ንኸየቋርፅ ከበረታትዐኒ ዝኸኣለ ብምኽንያት ኣትሌት ደራርቱ ‘ዩ፣ ምኽንያቱ ‘ውን እሳ ከም ሃገር ሓበን ካብ ምዃና ብተወሳኺ ንብዙሓት ንኽለዓዓሉ ምኽንያት ‘ያ፣ ካብ ቁልዕነተይ ጀሚሩ ይፈትዋ ‘የ፣ ተምሃሪት 5ይ ክፍሊ እናሃለኹ ናታ ፎቶግራፍ ኣብ ውሽጢ ደብተረይ ኣይጠፍእን ነይሩ” ብምባል ሲምቦ ትዛረብ።

ሲምቦ ካብ ኻልኦት ውድድራት መም ንላዕሊ ነቲ ፈታኒ 3ሽሕ ሜትር መሰናኽል ምምራፃ ንዓርሳ ብፈተንቲ ነገራት ንምፍታን ካብ ዘለዋ ድልየት ዝነቐለ ምዃኑ ተረድእ። “ፈተንቲ ነገራት ምፍታን ይፈትው ‘የ፣ ነዚ ‘ውን ምስ ኣወዳት ከይተረፈ እናተወዳደርኩ ይስዕር ነይረ፣ ፈረስ ‘ውን ይጋልብ ነይረ፣ ነዚ ‘ውን ይመስለኒ ካብ ቁልዕነተይ ጀሚሩ ጠንካራ ዝነበርኩ” ትብል። ኣሰልጣኒ ሲምቦ ብርሃኑ መኮንን እንትዛረብ ‘ውን “እሳ ብተፈጥሮ ጥንኩርትን ሰዓሪትን ‘ያ፣ ካብቲ ናይ መጀመርታ ዓለም ለኻዊ ውድድራ ጀሚሩ ዝመፅአትሉ መገዲ ‘ውን ነዚ የረጋግፅ፣ ገና ንቐፃሊ ‘ውን ብዙሓት ዓወታት ክህልዉዋ ‘ዮም” ብምባል ቕድሚ ዓመት ንኣትሌቲክስ ዓለም ርኢቶኡ ሂቡ።

ሕፁይቲ ኾይና ዝቐረበት ኻልአይቲ ኣትሌት ሰርቢያዊት ተወዳዳሪት ዝላ ኣንጀሊና ቶፒክ ‘ያ። እታ መንእሰይ ኣትሌት ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ዓለም ዝላ ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ እንትኸውን፣ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ናይ ፍፃመ ተወዳዳሪትን ሻምፒዮና ውሽጢ ገዛ ዓለም ሓምሻይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ።

ሳልሰይቲ ሕፁይቲ ቻይናዊት ተወዳዳሪት ምድርባይ ጦር ያን ዢዩ እንትኸውን፣ ወርቂ ሜዳልያ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት ዓለም ካብ ምስዓራ ብተወሳኺ ኽብረወሰን ምድርባይ ጦር ትሕቲ 20 ዓመት ዓለም ክትሰብር ኽኢላ ‘ያ። እዚ ‘ውን ኽብረወሰና ብመንፅር ኽልቲአን ተነሓናሕታ ኣብቲ ዓመት ውድድር ዝሓሸት ዕዉትቲ መንእሰይ ኣትሌት ኾይና ነቲ ሽልማት ንምስዓር ሕፁይቲ ንክትኸውን ይገብራ።

ናይዘን ሕፁያት ኮኾብ ኣትሌታት ስነ-ስርዓት ሽልማት ኣብ ፈላማይ መዓልቲ ዝመፅእ ናይ ኣውሮፓውያን ወርሒ ኣብ ሞናኮ እንትካየድ ካብቶም ዓበይቲ ‘ውን ተዓዋታይ ዝኸውን ኣትሌት ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ክካየድ ‘ዩ።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም

Recommended For You